SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ፓኪስታን ኣብ ዘተ ሰላም ኣሜሪካ-ኢራን ከመይ ኢላ’ያ ዘይትጽቢታዊት ሸምጋሊት ኮይና
    [እቶም ዝርርባት ድሒሮም እንተዘይሰለጡ'ኳ] ፓኪስታን ነቲ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ደው ክብል ንምግባር ክትሽምግል ተስፋ ገይራትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ሰብ መዚ ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ከተማ ኢስላማባድ ተራኺቦም። ተኣፋፊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምውሓስ ዝግበሩ ጻዕርታት ድሕሪ ምምራሓን ኣብ ዋና ከተማኣ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎም ዝርርባት ሰላም ብምእንጋድ ፓኪስታን ትጽቢት ዘይተገብረላ ሸምጋሊት ኣብ መንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ኮይና ተቐልቂላ’ላ።
    9 min
  • በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። (ጸብጻብ)
    በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንበይናዊ እገዳታት ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ተራ ቻይና ኣብ ዓለምለኻዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዓቢ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጸዊዑ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ ግህሰት ይፍጸም ኣሎ ክብል ተቓዋሚ ውድብ ዲሞክራሲ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ፡ ከሲሱ። ዋጋ ብር ኢትዮጵያ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብ18 ሚእታዊት ብምንካይ ድኹም ኮይኑ ተመዝጊቡ። ምንዋሕ ዕድመ ፕረዚደንት ትግራይ "ሕጋዊነት" ኣለዎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንት ፕረዚደንት እስማኤል ዑመር ጉሌ ንሻድሻይ ጊዜ ተዓዊቱ
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026)
    ን ሎሚ ሓሙስ 09 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ፈለማ ህዝብታት ኣቦርጂንን ቶረስ ኣይላንደርን ጥንታዊያን ወነንቲ ነዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ባህላውያን ወነንቱ ምዃኖም ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ በዚ ድማ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መ፡በርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ። ሓድሽ ርኽበታት ወርሒ ብጠፈርተኛታት ኣርጢሜስ ክልተ፡ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ትሕዝቶ ምስ ተሰምዐ፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡ ሹመት ፕረዚደንት ትግራይ ጄ/ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ተመያይጡ። መበል 4ይ ጉባኤ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። "ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ግቡእን ሓቛፍን ክኸውን ይግባእ" ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደ መዓልቲ 3 ሰበ-ሞያ ጥዕና ከምዝተቐተሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ትካል ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ብ60 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ኣፍሊጡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጉሌ ንተወሳኺ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ይሸባሸብ ኣሎ ተባሂሉ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕትታት ምላሽ ንምሃብ ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ከም ዝዓጸወቶ ተፈሊጡ ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ኲናት ንሓጺር እዋን ደው እኳ እንተ በለ ፡ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ፡ ዋጋ ነዳዲ ንኽጎድል ንኣዋርሕ ክጽበዩ ከምዝኾኑ ተገሊጹ። ዶክተራት መጠን ክታበት ብምጉዳሉ ኣውስትራሊያ ካልእ ኣገዳሲ ወቕቲ ሰዓል ከይተዳለወት ተሪፋ ኣላ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
    54 min
  • "ዓላማ ቤተ ክርስትያን፡ መንፈሳዊ ሓርነትን ሓቅን ክትሰብኽ ከምኡ'ውን ምህናጽ ወለዶን'ዩ።" ቃለ መሕትት ምስ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ
    ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም ድሮ ምቕባል በዓል ትንሳኤ ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ።
    28 min
  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2026)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ መጥቃዕትታት ምላሽ ንምሃብ ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ከም ዝዓጸወቶ ተፈሊጡ ። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ኲናት ንሓጺር እዋን ደው እኳ እንተ በለ ፡ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ፡ ዋጋ ነዳዲ ንኽጎድል ንኣዋርሕ ክጽበዩ ከምዝኾኑ ተገሊጹ። ዶክተራት መጠን ክታበት ብምጉዳሉ ኣውስትራሊያ ካልእ ኣገዳሲ ወቕቲ ሰዓል ከይተዳለወት ተሪፋ ኣላ ክብሉ ኣጠንቂቖም።
    10 min
  • "ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ግቡእን ሓቛፍን ክኸውን ይግባእ" ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል (ጸብጻብ)
    ሹመት ፕረዚደንት ትግራይ ጄ/ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ተመያይጡ። መበል 4ይ ጉባኤ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደ መዓልቲ 3 ሰበ-ሞያ ጥዕና ከምዝተቐተሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ትካል ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ብ60 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ኣፍሊጡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጉሌ ንተወሳኺ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ይሸባሸብ ኣሎ ተባሂሉ።
    9 min
  • ሓድሽ ርኽበታት ወርሒ ብጠፈርተኛታት ኣርጢሜስ ክልተ፡
    ኣርተሚስ ዳግማይ ጠፈርተኛታት ሒዛ፡ ልዕሊ’ቲ ኣፖሎ 13 ዝበጽሓቶ ዝያዳ፡ ደቂ ሰብ ካብ መሬት ወጺኦም ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ርሕቀት መዝገብ ክብረ ወሰን ሰይራ ኣብ ከባቢ ወርሒ በጺሓ ናብ መሬት ገጻ ትምለስ ኣላ። እቶም ጠፈርተኛታት ወርሒ ካብቲ ጸላም ጎድና 4000 ኪሎ ሜተር ልዕሊኣ: ርሒቖም ኵዕሶ ሰኪዔት እትመስል ምድሪ ኰይና ክትርአ ከላ ክርእዩ ኪኢሎም ኣለዉ ።
    8 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2026)
    ** ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ክውስዶ ዝሓሰቦ ስጉምቲ ዘውጽኦ ናይ ግዜ ገደብ ከናውሕ ጸዊዒት ቀሪቡ ።... ** ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ናይ ልዕሊ 100 ሰባት ሞትን ንልዕሊ 50 ደቀንስትዮ ክዕመጻ ምኽንያት ዝዀነን "ብሞት ዝሕተት” ዝበሎ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተወ ገሊጹ... ** ኣውስትራሊያውያን ብሰንኪ ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰዓበ ቅልውላው ነዳዲ ናይ ኤሌክትሪክ ማካይን ንምዕዳግ ይጓየዩ ኣለዉ.:
    6 min
  • Thinking of a career change? Here are some tips and options to consider - ትሰርሕሉ ሞያ ክትቅይሩ መደብ ኣለኩም ዶ? ኣብ ግምት ከትእትውዎም ትክእሉ ገለ ምኽርን ኣማራጺታትን፡
    Looking to step into a new career? You're not the only one, the stats suggest. No matter your age, background or whether English is your first language, a career change at some point is almost inevitable nowadays. In Australia, support is available to help you through the process. - ንስኻ ጥራይ ኣይኮንካን ናብ ሓድሽ ሞያ ክቕይር ዝደሊ ። ዕድመኻ ፡ ኣተዓባብያኻ ፡ናይ እንግሊዝኛ ምልከት ቋንቋኻ ይኹን ካልእ ብዘየገድስ ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሞያኻ ምቕያር ዳርጋ ዘይተርፍ እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ በቲ መስርሕ ክትሓልፍ ደገፍ ምርካብ ይከኣል እዩ ።
    9 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (07 ሚያዝያ 2026)
    ** ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቅልውልው ኢራን ብዝተሓሓዝ ዳግማይ ን ኣውስትራሊያ ዒላማ ገይርዋ... ** ዋጋ ነዳዲ ኣብዝውስኸሉ ዘሎ ጠለብ ብ ኤለክትሪክ ዝሰርሓ ብሽግለታ ሰማይ ዓሪጉ... ** ገለ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ምንጭታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,868 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners