SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ናብራ ስደት ኣብ ዕቤትና ክንጅምሮን ክንነብሮን 'ከለና እንታይ ይመስል፧
    ብምኽንያት ስደት ድዩ ወይስ ፍልሰት ገለ ካባና ኣብ ከም በዓል ኣውስትራልያ ዝኣመሰላ ምዕራባውያን ሃገራት ዓሊብና ህይወትና ኣብ’ቲ ዕድመ ዝደፋእናሉ ግዜ ከም ሓድሽ ነጣይሰሉ ወይ ንጅምረሉ ኩነታት ክንህሉ ንኽእል ኢና። እቶም ዘጋጥሙና ብድሆታት እንታይ’ዮም፧ ንዕኦም ክኢልናን መኪትና ክንሓልፈሎም ንኽእል መገድታት ከ ኣለው ድዮም፧ ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክንድህስሶም ኢና።
    9 min
  • መንእሰያት ብዝገበርዎ ሰላማዊ ተቓዉሞ ፕረሲደንት ማዳጋስካር “ናብ ዉሑስ ቦታ” ከምዝሃደመ ተገሊጹ። (ሓጸርቲ ዜናታት)
    ** ብጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ እስራኤላውያንን ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ፍልስጢኤማውያንን ንናብ ዓዶም ኣብ ዝምለስሉ ህዝቢታት ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ። ** ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ሓንቲ ናይ ገያሾ ኣውቶቡስ ናብ ሓደ ገደል ድሕሪ ምታዋ ፡ ወዲ 10 ወርሒ ህጻን ዝርከብዎም ብውሕዱ 42 ሰባት ሞይቶም ። ** መንእሰያት ብዝገበርዎ ሰላማዊ ተቓዉሞ’ ፕረሲደንት ማዳጋስካር “ናብ ዉሑስ ቦታ” ከምዝሃደመ ተገሊጹ።
    6 min
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025)
    ን ሎሚ ሰኑይ 13 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣዳላዊን ኣቕራብን ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናት ተግባራቱን ይዝከር። ክብርታቱ ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ንኽወሃብ ኣብ ምሽብሻብ ከምዘለዉ ኣወሃሃድቲ ገሊጾም። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይን ኣዳላዊ “መስትያት ቤትና” ዝኾነ ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ኣለና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ብፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ ፡ ኢጣሊያ ኣትዩ፡ ኣብ ትግራይን ዓፋርን 5.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሰምዐ ተገሊጹ; ኣብ ዓፋር ህይወት ሓደ ሰብ ኣሕሊፉ ፤ ናይ ኣስታት 43 ሺሕን ሰባት ገዛ ኣዕንዩ። ቀይሕ መስቀል ኣብ ሰሜናዊ ወሎ ብሓይልታት ፋኖ ውጕኣት ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ትገብሮ ዘላ ዝበሉዎ ስግኣት ደው ክተብል ጸዊዖም። ግብጺ ብጉዳይ ኣባይ ውሕስነት ማይ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጉምትታት ክትወስድ’ያ ክብል ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ኣጠንቂቑ። ።ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝተገብረ ውግእ ሓማስ-እስራኤል ንምጉላሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰንበት ክገብሩ ዊዒሎም ፣ ** ኣብ ጥቓ እተን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዝርከባ ኣከራኸርቲ ደሴታት ፡ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ፊሊፒንስን ውጥረት ሓይሉ ። ** ናይ ሶማል ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ።
    53 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝተገብረ ውግእ ሓማስ-እስራኤል ንምጉላሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰንበት ክገብሩ ዊዒሎም ፣ ** ኣብ ጥቓ እተን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዝርከባ ኣከራኸርቲ ደሴታት ፡ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ፊሊፒንስን ውጥረት ሓይሉ ። ** ናይ ሶማል ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ።
    10 min
  • “ኣነነት ዝበዝሓሉ፡ ብዙሕ ዝዛረብ ዉሑድ ሰብ ዝሰምዓሉ ግዜ ኢና ዘለና፡ ተስፋልደት ድማ ነዚኣ’ዩ ዝጽየን ኔሩ።” ዘካሪያስ ክብረኣብ
    መስራቲ ናይ ፈለማ መዲያ ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ን ድምጺ ደሊናን ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናይ ተግባራቱን ይዝከር። ድሕሪ ሕልፈቱ፡ ክብርታቱን ሓድግታቱን ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ምወሃብ እዩ። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይ ናይቲ ሽልማትን ኣዳላዊ “መስትያት ቤትና” ዝኾነ ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት።
    28 min
  • "ግብጺ ብጉዳይ ኣባይ ውሕስነት ማይ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጉምትታት ክትወስድ’ያ።"ፕ/ት ኣል-ሲሲ ። (ጸብጻብ)
    ብፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢጣሊያ ኣትዩ፡ ኣብ ትግራይን ዓፋርን 5.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሰምዐ ተገሊጹ; ኣብ ዓፋር ህይወት ሓደ ሰብ ኣሕሊፉ ፤ ናይ ኣስታት 43 ሺሕን ሰባት ገዛ ኣዕንዩ። ቀይሕ መስቀል ኣብ ሰሜናዊ ወሎ ብሓይልታት ፋኖ ውጕኣት ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ትገብሮ ዘላ ዝበሉዎ ስግኣት ደው ክተብል ጸዊዖም። ግብጺ ብጉዳይ ኣባይ ውሕስነት ማይ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጉምትታት ክትወስድ’ያ ክብል ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ኣጠንቂቑ።
    12 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥቅምቲ 2025)
    ሎሚ ሓሙስ 09 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፡ ንሱዳናዊ ኣዛዚ ሚሊሻ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብድ-ራሕማን ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ። ነቲ ኣብ ግጭት ዳርፉር ዘጋጠመ ኣስታት 300,000 ሰባት ዝቐተለን ብግምት ካብ 2.7 ሚልዮን ሰባት መዛበለን ግፍዒ ፡ ናይ ፈለማ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እዩ ። ሙሳብ ሓሰን ዝበሃል ካብዚ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓነ ሰብኣይ: እቲ ብይን ንኹሎም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ቀሪቦም ንህዝቡ ተስፋ ከም ዝህብ ገለጸ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ሉኡኽና ዝሰደልና ጸብጻም ኣይበጽሓናን ዘሎ፥ ጉዕዞ መገዲ ኣብ ኣውስትራሊያ : ቅድሚ ጉዕዞ ምጅማር ክፍለጡ ዝግብኦም ነገራት ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ብዙሓት ማሕበረሰባት ዲያስፖራ ዝበጽሖም ስግረዶባዊ ጭቆና ዒላማ ዝገበረ ጻዕርታት ንምምካት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ጻዕርታት ንሰኔት ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ሰላም ሓማስ ዝርዝር ኣስማት እቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ክፍትሑ ዝደልዮም ፍልስጢኤማዊያን እሱራት ኣረኪቡ፣ ኤርትራ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ብዝዕባ ሃገሩ "ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣፍደገ ባሕሪ” ከም ዝተመንዝዐት ዝሃቦ መግለጺ መልሲ ሂባ።
    54 min
  • ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ካልኦት ማሕበረሰባት ዲያስፖራን ዝበጽሖም ስግረዶባዊ ጭቆናን ክትትል መንግስቲ ኣውስትራሊያን፡ (ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ)
    ኣርእስታት ዜና፥ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ብዙሓት ማሕበረሰባት ዲያስፖራ ዝበጽሖም ስግረዶባዊ ጭቆና ዒላማ ዝገበረ ጻዕርታት ንምምካት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ጻዕርታት ንሰኔት ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ሰላም ሓማስ ዝርዝር ኣስማት እቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ክፍትሑ ዝደልዮም ፍልስጢኤማዊያን እሱራት ኣረኪቡ፣ ኤርትራ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ብዝዕባ ሃገሩ "ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣፍደገ ባሕሪ” ከም ዝተመንዝዐት ዝሃቦ መግለጺ መልሲ ሂባ።
    13 min
  • ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብዛዕባ ጅምላዊ ቅትለት ዳርፉር ኣብ ናይ ፈለማ ብይኑ ኣሕሊፉ።
    ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፡ ንሱዳናዊ ኣዛዚ ሚሊሻ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብድ-ራሕማን ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ። ነቲ ኣብ ግጭት ዳርፉር ዘጋጠመ ኣስታት 300,000 ሰባት ዝቐተለን ብግምት ካብ 2.7 ሚልዮን ሰባት መዛበለን ግፍዒ ፡ ናይ ፈለማ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እዩ ። ሙሳብ ሓሰን ዝበሃል ካብዚ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓነ ሰብኣይ: እቲ ብይን ንኹሎም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ቀሪቦም ንህዝቡ ተስፋ ከም ዝህብ ገለጸ ።
    9 min
  • ኣርእስቲ፣ ድምጻዊ ገብረጻድቕ ወልደዮሃንስ እንኪዝከር፡
    ነብስሄር ድምፃዊ ገብረፃድቅ ወልደዮሃንስ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ዝለዓለ ኣበርክቶ ነይርዎ።ውሩይ ድምፃዊ፥ደራሲ ግጥምን ዜማን፥ተፃዋቲ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ሙዚቃ እዩ።ነቲ ከያኒ ዝዝክር ሓደ መድረክ ኣብከተማ መቀለ ተሰናዲኡ ኣብ ዝነበረሉ ዝተዳለወ መድብ እዩ።
    12 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners