SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 7 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ። ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ** ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ** ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ** ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት ይፋሓር ከም ዘሎ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ። ** ኣመሪካ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ሃገራት 15 ሽሕ ዶላት ከምመትሓዚ ክትሓትት ምዃኑ ገሊጻ። ጽምዋ፡ ንመንእሰያት ዘጎድእ ዘሎ ጉዳይ ጥዕና ዝብል ሓደ ዜናዊ ጸብጻብ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ፖለቲከኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ጃፓን ፡ ነቶም ቅድሚ 80 ዓመት ብ ደብዳብ ኣቶማዊ ቦምብ ኣመሪካ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ዝኽሪ ንምኽፋል ኣብ ሂሮሺማ ተኣኪቦም ። ረድኤት ዝጽበዩ ዝነበሩ ፡ ብውሕዱ 38 ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም ኣለዉ ። ሃገራዊ ውድድር ተኒስ ደቀባት ብረቡዕ [6 ነሓሰ] ኣብ ዳርዊን ጀሚሩ፣ ካብ መላእ ኣውስትራልያ ዝመጹ ልዕሊ 160 ኣብቲ ጸወታ ይሳተፉ ኣለዉ ።
    53 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ፖለቲከኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ጃፓን ፡ ነቶም ቅድሚ 80 ዓመት ብ ደብዳብ ኣቶማዊ ቦምብ ኣመሪካ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ዝኽሪ ንምኽፋል ኣብ ሂሮሺማ ተኣኪቦም ። ረድኤት ዝጽበዩ ዝነበሩ ፡ ብውሕዱ 38 ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም ኣለዉ ። ሃገራዊ ውድድር ተኒስ ደቀባት ብረቡዕ [6 ነሓሰ] ኣብ ዳርዊን ጀሚሩ፣ ካብ መላእ ኣውስትራልያ ዝመጹ ልዕሊ 160 ኣብቲ ጸወታ ይሳተፉ ኣለዉ ።
    13 min
  • "ተስፋ እገብር ሓደ መዓልቲ ኩነታት ተመሓይሹ ተኣኻኺብና ምስ ኤርትራውያን ኣዕሩኸይ ዳግማይ ናብ ኤርትራ ክንበርር።" ጋዜጠኛ SBS ዳርዮ
    ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ።
    24 min
  • ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ንዘሎ ህዝቢ "ብሓይሊ ኢና ፈላሊናዮ ፀኒሕና" ኢሉ።
    ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብፀሊም ዕዳጋ ዝግበር ልውውጥ ሸርፊ ወጻኢ ክውረስ ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዓፋር ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ዝርርብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። እቲ ጀነራል ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ንዘሎ ህዝቢ ድማ "ብሓይሊ ኢና ፈላሊናዮ ፀኒሕና" ኢሉ። ኣብ ትግራይ ሓደ ቶን ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምርካብ ከባቢ 140 ሄክታር መሬት ይፋሓር ከም ዘሎ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ። ኣመሪካ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ሃገራት 15 ሽሕ ዶላት ከምመትሓዚ ክትሓትት ምዃኑ ገሊጻ። ብሑቲ ተወቒዐን ዝጠሓላ መራኽብ ኣብ ማያት ኤርትራ ስግኣት ፈጢረን ተባሂሉ ።
    12 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ነሓሰ 2025)
    ** ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ መምሃራን ኲንስላንድ ንወሰኽ ደሞዝን ምምሕያሽ ኩነታትን ሰላማዊ ተቓዉሞ ይገብሩ ኣለዉ። ** ርዋንዳ ነቶም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝስጎጉ ስደተኛታት ክትወስድ ዝተሰማምዐት ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ። ** ጃፓን ካብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማ ኣቶማዊ ቦምብ ካብ እትድርቢ 80 ዓመት ትዝክር ኣላ።
    5 min
  • Is Australian tap water safe to drink?  - ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝስተ ማይ ዝቐርብ ጥዑይ ድዩ፧
    Access to safe drinking water is essential, and Australia’s often harsh environment means that our drinking water supplies are especially precious. With differences in the availability and quality of drinking water across the country, how do we know if it’s safe to drink? In this episode we get water experts to answer this question and more.   - ጽሩይ ዝስተ ማይ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ሕማቕ ሃዋህው ከኣ ፡ ቀረብ ዝስተ ማይና ኣዝዩ ክቡር እዩ ። ዝስተ ማይና ንጥዕናውን ድሕንነታውን ስርዓታት ዘማልእ ንክኸውን ክንክን ይግበረሉ እዩ ። ይኹን "ምበር ኣብ ሙሉእ ኣውስትራሊያ ዘሎ ቀረብን ጽፉፍ ዝስተ ማይ ፍልልያት ኣሎ ፤ እዚ ኣ ናይ'ቲ ማይ ካበይ ከምዝምንጩ ፤ ከባብያዊ ጽልዋ ከምኡ "ውን ኩነታት ቱቦታት ማይን ናይ ክንክን መሳለጥያታትናን ይምርኮስ ።
    10 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ነሓሰ 2025)
    ** ቀዳማይ ሚንስተር ኣንተኒ ኣልበኒዝን ፕረሲደንት ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤኤምን ብተሌፎን ተዘራሪቦም። ** ሰሙን ኣፍልጦ ጽምዋ ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ሕልኽላኻት ስምብራት ኣእምሮን ኣብ ልዕሊ ጽምዋ ዘሕድሮ ጽልዋን ዝምልክት ሰፊሕ ኣፍልጦ ክወሃብ ኪኢላታት ጸዊዖም። ** መንግስቲ ኬንያ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓተትቲ ዑቕባ ምቅባልን ምምዝጋብን ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ነሓሰ 2025)
    ን ሎሚ 4 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ማሕበረ ሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ብዕረፍቲ ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቑስሙላህ ኣብ ዓቢ ሓዘን ቀንዮም ኣለዉ። ዶ/ር መሓመድ ቁስሙላህ ብሞያኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ እጃም ድሕሪ ምብርካት ናብ ኣውስትራሊያ ኣብ 1989 ተሰዲዱ ንልዕሊ 35 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ብቐዳም 2 ነሓሰ ብርክት ዝበሉ መቓልስቱን ኣባላት ማሕበረ ሰብ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መልበርን ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ዶ/ር መሓመድ ዝፍለጠሉ ዓበይቲ ኣበርክቶን ብሓፈሻ ድማ ንልዕዕሊ 90 ዓመት ኣብዛ ምድሪ ክነብር ብድሕሪኡ ዝገደፎ ሓድጊ ብዝምልከት ኣቶ ቶፊቕ ቑስምላህ ገሊጹልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ልዝብ ንምክያድ እወንታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ተሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ፡ ንልኡኽ ምብራቕ ሱዳን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ መዘናኡ ዶናልድ ትራምፕ ደብዳበ ከምዝሰደሉ ክዝረብ ቀንዩ ዩ። ትግራይ፡ ኣብ ሓንቲ ጣብያ 22 ሰባት ብደርቂ ሞይቶም ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ ገንዘብ ዘመሓላልፋ ኣርባዕተ ወኪላት ኣጊዱ ኢትዮጵያዉያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ ተገልቢጣ 54 ሰባት ከምዝሞቱ ተሰሚዑ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ን ፍልስጤማውያን ናይ ጋዛ ንምድጋፍ ኣብ ስድኒ ሃርበር ብሪጅ እተገብረ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ታሪኻዊ ሰልፊ ምዃኑ ተገሊጹ ። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ሓንቲ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሑዱ 68 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ከምዝሞቱ ትካል ፍልሰተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ። ሰንበት ኣብ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ በርጎስ በርፐለት ቢኤች መርሃዊ ቅዱስ መበል 45 ኣትዩ።
    50 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,874 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners