SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2026)
    ኣርእስታት ዜና፥ ፖሊስ ቪክቶርያ ፡ ቅድሚ እቲ ሎሚ ሓሙስ 12 ለካቲት ፕረዚደንት እስራኤል ናብ መልበርን ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ብመሰረት ሕጊ ግብረ-ሽበራ ፍሉይ ስልጣን ተፈቒዱሉ ። ክልተ ዜጋታት ቻይና ፡ ፌደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራሊያ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከም ዝገበሩ ከሲሱ ፡ ኣብ ካንበራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ። ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ቶማስ ፍራንክ ፡ ድሕርቲ እታ ጋንታ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ብኒውካስል ድሕሪ ዝወረዳ ናይ ክልተ-ሓደ [2-1] ስዕረት ፡ ካብ መዝነቱ ተላዒሉ ።
    10 min
  • ወጻኢታት ብሕማም ካንሰር ዝሳቐዩ ሰባት፡
    ዳርጋ 99 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ብካንሰር ዝሓሙ ኣውስትራሊያውያን ፡ ኣብ ህዝባዊ ክንክን ከይተረፈ ፡ ወጻኢታቶም ካብ ጁባኦም ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ። እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ ብ ካንሰር ካውንስል ኣውስትራልያ ዝወጸ ሓድሽ ሃገራዊ መጽናዕቲ ኮይኑ ፡ እዚ ካብቲ ቀጥታዊ ናይ ሕክምና ወጻኢታትን ብተዘዋዋሪ ኣብ ኩሉ ናይ ሕማም መንሽሮ ዝግበር ጉዕዞ ወጻኢታትን እዩ ዝመጽእ ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ፡ ብፍላይ ንቐዳሞት ህዝብታት እዚ ዘይጽወር ከምዝኾነን፡ ብፍላይ ከኣ ደቀባት ኣውስትራሊያውያን ብሕማም መንሽሮ ደም ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ መጠን ሞቶም ዓቢ ዝገብር እዩ ።.
    7 min
  • ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። (ጸብጻብ)
    ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወጥሪ ትግራይን ፌደራልን ክሃድእ ፀዊዑ። ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። ሰራዊት ምክልኻል ካብ ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓሱ ስግኣት ኣስዒቡ። ኤርትራ ብብልሽውና ምስ ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ ደረጃ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ናይ መወዳእታ ተጠቒሱ ኣሎ ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቤኤስ ቴሌቪዥን ኣማን ፍስሃፅዮን ዓሪፉ።
    8 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ለካቲት 2026)
    ** ኣንጻር ፕረሲደንት እስራኤል ዝግበር ተቓዉሞ ብሓይሊ ምጭፍላቕ ዝግበር ዘሎ ተግባር መንግስቲ ርትዓውነት ከልብሶ ይፍትን ኣሎ ክትብል መራሒት ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራሊያ ከሲሳ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ካብ ወገኑ ስልጣኑ ክገድፍ ዝቐርበሉ ዘሎ ጻዊዒት ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ። ** ሰብ መዚ ሆስፒታል ጋዛ ፡ ኣብ ምብራቓዊ ደኢር ኣል-ባላህ ፡ ክልተ ፍልስጤማውያን ብሽክለተኛታት ብናይ እስራኤል ድሮን ከም እተቐትሉ ፡ ሓንቲ ሰበይቲ እውን ኣብ መዓስከር ማጋሃዚ ከም እተቐትለት ገሊጾም ።
    5 min
  • ምውሳኽ መጠን ወለድ ንምንታይ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ሳላሕ ጂምዕ
    ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ኣቢልዎ። እቲ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዝቕባበ ኣብቂዑ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ። እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታኣይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ።
    30 min
  • ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት ነጺጋቶ። (ሓጸርቲ ዜናታት )
    ** ፕረዚደንት እስራኤል ይስሃቕ ሄርዞግ ነቲ ናብ ኣውስትራልያ ዝገበሮ ምብጻሕ ዝቃወም ዘሎ ናይ ፍልስጤማውያን ደግፍቲ ሰልፍታት ኮኒኑ ። ** ፖሊስ ጀርመን ንወዲ 14 ዓመት ኤርትራዊ ዮሴፍ ዝቐተለ ስሙ ዘይተገልጸ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ከምዝሓዙ ተፈሊጡ። ... ** ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት ነጺጋቶ።
    7 min
  • How to recover from bushfires - ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ብኸመይ ይርከብ፧
    Australia’s hot, dry climate and unique landscapes make it one of the most bushfire-prone countries in the world. As climate change drives higher temperatures and drier conditions, we can expect more frequent and more intense bushfires in the future. But once the fire is out, how do you return home safely, find support, and look after yourself? - ኣውስትራሊያ ውዑይን ደረቕን ክሊማን ፍሉይ ቅርጺ መሬትን ዘለዋ ካብተን ብኩነታት ባርዕ ዱር ኣዝየን ዝጥቕዓ ሃገራት ሓንቲ እያ ። ክሊማዊ ለውጢ ንዝለዓለ ሙቐትን ደረቕ ኣየርን ኣብ ዘጋድደሉ ዘሎ እዋን ፡ ኣብ መጻኢ ብዙሕን ዝሓየለን ጫካታት ክንጽበ ንኽእል ኢና ። እንተዀነ ግን: እቲ ኩነታት ምንዳድ ሓዊ ምስ ተወድአ: ከመይ ጌርካ ብሰላም ናብ ቤትካ ትምለስ: ደገፍ ትረክብ: ንርእስኻ ድማ ትከናኸን ?
    10 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ለካቲት 2026)
    ኣርእስታት ዜና፥ መስገሪ ራፋሕ - ግብጺ ብመጠኑ ክኽፈት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምኽፋቱ ከባቢ 180 ፍልስጤማውያን ንቓዛ ገዲፎም ከምዝወጹ ሰብ መዚ እቲ ግዝኣት ገሊጾም። እቲ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ መስጊድ ክራይስትቸርች 51 ሙስሊም ኣምለኽቲ ዝቐተለ ኣውስትራልያዊ ኣኽራሪ ጻዕዳ ዝምልከት ናይ ይግባይ መስርሕ ፍርዲ ፡ ሎሚ [9 ሰኑይ] ክጅምር እዩ ፣ ተጻዋታይ ራግቢ ብርስቤን ብራኮንሶስ ፓይነ ሃስ ነታ ጋንታ ገዲፉ ምስ ጋንታ ደቡብ ሲድኒ ራቢቶስ ንምጽዋት ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕል ከቲሙ ።
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ለካቲት 2026)
    ን ሎሚ 09 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ዲሞክራሲን ብሕግታት ዝምእዘዝ ኣህጉራዊ ስርዓትን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ ክብል ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ 'ህዩማን ራይትስ ዎች' ኣፍሊጡ። ኣብ'ቲ ጸብጻብ ፍሉይ ኣትኩሮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እቲ ኣህጉራዊ ኣካል 'ምብሕጓግ ሰብኣዊ መሰላታን' ኢሉ ኣብ ዝገለጾን ክገብር'ንከሎ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ'ውን ቆላሕታ ገይሩ'ሎ። ኣውስትራልያ ትኽተሎም ፖሊሲታት ኢሚግሬሽንን ምድጓን መንእሰያትን ከም "ዝዓበዩ ድኽመታትን ውድቀታትን" ተባሂሎም ክዝርዘሩ'ንከለዉ ኣውስትራልያ ድማ ዓንቀጽ ወይ ድንጋገ ሰብኣዊ መሰላት ዘይብላ እንኮ ምዕራባዊት ሃገር ተባሂላ ተጠቒሳ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ሕማም ልቢ እንታይ እዩ፧ ኣገባብ ኣፈዋውሳኡ'ኸ፧ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ክተውጽእን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ፀዊዓ። ኣብ ኤርትራ ጽንብል መበል 36 ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡“ቅያ ፈንቅል ንወለዶታት” ብዝብል ቴማ ክካየድ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፀጥታዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ብቕሓት ንምክትታል ዘበራብር ምዃኑ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ። ኣብ ዓፋር ምስዘለዉ ዕጡቓት ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላምን ዘተን ንኽፍታሕ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ፀዊዑ። ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ ውን ነቲ ጎንጺ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይገብሩ ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ መስገሪ ራፋሕ - ግብጺ ብመጠኑ ክኽፈት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምኽፋቱ ከባቢ 180 ፍልስጤማውያን ንቓዛ ገዲፎም ከምዝወጹ ሰብ መዚ እቲ ግዝኣት ገሊጾም። እቲ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ መስጊድ ክራይስትቸርች 51 ሙስሊም ኣምለኽቲ ዝቐተለ ኣውስትራልያዊ ኣኽራሪ ጻዕዳ ዝምልከት ናይ ይግባይ መስርሕ ፍርዲ ፡ ሎሚ [9 ሰኑይ] ክጅምር እዩ ፣ ተጻዋታይ ራግቢ ብርስቤን ብራኮንሶስ ፓይነ ሃስ ነታ ጋንታ ገዲፉ ምስ ጋንታ ደቡብ ሲድኒ ራቢቶስ ንምጽዋት ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕል ከቲሙ ።
    52 min
  • ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ክተውጽእን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ፀዊዓ። (ጸብጻብ)
    ኣብ ኤርትራ ጽንብል መበል 36 ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡“ቅያ ፈንቅል ንወለዶታት” ብዝብል ቴማ ክካየድ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፀጥታዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ብቕሓት ንምክትታል ዘበራብር ምዃኑ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ። ኣብ ዓፋር ምስዘለዉ ዕጡቓት ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላምን ዘተን ንኽፍታሕ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ፀዊዑ። ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ ውን ነቲ ጎንጺ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይገብሩ ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 27 ሺሕ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይቨር ከምዘጋጠመ ተገሊጹ።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,868 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners