SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ኣውስትራሊያ ባህሊ ኣበዓዕላ ልደት (Christmas) ከመይ ይመስል? (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    ኣውስትራሊያዊያን ንገለ ገለ ኣውሮጳዊ ባህላዊ ኣበዓዕላታት ልደት (ክሪስማስ) ይኽተሉ እዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ባህሊ'ውን ኣማዕቢሎም እዮም። እቲ ጽቡቕ ነገር ኣብ ኣውስትራሊያ በዓል ልደት ወይ ክሪስማስ ንምብዓል ብዙሕ መገዲታት ምህላዎም እዩ። እዚ መደብ ንገለ ኣገባባት ኣበዓዕላ ክሪስማስ ኣብ ኣውስትራሊያ ክርእይ እዩ።
    7 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025)
    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) ክቡራት ሰማዕትና ንኩልኹም ተብዕሉ ርሑስ በዓል ልደት ክኾነልኩም ንምነ! ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ክኾነልኩም ንምነ። ኣብ'ዚ መደብ ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን፣ ንወጥሪ ኣሜሪካን ቨነዝወላን ዝትንትን እዋናዊ ትሕዝቶ፣ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ስነስርዓት ዝኽሪ በሃር ስነጥበባዊ ኤርትራዊ በረኸብ መንግስትኣብ (14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ክተማ መልበርን ዝተኻየደ) ከምኡ'ውን ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ፍጻመታት ኣብ ኣውስትራልያን ዓለምን ንምልከተሉ መደብ ኣለዉና። ሰናይ ምክትታል።
    41 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025)
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) * ባይቶ ግዝኣታዊ መንግስቲ ኒውሳውዝዌልስ ድሕሪ ግብረሽበራዊ መጥቃዕታት ተቓውሞታት ወይ ሰልፍታት ከይካየዱ ዝድርቱ ሕግታት ኣጽዲቑ፣ * ንፖሊስ ህዝባዊ ዋዕላታት ናይ ምድራት ስልጣን ዝህብ ሕጊ፡ ነቲ 26 ጥሪ ዝካየድ ሕጋውን ሰላማውን ተቓውሞታት ከይድርት ስክፍታ ፈጢሩ፣ * ጠለብ ኣገልግሎት ንደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝለዓለ ቁጽሪ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ፣
    7 min
  • ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓገዝ ንኢዱ፣ (ጸብጻባት ልኡኽና)
    ጸብጻባት ልኡኽና (25 ታሕሳስ 2025) * ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓገዝ ንኢዱ፣ * ባጤራ ኢትዮጵያ ዝኾነ ብር ኣብ'ዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት 2025 ጥራሕ ምስ ዶላር ኣሜሪካ ካብ ዝነበሮ ዋጋ ብ15 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ተሓቢሩ፣ * ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሽልማት ኔልሰን ማንዴላ ተቐቢሉ፣ * ሓድሕዳዊ ኲናት ሱዳን ናብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ከይልሕም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስግኣቱ ገሊጹ፣
    7 min
  • US, Venezuela edge closer to serious confrontation - ኣሜሪካን ቨነዝወላን ናብ ከቢድ ምትፍናን ገጸን ይቐርባ
    The United States and Venezuela are edging closer to a serious diplomatic confrontation, after the US seized two oil tankers linked to the Venezuelan government in international waters, with a third now under pursuit. Venezuela accuses the US of piracy and an illegal naval blockade, as pressure mounts on the country's already sanctioned oil industry, with both Iran and China stating matters could spiral out of control. - ኣሜሪካ ምስ መንግስቲ ቨነዝወላ ምትእስሳር ዘለወን ክልተ መራኽብ ነዳዲ ኣብ ዓለም ለኸ ማያት ድሕሪ ምትሓዛን ንካልእ ሳልሰይቲ ድማ ትሃድነሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ግጭት እናቐረባ ይኸዳ`ለዋ። ጸቕጥታት ኣብ`ቲ ድሮ እገዳ ተገይርሉ ዘሎ ጽላት ነዳዲ ቨነዝወላ እናለዓሉ ኣብ ዝኸድሉን ኢራንን ቻይናን ነገራት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸዱ ይኽእሉ`ዮም ኢለን ኣብ ዝገልጻሉን ቨነዝወላ ንኣሜሪካ ብሽፍትነት ባሕሪን ዘይሕጋዊ ምዕጋት ሓይሊ ባሕሪን ትኸሳ።
    9 min
  • Year-End feature; Australian Politics 2025 - ገምጋም ዓመተ 2025: ፖለቲካ ኣውስትራልያ
    In this year-end feature, we look back at major events including the Australian Federal Election, Australia’s bid to host COP30, the tariff imposed on Australia by Donald Trump, the Pacific Nations Conference, the introduction of social media bans for children under 16, and many more significant developments. - ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ 2025 ክንምልከት’ንከለና እቲ ዓመት ክትግምቶም ትኽእል ፖሊሲታት ግን ከኣ ዘሰንብዱ ውጽኢታት ዝነበርዎ ኔሩ። እዚ ድማ ሰልፊ ለይበር ብዓብላሊ ተዓዊቱ ናብ መንበረ መንግስቲ ዝተመልሰሉ ምርጫ ግንቦትን ክልተ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ፒተር ዳተንን ኣዳም ባንዲትን ወንበሮም ዝተመንጠልሉን ዘካትት ኔሩ። እሞ ዓመተ 2025 ኣብ መሳልላት ስልጣን ካንቤራ ከመይ ሓሊፉ፧
    16 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2025)
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሰሉስ 23 ታሕሳስ 2025) * መንግስቲ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ ተቓውሞታት ካብ ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ብዘየገድስ ሰልፍታትን ምረሻታትን ንምድራት ዝዓለሙ ተረርቲ ሕግታት ምውጻእ ይደፍኣሉ፣ * መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ነቶም ኣብ ፓሲፊክ ዘለዉ ሓዊስካ፣ ጥቓ 30 ዝኾኑ ዝለዓሉ ሞያዊ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ወጻኢ ሃገራት ጸዊዑ፣ * ሓደ ሩስያዊ ጀነራል ኣብ ደቡባዊ ከተማ ሞስኮ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦምብ ተቐቲሉ፣
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2025)
    ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (22/12/2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ጸብጻብ ልኡኽና :- ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓስከር ተመዛበልቲ 50 ሰባት ምማቶም ከምዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምምይያጡ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ክፍትሓ ጻውዒት ምቕራቡ፣ ስዊድን ደሃይ ኤርትራዊ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ምርግጋጻን፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኩነታት ኣየር ብምጥቃስ ገለ በረራታት ውሽጢ ሃገር ደው ምባሉን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ፣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ቢች ዝተፈጸመ ናይ ሽብር መጥቃዕቲ ተኸቲሉ፣ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ሓደ ሓድሽ ሃገራዊ መደብ መሊስካ ምግዛእ ብረት ከቕውም`ዩ ይብል። ዝሓለፈ ሰንበት ድማ ንግዳያት ናይ`ቲ ተዂሲ ንምዝካር ብሃገር ደረጃ ዕለተ ምስትንታን ተኻይዱ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ዝኽሪ ነብስሄር በሃር ኤርትራዊ ስነ-ጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ፡ ሰንበት 14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሜልበርን፡ ኣውስትራልያ ተኻይዱ። ብማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ((ECA))ን ኣውስትራሊያዊያን ኤርትራውያን ባህላዊ መድረኽ ዝተወደበ ኔሩ። ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ዓብደላ ኣቡበከር፡ ደሃብ ፈይድ ቲንጋ፡ ሳልሕ ጆሃርን ፍሉጣት ኣባላት ማሕበረሰብን ብዛዕባ በረኸት መንግስተኣብ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ቀዳማይ ክፋሉ ክቐርብ’ዩ። * ኣብ [መወዳእታ ኸኣ] ዓመተ 2025 ይውዳእ ስለዘሎ ገምጋም ንህበሉ ግዜ በጺሑ`ሎ ማለት`ዩ። ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ 2025 ክንምልከት’ንከለና እቲ ዓመት ክትግምቶም ትኽእል ፖሊሲታት ግን ከኣ ዘሰንብዱ ውጽኢታት ዝነበርዎ ኔሩ። እዚ ድማ ሰልፊ ለይበር ብዓብላሊ ተዓዊቱ ናብ መንበረ መንግስቲ ዝተመልሰሉ ምርጫ ግንቦትን ክልተ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ፒተር ዳተንን ኣዳም ባንዲትን ወንበሮም ዝተመንጠልሉን ዘካትት ኔሩ። እሞ ዓመተ 2025 ኣብ መሳልላት ስልጣን ካንቤራ ከመይ ሓሊፉ ክንምልከቶ ኢና።
    55 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (22 ታሕሳስ 2025)
    ኣርእስታት ዜና (22 ታሕሳስ 2025) * ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ስነስርዓት ዝክርን ምውላዕ ሽምዓን ንግዳያት ሽበራዊ ቅትለት ቦንዳይ ቪች ተካይዶም * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ንብቕዓት ፈደራል ኣኽበርቲ ሕጊን ትካላት ስለያን ኣብ ጸጥታን ድሕነትን ኣውስትራልያ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ * ፖሊስ ግዝኣት ቪክቶርያ ንግጥም ክሪኬት ጽባሕ መዓልቲ ልደት (Boxing Day Cricket) ተወሰኽቲ ኣባላት ሓለዋ ከዋፍር'ዩ * ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ ባር ብዘጋጠመ ጃምላዊ ተኹሲ ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዓሰርተ ቆሲሎም
    10 min
  • ኣብ መልበርን፣ ኣውስትራልያ፣ መፋነዊን ዝኽርን በሃር ስነጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ ተኻይዱ
    ዝኽሪ በሃር ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስተኣብ፡ ሰንበት 14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሜልበርን፡ ኣውስትራልያ ተኻይዱ ። እዚ ዝኽሪ ብ ማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ (ECA) ከምኡ'ውን ብኣውስትራሊያዊያን ኤርትራውያን ባህላዊ ፎረም ዝተወደበ እዩ ። ፍሉጣት ስነ-ጥበባውያን እንተላይ ዓብደላ ኣቡበከር፡ ደሃብ ፈይድ ቲንጋ፡ ሳልሕ ጆሃርን ፍሉጣት ኣባላት ማሕበረሰብን ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ኣብዚ ትሕዝቶ ብመስርዖ ድምጾም ዝስማዕ: ሳራ ዓሊ-በኺት (ኣደወንበር ECA)፣ ሰሚር ኢማም (ምክትል ኣቦወንበር ECA)፣ ገዲም ሙዚቀኛ ዓብደላ ኣቡበከር፣ ስነጥበባዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ፣ ስነጥበባዊት ደሃብ ፋይድ ቲንጋ፣ ጋዜጠኛን ተንታትንን ሳልሕ ቓዲ ጀሃር፣ ዶክተር ታድዮስ ተስፉ (ተሓኤ)፣ ተጋ. ሃይለየሱስ ገብራይ፣ ኣወሃሃዲ ጋዜጠኛ ኣሕመድ ሸሪፍ A memorial event was held for the late legendary Eritrean artist, Bereket Mengisteab, in Melbourne, Australia on Sunday 14 December 2025. It was jointly organized by Eritrean Australian Cultural Forum and Eritrean Community in Australia (ECA). Famous artists, including Abdela Abubeker, Dahab Faid Tinga, Saleh Johar and prominent community members shared their fond memories of the late artist.
    23 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners