SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ካብ መዕርፎ ነፈርቲ መቐለን ባህርዳርን ዝርከብዎም ክልላዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣህጉራዊ በረራታት ክጅምር ምዃኑ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
    በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ካብ ክልላዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ሓዱሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብቲ ትሕቲ ከቢድ ወጥሪ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ዝተሰምየ መድረኽ ተጀሚሩ። ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያዪጡ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ደረጃ 'ትሑት ሰላም' ዘለወን ሃገራት ተመዲበን።
    8 min
  • ኣውስትራሊያ ን ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልታት ክወጽእ ኣዚዛ፡ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ክኣቱ ኣሚማ።
    መንግስቲ ኣውስትራሊያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ውስትራሊያ ዝተገብሩ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕትታት ኢድ መንግስቲ ኢራን ከምዘለዎ ብክፍሊ ጸጥታን ስለያን ኣውስትራሊያ መረጋገጺ ምስ ረኸበ ምስ ኢራን ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና በቲኹ ኣሎ። በዚ ድማ ኣምባሳደር ኢራን ካብ ኣውስትራሊያ ንኽወጽእ ሸውዓተ መዓልታት ተዋሂብዎ ኣሎ ። ሰልፊ ጥምረት ን ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርዝር ጉጅለታት ግብረ-ሽበራውያን ዘእቱ ሕጋዊ መስርሕ ከቅላጥፍ ንመንግስቲ ኣውስትራሊያ ጸዊዑ። እዚ ዝመጸ ድሕሪ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ጸጥታን ስለያን ማሕበረሰብ ን IRGC ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ምግላጹ እዩ ።
    6 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ነሓሰ 2025)
    ** መንግስቲ ኣውስትራሊያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ውስትራሊያ ዝተገብሩ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕትታት ኢድ መንግስቲ ኢራን ኣለዎ ኢሉ ብምኽሳስ ምስ ኢራን ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና በቲኹ። ** ነቲ ኣብ ቪክቶሪያ 2 ኣባላት ፖሊስ ቀቲሉ ሃዲሙ ዝተባህለ ሰብ ኣይ ኣብ ጣሻታት ዝግበር ድልያ ይቕጽል ኣሎ። ** ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝርዝር ሰላም ሃገራት ኣብ ታሕቲ ተሰሪዐን።
    6 min
  • What is forced marriage and what support is available in Australia? - ግዱድ መርዓ እንታይ እዩ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝወሃብ ደገፍከ?
    A forced marriage occurs when one or both individuals do not consent freely, often due to threats, coercion, deception, or if they are under 16 or those with mental incapacities. No matter how long you've been living here, it's vital to know: You have the right to choose who you marry.  In this episode, we'll explore the difference between arranged and forced marriage and where you can turn for help if you or someone you know is affected.  - ኣብ ገሊኡ ባህልታት ፡ ብወለዲ ወይ ብ ፈተውቲ ብዝግበር ዝተዋደደ ወይ ዝተሰርዐ ሓዳር ምግባር ልሙድ እኳ እንተ ኰነ ፡ እዚ ካብ ግዱድ ሓዳር ዝፈልዮ ቀንዲ ነገር ናይ ተመርዓውቲ ፍቓድ ዝሓትት ምዃኑ እዩ ። ኣብ ብኻልእ ዝተዋደደ ሓዳር ፡ ክልቲኦም መጻምዲ መብዛሕትኡ ግዜ ስድራ በቶም ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ክኣትዉ ይሰማምዑ እዮም ። ኣብ ብኣስገዳድ መርዓ ፣ ሓዲኦም ወይከኣ ክልቲኦም መጻምዲ ብናጽነት ፍቓዶም ዝህቡሉ መርዓ ኣይኮኑን ። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ምፍርራሕ ፣ ምግዳድ ፣ ምትላል ፣ ትሕቲ 16 ዓመት ንዝኾኑ ወይከኣ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣብ ዘለዎም ሰባት ዝፍጸም እዩ ።
    14 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2025)
    ** ጋዜጠኛታትን ሓኻይምን ዝርከብዎም 20 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ናይ ቓዛ ብምጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም፡ እስራኤል ዘሕዝን ሓደጋ ክትብል ገሊጻቶ... ** ኣብ ትግራይ ልዕሊ 13 ሰባት ብሓደጋ መኪና ሂወቶም ሓሊፉ። ** ክልተ ሳዕ ሻምፕዮን ዊምብልደን ፐትራ ክቪቶቫ ኣብ ዩ ኤስ ኦፐን ድሕሪ ምስዓራ ካብ ጸወታ ቴኒስ ተሰናቢታ።
    6 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ነሓሰ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ንፍልስጤማውያን ብምድጋፍ ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ኣብ ጋዛ ዘሎ ግጭት ደው ክብል ጸዊዖም ። ** ርእሲ ከተማ የመን ሰንዓ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ተወቒዓ። ** ጋንታ ፍሪ ማንትል ን ወስተርን ቡልዶግስ ብ15 ነጥቢ ብምስዓር ናብ ናይ ፍጻመ ግጥማት A-F-L ሓሊፋ ።
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ነሓሰ 2025)
    ን ሎሚ 25 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ንጥንታዊያን ወነንቲ ናይዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ብተወሳኺ ንጥንታውያን ወነንቲ ሎሚ ካብ ትሰምዕዎ ዘለኹምን ኩሎም መሬታትን ኣቦርጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣፍልጦ ንህብ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን “ቀይ ባህር ሲቀላ” ትብል መጽሓፍ ኣብቲ ህዝባዊ ግምባር ን ከተማ ባጽዕ ዝተቐጻጸረላ 1990 ዝነበረ ዘሰክሕ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ትትርኽ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣላ። ምስ ጸሓፊ እታ መጽሓፋ ዶ/ር ፍርድኣወቀ ማሞ ዝገበርናዮ ዕላል ካል ኣይ ክፋል ሎሚ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብሃይማኖውን ባህላውን መልክዓት ተኸቢሩ። ኣብ ዛላምበሳ’ውን ወከልቲ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተጸምቢሉ። ኤርትራ ምኽንሻብ ደቅኣንስትዮ ብምትራፍ ዝነኣድ ዉጽኢት ኣመዝጊባ። እሱራት ክፍትሑ ዝጠልብ ጥርዓን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ክነጽጎ ከሎ ፤ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ተቐቢሉዎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፋብሪካ ወርቂ ይሃንጽ ምህላዉ ገሊጹ። ጽምዋን ጭንቀትን ነንሓድሕዶም ዝመጋገቡ ጸገማት'ዮም፣ ከመይ ንሕዞም፧ ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ንፍልስጤማውያን ብምድጋፍ ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ኣብ ጋዛ ዘሎ ግጭት ደው ክብል ጸዊዖም ። ** ርእሲ ከተማ የመን ሰንዓ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ተወቒዓ። ** ጋንታ ፍሪ ማንትል ንWestern Bulldogs ብ15 ነጥቢ ብምስዓር ናብ ናይ ፍጻመ ግጥማት A-F-L ሓሊፋ ።
    49 min
  • ኣብ ዛላምበሳ ወከልቲ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣሸንዳ ተጸምቢሉ።
    በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብሃይማኖውን ባህላውን መልክዓት ተኸቢሩ። ኣብ ዛላምበሳ'ውን ወከልቲ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተጸምቢሉ። ኤርትራ ምኽንሻብ ደቅኣንስትዮ ብምትራፍ ዝነኣድ ዉጽኢት ኣመዝጊባ። እሱራት ክፍትሑ ዝጠልብ ጥርዓን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ክነጽጎ ከሎ ፤ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ተቐቢሉዎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፋብሪካ ወርቂ ይሃንጽ ምህላዉ ገሊጹ።
    9 min
  • ጽምዋን ጭንቀትን ነንሓድሕዶም ዝመጋገቡ ጸገማት'ዮም፣ ከመይ ንሕዞም፧
    ጽምዋ ሰላሕታ'ዩ፣ ዘይረአ ለበዳ ናይ ግዜና። ኩላህና ኣብ ገለ እዋን ኣብ ህይወትና ዝስመዓና’ዩ ክብሉ ክኢላታት ይሕብሩ። ንዝበዛሕና ንገለ እዋን ጥራይ ዘጥቃዓና ወይ ዘጋጥመና ሓላፊ ክኸውን’ንከሎ ንገሌና ግን ቀጻሊ ምሳና ዝኸይድ፣ ብሓጎስ ዘይተቐበልናዮ መሰነይታ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ። እዚ ትሕዝቶ ጽምዋ ከመይ ንርድኦን መፍትሒታቱን ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ኤስቢኤስ ካብ ዝቐረቡ ትሕዝቶታት ዝተጠናቐረ’ዩ።
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ነሓሰ 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 21 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብዚ ቅሩብ እዋን “ቀይ ባህር ሲቀላ” ትብል መጽሓፍ ኣብቲ ህዝባዊ ግምባር ን ከተማ ባጽዕ ዝተቐጻጸረላ 1990 ዝነበረ ዘሰክሕ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ትትርኽ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣላ። እዛ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ህልቂት ሰባት ትትርኽ ናይ ብሓቂ ታሪኽ፡ ኣብቲ ኩነታት ዝነበረን ነቲ ኩነታት ዝረኣዮን ዝሰምዖን ብመጽሓፍ ሰኒዱ ዝጸሓፋ ዶ/ር ፍርድኣወቀ ማሞ ዝገበርናዮ ዕላል ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ • ቀዋሚ ማእከል ምክልኻል ኣምበጣ ምድረበዳ ከም ዘቖመት ኣፍሊጣ። እሱራት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኤርትራ ክፍትሑ ዝጠልብ ዓለምለኻዊ መደብ ክካየድ እዩ ። ኣብዚ ቅንያት ብዝተኻየደ ተፍትሽን ሓለዋን 50 ጥርጡራት ሒዙ የፃሪ ከምዘሎ ፖሊስ መቐለ ገሊፁ። ነበርቲ ከተማ ማይጨዉን ወረዳ እንዳ-መኾኒን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዝርከቡ ተጋሩ ብዘይ ኲናት ይፀንቱ ኣለዉ ክብል ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መስከረም ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት ተወሳኺ መመሓየሺ መሃያ ንምግባር ወሲኑ መሰላት መሬት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን እንታይ እዮም፧ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ ሚ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ነቲ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ በንያሚን ነታንያሁ ብዉልቁ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ናይ ብሕቱ ጉዳይ ገይሩ ከም ዘይርእዮ ገሊጹ ። እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ጋዛ ከተካይዶ ወጢናቶ ዘላ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረቶ ተገሊጹ ። ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብታ ኣብ 2022 ዝተጸንበራን ጋንታ ኒውካስል ወጺኡ ምስ ሊቨርፑል ክጻወት ድሌየቱ ምዃኑ ገሊጹ።
    51 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners