SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ። (ጸብጻብ)
    ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋጊኡ ዕለታዊ ናብራናኡ ክመርሕ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ትቕበለን ተሽከርከርቲ 95 ሚኢታዊ ብኤሌክትሪክ ክትገብር ወሲና ። ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ኑክሌር ስምምዕነት ተፈራሪመን። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን ርክብ ኣካይዶም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምምስራት ድሌት ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ።
    8 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መስከረም 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ዝሓየለ ህቦቡላ ሳይክሎን ናይ 2025 ኣብ ሆንግ ኮንግ ጉድ ኣት ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ታይዋን 17 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ናብ ገማግም ደቡብ ቻይና ሓሊፉ ኣሎ ። ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቖልዑ ምእጋድ ካብ ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝዛለዩ ናይ ጌም ጸወታታት’ውን ከጠቓልል ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ካብ የመን እተተኮሰ ድሮን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ከተማ ኤላት ወቒዑ: ብውሕዱ 20 ሰባት ኣቝሲሉ ። ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ዝግበር ግራንድ ፋይናል A-F-L ኣዚዩ ከቢድ ጸወታ ከምዝኸውን ተገሊጹ።
    10 min
  • "ንእሱራትና ከምዘይረሳዕናዮም ንምርኣይ ኢና ዝክሪ እሱራት ኣካይድና፡" ዝርርብ ምስ ኣቶ ዘርኡን ኣቶ ብርሃነን ብዛዕባ ኣብ ኲንስላንድ ዝተገብረ ዝኽሪ እሱራት፡
    ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ።
    18 min
  • ኢትዮጵያን ኬንያን ወታደራዊ ምትሕባረን ንምጥንኻር ተፈራሪመን ። (ጸብጻብ)
    ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፉ ። ደበና ኩናት ንምቕንጣጥን ብዕቱብ ይሰርሕ ምህላዉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ቢሮ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ትግራይ ካብ ዓዱ ተመዛቢሉ ብዝብኢ ንዝተበልዐ ህፃን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ። ኢትዮጵያን ኬንያን ወታደራዊ ምትሕባረን ንምጥንኻር ተፈራሪመን ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ጥሕሰት ከም ዘተሓሳሰበን 42 ሃገራት ዓለም ንሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጠን።
    8 min
  • Indigenous sport in Australia: Identity, culture and legacy - ስፖርት ደቀባት ኣውስትራሊያ: መንኮርኮር መንነት፣ ባህሊን ሓድግን፡
    From the soccer field to the athletics track, Australia’s Indigenous sportspeople connect cultures and communities whilst contributing to our national identity. Taking inspiration from those before them, their athletic prowess leaves an indelible mark on our nation. Sport’s ability to foster inclusion, equality and the opportunity for greatness has seen Indigenous Australian sportspeople ingrained in the national psyche, whilst inspiring others to represent Australia in sport. - ካብ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ ክሳብ መስመር ኣትሌቲክስ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ደቀባት ስፖርት ንባህሊታትን ንማሕበረሰባትን ዘራኽብ እዩ ፡ ንሃገራዊ መንነትና ድማ ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም ። ብቕድሚኦም ዝነበሩ ተተባቢዕም ፡ ኣትለቲካዊ ሓድጎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ዓብዪ ምልክት ኮይኑ እዩ ። ስፖርት ኣብ ኣውስትራሊያ ፤ ሓቛፍነት፡ ማዕርነትን ንምዕባይ ዕድል ዝከፍትን ክእለት ከምዘለዎ ኣውስትራሊያውያን ኣብ ሃገራዊ መንፈስ ከምዝኣተዉ እሞ ካልኦት ኣውስትራሊያውያን ኣብ ስፖርት ንኽውከሉ ዝገብር ዘሎ እዩ ።
    11 min
  • ሚ/ር ጥዕና ብዛዕባ ሕማም ኦቲዝም ዝምልከት ብትራምፕ ዘይተረጋገጸ ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሑ ነቒፍዎ ። (ሓጸርቲ ዜናታት 24 መስከረም)
    *** ኣንተኒ ኣልበኔዝ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝራኸብ ኣረጋጊጹ... *** ኣብ ኦስሎን ኮፐንሃገንን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፡ብሰንኪ በረራታት ሓያሎ ዓበይቲ ድሮናት ምሉእ ለይቲ ክዕጾ ተገዲዶም... *** ሚንስትር ጥዕና ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ሕማም ኦቲዝም ዝምልከት ብዶናልድ ትራምፕ ዘይተረጋገጸን ዘጨንቕን ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሑ ነቒፍዎ ።
    7 min
  • "ናብ ዓድና እናማዕደና፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ዓዲ ዕዉታት ክንከውን ኣለና።" መንእሰይ ወደብ ቴድሮስ
    ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ኣዕሊሉ ኣሎ።
    26 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2025)
    *** ሃገረ-ፍልስጤም ምምስራት ሰላም ንኽርከብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ከምዝኣምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልበነዝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ... *** ድሕሪ ተኸታታሊ ምዝንባይ ድሮናት ኣብ ኮፐንሃገን ዝርከብ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ዴንማርክ ፡ በረራታት ነፈርቲ ደው ኢሉ ... *** ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ብኽሲ ክሕደት ኣብ ፍርዲ ምቕራቡ ኣብታ ሃገር ሕድሕድ ኲናት ከይለዓል ተሰጊኡ።.
    6 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 መስከረም 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ምስ ሓያለ ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ን ሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ሂበን፡ እስራኤል ነዚ ትነጽግ ። ** መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝወሃብ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ ናይ ዓመተ 2025 ኮይኑ። ** ኣውስትራሊያዊት ኒኮላ ኡሊይስላገርስ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኣብ ልዑል ዝላ፡ ክልተ ሜትሮ ብምዝላል ተዓዋቲት መዳልያ ወርቂ ኮይና ።
    12 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 መስከረም 2025)
    ን ሎሚ ሰኑይ 22 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር። ዝብል ሓደ ትሕዝቶ ክህልወና እዩ። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 24 ዓመት ዘቑጸሩ ዝዝከረሉ እዩ ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡ ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተብሃለ ውድብ መስራታይ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ምስ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሚድያ ኣመሪቑ።ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ምስ ሓያለ ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ን ሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ሂበን፡ እስራኤል ነዚ ትነጽግ ። ** መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝወሃብ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ ናይ ዓመተ 2025 ኮይኑ። ** ኣውስትራሊያዊት ኒኮላ ኡሊይስላገርስ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኣብ ልዑል ዝላ፡ ክልተ ሜትሮ ብምዝላል ተዓዋቲት መዳልያ ወርቂ ኮይና ።
    55 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners