SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ሕብረት አፍሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት ዘተ ተኻይዱ።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ሕብረት አፍሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት ዘተ ተኻይዱ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ንመፍትሒ ፀገማት ኣፍሪቃ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ" ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ባንኮሌ ኣዶዬ ጸዊዑ ። ንኣፍሪካውያን መስርሕ መከሓሓሲ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፃውዒት ቀሪቡ ። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ተዛትዩ ። ኤርትራዊት ሚካል ተስፋይ ተዓዋቲት ዓለምለኻዊ ውድድር ጽባቐ ኣፍሪቃ ኮይና።
    8 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቤስ ትግርኛ (13 ለካቲት 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 13 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ዜና። ክልተ ኣውስትራሊያዊያን ንእስራኤላዊያን ሕሙማት ክቐትሉ ዝፈከርዎ፡ ነቲ "ዘሰክሕ" ዝተባህለሉ ጉዳይ ንምጽራይ ፖሊስ ን 24 ሰዓታት ኣብ ምስራሕ ይርከብ። ሓይሊ ባሕርን ነፈርትን ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ተዋፊሮም ፡ መንግስቲ ቻይና ግን ፡ ድሉው ንምዃንን ንልምምድን ከም ዝዀነ ገሊጹ ። ኣብ ቅድድም ብሽግለታ መስቓጥ ክላሲክ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሳልሳይ ወጺኡ።
    9 min
  • ኣብ 2024 ካብ 180 ሃገራት ተርታ ሃገራት ብልሽውና፡ ኤርትራ ካብ ቀዳሞት 13 ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 99 ተሰሪዐን። (ጸብጻብ)
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት ፡ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣህጉር ጎንጽታት ክዓርፍ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፃ። ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ቀዳምነት ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እጃም ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ምምላስ ክኸውን ናብ ትግራይ ዝበጽሑ ዲፕሎማሰኛታት ጸዊዖም። ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ነፍስ-ወከፍ ስድራ ንህወሓት መጠናኸሪ፣ ብዝብል 200 ብር ንኸዋፅኡ ይግደዱ ከምዘለዉ ተመዛበልቲ ገሊፆም።
    7 min
  • ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2025)
    ንሎሚ 12 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ** ኣውስትራሊያ ካብቲ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ኣብ ልዕሊሓጺንን ኣለሙኒየምን ተወጢኑ ዘሎ ግብሪ ክትመሓር ሓደ ኣባል ኮንግረስ ይድግፍ... ** ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ክዋጋእ ድሉው ክኸውን ቤንያሚን ናታንያሁ ኣዚዙ... ** ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ንላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ካብ መዝነቶም ኣልዩ።
    5 min
  • ልምዳዊ ምንዳድ፡ ሓዊ ተጠቒምካ ካብ ሓዊ ምክልኻልን ምልማዕ ገጠርን
    ከም ኣውስትራሊያ ዝበለ ሓዊ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ምንባር ፡ መብዛሕትና ንሓዊ ካብ ምፍርራሕ ሓሊፍና ካልእ ነገር ምርኣይ የጸግመና እዩ ። ይኹን እምበር: ሓዊ ንሚልዮናት ዓመታት ንኣህጉር ኣውስትራልያ ኣይተፈልያን: ኣብ ልዕሊ እቶም ዝበዝሑ ኢኮሎጅያውያን ማሕበረሰብ ዝዀኑ ኣትክልትን እንስሳታትን ድማ ሚዛኑ ኽሕሉ ወሳኒ ግደ ጸኒሕዎ ኣሎ ። ንኣሽሓት ዓመታት ፡ ቀዳሞት ህዝብታት ንሓዊ ከም ኣገዳሲ መሳርሒ ብምጥቃም ፡ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኣዕቊቦምን ኣመሓዲሮምን እዮም ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፡ ልዑል ዝመጠኑ ባህላዊ ቃጸሎ ይጽቀጥ ነይሩ እዩ ፣ ሎሚ ግና ባህላዊ ምንዳድ ሓዊ ከም መጥፍኢ ናይ ዱር ሓውን ጥዕና ናይዚ ሃገር ዝሕሉ ምዃኑ ጌርካ ክርአ ጀሚሩ እዩ ።
    11 min
  • ዕላል ምስ ጸሓፊ ታሪኽ ህይወት ዑስማን ዓብደርሒም፡ ኮ/ል ካልድ ኣበራ።
    ኣብዚ ቕሩብ ዓመታት ካብ ተጻሒፈን ዝተሓትማ ናይቲ ፍሉጥ ታሪኽ ህይወት ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብዱልረሒም ይርከባ፡ ናይዛ "ዑስማን ዓብዱልረሒም፡ ታሪኽ ኮኾብ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራ" ትብል 25 ምዕራፋት ኣስታት 350 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ ዝጸሓፈ ኮ/ል ካልድ ኣበራ እዩ። ካልድ ቅድሚ ሕጂ'ውን "ሚራመር" ዘርእስታ ናይቲ ፍሉጥ ግብጻዊ ጸሓፋይ ነጂብ ማሕፉዝ ተርጒሙ ኣሕቲሙ እዩ። ብዛዕባ እዛ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዕላል ኣካይድና ኣለና።
    30 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ለካቲት 2025)
    ንሎሚ 11 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ** ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዋሽንግተን ይራኸቡ... *** ኒው ዚላንድ ፡ ወርቃዊ ትኬት ዝብሃል ኣገባብ ከም እትኣቱ ድሕሪ ምግላጻ ፡ ብዛዕባ ንሃብታማት ስደተኛታት ዝወሃብ ቪዛ ዝምልከት ክትዕ ጀሚሩ። ** ሚኒስትሪ ወጻኢ ሱዳን ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ነቲ ድሕሪ ዝግበር ዘሎ ኲናት እታ ሃገር ዝህሉ መስርሕ ፖሎቲካ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክድግፍ ጸዊዑ ...
    7 min
  • MiniPod: Ep5 Filling in forms| Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 5ይ ክፋል፡ ምምላእ ቅጥዒታት | ምጅማር | | English on Repeat (Easy)
    Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Is this the right form?| Can you help me fill in this form?| What does this mean? | Do I have to fill in every part? - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ንምምላእ ቅጥዕታት ክንምልከት ኢና፣ እዚኦም ሓረጋት ከኣ እቶም ንደጋግሞም'ዮም። Is this the right form?| Can you help me fill in this form?| What does this mean? | Do I have to fill in every part?
    6 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ለካቲት 2025)
    ን ሎሚ 10 ለካቲት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዕደና ክቡራት መዓድናት ሙሉእ ብሙሉእ ደው ክብል ጊዝያዊ ምምሕዳር ወሲኑ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ጽንብል መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣኽሊል ዕምባባ ኣንቢሩ፡ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ክርስቲና ጆርጅያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተግበሩ ቁጠባዊ ሪፎርም ንኢዳ። ድሕሪ ምቍራጽ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ጽላት ጥዕና ኢትዮጵያ ዓቢ ክፍተት ኣጋጢምዎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ግብጺ ፡ "ኣብ ጕዳይ ፍልስጤም ሓድሽ ዝዀነን ሓደገኛን ምዕባለታት" ንዚበለቶ ምንቅስቓስ ንምፍሻል ፡ ኣብ 27 ለካቲት ህጹጽ ኣኼባ ሃገራት ዓረብ ከም እተአንግድ ኣፍሊጣ ። መራሒ ቃልሲ ኣንጻር ኣፓርታይድን ናይ ፈለማ ፕረዚደንት ናሚብያ ፡ ኣብ 95 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ ። ሊቨርፑል ኣብ ራብዓይ ዙር ዋንጫ ኤፍ ኤ ካፕ ፡ 1ብ0 ተሳዒራ ።
    9 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners