SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዋጋታት መንበሪ ኣባይቲ ሰማይ ይዓርግ፡ ኣብ ከም በዓል ብርዝቤን ዝበላ ከተማታት ገምጋም ዋና ገዛ ሓደ ሚልዮን ዶላር በጺሑ
    ልዕሊ መጠን ክብሪ ዋጋታት ኣባይቲ ፡ ነቲ ሰለስተ ሳዕ ዝተገብረ ምጉዳል መጠን ወለድ ንሓደስቲ ዓደግቲ ከርብሖም ከምዘይከኣለ ሓድሽ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ኩለን ርእሰ-ከተማታት ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ይውስኽ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ኣውስትራሊያዊያን ብሓንሳብ እኩብ ስድራቤታት ክምስርቱ ወይ ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ይገብር ኣሎ ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋታት ኣባይቲ፡ ኣብ 2026 መጠን ወለድ ክውስኽ ከም ዝኽእልል ክኢላታት ስነ ቝጠባ ኺንበዩ ገይርዎም ኣሎ ።
    9 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ታሕሳስ 2025)
    ** ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤሽያ ዝተኸስተ ህቦቡላዊ ዝናብ ቆጽሪ ዝሞቱ ሰባት 1,300 በጺሑ... ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14] ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቨነዝዌላን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኸይውሰድ እናተሰግአ ይኸይድ ብምህላዉ ፡ ዝርርብ ክግበር ጻውኢት ኣቕሪቦም ... ** ቊጠባዊ ዕብየት ኣውስትራልያ ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝተራእየ ንላዕሊ ብቕልጡፍ ናህሪ ኺስጕም ምዃኑ ተገሊጹ።
    5 min
  • ዕላል ስነ ጽሑፍ ምስ ስነ ጥበበኛ ቶፊቕ ቑስሙላህ።
    ነባሪ ኣውስትራሊያ ቶፊቕ ቑስሙላህ፡ ብቋንቋ ዓረብ ግጥምታት ዝጽሕፍ ሓንቲ መጽሓፍ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ብትግርኛ ዝጸሓፎ ሓጸርቲ ዛንታታት'ውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓትን ብፍላይ ድማ ኣገባብን ስርዓትን ተኸቲሎም ዝጸሓፉ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ምስትምቓሩ ኣካፊሉ ኣሎ።
    18 min
  • A parent’s guide to help teens adjust to social media age restrictions - ቆልዑ ማሕበራዊ መዲያ ከይጥቀሙ ዝእግድ ሕጊ ንምትግባር ወለዲ ንደቖም ብኸመይ ይሕግዝዎም፡
    Australia is restricting access to social media accounts for under-16s, and many families are wondering what it means in practice. While the rules place responsibility on tech platforms rather than young people or their parents, the changes may still create stress for teens who rely on social media to stay connected. Find out how the ban will work, why connection still matters, and how experts suggest supporting young people through the transition. - ኣውስትራሊያ ትሕቲ 16 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሰባት ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሕሳብ ንኸይረኽቡ ትክልክል እያ ዘላ ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ድማ ብኸመይ ክትግበር ምዃኑ የተሓሳስቦም ኣሎ ። እቲ ሕግታት ኣብ ክንዲ መንእሰያት ወይ ወለዶም ኣብ ናይ ቴክኖሎጂ መድረኽ ዘለዉ ኩባንያታት ሓላፍነት ዘሰክም እኳ እንተዀነ: እቲ ለውጢ ግን ነቶም ብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሎም ርክብት ዝገብሩ መንእሰያት ንኸይራኸቡ ውጥረት ዝፈጥር ክኸውን ይኽእል እዩ ። እቲ እገዳ ብኸመይ ከም ዝዓዪ ፡ ስለምንታይ ምርካባት ከም ዘገድስ ፡ ክኢላታትከ ንመንእሰያት ኣብ መስርሕ ምስግጋር ብኸመይ ክሕግዝዎም ከም ዘለዎም ዝሃብዎ ሓሳብ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
    9 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ታሕሳስ 2025)
    ** ኣብ ሆንግኮንግ ምስ ምብራዕ ህንጻታት ዝተሓሓዝ 13 ጥርጡራት ተታሒዞም... ** መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ባጀት ከምዘጋጠመ ተገሊጹ... ** ኣብ ኢትዮጵያ ፡ ሓንቲ ብቫይረስ ማርበርግ ተታሒዛ ሓሚማ ዝጸንሐት ጓል 15 ዓመት ፡ ሓውያ ካብ ማእከል ሕክምና ከም እተፋነወት ተፈሊጡ ።
    5 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ታሕሳስ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ጥምረት ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲኡ ከፍልጥ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ፡ ንግዝያዊ ቪዛ ንዝሓዙ ሰባት ናይ ክብርታት መርመራ ክግበረሎም ዝብል መደብ ከምዝድግፎ መራሒ ሰልፊ ናሽናልስ ዴቪድ ሊትልፕራውድ ገሊጹ ። ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ፡ ናይ ክልተ መንግስቲ ፍታሕ እቲ እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ገሊጾም ። ** ኣብ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ፡ ጋንታ ኣርሰናልን ቸልሲን ገጢመን ሓደ ብሓደ ሸቶ ብማዕረ ተፈላልየን።
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ታሕሳስ 2025)
    ን ሎሚ ሰኑይ 1 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ እዋን ከም ብ ኣማዞን ዝበሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝመሃደሩ ንጥፈታት ምብጽጻሕ ኣቑሑ (ደሊቨሪ)፡ ዝኣመሰሉ ኣብ ህዝብና ንነዊሕ ዘመናት ዝስርሓሎም ዝነበሩ ንጥፈታት ኣለዉ። ገዛ ገዛ እናኸዱ ሸቐጣት ዝሸጡ፡ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ (ቬላሮባ)፡ እዚ ንነገራት ዳግም ንምምስራሕ ዝተባባዕ ዘሎ ኣብ ህዝብና ልሙዳት ዝኾኑን ምስ ኣከባቢ ዝሳነዩ ተግባራት ነይሮም። ነዞም ብህዝብና ዝካየዱ ዝነበሩ ባህላውያን ንጥፈታት ቁጠባን ኣከባብን ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ ዳህሲስናኣዮም ኣለና። እዞም መሃዝነት ዘለዎም፡ ምስ ኣከባቢ ዘሳንዩ ንጥፈታት ቀጺልናዮምን ሒዝናዮም እንተንጓዓዝ መሰረት ምዕባለን ጥዕናን ምዃኖም'ውን ኣብዚ ዕላል ተገሊጹ ኣሎ። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ካልኦት ሰበስልጣንን ዘትዩ። ጀነራል ታደሰ ወረደ "ዝተወደበ" ዝበሎ ሓይሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምውዳቕ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። መንግስቲ ፌደራል ምፍርራሕን ቁጠባዊ ገደብን ይገብር ዝብል ነቐፌታ ውን ኣቕሪቡ። ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንሓደ ወገን ኣድልዎ ይገብር ኣሎ ንዝበሉዎ ቦርድ መረፃ ነቒፎም። ን135 ዜግነት ኖርወይ ዝተዋህቦም ኤርትራውያ ክትምርምር ዝጸንሐት ዜግነት ኣሕዲጋ። ካብቶም ዝተሓድጉ እቲ ሓደ ኣቦወንበር መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ምዃኑ ተገሊጹ ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ጥምረት ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲኡ ከፍልጥ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ፡ ንግዝያዊ ቪዛ ንዝሓዙ ሰባት ናይ ክብርታት መርመራ ክግበረሎም ዝብል መደብ ከምዝድግፎ መራሒ ሰልፊ ናሽናልስ ዴቪድ ሊትልፕራውድ ገሊጹ ። ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ፡ ናይ ክልተ መንግስቲ ፍታሕ እቲ እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ገሊጾም ። ** ኣብ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ፡ ጋንታ ኣርሰናልን ቸልሲን ገጢመን ሓደ ብሓደ ሸቶ ብማዕረ ተፈላልየን።
    49 min
  • ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ካልኦት ሰበስልጣንን ዘትዩ። (ጸብጻብ)
    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ካልኦት ሰበስልጣንን ዘትዩ። ጀነራል ታደሰ ወረደ "ዝተወደበ" ዝበሎ ሓይሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምውዳቕ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። መንግስቲ ፌደራል ምፍርራሕን ቁጠባዊ ገደብን ይገብር ዝብል ነቐፌታ ውን ኣቕሪቡ። ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንሓደ ወገን ኣድልዎ ይገብር ኣሎ ንዝበሉዎ ቦርድ መረፃ ነቒፎም። ን135 ዜግነት ኖርወይ ዝተዋህቦም ኤርትራውያ ክትምርምር ዝጸንሐት ዜግነት ኣሕዲጋ። ካብቶም ዝተሓድጉ እቲ ሓደ ኣቦወንበር መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ምዃኑ ተገሊጹ።
    10 min
  • ኣውስትራልያ ንትሕቲ 16 ዝዕደመኦም ካብ መድረኻት ሓፋሽ ዝኽልክል ሕጊ ከተተግብር'ያ፣ ኣየኖት'ዮም ተኸልኪሎም ዘለዉ፧
    ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ንዝዕድመኦም ህጻናት ካብ ሶሻል መድያ ክትእግዶም'ያ። ድሕነት ኦንላይን (ኢንተርነት) ዝከታተል ኮሚሽነር ኢ-ሴፍቲ ኣውስትራልያ፡ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት (መድረኻት ሓፋሽ) ካብ ዝመጽእ 10 ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሕግታት ገደብ ዕድመ ክኽተላ ዝሕግዝ መምርሒታት ኣቕሪቡ። ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክሳብ ሕጂ ብዛዕብኡ ፈሊጥናዮ ዘለና ነቕርቦ።
    9 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners