SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኢትዮጵያ ፡ ኤርትራ ምስ ህወሓት ኮይና ኣብ ከተማ ወልዲያ "ውግእ ከፊታትለይ" ብምባል ንኤርትራ ከሲሳታ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ
    ** መራሕቲ ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ንግዳያት ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲን ነቶም ገና ኣብ ጋዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ሓዘኖም ገሊጾም ። ** ብትእዛዝ ፕረሲደንት ዶናል ትራምፕ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ናብ ቺካጎ ኣትዮም... ** ኢትዮጵያ ፡ ኤርትራ ምስ ህወሓት ኮይና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ወልዲያ "ውግእ ከፊታትለይ" ብምባል ን ኤርትራ ከሲሳታ።
    6 min
  • Road trips in Australia: What you need to know before hitting the road - ጉዕዞ መገዲ ኣብ ኣውስትራሊያ : ቅድሚ ጉዕዞ ምጅማር ክፍለጡ ዝግብኦም ነገራት
    There’s no better way to experience Australia than hitting the road. Between the wide-open landscapes, country bakery pies, and unexpected wildlife, a road trip lets you take in the country at your own pace. But even if you’ve driven overseas, Australia comes with its own set of challenges, especially when you venture off the beaten path. - ንኣውስትራሊያ ንምስትምቓራ ካብ ብመገዲ ምጓዓዝ ዝበለጸ ካልእ የለን ። ኣብ መንጎ "ቲ ሰፊሕ ከፋት ቅርጺ-መሬትን ናይ ገጠራት ዝስንከቱ ፓይን ፡ ዘጋጥሙኻ ትጽቢት ዘይገበርካሎም እንስሳ ዱርን ካልእን ብናይ ገዛእ ርእስኻ ፍጥነት ነታ ሃገር ክትፈልጠላ ትኽእል ናይ መገዲ ጕዕዞ እዩ ። ኣብ ወጻኢ ናይ ጉዕዞ ተመኩሮ እንተለካ'ኳ ፡ ኣውስትራሊያ ብፍላያ ድማ ንርሑቕ ከባቢታት ኣብትዝውረሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆ ኣለዋ።
    9 min
  • "ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 7ይ መረጻ ከተካይድ እያ" ፕር/ ታየ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (7 ጥቅምቲ 2025)
    ** ኣብ ግብጺ ዝርርብ ምቁራጽ ተዂሲ ቓዛ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እስራኤላውያንን ፍልስጢኤማውያንን ተስፋኦም ይገልጹ ኣለዉ... ** ቅዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ካብዝሽየም ወርሑ ከይመልኦ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ... ** ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት (ሰነ-2026) 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ ምዃና ፕረዚደንት ታየ ኣጽቀስላሴ ኣፍሊጡ።
    8 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2025)
    ን ሎሚ ሰኑይ 6 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣቶ በላይ ገብረግዚኣብሄር ኣብ ሆባርት ታዝማኒያ ዝነብር ጥሮተኛ እዩ። ኣብ ሆባርት ቦውል ዝበሃል ጸወታ ስፖርት ምስ ጋንታ Royal Hobart Bowls Club ተሰሊፉ ይጻወት። እዚ ዓይነት ጸወታ ኣብ ኣባላት ማሕበረሰብና ዝውቱር ኣይኮነን፡ ኣቶ በላይ ኣብዚ ናይ ጥሮታ ዕድመኡ ንምንታይ ክጻወቶ መሪጹ፡ ኣብታ ጋንታ ተጸምቢሩ ምጽዋቱ እንታይ ረብሓ እዩ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባት ክስዕብዎ ዝገብሮ ፈተነን ካልእ ምስቲ ዝገብሮ ንጥፈታት ዝተሓሓዝ ኣዕሊሉና ኣሎ።። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኮንፈረንስ መቐለ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ 'ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገር እጃምና ክነወፊ ኢና'ኢሉ። ኣብ ትግራይ ብሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን 'ቦቶክስ' ብምጥቃም ዕውት መብጣሕቲ ተኻይዱ። ክሽቦ ጓልኣንስተይቲ ንምውጋድ፡ ውሁድ ጻዕሪ መሻርኽቲ ክዓዝዝ ጻውዒት ቀሪቡ። ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብነዳዲ ዝሰርሓ ዓበይቲ መካይን ከይኣትዋ ኣጊዱ። ።ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ፡ ትማሊ 5 ጥቕምቲ ኣብ መላእ ዩክረይን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ሚሳይላትን ድሮንን ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዓንዩ ። ** ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ዕልቕልቕ ኣስታት 19 ሰባት ቀቲሉ 640,000 ሰባት ድማ በቲ ሓደጋ ከምተጸልዉ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ** ግጥማት A-F-L ብሪዝቤን ላየንስ ብገፊሕ 47 ነጥቢ ን ጂሎንግ ካትስ ብምስዓር፡ ጋንታ ብሪስቤን ላየንስ ተኸታታሊ ሻምፕዮንነታ ዓቂባ ።
    51 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ፡ ትማሊ 5 ጥቕምቲ ኣብ መላእ ዩክረይን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ሚሳይላትን ድሮንን ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዓንዩ ። ** ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ዕልቕልቕ ኣስታት 19 ሰባት ቀቲሉ 640,000 ሰባት ድማ በቲ ሓደጋ ከምተጸልዉ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ** ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ዝገበሮ ጻዕሪ ፡ ንእስራኤል ብዙሕ ዝጠቅም ምዃኑ ገሊጹ ።
    9 min
  • ኮንፈረንስ መቐለ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ 'ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገር እጃምና ክነወፊ ኢና'ኢሉ።
    ኣብ ትግራይ ብሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን 'ቦቶክስ' ብምጥቃም ዕውት መብጣሕቲ ተኻይዱ። ክሽቦ ጓልኣንስተይቲ ንምውጋድ፡ ውሁድ ጻዕሪ መሻርኽቲ ክዓዝዝ ጻውዒት ቀሪቡ። ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብነዳዲ ዝሰርሓ ዓበይቲ መካይን ከይኣትዋ ኣጊዱ። ኮንፈረንስ መቐለ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ 'ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገር እጃምና ክነወፊ ኢና'ኢሉ።
    9 min
  • ጥዕና ስድራቤት ኣዴታትና ብዝኽሽነኦ መግቢ'ዩ ብዝለዓለ መጠን ዝውሰን
    ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝመጽወን ሃገራት ብዓይነት ሰብን ክኢላዊ ሞያን ጥራይ ዘይኮና ዝህብትማ በቲ ሒዞሞ ዝመጹ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ልምዲ፣ ኣመጋግባ፣ ኣለባብሳ፣ ሙዚቃን ስነጥበብን’ውን ይህብትማ’የን። ምናልባት ነዚ ከም ኣወንታ ድየን ዝምልከተኦ ወይስ ከም ኣሉታ ምስ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሃዋህው፣ ትብዓት መራሕቲ፣ ህዝባዊ ደገፍን በብግዚኡ ዝቀያየር ርእይቶ ህዝብን ክፈላለ ይኽእል። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ ከም’ዚኤን ዓይነታት ሃገራት ኮይና በብግዚኡ ብብዝሒ ወይ ብእኩብ ወይ ድማ በብውሑድ ብቐጻሊ ብዝመጹ ማዕበላት ህዝቢ ዝኸሰበትን ዝተቐየረትን ሃገር’ያ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ክነብሩዋ ዝጸንሑ ደቀባት ማሕበረሰባትን ሃብታም ባህሎምን ታሪኾምን ማለት’ዩ። ኣብ’ዚ ትሕዝቶ እምበኣር ገለ ተሞክሮታት ካብ ከባቢና ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ብመንጽር መግብን ኣመጋግባን ክንምልከት ኢና።
    7 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ንሓደስቲ ዓደግቲ ገዛ ንምድጋፍ ከተግብሮ ጀሚሩ ዘሎ መደብ ፡ ዝያዳ ውድድር ዝፈጥርን ዋጋታት ዘውስኽ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ኢንዱስትሪ ስግኣቶም ገሊጾም ። ኣብ ኲንስላንድ እቲ ዝዓበየን ዝጠንተወን ትካል መፍረ ጸዓት ከሰል ፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ኣቐዲሙ ክዕጾ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ፡ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ንባርሴሎና 2ብ1 ስዒራታ ።
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 02 ጥቅምቲ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መደያይቦ ህንጻ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም። ኣብ 'ሓራ መሬት' ዘለው ዕጡቓት ናብ ትግራይ ንክመፁ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ባሕሪ ተመያይጡ። ምኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ጉዳይ ዓሰብ ዘይቅኑዕ ምባል "ባንዳነት እዩ" ክብል ገሊጹ። ኣብ እዋን ጽድያ ረስንን ኣዝማን ፥ወቕቲታት ኣብ ዝቕየረሉ ቁጥዐ ወይ ኣለርጂ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፡ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ንግስቲ ንሓደስቲ ዓደግቲ ገዛ ንምድጋፍ ከተግብሮ ጀሚሩ ዘሎ መደብ ፡ ዝያዳ ውድድር ዝፈጥርን ዋጋታት ዘውስኽ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ኢንዱስትሪ ስግኣቶም ገሊጾም ። ኣብ ኲንስላንድ እቲ ዝዓበየን ዝጠንተወን ትካል መፍረ ጸዓት ከሰል ፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ኣቐዲሙ ክዕጾ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ፡ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ንባርሴሎና 2ብ1 ስዒራታ ።
    53 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners