SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ እንግሊዝ ዓቕሚ ምክልኻል ዩክረይን ንምድጋፍ ናይ 4.57 ቢልዮን ዶላር (2.26 ቢልዮን ፓውንድ) ናይ ልቓሕ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ዩኪሬን ከቲሙ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ’ውን ኣውስትራሊያ ደገፋ ንዩክረይን ክትቅጽል ምዃና ኣፍሊጡ ። 800,000 ወለንተኛታት ትማሊ [2 መጋቢት] ጎሓፍ ንምእራይ ናብ ገማግም ባሕሪ: መናፈሻታት: ጐደናታትን ማያትን ኣውስትራልያ ተዋፊሮም ውዒሎም ። ኣብ ስፖርት ፡ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያ ኣውስትራልያ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ዋንጫ ኤስያ ምዕታራ ሓጎሱ ገሊጹ ።
    12 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025)
    ን ሎሚ 03 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዝኽሪ ኲናት ዓድዋ ኣብቲ ታሪኻዊ ቦታ ፕረሲደንት ትግራይ ኣብ ዘይብሉ፣ ወከልቲ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተዘኪሩ ውዒሉ። "ሎሚ እውን ፀላእትና ካብ ዝተሰሓሓተ ስልሒት ኣይወጹን" ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቡ። ብኻልእ ወገን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ "ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ምድሪን ሓይሊ ሳይበርን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ንዝመፅእ ፀላኢ ዘይኽበስ ኮይኑ ተሃኒፁ ኢዩ" ኢሉ። ኣብ መበገሲኡ ዓፋር ዝገበረ 5.2 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዓዲግራት ፡ ዓድዋን መቐለን ውን ተሰሚዑ። ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ኣብ ኣስመራ ዑደት ኣካይዱ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ እንግሊዝ ዓቕሚ ምክልኻል ዩክረይን ንምድጋፍ ናይ 4.57 ቢልዮን ዶላር (2.26 ቢልዮን ፓውንድ) ናይ ልቓሕ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ዩኪሬን ከቲሙ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ’ውን ኣውስትራሊያ ደገፋ ንዩክረይን ክትቅጽል ምዃና ኣፍሊጡ ። 800,000 ወለንተኛታት ትማሊ [2 መጋቢት] ጎሓፍ ንምእራይ ናብ ገማግም ባሕሪ: መናፈሻታት: ጐደናታትን ማያትን ኣውስትራልያ ተዋፊሮም ውዒሎም ። ኣብ ስፖርት ፡ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያ ኣውስትራልያ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ዋንጫ ኤስያ ምዕታራ ሓጎሱ ገሊጹ ።
    51 min
  • ቶክዮ ማራቶን ብዓወት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዛዚሙ፣ ቢንያም ግርማይን ጋንትኡን ዜና ካልኣይ ውላዱ ንደገፍቱ ኣበሲሮም፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (03032025)! * ማራቶን ቶክዮ 2025 ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ተዓዊቶም፡ * ቀዳማይ ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ ሞሮኮ 2026 ኢትዮጵያ ዘደንቕ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካብ'ተን ዝሓለፋ ኮይና፡ * ቢንያም ግርማይ በዓልቲ ቤቱ ካልኣይ ቆልዓ ከምዝወለደት ኣበሲሩ፡ ምስ ስድርኡ ክኸውን ድማ ቅድድማቱ ኣቋሪጹ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ፡ * ዙር ሩዋንዳ ሻብዓይን ናይ መወዳእታ መድረኽ ቅድድሙ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ብምስራዙ ኣዘራራቢ ኮይኑ፣ * ማንቸስተር ዩናይትድን ኒውካስትል ዩናይትድ ናይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ካብ ግጥማት ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ተገሊፎም፣
    11 min
  • "ሓይሊ ኣየር፡ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ምድሪን ሓይሊ ሳይበርን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ንዝመፅእ ፀላኢ ዘይኽበስ ኮይኑ ተሃኒፁ ኢዩ" ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
    ዝኽሪ ኲናት ዓድዋ ኣብቲ ታሪኻዊ ቦታ ፕረሲደንት ትግራይ ኣብ ዘይብሉ፣ ወከልቲ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተዘኪሩ ውዒሉ። "ሎሚ እውን ፀላእትና ካብ ዝተሰሓሓተ ስልሒት ኣይወጹን" ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ "ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ምድሪን ሓይሊ ሳይበርን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ንዝመፅእ ፀላኢ ዘይኽበስ ኮይኑ ተሃኒፁ ኢዩ" ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ መበገሲኡ ዓፋር ዝገበረ 5.2 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዓዲግራት ፡ ዓድዋን መቐለን ውን ተሰሚዑ። ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ኣብ ኣስመራ ዑደት ኣካይዱ። ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ (ዶ/ር) ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝጸሓፎ ሓሳብ ናይ መንግስቲ ቅዋም ከም ዘየንጸባርቕ ተገሊጹ።
    9 min
  • ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቦ መበር ሰልፊ ፈጻሚ ሃገራዊ ባይቶ ነጋሽ ዑስማን
    ኣቦ መንበር ቤ/ጽ ፈጻሚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዶ/ር ነጋሽ ዑስማን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ዝገብርዎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ከባቢ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ምስ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ዝገበረኦ ካልኣይይ ክፋል ዝርርብ።
    24 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ለካቲት 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 27 ለካቲት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ሰለስተ ውድባት ትግራይ ኣብ ትግራይ"ዝተረሓሓቐ ርድኢትን ኣፈላላይ ቅዋምን ኣሎ " ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ መቓዲሾ ክበጽሕ’ዩ ዝግብእኹም መንግስታዊ ክፍሊታት ኣየኖት ምዃኖም ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሓምሻይ ዓመት ንምዝካር ፡ ትማሊ ምሸት [ረቡዕ] ካብቲ መዓት ዝደሓኑ ኣብ ሲድኒ ተኣኪቦም ኣምስዮም። ሞስኮን ዋሽንግተንን ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ዝርርብ ንምክያድ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ሎሚ ኣብ ኢስታንቡል ይራኸቡ ኣለው ። ወለዲ ናይ ሓንቲ ጓል ሸሞንተ ዓመት ቈልዓ፡ ንጓሎም ክወሃባ ዝግባእ ኢንሱሊን ብምኽላእ ውላዶም ቀስ ኢላን ብኣቐንዛዊ መገዲ ክትመውት ብምግባሮም ናይ 14 ዓመት ማእሰርቲ ፍርዲ ተዋሂብዎም ። ጋንታ ማቲልዳስ ኣብ ክልተ ጸወታታት ተሳዒራ ሎሚ ሓሙስ 27 ለካቲት ኣንጻር ጋንታ ኮሎምቢያ ናይ መወዳእታ ግጥማ ከተካይድ እያ።
    51 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ለካቲት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሓምሻይ ዓመት ንምዝካር ፡ ትማሊ ምሸት [ረቡዕ] ካብቲ መዓት ዝደሓኑ ኣብ ሲድኒ ተኣኪቦም ኣምስዮም። ሞስኮን ዋሽንግተንን ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ዝርርብ ንምክያድ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ሎሚ ኣብ ኢስታንቡል ይራኸቡ ኣለው ። ወለዲ ናይ ሓንቲ ጓል ሸሞንተ ዓመት ቈልዓ፡ ንጓሎም ክወሃባ ዝግባእ ኢንሱሊን ብምኽላእ ውላዶም ቀስ ኢላን ብኣቐንዛዊ መገዲ ክትመውት ብምግባሮም ናይ 14 ዓመት ማእሰርቲ ፍርዲ ተዋሂብዎም ። ጋንታ ማቲልዳስ ኣብ ክልተ ጸወታታት ተሳዒራ ሎሚ ሓሙስ 27 ለካቲት ኣንጻር ጋንታ ኮሎምቢያ ናይ መወዳእታ ግጥማ ከተካይድ እያ።
    15 min
  • ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ። (ጸብጻብ)
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ሰለስተ ውድባት ትግራይ ኣብ ትግራይ"ዝተረሓሓቐ ርድኢትን ኣፈላላይ ቅዋምን ኣሎ " ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ መቓዲሾ ክበጽሕ’ዩ።
    7 min
  • The AI Election: How artificial intelligence impacted the world's biggest ballots - SBS Examines: ፖለቲካዊ ምርጫ ኤኣይ (AI): Artificial intelligence (ሰብሰርሖ ብልሒ) ንዝዓበዩ ምርጫታትን ጎስጓሳትን ኣብ ዓለምና ከመይ ጸልይዎም
    From "Communist Kamala" to Bollywood endorsements, artificial intelligence and disinformation played a big role in some of the biggest democratic elections last year. - ካብ 'ኮሚኒስት ካማላ' ክሳብ ደገፍ ካብ ቦሊዉድ፡ ሰብሰርሖ ብልሒን (artificial intelligence)፡ ኮነ ኢልካ ዘጋጊ ሓበሬታን (disinformation)፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ገለ ካብ'ቶም ዝዓበዩ ደሞክራሲያዊ ምርጫታት ዓቢይ ተራ ተጻዊቶም'ዮም።
    9 min
  • ዝግብእኹም መንግስታዊ ክፍሊታት ኣየኖት’ዮም፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    መንግስቲ ኣውስትራሊያ ንዝተፈቐደሎም ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ እቶት ደገፍ ዝህብ ናይ ማሕበራዊ ውሕስና ስርዓት ኣለዎ ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ገለ ደረጃ ህይወቶም ናይ መንግስቲ ናይ ሓገዝ ክፍሊት ይረኽቡ እዮም ። ነዞም ክፍሊታት መን ክቕበሎም ከም ዝኽእልን ክንደይ ክፍሊት ከም ዝኽፈሎምን ጽኑዕ ሕጊ ድማ ኣሎ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እቲ ልሙድ ዝኾነ ናይ መንግስቲ ክፍሊታት ንመን ከም ዝምልከቶን ክንርእይ ኢና ።
    11 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners