SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሓምለ 2025)
    ** ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ጃፓንን ሕብረት ኣውሮጳን ሓድሽ ናይ ቀረጽ ዉዕል ፈሪሞም.. ** ነቲ ኣብ ስድኒ ሃርበር ብሪጅ ዝተመደበ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕጋት ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዝቃለስዎ ወደብቲ ኣፍሊጦም ። ** ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 40 ሰባት ተቐቲሎም።
    5 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ሓምለ 2025)
    ን ሎሚ 28 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ብዛዕባ ኣተረጓጉማ ቃላትን ሓሳባትን ካብ ካልእ ቋንቋ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝምልከት ምስ ጸሓፊ ዘካርያስ ገሪማ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሱዕዲ ዓረብን ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን፡ ኦሮታ 391 ተማሃሮ ኣመሪቓ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ወጥሪ ብልዝብ ክሃድእ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ። ኣብ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ሓደ ሰብ ብዕጡቓት ተቐቲሉ። ሓይልታት ጸጥታ ምስ ጋዜጠኛታት ከም ዝተጋጨዉ ውን ተሰሚዑ። ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ክሳብ ብገበን ጆኖሳይድ ክበጽሕ ዝኽእል ሓዱሽ ክሲ ቀሪቡሎም። 2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። 28 ዓመታት ልዕልቲ ዳያና ናይ ዌይልስ ቆላሕታ ዓለም ናብ ጽልዋታት ፈንጂታት/ዝተቐብሩ ነተጒቲ ኣብ ብኲናት ዝተጸልዉ ሃገራት ክኸውን ድሕሪ ምግባራ፣ ሓደ ኣውስትራልያዊ ምህዞ/ፈጠራ ንጻዕርታት ምጽራግ-ነተጒቲ ብዓቢይ መጠን ቀይርዎ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ’ውን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ንፍልስጤምን እስራኤልን ፍታሕ ክልተ ሃገር ብዛዕባ ዝትግበረሉ መገዲ ንምምይያጥ ፡ ሎሚ ኣብ ኒው ዮርክ ይእከባ ኣለዋ ። ** ታይላንድን ካምቦዲያን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ፡ ሎሚ ኣብ ማለዥያዝርርብ ከካይዳ ተሰማሚዐን ኣለዋ ። ** ኣብ ቅድድም ብሽግለታ፡ ታዴ ፖካቻር ፡ ንራብዓይ ግዜ ቻምፕዮን ቱር ደ ፍራንስ ብምዃን ኣብ ወለዶኡ ካብ ዘለዉ ሰባት ንላዕሊ ዓብላሊ ምዃኑ ኣመስኪሩ ።
    49 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ሓምለ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ንፍልስጤምን እስራኤልን ፍታሕ ክልተ ሃገር ብዛዕባ ዝትግበረሉ መገዲ ንምምይያጥ ፡ ሎሚ ኣብ ኒው ዮርክ ይእከባ ኣለዋ ። ** ታይላንድን ካምቦዲያን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ፡ ሎሚ ኣብ ማለዥያዝርርብ ከካይዳ ተሰማሚዐን ኣለዋ ። ** ኣብ ቅድድም ብሽግለታ፡ ታዴ ፖካቻር ፡ ንራብዓይ ግዜ ቻምፕዮን ቱር ደ ፍራንስ ብምዃን ኣብ ወለዶኡ ካብ ዘለዉ ሰባት ንላዕሊ ዓብላሊ ምዃኑ ኣመስኪሩ ።
    10 min
  • 2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
    ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሱዕዲ ዓረብን ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን፡ ኦሮታ 391 ተማሃሮ ኣመሪቓ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ወጥሪ ብልዝብ ክሃድእ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ። ኣብ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ሓደ ሰብ ብዕጡቓት ተቐቲሉ። ሓይልታት ጸጥታ ምስ ጋዜጠኛታት ከም ዝተጋጨዉ ውን ተሰሚዑ። ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ክሳብ ብገበን ጆኖሳይድ ክበጽሕ ዝኽእል ሓዱሽ ክሲ ቀሪቡሎም።
    10 min
  • ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ንራብዓይ ግዚኡ ብምዕዋት ናይ ንግስነት ዙፋኑ ኣብ ከተማ ፓሪስ ደፊኡ።
    ታደይ ዙር ፈረንሳ ኣብ 2020፡ 21፡ 24ን 25ን ብምዕዋት እቲ ኣዝዩ ዓብላሊ ተቐዳዳማይ ናይ'ዚ ወለዶ ምዃኑ ኣመስኪሩ። ሰንበት ዝተኻየደ መበል 21ን ናይ መወዳእታን መድረኽ ብምኽንያት ብርቱዕን ዘየቋርጽን ዝናብ ንተቐዳደምቲ ሓደገኛ ኩነታት ከይፍጠር ተባሂሉ ናይ ሓፈሻዊ ምድባት ነጥብታቱ ንኹሎም ማዕረ ክኸውን ተገይሩ። በዚ ምኽንያት ታደይ ገና ናይ'ቲ መዓልቲ ቅድድም ከይተጀመረ ሻምፒዮን ምዃኑ ኣፍሊጡ ኔሩ። እንተኾነ ግን ምስ'ቶም ካብ'ታ ዓባይ ጉጅለ ሞሊቖም ተፈልዮም ዝኸዱ ተቐዳደምቲ ብምዃን ኣብ'ተን ተሰሪዐን ዝነበራ ዓቐባት ብዙሕ ግዜ ራሕሪሕዎም ክኸይድ ፈተነታት ብምክያድ ነቲ መዛዘሚ መዓልቲ መቐረት ወሲኽሉ። እቲ ኣብ'ቲ መዓልቲ ዝተዓወተ ግን ንታደይ ኣብ'ታ ናይ መወዳእታ ዓቐብ ብሓያል ምፍንጣስ ሓዲግዎ ዝኸደ በልጅማዊ ቩት ፋናርት ካብ ጋንታ ቲም ቪስማ'ዩ። ታደይ ኣብ'ቲ መዓልቲ ራብዓይ ክኣቱ'ንከሎ ኣብ'ዚ ዓመት ድማ ሻምፒዮንን ንጉስ ዓቐብን ብምዃን ዓብላልነቱ ኣመስኪሩ። ታደይ ነቲ ኣብ ሓፈሻዊ ምድባት ሕጂ'ውን ካልኣይ ኮይኑ ክውድእ ዝተገደደ ኣብ 2022ን 23ን ተዓዋቲ ዝነበረ ናይ ቀረባ መቐናቕንቱ ደንማርካዊ ዮናስ ቪንገጎ ብቕዓቱ ክብ ከብል ስለዝሓገዞ ጽዋዕ ሻምፒዮንኡ ኣብ ዝተቐበለሉ ኣመስጊንዎ። ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ኣብ'ቲ ህቡብ ጎደና ሾንዘሊዘይ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ቅድድም መበል 13 ኣትዩ። ሓንሳብ መውደቕቲ ኣጋጢምዎ ግን ተሳትፎኡ ብሓፈሽኡ ዝቐጸለን ኣብ ምድብ ቀጠልያ ማልያ ናይ ነጥቢ ተወዳዳሪ ኮይኑ ዝቐረበ ኣባል ጋንታ ኢንተርማርሸ ዎንቲ ቢንያም ኣብ'ዚ ምድብ ድሕሪ ኢጣልያዊ ጆናታን ሚላንን ታደይ ፖጋቻርን ተሰሪዑ ዝድነቕ ኣብ ሳልሳይ ተርታ ምውድኡ ተፈሊጡ'ሎ።
    2 min
  • Australian invention could revolutionise minefield clearance - ምጽራግ ፈንጂን ዝተቐብሩ ነታጒታትን ክቕይር ዝኽእል ብሉጽ ኣውስትራልያዊ ምህዞ
    Twenty-eight years after Diana, Princess of Wales drew the world's attention to the impacts of landmines on war-affected countries, an Australian innovation is revolutionising de-mining efforts. Australian company MRead have developed a device that can accurately detect explosives underground, promising safer, faster landmine clearance. - 28 ዓመታት ልዕልቲ ዳያና ናይ ዌይልስ ቆላሕታ ዓለም ናብ ጽልዋታት ፈንጂታት/ዝተቐብሩ ነተጒቲ ኣብ ብኲናት ዝተጸልዉ ሃገራት ክኸውን ድሕሪ ምግባራ፣ ሓደ ኣውስትራልያዊ ምህዞ/ፈጠራ ንጻዕርታት ምጽራግ-ነተጒቲ ብዓቢይ መጠን ቀይርዎ’ሎ። ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ኤም-ሪይድ ትሕቲ ምድሪ ዝተቐብሩ ነተጒቲ ብልክዕ ክፈልጥ ዝኽእል መሳርሒ ኣማዕቢሉ፣ ድሕነት ዘለዎን ዝቐልጠፈን ምጽራይ ፈንጂታት ክህሉ ድማ ዓቢይ ተስፋ ፈጢሩ’ሎ።
    12 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሓምለ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ናይ ሰልፊ ግሪንስ ስሰነተር መህረን ፋሩቂ ፡ ኣብ ባይቶ ኣብ ልዕሊኣ ዝተወስደ ኩነኔ ብዝምልከት ንሰልፊ ለበርን ጥምረትን ፡ ኣብ ግጉይ ሸነኽ ናይ ታሪኽ ከም ዘለዉ ከሲሳ ። ኢማራት ኣብ ሱዳንን ከባቢኡን ትገብሮ ዘላ ከም ሃገር ዝውክል ዘይኮነ፡ ብድሕሪት ናይ ካልኦት ተልእኾ ከምዘለዎ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ። ኣብ ግጥማት ዩሮ 2025 ተጻዋቲት ኲዕሶ እግሪ እንግሊዝ ጀስ ካርተር ፡ ጋንታኣ ንኢጣልያ 2ብ1 ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ጀነቫ ድሕሪ ምስዓራ ፡ ብዛዕባ ብ ኦንላይን ዝወረዳ ዓሌታዊ ማህሰይቲ ስምዒታ ገሊጻ ።
    8 min
  • ቃለ መሕትት ፕረሲደንት ኢሳያስን ካልኦት ጸብጻባትን፡
    ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ቃለ-መሕትት፡ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ሂቡ። ምፍራስ ናይቲ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ምምሕዳር ተቓውሞ ገጢምዎ። ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ተመያዪጦም።
    12 min
  • ምክልኻል ሕማም ምርሳዕ (DEMENTIA PREVENTION)
    ሓደ ፍሉጥ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ፡ ሕማም ምርሳዕ ዲመንሺያ ከም ቊጠባዊ ቅልውላውን ከም ጕዳይ ጥዕናን ክጥመት ከምዝግብኦ ገሊጹ። ልዕሊ 400,000 ኣውስትራሊያዊያን ምስ ሕማም ምርሳዕ ይነብሩ ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ እርጋን ዝርከብ ህዝቢ በዚ ሕማም ዝጥቃዕ ድማ ኣብ 2050 ብዕጽፊ ክዓቢ እዩ ። እንተኾነ ተጣበቕቲ ሕማም ምርሳዕ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ምርምር እኹል ምወላ ስለዘየለ ነዚ ንምፍዋስ ድሕሪት ተሪፉ እዩ ይብሉ ፡ እዚ ነቲ ኣብ ሂወት ለውጢ ዘምጽእ ናይ ምርሳዕ መስርሕ ናይ ምክልኻልን ናይ ምሕደራ ፕሮግራማት ጸልይዎ ይርከብ ።
    9 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሓምለ 2025)
    ** ዕዳ ተመሃሮ ዘጉድል ሕጊ ንምትእትታው ዝምልከት ቀዳማይ ኣጀንዳ መበል 48 ኣኼባ ፓርላማ ምዃኑ ተፈሊጡ... ** ምምሕዳር ትራምፕ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ ዓመት ካብ ዩኔስኮ ኸውጽኣ እዩ ... ** ኣብ ደቡብ ትግራይ፡ ምልውዋጥ ኣመሓደርቲ ንምትግባር ኣካላት ጸጥታ ከምዝተላእኩ ፕረሲደንት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners