SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025)
    ን ሎሚ ሰኑይ 20 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ ኣቦ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ናይ ፈለማ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝጀመሩን ንባይቶ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና ድሕሪ ዜና ከነቕርቦ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ምንቅስቃስ ዘይሻራዉያን ሃገራት ተሳቲፋ ጽገና ዓለማዊ ስርዓት ክግበር ተማሕጺና። ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 110 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣቲዩ። ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ገበን ተፈጺሙ ኢሉ። ነበር ፕረዚደንት እስልምና ኢትዮጵያ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ብሞት ተፈሊዮም። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰኔተር ፖሊን ሃንሰን ነቲ ካብ ሰልፉ ሰልፊ ናሽናልስ ከምዝወጽአ ዘፍለጠ ሰናተር በርናቢ ጆይስ ናብ ሰልፋ ሰልፊ ዋን ኔሺን ክጽምበር ብወግዒ ጸዊዓ። ** ሰራዊት እስራኤል ፡ ሓማስ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብምጥሓሱ ፡ ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ዒላማታት መጥቃዕቲ ነፈርትን መዳፍዕን ከም ዝፈነወ ገሊጹ ። ** ኣውስትራሊያዊ ማናጀር ኩዕሶ እግሪ ኣንጂ ፖስትኮግሉ ን ሸሞንተ ጸወታታት ኢንግሊሽ ፕሪሚየር ድሕሪ ምምራሑ ጋንታ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣባሪራቶ ።
    52 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025)
    ** ሰኔተር ፖሊን ሃንሰን ነቲ ካብ ሰልፉ ሰልፊ ናሽናልስ ከምዝወጽአ ዘፍለጠ ሰናተር በርናቢ ጆይስ ናብ ሰልፋ ሰልፊ ዋን ኔሺን ክጽምበር ብወግዒ ጸዊዓ። ** ሰራዊት እስራኤል ፡ ሓማስ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብምጥሓሱ ፡ ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ዒላማታት መጥቃዕቲ ነፈርትን መዳፍዕን ከም ዝፈነወ ገሊጹ ። ** ኣውስትራሊያዊ ማናጀር ኩዕሶ እግሪ ኣንጂ ፖስትኮግሉ ን ሸሞንተ ጸወታታት ኢንግሊሽ ፕሪሚየር ድሕሪ ምምራሑ ጋንታ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣባሪራቶ ።
    14 min
  • ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ገበን ተፈጺሙ ኢሉ። (ጸብጻብ)
    ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ምንቅስቃስ ዘይሻራዉያን ሃገራት ተሳቲፋ ጽገና ዓለማዊ ስርዓት ክግበር ተማሕጺና። ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 110 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣቲዩ። ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ገበን ተፈጺሙ ኢሉ። ነበር ፕረዚደንት እስልምና ኢትዮጵያ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ብሞት ተፈሊዮም።
    11 min
  • ኣውስትራልያ ዓድና ኮይና ትስመዓና ዶ፧
    ሓደ ክንነብረሉ ዝጸናሕና ወይ ከም ሓደስቲ መጺእና ዝተጣየስናሉ ዓዲ ክንቅበሎ፣ ናትና ኢልና ክንጽውዖን ምስ ካልኦት ከማና ኢልና ዝኣመንናሎም ክንሕወስን ምስ ጀመርና ንናብራናን ህይወትናን ዝሓሸ ክኸውን ይገብሮ። እዚ ግን ኣብ ባዶሽ ዝኸውን ስለዘይኮነ ከምኡ ክስመዓና ብወገንና ጥራይ ዘይኮነ ብማሕበረሰብናን መንግስቲ’ታ ንነብረላ ሃገርን ንጡፍ ተሳትፎን ኣበርክቶን ክህልዎ የድሊ። ስለ’ዚ እቶም ነዚ ክስመዓና ዝሕግዙ ወይ ዝገብሩ እንታይ’ዮም፧ ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክንድህስሶም ክንፍትን ኢና።
    10 min
  • ሓድሽ ወተሃደራዊ መራሒ ማዳጋስካር ፡ ፕረዚደንት ናይታ ኣፍሪቃዊት ደሴት ኰይኑ ከምዝምሕል ገሊጹ ኣሎ ። (ዕለታዊ ዜና)
    ናይ ረድኤት ማካይን ናብ ጋዛን እስራኤልን ምእታው ቀጺሉ። ሓድሽ ወተሃደራዊ መራሒ ማዳጋስካር ሚካኤል ራንድሪያና ፡ ፕረዚደንት ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ደሴት ኰይኑ ከምዝምሕል ገሊጹ ኣሎ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣብ ደንቨር ፡ ኮሎራዶ ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ምሕዝነታዊ ግጥም፡ ብሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ 2-1 ተሳዒራ ።
    13 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2025)
    ሎሚ ሓሙስ 16 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መስራቲ ናይ ፈለማ መዲያ ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ን ድምጺ ደሊናን ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናይ ተግባራቱን ይዝከር። ድሕሪ ሕልፈቱ፡ ክብርታቱን ሓድግታቱን ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ምወሃብ እዩ። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይ ናይቲ ሽልማትን ኣዳላዊ “መስትያት ቤትና” ዝኾነ ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት።ዝተገብረ ዝርርብ ካል ኣይን መወዳእታን ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዕዳኣ ናይ ምምላስ ግዜ ንምንዋሕ ዘካየደቶ ድርድር ብዘይፍረ ተበቲኑ። ሰላማዊ ሰልፊ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፡ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀፂሉ። ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን 17 ኤርትራውያን ኣሲሮም። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ደም ምልጋስ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ክንድህስስ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ናይ ረድኤት ማካይን ናብ ጋዛን እስራኤልን ምእታው ቀጺሉ። ሓድሽ ወተሃደራዊ መራሒ ማዳጋስካር ሚካኤል ራንድሪያና ፡ ፕረዚደንት ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ደሴት ኰይኑ ከምዝምሕል ገሊጹ ኣሎ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣብ ደንቨር ፡ ኮሎራዶ ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ምሕዝነታዊ ግጥም፡ ብሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ 2-1 ተሳዒራ ።
    51 min
  • ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዕዳኣ ናይ ምምላስ ግዜ ንምንዋሕ ዘካየደቶ ፈተነ ፈሺሉ። (ጸብጻብ)
    ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዕዳኣ ናይ ምምላስ ግዜ ንምንዋሕ ዘካየደቶ ድርድር ብዘይፍረ ተበቲኑ። ሰላማዊ ሰልፊ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፡ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀፂሉ። ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን 17 ኤርትራውያን ኣሲሮም
    8 min
  • #97 Complimenting someone’s style (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ፡ ብዛዕባ ምድናቕ ቅዲ ወይ ፋሽን ናይ ሰባት )#97 Complimenting someone’s style (Med))
    Learn how to talk about fashion, and how to compliment someone in English, perfect for parties and cultural events. - ትምህርቲ ምዝራብ ብዛዕባ ፋሺንን ብእንግሊዝኛ ከመይ ከምተድንቕን። እዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ፕርቲ ወይ ፌስታ ንጥቀመሎም ኣገላልጻ እዮም። Learn how to talk about fashion, and how to compliment someone in English, perfect for parties and cultural events.
    15 min
  • ኢትዮጵያ፡ "ናይ ዘመነ ግዝኣት ኣተሓሳስባ" ሒዛ ተፈራርሓኒ ኣላ ብምባል ንግብጺ ምላሽ ሂባ። (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ)
    ** እስራኤል ፡ ሬሳታት ጅሆ ብዘይምምላሶም ረዲኤት ናብ ቓዛ ከይኣቱ ትዓግት... ** ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ ... ** ግብጺ ንኢትዮጵያ ብጉዳይ ማይ ኒል ኣብ ተፍራርሓሉ ዘላ፡ ኢትዮጵያ "ናይ ዘመነ ግዝኣት ኣተሓሳስባ" ሒዛ ትጓዓዝ ብምባል ንግብጺ ምላሽ ሂባ።
    6 min
  • How to donate blood in Australia - ደም ምልጋስ ኣብ ኣውስትራሊያ፡
    Each time you donate blood, you can save up to three lives. In Australia, we rely on strangers to donate blood voluntarily, so it’s a truly generous and selfless act. This ensures that it’s free when you need it—but it also means we need people from all backgrounds to donate whenever they can. Here’s how you can help boost Australia’s precious blood supply. - ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደም ኣብ እትልግሰሉ እዋን ፡ ክሳዕ ናይ ሰለስተ ህይወት ሰብ ከተድሕን ትኽእል ። ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ዘይንፈልጦም ሰባት ብወለንታ ዝልግስዎ ደም ኢና ንድሕን። ስለዚ ናይ ብሓቂ ለጋስን ንጥቕመይ ዘይብል ተግባር እዩ ። እዚ ከኣ ኣብ ዘድልየኻ እዋን ብናጻ ከም ዝርከብ የረጋግጽ ፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ወፈያ ዝገብሩ የድልዮ እዮም ። ኣውስትራሊያ ንዘድልያ ናይ ደም ቀረብ ንምድንፋዕ ብኸመይ ክትሕግዝ ከምትኽእል ኣብዚ ትሕዝቶ ቀሪቡ ኣሎ ።
    9 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners