SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ጥቅምቲ 2025)
    ን ሎሚ ሰኑይ 27 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ንኣውስትራልያዊ ዘይወግዓዊ ኣዘራርባ ወይ ዘረባ ሹቕ (Australian Slang) ክለምድዎ ንብዙሕ ዓመታት ተሸጊሮም ጸንሒሞ'ዮም። እንተኾነ ግን እዛ ሃገር ዝያዳ ብብዙሕነት ሃብታም እናኾነት ኣብ ትመጻሉ ቋንቋ እንግሊዝ ንዛረበሉ ኣገባባት ይቕየር ኣሎ ክብሉ ክኢላታት ይገልጹ፡ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ቃለ መሕትትን ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብን ካልእን ኣለና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ሓደሽቲ ተምሃሮ ይቕበል ኣሎ። ኤርትራ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ፈቲሓ። ኣብ ኤርትራ ሂወት 8 ዜጋታት ዝወሰደ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙ። ቤት ምኽሪ ጁቡቲ፡ንገደብ ዕድመ ፕረዚደንትነት ኣልዒልዎ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰራዊት ሕይልታት ህጹጽ ደገፍ (R-S-F) ን ሰራዊት ሱዳን ስዒሮም ንዋና ከተማ ዳርፉር ኣልሻፋ ምሓዞም ገሊጾም። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብቲ ዝግበር ዋዕላ ኣስያን ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ስራሕን ጸጥታን ከም ዘተኵር ገሊጹ ። ** ኣብ መንጎ ፊፋን ኣሲያን እተገብረ ስምምዕ መሰረት ኣብ መንጎ 11 ሃገራት ስፖርታዊ ዉድድር ክጅመር እዩ።
    49 min
  • ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። (ጸብጻብ 27 ጥቅምቲ 2025)
    ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ዩ ዝበለቶ ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ወግዓዊ ገይራ። ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ሓደሽቲ ተምሃሮ ይቕበል ኣሎ። ኤርትራ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ፈቲሓ። ኣብ ኤርትራ ሂወት 8 ዜጋታት ዝወሰደ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙ። ቤት ምኽሪ ጁቡቲ፡ንገደብ ዕድመ ፕረዚደንትነት ኣልዒልዎ።
    7 min
  • ኣብ ኣውስትራልያ ንጥቀመሉ ቋንቋ እንግሊዝ ካብ ካልኦት ዝተፈልየ ድዩ፧ ካባና ዝልቅሖም ቃላት ኣለዉ ድዮም፧
    ንዓመታት መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ንኣውስትራልያዊ ዘይወግዓዊ ኣዘራርባ ወይ ዘረባ ሹቕ (Australian Slang) ክለምድዎ ተሸጊሮም'ዮም። እንተኾነ ግን እዛ ሃገር ዝያዳ ብብዙሕነት ሃብታም እናኾነት ኣብ ትመጻሉ ቋንቋ እንግሊዝ ንዛረበሉ ኣገባባት ይቕየር ኣሎ ክብሉ ክኢላታት ይገልጹ።…
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ጥቅምቲ 2025)
    ሎሚ ሓሙስ 23 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጡብ ምጥባው ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምዕባይ ንዘጥብዋ ካብ ናይ ጡብ ካንሰር ክከላኸለለን ከምዝኽእል ኣውስትራሊያዊያን ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ ጥንስን ጡብ ምጥባውን ረኽሲ ዘስዕቡ ክቃለሱ ዝኽእሉ ዋህዮታት T-cells ብምምዕባል ፡ ነቶም መንሽሮ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ዘይንቡር ዋህዮታት ይከላኸሉ ። ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ሓደ ካብ ቀዳሞት ናይ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሮምን ንባይቶ/ፓርላማ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ 24 ግንቦት 2018 ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ዓለምለኻዊ ትካል ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡(CPJ)፡ ናጽነት ሚድያ ኣብ ትግራይ የንቆልቁል ምህላዉ ገሊጹ። ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ንፃዕሪ ኤርትራ ኣብ መግቢ ርእሰ ምርኮሳ ንኢዶም መንግስቲ ስሪላንካ ዜጋታቱ ካብ ቤትማእሰርቲ ኤርትራ ንምፍታሕ ጻዕሪታት ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና፡ ምርዳእ ውዕል (treaty) ኣብ ኣውስትራሊያ: ቀዳሞት ህዝባታት ብዛዕባ'ዚ ክንርድኦ ዝደልዩና ነገራት።፡ ክንድህስስ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራልያ ብዛዕባ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ቻይና ኣብ ዝምልከት ፍጻመ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃባ ፡ ኣውስትራልያ ናብ ክሊ ኣየራ "ምጥሓሳ" ክትሽፍን ከም ዝፈተነት ቻይና ከሲሳ ። ኣብ ምዕራባዊ ኡጋንዳ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ክልተ ኣውቶቡሳትን ካልኦት ክልተ መኻይንን ብምግጫወን ብውሑዱ 46 ሰባት ተቐቲሎም ። ኣብ ጂሎንግ ትማሊ ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ውድድር ዋንጫ ኣፍራስ፡ ብሰንኪ ሓያል ንፋስ ተቛሪጹ።
    53 min
  • ስሪላንካ ዜጋታታ ካብ ቤትማእሰርቲ ኤርትራ ንምፍታሕ ጻዕሪታት ትገብር። (ጸብጻብ)
    ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ 24 ግንቦት 2018 ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ዓለምለኻዊ ትካል ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡(CPJ)፡ ናጽነት ሚድያ ኣብ ትግራይ የንቆልቁል ምህላዉ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብስም እታ ዝተቐትለት ስፔናዊት ሰራሕተኛ ረድኤት ማርያ ሄርናንዝ ዝተሰየመ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ። ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ንፃዕሪ ኤርትራ ኣብ መግቢ ርእሰ ምርኮሳ ንኢዶም መንግስቲ ስሪላንካ ዜጋታቱ ካብ ቤትማእሰርቲ ኤርትራ ንምፍታሕ ጻዕሪታት ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ።
    10 min
  • ጡብ ምጥባው ካብ ካንሰር ጡብ ክከላኸል ከምዝኽእል ሓድሽ ምርምር ኣረጋጊጹ።
    ጡብ ምጥባው ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምዕባይ ንዘጥብዋ ካብ ናይ ጡብ ካንሰር ክከላኸለለን ከምዝኽእል ኣውስትራሊያዊያን ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ ጥንስን ጡብ ምጥባውን ረኽሲ ዘስዕቡ ክቃለሱ ዝኽእሉ ዋህዮታት T-cells ብምምዕባል ፡ ነቶም መንሽሮ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ዘይንቡር ዋህዮታት ይከላኸሉ ።
    5 min
  • ሞስኮ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ከተኽብርን ክትሕግዝን ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። (ሓጸርቲ ዜናታት 22 ጥቅምቲ 2025)
    ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣውስትራሊያ ምስ ኣመሪካ ጌራቶ ዘላ ስምምዕ AUKUS ኑክሌሳዊ ጸዓት ሳብማሪን ንቻይና ዝዓለመ ከምዝኾና ካብ ምግላጽ ተቖጠቢቡ። ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ፡ ሞስኮ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ከተኽብርን ክትሕግዝን ድልውቲ ምዃና ገሊጹ። ** ጃፓን ንፈለማ እዋን ጓለንስተይቲ መራሒት ሸይማ።
    8 min
  • ታሪኽ ፍሉጥ ነጋዳይ፡ ተጣባቒ መሰልን ገባሪ ሰናይን ፊት/ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ምስ ኻልድ ኣበራ
    ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ሓደ ካብ ቀዳሞት ናይ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሮምን ንባይቶ/ፓርላማ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል።
    29 min
  • Understanding treaty in Australia: What First Nations people want you to know - ምርዳእ ውዕል (treaty) ኣብ ኣውስትራሊያ: ቀዳሞት ህዝባታት ብዛዕባ'ዚ ክንርድኦ ዝደልዩና ነገራት።
    Australia is home to the world’s oldest living cultures, yet remains one of the few countries without a national treaty recognising its First Peoples. This means there has never been a broad agreement about sharing the land, resources, or decision-making power - a gap many see as unfinished business. Find out what treaty really means — how it differs from land rights and native title, and why it matters. - ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ጥንታውያን ባህልታት ካብዘለዉዋ ሃገር እያ: እንተዀነ ግን ሓንቲ ካብተን ንቐዳሞት ህዝብታት ኣፍልጦ ዘይሃባ ሒደት ሃገራት እያ ። እዚ ማለት ብዛዕባ ምምቕራሕ መሬት: ጥሪት: ወይ ናይ ውሳነ ስልጣን ብዛዕባ ስምምዕ ተገይሩ ኣይፈልጥን እዩ: እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ዘይተወደአ ዕማም ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ። ውዕል ወይ ጥሪት ክብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ፍለጥ ፣ እዚ ውዕል እዚ ካብ ናይ መሬት መሰላትን መበቈላዊ መሰላትን ብኸመይ ከም ዝፍለ ፡ ከምኡ እውን ኣድላይነት ውዕል ዝምልከት ንምፍላጥ ኣብዚ ትሕዝቶ ተገሊጹ ኣሎ።
    10 min
  • "ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ምስሕሓብ እዩ።" ላዕለዋይ መራሒ ኦላ፡ (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ)
    ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያን ፕረሲደንት ኣመሪካን ስምምዕ ዕደና ኣገደስቲ ማዕድናት ተፈራሪሞም... ** ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፐዱሳ ተገልቢጣ፡ ኣብኣ ዝነበሩ ዓሰርተታት ስደተኛታት ሃለዋቶም ጠፊኡ።... ** “ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ቅርሕንቲ እዩ። " ክብል ላዕለዋይ መራሒ ኦላ ገሊጹ ።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners