SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ታሕሳስ 2025)
    ** ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣውስትራልያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብዛዕባ ጸጥታዊ ጉዳይ ኣብ ዋሽንግተን ዲ-ሲ ተዛትዮም:... ** ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ፡ ኣብ መዋእለ ህጻናትን ኣብ ካልእ ቦታታትን ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ፡ 63 ህጻናት ዝርከብዎም 114 ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ... ** ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሁ ቻንግቹን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይኣስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ተዘራሪቡ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ታሕሳስ 2025)
    ን ሎሚ 08 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ናይታ ግዝ ኣት ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ብፍላይ ድማ ኣብ 3CR ናይ ኮሙኒቲ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ን 25 ዓመታት ብዝገበሮ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን ንዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ ተሸሊሙ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣቶ ብርሃን ጃብር ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን “ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል” ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ዘተባብዕ ዝበሎ ሓድሽ ስትራተጂ ዘርጊሑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብ ዘድሃበ ዘተ ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣብ ርብዒ ዓመት ንጎረባብቲ ሃገራት ብዘቕረበቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 46 ነጥቢ8 ሚሊየን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ኣብ 2025 ንንኣሽቱ ኣውስትራልያውያን ዘሻቐልዎም እንታይ ኔሮም፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣውስትራልያ ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ናይ ዕድመ እገዳ: ድሮ ዕዉት እዩ ክብል ገሊጹ። ኣብ ጋዛ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ካብዝተግበር ኣስታት ክልተ ወርሒ ጸኒሑ ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ፍልስጤማውያን መሰረታዊ ቀረባት ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ገሊጾም ። ኣትሌት ፍጹም ዜናስላሴ፡ ኣብ ዉድድራት ኣህጉራዊ ማራቶን ካሊፎርንያ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ዉድድሩ ዛዚሙ።
    50 min
  • ብርሃን ጃብር እስማዒል፡ ተሸላሚ ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll)።
    ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ግዝኣት ቪክቶሪያ ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ብፍላይ ድማ ኣብ 3CR ናይ ኮሙኒቲ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ን 25 ዓመታት ብዝገበሮ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን ንዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ ተሸሊሙ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣቶ ብርሃን ጃብር ዝገበርናዮ ሰፊሕ ዕላል ኣብዚ ቀሪብናዮ ኣለና።
    34 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ትኣሕሳስ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣውስትራልያ ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ናይ ዕድመ እገዳ: ድሮ ዕዉት እዩ ክብል ገሊጹ። ኣብ ጋዛ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ካብዝተግበር ኣስታት ክልተ ወርሒ ጸኒሑ ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ፍልስጤማውያን መሰረታዊ ቀረባት ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ገሊጾም ። ኣትሌት ፍጹም ዜናስላሴ፡ ኣብ ዉድድራት ኣህጉራዊ ማራቶን ካሊፎርንያ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ዉድድሩ ዛዚሙ።
    12 min
  • ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ።
    ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን “ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል” ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ዘተባብዕ ዝበሎ ሓድሽ ስትራተጂ ዘርጊሑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብ ዘድሃበ ዘተ ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣብ ርብዒ ዓመት ንጎረባብቲ ሃገራት ብዘቕረበቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 46 ነጥቢ8 ሚሊየን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።
    8 min
  • The worries of young Australians in 2025 - ኣብ 2025 ንንኣሽቱ ኣውስትራልያውያን ዘሻቐልዎም እንታይ ኔሮም፧
    Teenagers are more concerned than ever about the cost of living, according the annual Mission Australia Youth Survey of more than 17,000 young people. Financial worries have jumped significantly in survey results in recent years, with climate change falling as an issue of concern, and mental health still having a large impact. - መንእሰያት ካብ ኩሉ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ብዛዕባ ክብሪ ናብራ ይሻቐሉ ክብል ርእይቶ ልዕሊ 17ሽሕ መንእሰያት ዝኣከበ ዓመታዊ ዝካየድ 'ሚሽን ኣውስራልያ ዩዝ ሰርቨይ' ኣፍሊጡ። ንገንዘብ ወይ ፋይናንስ ዝምልከቱ ሻቕሎታት ኣብ መለክዒታት ርእይቶ ናይ'ዚ ቀረባ ዓመታት ብዝለዓለ መጠን ንቅድሚት ዘሊሎም ኣለዉ፡ ለውጢ ክሊማ ከም ሓደ ኣሻቕሊ ዛዕባ ንታሕቲ ክወርድ'ንከሎ፡ ጥዕና ኣእምሮ ግን ሕጂ'ውን ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
    10 min
  • MiniPod: To shout | Words we use - MiniPod: To shout | Words we use (ምልምማድ ፍሉያት ኣበሃህላታት ቋንቋ እንግሊዝ)
    Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'to shout'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'to shout' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።
    3 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ታሕሳስ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ እቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዘጋጠመ ልዕሊ 1,400 ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ብወዝቢ ዝተኸስተ ዘይኰነስ ፡ መጠንቀቕታ ለውጢ ክሊማ ምዃኑ ኣጠንቂቖም ። ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ፡ ንዩክረይን ብሓደስቲ 95 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ወተሃደራዊ ንዋት ክሕግዛ እየን ፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ኣብ ዋንጫ ኤሽያ ኣብዝግበር ዉድድራ ብኮኾብ ተጻዋቲት ሳም ኬር ብርታዐ ሰኒቓ ከምትቐርብ ተገሊጹ ።
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ታሕሳስ 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 04 ታሕሳስ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልዕሊ መጠን ክብሪ ዋጋታት ኣባይቲ ፡ ነቲ ሰለስተ ሳዕ ዝተገብረ ምጉዳል መጠን ወለድ ንሓደስቲ ዓደግቲ ከርብሖም ከምዘይከኣለ ሓድሽ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ኩለን ርእሰ-ከተማታት ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ይውስኽ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ኣውስትራሊያዊያን ብሓንሳብ እኩብ ስድራቤታት ክምስርቱ ወይ ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ይገብር ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ ኣለና። ምስ ስነ ጥበበኛ ቶፊቕ ቁስመላህ ዝገበርናዮ ዕላል’ውን ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ናብ ትግራይ ካብ ፌደራል ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዝመፅአ ባጀት ከምዘየለ፡ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ "ዝርርብ ኣይክህሉን " ንዝብል ቅዋም ግብፂ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ኢላቶ። ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሱዳን ኣብ ናይ ኣሜሪካ ጥቡቕ ምፅራይ ግሪን ካርድ ተኻቲተን። ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኤርትራ ወፍሪ ቍጽጽር ሳገምቲ ኣዕዋፍ ኴላ-ኴላ ኣካዪዱ። ኣብ ወዳእታ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ እቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዘጋጠመ ልዕሊ 1,400 ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ብወዝቢ ዝተኸስተ ዘይኰነስ ፡ መጠንቀቕታ ለውጢ ክሊማ ምዃኑ ኣጠንቂቖም ። ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ፡ ንዩክረይን ብሓደስቲ 95 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ወተሃደራዊ ንዋት ክሕግዛ እየን ፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ኣብ ዋንጫ ኤሽያ ኣብዝግበር ዉድድራ ብኮኾብ ተጻዋቲት ሳም ኬር ብርታዐ ሰኒቓ ከምትቐርብ ተገሊጹ ።
    55 min
  • ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሱዳን ኣብ ናይ ኣሜሪካ ጥቡቕ ምፅራይ ግሪን ካርድ ተኻቲተን።
    ናብ ትግራይ ካብ ፌደራል ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዝመፅአ ባጀት ከምዘየለ፡ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ "ዝርርብ ኣይክህሉን " ንዝብል ቅዋም ግብፂ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ኢላቶ። ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሱዳን ኣብ ናይ ኣሜሪካ ጥቡቕ ምፅራይ ግሪን ካርድ ተኻቲተን። ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኤርትራ ወፍሪ ቍጽጽር ሳገምቲ ኣዕዋፍ ኴላ-ኴላ ኣካዪዱ።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners