SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሓምለ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ እቲ ብ ዓመጽ ቈልዑ ዝተኸሰ ሰብ ኣብ ሓያሎ ማእከላት መውዓሊ ህጻናት ይሰርሕ ከምዝነበረ ድሕሪ ምፍላጡ: ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝሰርሑ ዝምልከት ሃገራዊ መዝገብ ክህሉ ጻዊዒት ቀሪቡ። እስራኤል ኣብ ዋና ከተማ ሶርያ ኣብ ደማስቆ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ፡ ሩሲያ ድማ ኣብ ሓደ ማእከል ዕዳጋ ዩክሬይን ኣጥቂዓ። ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ታደይ ፖጋቻር ካብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣርባዕተ ኪሎሜተር ምስተረፎ ብምውዳቑ ካብ ኖርወይ ጆናስ ኣብርሃሰን ናይታ መዓልቲ ተዓዋቲ ኮይኑ።
    12 min
  • ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ኣሸማገልቲ ኣብ መቐለ ዝርርብ ኣካይዶም።
    ኣብ መቐለ ብቀሊል ሓደጋ ነፋሪት ዝተጎድኡ 2 ሰባት ተሓኪሞም ተፋንዮም። ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ኣሸማገልቲ ኣብ መቐለ ዝርርብ ኣካይዶም። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ጉዳይ ተመዛበልቲ ብዓይኒ ሰብኣውነት ክፍጸም ሓቲቱ። ተምሃሮ ኣባላት 37 ዙሪያ ሳዋ፡ 12.2% ንዲግሪ 7.59% ንዲፕሎማ መሕለፊ ነጥቢ ረኺቦም። ትካል ገንዘብ ዓለም IMF ንኣንፈት ቁጠባዊ ፅገና ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ።
    8 min
  • ጃስቲስ ኦፍ ፒዪስ (ጂፕስ) እንታይ እዩ?
    ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ትነብርሉ ኣብ ገለ እዋን ንናይ ሰላም ፍትሒ ወይ ናይ Justice of the Peace (JPs)ሓገዝ የድልየካ ይኸውን ። ምናልባት ካብ መድሕን/ኢንሹራንስ ካሕሳ ኣብ ትሓተሉ ፡ ክትምርዖ ወይ ክትፋታሕ ፡ ወይ ከኣ ሕጋዊ ሰነዳትካ ብቛንቛኻ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኣብ ትደልየሉ ካብዚ ኣገልግሎት ትሓትት ኢኻ። ኣብ JPs ዝዋስኡ፡ ዝሰልጠኑ ወለንተኛታት ኮይኖም ነቲ ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊኣ ኣገዳሲ ናይ ወረቐት ጉዳያት ን ሰባት ዝሕግዙ እዮም ። ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣብ ዝርከብ ማሕበረ ሰብ ከኣ ዓብዪ ግደ ኣለዎም ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ጂ.ፒ. ኣብ ኣውስትራሊያ ዝገብሮን ፡ ኣገልግሎቶም ኣብ ዘድልየኻ እዋን ከመይ ጌርካ ከም እትረኽቦን ከነብርሆ ኢና ።
    10 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ሓምለ 2025)
    ** ኣውስትራሊያን ቻይናን ንግዲ ፍሩታን ካልእ ስምምዓትን ብምግባር ንግዳዊ ዝምድናአን ከጠናኽራ ተወዓዒለን። ** ንሓደ ፒተር ፋልኮንዮ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ተጓዓዛይ ባክፓከር ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራልያ ዝቐተለ ብራድሊ ጆን ሙርዶክ ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም መንሽሮ ጐሮሮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ።... ** ኣብ ኢትዮጵያ-ዝመሰረቱ ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቃለስ ጉጅለ ዓፋር ኣብ ሰመራ ጉባኤ ብምክያድ ቓልሲ ከምዘጎሃህር ኣፍሊጡ።
    7 min
  • “እዚ ማዕርግ ዝያዳ ንኽሰርሕ ሓላፍነት ዘሰክመኒ እዩ።” ብፍሉይ ማዕርግ ዶክትረይት ዝትሸለመ ጸሓፍን ኣማኻሪ ጉዳያት ሓዳርን ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን
    ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን ካብቲ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ንኮላይ ን36 መራሕቲ ሃገራት ብማዕርግ ዶክትረይት ዝሽልም United Graduate College and Seminary Intl. ብማዕርግ ዶክትረይት ተመሪቑ ኣሎ። ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተ/ብርሃን ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ምስ ህዝባዊ ግምባር ክቃለስ ምስተሰለፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዉግኣት ኣርባዕተ ግዜ ቆሲሉ። ካብ 1991 ንደሓር ትምህርቱ ብምቕጻል ብፍላይ ብሞያ ሕጊ ተማሂሩ ክሳብ ዳኛ ኣውራጃ ኣስመራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ 2006 ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ፡ ብዘይካ ዝውሰዶም ዝተፈላለዩ ትምህርትታት፡ “ምምልላእ”፡ ምኽእኣል”፡ “ምልምማድ” ከምኡ’ውን “መኣዲ ዕርቅን ሰላምን” ዝብላ ኣርባዕተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ እዩ። ኣብዚ እዋን ኣማኻሪ ስድራቤታትን ሓዳርን ከምኡ’ውን በዚ ሞያ ዘሰልጥን ዘሎ በዓል ሞያ እዩ። ነዚ ዝገበሮ ዓበይቲ ስራሓት ኣብ ግምት ኣእትዩ ብማዕርግ ዶክትረይት ዝተሸለመ ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን ብዛዕባ ዝሰርሖም ዘሎን ብዝዕባ ስልማቱን ኣካፊሉና ኣሎ።
    19 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሓምለ 2025)
    ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ሎሚ [ሰሉስ 15 ሓምለ] ኣብ በይጂንግ ክራኸብ እዩ... ** ዩክሬን ነቲ ዶናልድ ትራምፕ “ቪላድሚር ፑቲን ኣብ ዉሽጢ 50 መዓልቲ ነቲ ኲናት ደው ከብሎ” ዝሃቦ መጠንቀቕታ ምላሽ ሂባትሉ... ** ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣየርላንዳዊ በን ሄሊ ብጫ ማልያ ለቢሱ።
    5 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025)
    ን ሎሚ 14 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ብዛዕባ’ዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ። ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ጸብጻብ ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደደልና ኤርትራ ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ አስታት 300 ተማሃሮ ብዲግሪ ኣመሪቓ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ተቓዋሚ ውድብ #ሳልሳይ_ወያነ ትግራይ ንመጠንቀቕታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኮኒኑ። ብደረጃ ትግራይ ኩሉ ዝሓቖፈ ዘተ ክካየድ ውን ተማሕጺኑ ። ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ ። ዜናታት ስፖርትን ቃለ መሕትትን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ቻይና ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ ብምቕጻል ሎሚ [14 ሓምለ] ኣብ ሻንጋይ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ርክብ ክገብር እዩ፡ ጀርመናዊት ተጓዓዚት ካሮላይና ዊልጋ ንዓሰርተ ሓደ ለይቲ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ጣሻታት ጠፊኣ ድሕሪ ምቕናይ ተረኺባ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ትርከብ ተፈሊጡ ። ኣብ ባይታ ቴኒስ ፡ ኣብ ዊምበልደን መፈጸምታ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድራት ቴኒስ ጃኒክ [ያን-ኒክ] ሲንነር ነቲ ዓብዪ መቐናቕንቱ ካርሎስ ኣልካርታዝ ስዒርዎ ።
    53 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ቻይና ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ ብምቕጻል ሎሚ [14 ሓምለ] ኣብ ሻንጋይ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ርክብ ክገብር እዩ፡ ጀርመናዊት ተጓዓዚት ካሮላይና ዊልጋ ንዓሰርተ ሓደ ለይቲ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ጣሻታት ጠፊኣ ድሕሪ ምቕናይ ተረኺባ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ትርከብ ተፈሊጡ ። ኣብ ባይታ ቴኒስ ፡ ኣብ ዊምበልደን መፈጸምታ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድራት ቴኒስ ጃኒክ [ያን-ኒክ] ሲንነር ነቲ ዓብዪ መቐናቕንቱ ካርሎስ ኣልካርታዝ ስዒርዎ ።
    14 min
  • ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ነጥቡ ኣመሓይሹ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ቻይና ሻምፒዮን ኮይኑ፣ ቸልሲ ሻምፒዮን ዋንጫ ዓለም ክለባት ኮይና፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/07/2025) * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ብመሪሕነት ታደይ ፖጋቻር 9ይ መድረኹ ብምክያድ ይቕጽል ኣሎ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ምድብ ንነጥቢ ወይ ቀጠልያ ማልያ ሳልሳይ ኮይኑ ፍልልዩ ምስ ታደይ ኣጽቢቡ፣ * ሎሚ ዓመት ኤርትራዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ማልያ ንጉስ ዓቐበት ወይ ፖልካ ዶት ጀርዚ ዝለበሰ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሓሉ 10ይ ዓመቱ ይበዓል ኣሎ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ማግኒፊሰንት ቺንግሃይ ብዓወት ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዛዚሙ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ንፔኤስጂ ስዒራ ተዓዋቲት ኮይና፣
    9 min
  • ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ።
    ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ባህላውያን ወነንቲ እቲ ውሳነ ኣብዝግለጸሉ ስነ ስርዓት ንምስታፍ ናብ ፓሪስ ተጓዒዞም ፣ ኣብኡ ድማ ኣባል ሃገራት ን መልክኣ ምድሪ ባህላዊ ሙሩጁጋ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ክኣቱ ብምሉእ ድምጺ ወሲነን ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ።
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners