SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2025)
    ንሎሚ 26 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሕጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት፥ ** ነታ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ህጣማ ዘጥፈአት ቁጽሪ በረራ MH370 ነፋሪት ማሌዥያ ንምርካብ ሓድሽ ናይ ምድላይ መስርሕ ተጀሚሩ ... ** ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነቲ ብ ሩስያ እተታሕዘ መሬት ዩክረይን ሓዊስካ ፡ ብቐሊሉ ዘይርከብን ክቡርን ማዕድናት ምድሪ ኽትዕድጎ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ።... ** ኣለክስ ደ ሚኖር ኣብ ዉድድር ቴኒስ ዱባይ ኦፐን ተሳዒሩ።
    5 min
  • ዝርርብ ምስ ኣቦ መንበር ቤ/ጽ ፈጻሚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዶ/ር ነጋሽ ዑስማን (ቀዳማይ ክፋል)
    ኣቦ መንበር ቤ/ጽ ፈጻሚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዶ/ር ነጋሽ ዑስማን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ዝገብርዎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ከባቢ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ምስ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ዝገበረኦ ቀዳማይ ክፋል ዝርርብ።
    17 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ለካቲት 2025)
    ንሎሚ 25 ለካቲት ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፡ **ቮለድሚ ዘለንስኪ ዩክሬን ኣባል ኔቶ ክትከውን ጻዊዒቱ የሐይል... ** ኣብ ኣውስትራሊያ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሰንፈላል ዘለዉ ብ ኣሻሓት ዝቚጸሩ ሓተቲ ዑቕባ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተገሊጹ... ** ብ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ዝተወዳደረ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ወጺኡ።
    5 min
  • ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ ጋንትኡ የዐውት፡ ኣብ ሰቪልን ዱባይን ድርብ ዓወት ኢትዮጵያ ኣብ ጉያ እግሪ ተመዝጊቡ፡
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (24022025) * ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ጾታታት ኣብ ሰቪልን ኣብ ዱባይን ድርብ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝመጽእ ሮቡዕ ዝካየድ ግጥም ንመጻረዪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ 2026 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ኡጋንዳን ዝኣልየኦ ኣርባዕተ ናይጀርያን ደያኑ መዚዙ፡ * ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ኣልጀርያ ተሳትፎኣ ኣብ ዝዛዘመትሉ ካልእ ሃገራዊት ጋንታ ድማ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ተሳትፎኣ ጀሚራ፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ክልተ ሽቶታት ዘመዝገበ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ከኽእል'ንከሎ ኣርሰናል ኣብ ሜድኣ ብወስትሃም ዩናይትድ ድሕሪ ዘጋጠማ ስዕረት ፍልልያ ምስ ሊቨርፑል ገፊሑ ጽዋዕ ፕረሚየር ሊግ ናይ ምዕታር ዕድላ ማህሚኑ፣
    12 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ለካቲት 2025)
    ን ሎሚ 24 ለካቲት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሓይልታት ፀጥታ ምስ ነበርቲ ብዝፈጠርዎ ተፃብኦ 17 ሰባት ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ዝተነግረሉ ግጭት ንምፍታሕ ዝርርብ ተጀሚሩ። ኣብ ሰሓርቲ ትግራይ ብገለ ኣባላት ሰራዊት ዝተፈጸመ በደል ንኩሉ ሰራዊት ኣይውክልን ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም። ብካልእ ሓበሬታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ንእገዳ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ውዱቕ ግይሩ። ኣብ ትግራይ 4 ሓደሽቲ ሙሩፃ ዓሌት ዝራእቲ ብሓረስቶት ተግራይ ንኽባዝሑ ቁሩብ ከምዝገበረ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣፍሊጡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ከባቢ ጉረታት ብልዕሊ ክልተ ሚልዮን ናቕፋ ዝተዳለወ ፕሮጀክት ዝስተ ማይ ተመሪቑ። ኣብ ኤርትራ ተጀሚሩ ዝተብሃለ "ተወሳኺ መምርሒታት" ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ። ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ንዝተዘርግሐ ሲስተም ኢ-ፓስፖርት ዕላዊ ገይሩ።ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እቲ ብ ሰልፊ ለበር ተሓሲቡ ዘሎ ናይ 8.5 ቢሊዮን ዶላር ድጎማ ክፍሊት ሕክምና ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ይበጽሖም ድዩ ኣይኮነን ምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ማሕበር ሕክምና ኣውስትራሊያ [A-M-A] ገሊጹ፤ ። ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ን ሃገሩ ሰላም ዘምጽእ እንተኾይኑ ስልጣኑ ክገድፍ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ። ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ "ተኣፋፊ" ኩነታት ከምዘለዉ ቫቲካን ትገልጽ።
    42 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ለካቲት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ እቲ ብ ሰልፊ ለበር ተሓሲቡ ዘሎ ናይ 8.5 ቢሊዮን ዶላር ድጎማ ክፍሊት ሕክምና ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ይበጽሖም ድዩ ኣይኮነን ምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ማሕበር ሕክምና ኣውስትራሊያ [A-M-A] ገሊጹ፤ ። ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ን ሃገሩ ሰላም ዘምጽእ እንተኾይኑ ስልጣኑ ክገድፍ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ። ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ "ተኣፋፊ" ኩነታት ከምዘለዉ ቫቲካን ትገልጽ።
    15 min
  • ኣብ ኤርትራ ተጀሚሩ ዝተብሃለ "ተወሳኺ መምርሒታት ክተት" ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሓይልታት ፀጥታ ምስ ነበርቲ ብዝፈጠርዎ ተፃብኦ 17 ሰባት ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ዝተነግረሉ ግጭት ንምፍታሕ ዝርርብ ተጀሚሩ። ኣብ ሰሓርቲ ትግራይ ብገለ ኣባላት ሰራዊት ዝተፈጸመ በደል ንኩሉ ሰራዊት ኣይውክልን ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም ብካልእ ሓበሬታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ንእገዳ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ውዱቕ ግይሩ። ኣብ ትግራይ 4 ሓደሽቲ ሙሩፃ ዓሌት ዝራእቲ ብሓረስቶት ተግራይ ንኽባዝሑ ቁሩብ ከምዝገበረ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣፍሊጡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ከባቢ ጉረታት ብልዕሊ ክልተ ሚልዮን ናቕፋ ዝተዳለወ ፕሮጀክት ዝስተ ማይ ተመሪቑ። ኣብ ኤርትራ ተጀሚሩ ዝተብሃለ "ተወሳኺ መምርሒታት" ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ። ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ንዝተዘርግሐ ሲስተም ኢ-ፓስፖርት ዕላዊ ገይሩ።
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ለካቲት 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 20 ለካቲት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ። ኲናት ብምጽሕታር ዝተኸሰሰት ኤርትራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽዑቕን ምትዂታዂን ኣዊጁ ክትብል ከሲሳ። መበል 50 ዓመት ፅምብል ህወሓት ብዝተኸፋፈለ ኩነታት ተኸቢሩ። ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ትግራይ ሕገመንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ "ኣብ መንጎኛ ይዕናሕ" ንዝበለ ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆ ኮኒኖም። ብሃገራዊ ማሕበረሰባት ካውንስል ኤርትራዊያን (ENCC) ኣብ ኣውስትራሊያ ተመዲቡ ዝነበረ ፌስቲቫል ምስራዙ ዝምልከት ዝርርብ ምስ ሃቱ ገብረመድህን። ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣለና። ። ዓቕሚ ዘፍቅዶን ንኹሉ ዝኾንን ንጥፈታት ድሕሪ ትምህርቲ፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ሕሉፍነት ዘማዕበሉ ቆልዑ ማዕረ ዓበይቲ ኣሸበርቲ ን ኣውስትራሊያ ስግኣት ምዃኑ ናይ ኣውስትራሊያ ሓላፊ ጸጥታ ገሊጹ። ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብጽል ኢ ናይ ምስልምና ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣንስቲ ዘጥቀዐት እተኸሰሰት ሰበይቲ ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ። ኣብ ተኒስ: ኣውስትራልያዊ ኣሌክስ ደ ሚኖር ኣብ ናይ ኳታር ኦፐን ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፉ ።
    49 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ለካቲት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ሕሉፍነት ዘማዕበሉ ቆልዑ ማዕረ ዓበይቲ ኣሸበርቲ ን ኣውስትራሊያ ስግኣት ምዃኑ ናይ ኣውስትራሊያ ሓላፊ ጸጥታ ገሊጹ። ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብጽል ኢ ናይ ምስልምና ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣንስቲ ዘጥቀዐት እተኸሰሰት ሰበይቲ ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ። ኣብ ተኒስ: ኣውስትራልያዊ ኣሌክስ ደ ሚኖር ኣብ ናይ ኳታር ኦፐን ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፉ ።
    9 min
  • ብማሕበረኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ (ENCC) ተመዲቡ ዝነበረ ፌስቲቫል ንምንታይ ተሰሪዙ፧ ዝርርብ ምስ ሃቱ ገብረመድህን።
    ሲቲ ካውንስል Meri bek ብ ማሕበረሰብ ሃገራዊ ካውንስል ኤርትራዊያን (ENCC)ተመዲቡ ዝነበረ ፌስቲቫል ከምዝተሰረዘ ሀራልድ ሳን ጸብጺቡ ኣሎ። እቲ ጋዜጣ ዘውጽኦ ጸብጻብ መሰረት፡ እቲ ኣካታዒ (ኮንትሮቨርሺያል) ፈስቲቫል ኢሉ ዝጸውዖ፡ በቶም ኣዳለውቲ እቲ ፌስቲቫልን ነቲ ፌስቲቫል ዝቃወሙ ግጭት ከይፍጠር ብምስጋእ ኣብ ኮበር ታውን ሆል ናይቲ ካውንስል ኣዳራሽ ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ፌስቲቫል ክስረዝ ገይሩ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ካብቶም ነቲ ፈስቲቫል ዘዳልውን ነቲ ፈስቲቫል ዝቃወምዎን ከነዘራርብ ሓቲትና፡ ካብ ሰማያዊ ማዕበል ፍቓደኛ ኮይኑ ዝቐረበ ኣቶ ሃቱ ገብረመድህን ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
    18 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners