SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። (ጸብጻብ)
    ፕረዚደንት ትግራይ ናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ሰላማዊ ምላሽ ክረኽቡ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ግጭታት ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ገሊጹ። መንግስቲሶማሊላንድ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐረቦ መደረ ኮኒኑ። ኬንያ ኣብ ምርግጋጽ ምትሕብባር ሩባ ኣባይ ገለልተኛ ተራ ክትጻወት ከም እትደሊ ገሊጻ።
    9 min
  • ኣብ ኣውስትራሊያ መጠን ሞት ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ምውሳኹ ንተጣበቕቲ የተሓሳስብ፡
    ኣብ ኣውስትራልያ ቝጽሪ ሓደጋ ብተሽከርከርቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ፣ እታ ሃገር መጠን ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ዝስዕብ ሞት ኣብ 2030 ብፍርቂ ከተጉድሎ ዝነበራ ሸቶኣ ትበጽሖ ከም ዘየላ ሓድሽ መጠንቀቕታ ይውሃብ ኣሎ ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ1300 ሰባት ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራልያ ተቐቲሎም እዮም ፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 2026 እውን ብዙሕ ምምሕያሽ ኣየርኣየን ። ብሰንኪ ሓደጋ ማኪና መዓልታዊ ስድራ ቤታት ኣብ ስቓይ እናነብራ ስለ ዝኸዳ ፡ መራሕቲ ኢንዱስትሪን ተጣበቕቲን ፡ ኣብ ጠባያት ዘወርትን ውሑስ ቅድታት ጽርግያን ንኽህሉ ፡ ህጹጽ ስጕምቲ ክውሰድ ይጽውዑ ኣለዉ ።
    10 min
  • ሓጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ለካቲት 2026)
    ** ዉሩይ መራሒ ተጣባቒ መሰላት ኣመሪካዊ ጀስ ጃክሰን ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ** መንግስቲ ፌደራል ነቶም ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱ ዝጽበዩ ዘለዉ ኣውስትራሊያውያን ኣንስቲን ቆልዑን ግብረሽበራውያን ተቓለስቲ ናብ ሃገሮም ንኸይምለሱ ዘለዎ ኣማራጺታት ይፍትሽ ኣሎ ። ** ኣብ መንጎ ል ኡኻት ዩክረይንን ሩስያን ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ዝርርብ ሰላም ፡ ኣብ ጀኔቫ ጀሚሩ ።
    5 min
  • Your guide to using sunscreen in Australia - ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጸሓይ (sunscreen) ኣብ ኣውስትራሊያ
    Australia’s sun can be harsh. And sunscreen is one key measure protecting us against harmful sun exposure. We asked three scientists about sunscreen facts, myths and choosing the right products. - ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ጸሓይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ። ምጥቃም መከላኸሊ ጸሓይ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መዐቀኒ ካብ ጐዳኢ ምቅላዕን ሃስያን ጸሓይ እዩ ። ንሰለስተ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ብዛዕባ መርትዖታት መከላኸሊ ጸሓይ (ሳንስክሪን) ፡ ብዛዕባኡ ዝበሃል ጽውጽዋያት ከምኡ እውን ቅኑዕ ፍርያት ብዛዕባ ምምራጽ ሓቲትናዮም ኣለና።
    9 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ለካቲት 2026)
    ** ፖለቲከኛታት ካብ ተቓወምቲን መንግስትን ነቶም ካብ ሶርያ ዝምለሱ ኣውስትራሊያውያን ሓገዝ ከምዘይግበረሎም ይገልጹ ኣለዉ። ** ኢትዮጵያ ካብተን ቅልጡፍ ዕቤት ቱሪዝም ዘመዝግባ ዘለዋ ዓለም-ለኻዊት ተበጻሒት ሃገር ኮይና ከምዘላ ተፈሊጡ። ** ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ RSF ን ኢልፋሻር ኣዝተቖጻጸረሉ : 6,000 ሰላማውያን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ከምተቕትሉ ጸብጻብ ው.ሕ.ሃ. ገሊጹ።
    7 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ለካቲት 2026)
    ኣርእስታት ዜና፥ ሱዛን ሊ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ሊብራልስ ምስተኣልየት ብፍቓዳ መንበራ ገዲፋ፡ ነቲ ን25 ዓመታት ሒዛቶ ዝነበረ ዞባ ዝውክል ንምምራጽ ዳግማይ ምርጫ ክግበር እዩ ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፡ ጸም ራመዳን ንምጅማር ይሸባሸቡ ኣለዉ ፣ ኣብ ኣውስትራሊያ ሓሙስ (19 ለካቲት) ክጅምር እዩ። ኣብ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ዕዉት ኣውስትራሊያዊ ስኪር ማት ግርሃም ናይ ነሓስ መዳልያ ብምርካብ ተወሳኺ ዓወት ጨቢጡ።
    12 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ለካቲት 2026)
    ን ሎሚ 16 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ድሕሪ ምባሉ፡ ዓበይቲ ባንክታት መጠን ወለድ ሞርጌጅ ክብ ኣቢለናኦ ይርከባ፣ እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብና ኔሩ ናይ መውአዳእታ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ እዩ። ኣውስትራልያ ሓድሽ ባጤራ ምጥቃም ካብ ትጅምር 60 ዓመት ተብዕል፡ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ መበል 38 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወደብ ናይ ህላወ ምዃኑ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዛሪቡ። ህወሓት ሕብረት ኣፍሪቃ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ኤርትራ፡ መበል 36 ዝኽሪ ፈንቅል ብድምቀት ጸምቢላ። ፕረዚደንት ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ክበጽሕ’ዩ። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ቀዳማይን ሚንስተር ኢትዮጵያን ተራኺቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰብሞያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ክምርመር ሓቲቱ። ቻይና ካብ 53 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣቱ ንብረት ዜሮ ቀረጽ ክትትግብር እያ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ሱዛን ሊ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ሊብራልስ ምስተኣልየት ብፍቓዳ መንበራ ገዲፋ፡ ነቲ ን25 ዓመታት ሒዛቶ ዝነበረ ዞባ ዝውክል ንምምራጽ ዳግማይ ምርጫ ክግበር እዩ ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፡ ጸም ራመዳን ንምጅማር ይሸባሸቡ ኣለዉ ፣ ኣብ ኣውስትራሊያ ሓሙስ (19 ለካቲት) ክጅምር እዩ። ኣብ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ዕዉት ኣውስትራሊያዊ ስኪር ማት ግርሃም ናይ ነሓስ መዳልያ ብምርካብ ተወሳኺ ዓወት ጨቢጡ።
    53 min
  • The introduction of decimal currency, 60 years on - ኣውስትራልያ ሓድሽ ባጤራ ምጥቃም ካብ ትጅምር 60 ዓመት ተብዕል
    Today marks a major milestone in Australia’s financial history – the 60th anniversary of decimal currency. It’s been decades since Australians ditched pounds, shillings and pence for dollars and cents – in one of the largest transitions in the nation’s history. And while the way we pay for things continues to change, the legacy of that moment endures. - ዝሓለፈ 14 ለካቲት ኣብ ፋይናንሳዊ ታሪኽ ኣውስትራልያ መበል 60 ዓመት ባጤራ ዴሲማል (decimal currency) ዝተኣታተወሉ ዕለት ብምዃን ዓቢይ ነጥበ መቕይሮ ዝሓለፈሉ ኔሩ። ኣውስትራልያውያን፡ ኣብ ታሪኽ'ዛ ሃገር ሓደ ካብ ዝዓበዩ ምስግጋራት ኣብ ዝኾነ፡ ፓውንድ፡ ሺሊንግን ፐንስን ገዲፎም ዶላርን ሰናቲሙን ክጥቀሙ ካብ ዝጅምሩ ዕቑዳት ሓሊፎም። ንነገራት ንኸፍለሉ ኣገባብ ብቐጻሊ ይቀያየር እንተሃለወ'ኳ ሓድጊ ናይ'ታ ህሞት ግን ነባሪ ኮይኑ'ሎ።
    8 min
  • "ምውናን ወደብ ጉዳይ ህላወ እዩ።" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ (ጸብጻብ)
    ኤርትራ ኣብ መበል 38 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወደብ ናይ ህላወ ምዃኑ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዛሪቡ። ህወሓት ሕብረት ኣፍሪቃ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ኤርትራ፡ መበል 36 ዝኽሪ ፈንቅል ብድምቀት ጸምቢላ። ፕረዚደንት ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ክበጽሕ’ዩ። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ቀዳማይን ሚንስተር ኢትዮጵያን ተራኺቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰብሞያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ክምርመር ሓቲቱ። ቻይና ካብ 53 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣቱ ንብረት ዜሮ ቀረጽ ክትትግብር እያ።
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2026)
    ን ሎሚ 12 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ኣቢልዎ። እቲ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዝቕባበ ኣብቂዑ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ። እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታኣይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ብኸመይ ይርከብ፧ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወጥሪ ትግራይን ፌደራልን ክሃድእ ፀዊዑ። ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። ሰራዊት ምክልኻል ካብ ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓሱ ስግኣት ኣስዒቡ። ኤርትራ ብብልሽውና ምስ ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ ደረጃ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ናይ መወዳእታ ተጠቒሱ ኣሎ ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቤኤስ ቴሌቪዥን ኣማን ፍስሃፅዮን ዓሪፉ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ፖሊስ ቪክቶርያ ፡ ቅድሚ እቲ ሎሚ ሓሙስ 12 ለካቲት ፕረዚደንት እስራኤል ናብ መልበርን ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ብመሰረት ሕጊ ግብረ-ሽበራ ፍሉይ ስልጣን ተፈቒዱሉ ። ክልተ ዜጋታት ቻይና ፡ ፌደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራሊያ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከም ዝገበሩ ከሲሱ ፡ ኣብ ካንበራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ። ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ቶማስ ፍራንክ ፡ ድሕርቲ እታ ጋንታ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ብኒውካስል ድሕሪ ዝወረዳ ናይ ክልተ-ሓደ [2-1] ስዕረት ፡ ካብ መዝነቱ ተላዒሉ ።
    52 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,868 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners