SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ከይበጽሑ ዘሰናኽልዎም እንታይ'ዮም፧
    ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር።
    10 min
  • ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመን ስልጣኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። (ጸብጻብ)
    ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተብሃለ ውድብ መስራታይ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ምስ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሚድያ ኣመሪቑ።
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2025)
    ሎሚ ሓሙስ 18 መስከረም 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ኣብ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ዘሰጎመ ደርሲ ምዃኑ ይፍለጥ። ንሱ ኣብ ሓጸርቲ ዛንታ ከይተሓጽረ ኣብ ምጽሓፍ ድራማ፡ ፊልም፡ ኣብ ጋዜጣ ዝጽሕፎም ዝነበሩን ብሱላት ዓንቀጻትን ዝፍለጥ እዩ። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ብ 30 ነሓሰ 2025 ኣብ መበል 64 ዓመት ዓሪፉ። ብዛዕባ ዘበርከቶም ስራሓትን ብዛዕባ ህይወት ደራሲ ሚኪኤል በርሀን ዝምልከት ምስ ናይ ቀረባ ፈላጢኡን መሳርሕቱን ዝነበረ ኣርቲስት ሚካኤል ኣዶናይ ዝተገብረ ዝርርብ ካልኣይን መወዳእታን ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ማሳድ ቡሎስ ምስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ- ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ። ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፖለቲከኛ ኣቶ ክርስትያን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተሰሚዑ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ብሕጋዊ መገዲ ስምካ ብኸመይ ትቕይሮ፧ ክንድህስስ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ጃምላዊ ህልቂት ከም ዝፈጸመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ ምስ እስራኤል ዝግበር ስምምዓት ናጻ ንግዲ ክድስክል ሓሳብ ኣቕሪቡ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ዒላማ ክሊማ ኣብ 2035 ሎሚ [18 መስከረም] ኣብ ሲድኒ ሎሚ ከፍልጥ እዩ ። መንእሰይ ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ Gout Gout ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዉድድር ሓሊፉ ።
    50 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ጃምላዊ ህልቂት ከም ዝፈጸመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ ምስ እስራኤል ዝግበር ስምምዓት ናጻ ንግዲ ክድስክል ሓሳብ ኣቕሪቡ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ዒላማ ክሊማ ኣብ 2035 ሎሚ [18 መስከረም] ኣብ ሲድኒ ሎሚ ከፍልጥ እዩ ። መንእሰይ ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ Gout Gout ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዉድድር ሓሊፉ ።
    9 min
  • ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ።
    ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ማሳድ ቡሎስ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ። ኣብ ዓፋር ናይ ዘሎ ዕጡቕ ትግራይ 12 ኣመራርሓ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ወርሒ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ። ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ ክርስትያን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተሰሚዑ።
    6 min
  • #95 Under the stars (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ (#95 Under the stars (Med))
    Learn how to talk about the night sky and stargazing. - ትምህርቲ ብዛዕባ ሰማይ ለይትን ምዕዛብ ከዋኽብትን ከመይ ከም ትዛረቡ፡ (Learn how to talk about the night sky and stargazing.) ቋንቋ እንግሊዝኛ ምርዳእን ምዝራብን ኣብ ኣውስትራሊያ ናብራኹም ከመሓይሽ ዝኽእል እዩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትሕዝቶ ብዛዕባ ናይ ኣውስትራሊያ ህይወትን ኣገላልፃታትን ኣብ ብኸመይ ከምዝበሃልን ኽንገልጽ ኢና ። ናይ እንግሊዝኛ ቛንቛ ክእለትካ ንምምሕያሽ ፣ ብዛዕባ ኣውስትራሊያ ፍልጠትካ ንምዕባይ ጎኒ ንጎኒ ድማ እናተዘናጋዕካ ትምህርቲ ምቕሳም ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ብዛዕባ ትምህርቲ ብዛዕባ ሰማይ ለይትን ምዕዛብ ከዋኽብትን ብኸመይ ከም እትዛረብ ክንመሃር ኢና ።
    13 min
  • እስራኤል ኣብ ቓዛ ጅምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸመት መጽናዕቲ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ...(ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ)
    *** እስራኤል ኣብ ቓዛ ጅምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸመት መጽናዕቲ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ... *** ምስ ፖሊሲ ሰልፊ ጥምረት ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ መራሒት ተቓዋሚት ሱሳን ሊ ጸቕጢ ቀጺሉ ... *** ኣብ ማላዊ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድምጹ ክህብ ዝደለየ ሰብ ኩሉ ድምጹ ክህብ ዕድል ክረኽብ ዘይምኽኣሉ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ተወዲኡ።
    7 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2025)
    *** ምስቲ ብ ደማዊ ሰንበት ተባሂሉ ዝፍለጥ ጃምላዊ ቅትለት ናይ 1972 ዝተሓሓዝ መስርሕ ፍርዲ ጀሚሩ... *** ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብቲ ኣሰሓሓቢ ቅዱስ ስፍራ እስራኤል በአጺሑ... *** ቻይና ፡ እቲ ምስ ኣመሪካ ኣብ ዋንነት ቲክቶክ ዝግበር ሓድሽ ስምምዕ ፡ ንረብሓ ክልቲኡ ወገን ዝሰማማዕ ምዃኑ ከም እትኣምን ገሊጻ ።
    5 min
  • How do you legally change your name in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ብሕጋዊ መገዲ ስምካ ብኸመይ ትቕይሮ፧
    Choosing to legally change your name is a significant life decision that reflects your personal circumstances. Each year, tens of thousands of Australians lodge an application through the Registry of Births, Deaths & Marriages. If you’re considering a change of name, this episode takes you through the process. - ስምካ ብሕጋዊ መገዲ ኽትቅይሮ ምምራጽ ፡ ንብሕታዊ ኵነታትካ ዘንጸባርቕ ኣገዳሲ ናይ ህይወት ውሳነ እዩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ናይ መዝገብ ናይ ልደት: ሞት ከምኡውን መርዓ ምልክታ የእትዉ ። ስም ክትቅይር ትሓስብ እንተ ኣሊኻ ፡ እዚ ትሕዝቶ እቲ መስርሕ ከመይ ከምዝኾነ ሓበሬታ ዝህብ እዩ ።
    9 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 መስከረም 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** መራሒት ሰልፊ ሊበራል ሱሳን ለይ ንጃኪንታ ናምፒንጂንፓ ፕራይስ ካብ ናይ ቅድሚት መናብር ሰልፊ ተቓወምቲ ድሕሪ ምስጓጓ ሚኒስተራታ በዊዛቶም ። ** ብቐዳም 13 መስከረም ኣንጻር ስደተኛታት ብኣንጻሩን ዝቕንዑ ሰልፍታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ክግበሩ ዉዒሎም። ** ዉድድር ናይ መወዳእታ መድረኽ ቮልታ ኢስጳኛ ብሰንኪ ደገፍቲ ፍልስጢኤማውያን ዝገበርዎ ተቓዉሞ ተዘሪጉ።
    9 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners