SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • "ብምዝራብ ሰናፍ ኣይኮንኩን፡ ግን ብምጽሓፍ’የ ዝያዳ ዝበልጽ።" ጸሓፊ መርሃዊ ወልደሚካኤል
    ነባሪ ኒውዚላንድ ዝኾነ መርሃዊ ወልደሚካኤል ኣብ ከም ፖሎቲካን ካልእን ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ብእንግሊዝኛን ብትግርኛን ጽሒፉ ዘሕተሞም ብዙሓት መጻሕፍቲ’ውን ኣለዉዎ። ኣብዚ ዓመት “55፡ “God & Lucifer Bet on Africa Al-Kabulan” ትብል ዓባይ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣብ ዕዳጋ ትርከብ። ብዛዕባ መጻሕፍቱን ዝምልከት ምስ መርሃዊ ዝተገብረ ዕላል ።
    32 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (12 ግንቦት 2026)
    ** ኢራን ካብ ኣመሪካ ንዝመጽእ ዝኾን ይኹን ዕንደራ ንምምካት ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ... ኣ** ትረዠረር ጂም ቻልመስ ሓሙሻይ ፈደራላዊ ባጀት ሎሚ ክገልጾ እዩ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተራኺቦም ብዛዕባ ክልተኣዊ ጉዳያት ተመያይጦም።
    6 min
  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (11 ግንቦት 2026)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ ብፓኪስታናውያን ኣሸማገልቲ ኣቢሉ ብ ኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ምላሽ ከም ዝሃበትሉ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እቲ ውግእ ንሓዋሩ ደው ዝብለሉ ዘተኮረ ዘተ ክግበር ጸዊዓ ። ምስ ጉጅለ ኣይኤስ ርክብ ዘለወንን ብ ገበን ባርነት እተኸሰሳን ክልተ ኣንስቲ ፡ ሎሚ ዋሕስ ኪሓታ እየን ። ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ካብ 'ታ ብሃንታ ቫይረስ ኮሮና ዝተጸልወት መዛወሪት መርከብ ኤምቪ ሆንዴስ ኣብ ተኔሪፌ ከምዝተራገፉ ገሊጹ ።
    11 min
  • ኤርትራ፡ ሓዱሽ መስርሕ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ። (ጸብጻብ)
    ኤርትራ፡ ሓዱሽ መስርሕ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ። ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ’ ዞባ ማእከል፡ ብወግዒ ተኸፊቱ። ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም "ቅድስቲ ከተማ ኣኽሱም ጽዮን" ተባሂላ ክትስየም ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣብ ትግራይ ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ምላሽ ንምሃብ "ግልጋሎት ነፃ ስልኪ ዕላዊ ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።
    9 min
  • One Nation claims historic win in Farrer in poll seen as litmus test for Coalition - ንሰልፊ ጥምረት ከም መፈተኒ ኣብ ዝተራእየሉ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን (One Nation) ኣብ ፋረር ተዓዊቱ
    Voters in the southern New South Wales seat of Farrer have headed to the polls to choose a new MP after their former representative Sussan Ley resigned from parliament. Analysts say the vote could have lasting consequences for the coalition. - ናይ ቀደም ወካሊቶም ዝነበረት ሱዛን ሊይ ካብ ባይቶ ድሕሪ ምስንባታ ኣድመጽቲ ደቡባዊ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ፣ ወንበር ፋረር፣ ሓድሽ ኣባል ባይቶ ንምምራጽ ናብ መድመጺ ነቑጣታት ኣምሪሖም። ተንተንቲ እዚ ምድማጽ ነባሪ ሳዕቤን ንሰልፊ ጥምረት ክህልዎ ይኽእል’ዩ ይብሉ።
    7 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (7 ግንቦት 2026)
    ሰላም ከመይ ትኾኑ ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሓሙስ 7 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ: እዚኦም ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና’ዮም። * ኣብ ሓንቲ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እተበገሰት መዛወሪት መርከብ ብቐታሊ ተላባዒ ሃንታቫይረስ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ። እዚ ሕማም ኣብ ሰባት ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ብምዃኑ ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ። ሃንታቫይረስ እንታይ’ዩን ኣብ’ታ መርከብ’ከ እንታይ ኣጋጢሙን ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ - ሶከሩስ - ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክጅምር ልዕሊ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ምድላዋታ ተጠናኽር ኣላ። ኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች እታ ጋንታ ብዙሕ ዝስራሕ ኣለዋ. . . ኩልና ከነማዕድዎ ዘለና ድማ ብዙሕ ነገር ኣሎ ክብል ይገልጽ። ንምድልዋታ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ መወዳእታ ኢንፍሉዌንዛ ልዑል ተላባዒ ቫይረስ’ዩ። ወቕቲ ሰዓል ኣብ ኣውስትራሊያ ክጅምር’ንከሎ ንገዛእ-ርእስና፣ ስድራቤትናን ኣብ ማሕበረሰብና ልዕሊ ኩሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻል ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣሎ። ንኣውስትራልያ ኣብ ንገልጸሉ መደብና ንምልከቶ’ዩ። ሰናይ ምክትታል!
    46 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (7 ግንቦት 2026)
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) * ብመርዑት ኣይሲስ ተባሂለን ዝፍለጣ ደቀንስትዮ ሎሚ ናብ ኣውስትራልያ ክምለሳ’የን፣ * ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ኣብ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ኢራን ተዂሲ ከፊታ፣ * ኣርሰናልን ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ናብ ፍጻመ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ በጺሐን፣
    11 min
  • FIFA World Cup preparations ramp up for the Socceroos - ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ምድላዋታ ናብ ዋንጫ ዓለም 2026 ተሳልጥ
    The Socceroos are ramping up their World Cup preparations, with just over a month until the 2026 tournament begins in North America. Coach Tony Popovic has a lot to do... and everyone has a lot to look forward to. - ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ - ሶከሩስ - ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክጅምር ልዕሊ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ምድላዋታ ተጠናኽር ኣላ። ኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች ከም ዝገልጾ እታ ጋንታ ብዙሕ ዝስራሕ ኣለዋ. . . ኩልና ከነማዕድዎ ዘለና ድማ ብዙሕ ነገር ኣሎ።
    12 min
  • ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ኣጠንቂቓታ (ጸብጻባት ዜና)
    ጸብጻባት ዜና ልኡኽና (07052026) * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ካብ ኤርትራ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ * ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ * ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ * ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ፣
    9 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,865 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners