SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • This rural town has grown into a thriving multicultural hub - SBS Examines: መርኣያ ስኒት ብዝሐ ባህላውያን ማሕበረሰባት ዝኾነት ንእሽቶ ከተማ ኣውስትራልያ
    In the central west of New South Wales, Dubbo is home to some of the largest Nepali and Indian communities in the state. - ኣብ’ዚ ዓመት፣ ኤስቢኤስ 50 ዓመት ይገብር ኣሎ፣ ነዚ ንምብዓል ዛንታታት ስግረ-ባህላውያን ዓወታትን ሕቡናት ብዝሐ ባህላውያን ማሕበረሰባትን ነቕርብን ነካፍልን ኣለና። ብዛዕባ ኣብ ከባቢታት ገጠር ዝርከባ ንኣሽቱ ከተማታት ዝጸንሐ ብሂል ወይ ኣረኣእያ’ሎ፣ ግሉላት ዝኾና፣ ኣብ ገለ እዋናት’ውን፣ ኣጋይሽ ብጽቡቕ ዘይቅበላ። እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ ኣብ ሃገረ ዊራድጁሪ፣ ማእከላይ ምዕራብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ትርከብ እዚኣ ንእሽቶ ከተማ ዕምብብቲ ብዝሐባህላዊት ማእከል ብምዃን ገለ ካብ’ቶም ዝበዝሑ ማሕበረሰባት ህንድን ኔፓልን ኣብ’ታ ግዝኣት ዝነብሩላ ኮይና’ላ።
    9 min
  • ኣብዚ ቅንያት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ልውውጥ በርትዑ ይርከብ።
    ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ትግራይ ዝተተኽለ ኬላታት ደው ንክብል ኣዚዙ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ወረዳታት ጉሎመኸዳን ኢሮብን ወፅዩ ዝብል ጌጋ ምዃኑ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ገሊጾም። ኣብዚ ቅንያት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ልውውጥ በርትዑ ይርከብ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ደቂ ብሄረ ትግራይ ሓቀኛ ልዝብ ከካይዱ ጸዊዑ።
    8 min
  • መዲያ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ይመስል፧
    ነጻነት ፕረስን ዝተፈላለየ ዓይነት መራኸቢ ብዙሃን ኣገዳሲ መለለዪ ጥዑይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ ። ኣብዚ ከምዚ ሃዋሁ ብዘይምትእትታው ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዜጋታትን ጋዜጠኛታትን ሓሳቦም ብናጻ ናይ ምግላጽን ሓበሬታ ናይ ምርካብን ስልጣን ኣልዎም ። ዋላኳ ሕገ-መንግስቲ ንናጽነት ፕረስ ውሕስነት ዘይህብ እንተዀነ: ኣውስትራልያ ግን ካብተን ኣብ ዓለም ነጻ ፕረስ ፍሪደም ኢንደክስ ካብ ዝለዓላ 29 ሃገራት ሓንቲ እያ ። እሞኸ መዲያ ኣብ ዲሞክራሲ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ ? ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ንግዲ መራኸቢ ብዙሃንን ብህዝቢ ዝምወላ መዲያታት ፍልልያትን እንታይ እዩ?
    17 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ሰነ 2025)
    ንሎሚ 3 ሰነ 2025 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስተ ዜና፡ ** ኣባል ሰልፊ ግሪንስ ሰኔተር ዶሪንዳ ኮክስ ነቲ ሰልፊ ገዲፋ ናብ ሰልፊ ለበር ብምቕያራ ሰልፊ ግሪንስ ሓዘኑ ይገልጽ። ** ሰበ-ስልጣን ፈደራል ኣቕሑ ዝጸዓና ናይ ጽዕነት ማካይን ናብ ትግራይ ፡ ከይኣትዋ ከልከሉወን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጕዕዞአን ከም ዝቐጸላ ተፈሊጡ። ** ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተሓተ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ናይ 3.5 ሚኢታዊ ወሰኽ መሃያ ክግበረሎም Fair Work Commission ኣሚሙ።
    5 min
  • መልእኽቲ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ምጅማር SBS፡ ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ።
    መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ንጽምብለሉ ዘለና እዋን ኢና ዘለና። እቲ ኣብ 1975 ብዉሑዳት ቋንቋታት ዝጀመረ መደብ ኣብዚ እዋን ንከም ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ሶማልን ዲንካን ካልእ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ወሲኹ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት ዝተፈላለዩ መደባት ኣብ ምቕራብ ዝነጥፍ ዘሎ ህዝባዊ ሬድዮ እዩ። ነዚ ናይ መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ ዝገበሩ መራሕቲ መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣቕሪቦም ኣለው። ንሳቶም ድማ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ ኣቶ ኬነዲ ወልደማርያምን ኣቶ ልኡል ፍስሃየን እዮም።
    14 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሰነ 2025)
    ን ሎሚ 02 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር 50 ዓመቱ የብዕል ኣሎ፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዘቕረብናዮም ምልስ ኢልና ንርእዮም ካብ ዘለና መደባት ምስ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝኾነ ኣቶ ፍስሃየ ኣብርሃም ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዝነበረ ሸቐጣ ሸቐጥ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ከም ዝተወሰነ ተገሊጹ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህንዲ ተራኺቡ ዘትዩ፡ ሓዱሽ ውዳበ ትግራይ 'ስምረት' ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይሊ ዝተታሕዙ ግዝኣታት ኣካል ትግራይ እምበር ዘካትዑ ከምዘይኮኑ ኣፍሊጡ። ዴምክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ትግራይ መስራቲ ዋዕላ ከምዘካይድ ገሊጹ ኣሎ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ዝተብሃለ ተሓላቒ ትካል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸስስ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ CPJ ዝርከቦም ልዕሊ 31 ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኹነን ጻውዒት ኣቅሪቦም። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕማም በዲዶ ህበይ ሞት ሓደ ሰብ ተመዝጊቡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዝተፈጥረ ባህርያዊ ሓደጋታት ዛጊት ናይ 2.2 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ ጥፍ ኣት ከምዘስዓበ ተገሚቱ። ረድኤት ክረኽቡ ኣብ ዝጓየዩ ዝነበሩ ፍልስጢኤማውያን ብዝተተኮሰሎም ብውሕዱ 31 ፍልስጤማውያን ን ልዕሊ 170 ቆሲሎምን፡ ሰራዊት እስራኤል ክምርምሮ እየ ኢሉ። ብሪጣናዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ሳይሞን ያተስ ተዓዋቲ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ኮይኑ።
    55 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሰነ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዝተፈጥረ ባህርያዊ ሓደጋታት ዛጊት ናይ 2.2 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ ጥፍ ኣት ከምዘስዓበ ተገሚቱ። ረድኤት ክረኽቡ ኣብ ዝጓየዩ ዝነበሩ ፍልስጢኤማውያን ብዝተተኮሰሎም ብውሕዱ 31 ፍልስጤማውያን ን ልዕሊ 170 ቆሲሎምን፡ ሰራዊት እስራኤል ክምርምሮ እየ ኢሉ። ብሪጣናዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ሳይሞን ያተስ ተዓዋቲ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ኮይኑ።
    12 min
  • ሳሙኤል ኤቶ፣ ኦኮቻን ኣደባዮርን ኣብ ሶማልያ ምብጻሕ ኣካይዶም፣ ፒኤስጂ ሻምፒዮን ኤውሮጳ ኮይና፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/06/2025) * ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዓወት ዘመዝገበ ሚልኪያስ ማእከለ ወሲኽካ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ደሚቖም ዝተራእይሉ መበል 37 ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢራን ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዱ፣ * ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ሃገሩ ታሪኻዊ ዑደት ዝፈጸሙ ኤቶን ኦኮቻን ዝርከብዎም ገዳይም ህቡባት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣብ ቤተመንግስቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ፣ * ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ተወዳዳሪ ግጥማት ምምላሳ፣ ብምኽንያት መበል 34 ዓመት በዓል ነጻነት ዝተዳለዉ ምሕዝነታዊ ግጥማት ኤርትራ 1-0 ተሳዒራ ተዛዚሞም፣ * ፓሪስ ሳን ዠርማን (ፒኤስጂ) ንኢንተርሚላን ዘሕፍር ስዕረት ኣሰኪማ ንፈለማ ግዚኣ ሻምፒዮን ኤውሮጳ ኮይና፣
    10 min
  • CPJ ዝርከቦም ልዕሊ 31 ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኹነን ጸዊዖም።
    ናብ ትግራይ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዝነበረ ሸቐጣ ሸቐጥ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ከም ዝተወሰነ ተገሊጹ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህንዲ ተራኺቡ ዘትዩ፡ ሓዱሽ ውዳበ ትግራይ 'ስምረት' ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይሊ ዝተታሕዙ ግዝኣታት ኣካል ትግራይ እምበር ዘካትዑ ከምዘይኮኑ ኣፍሊጡ። ዴምክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ትግራይ መስራቲ ዋዕላ ከምዘካይድ ገሊጹ ኣሎ። ህወሓት ተመዛቢሉን ተሰዲዱን ዘሎ ህዝቢ ክምልስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ኣሰማማዕቲ ኣካላትን ደጊሙ ጸዊዑ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ዝተብሃለ ተሓላቒ ትካል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸስስ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ CPJ ዝርከቦም ልዕሊ 31 ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኹነን ጻውዒት ኣቅሪቦም። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕማም በዲዶ ህበይ ሞት ሓደ ሰብ ተመዝጊቡ
    10 min
  • ቃለ መሕትት ምስ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ፍስሃየ ኣብርሃም
    እቲ ንትምህርቲ ብስደት ኣብ 1979 ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተወ: ንፍሉጣት ኣውስትራሊያዊያን ፕሮፌሶር ፍረድ ሆሎውስን ቶማስ ከንሊ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳሰረ: ኣብ 1989 ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግምባር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣውስትራሊያ ወግዓዊ ምብጻሕ ክገብር ዘጣጠሐ፡ ሓላፊ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ኮይኑ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህዝቢን መንግስቲን ኣውስትራሊያ ክሳብ 32 ሚሊዮን ዶላር ኣኪቡ ናብ ሜዳ ዝሰደደ ብዙሓት ኤርትራዊያን ብማህደረ ትምህርቲ ናብ ኣውስትራሊያ ኣትዮም ብ ፒ ኤች ዲ፡ ማስተርስን ዲግሪን ንኽመሃሩ ዝሓገዘ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝኾነ ፍሰሃየ ኣብርሃም ጋሻ ኤስ ቢ ኤስ እዩ። ድሕረ ባይታኡን ንሱ ዝሰርሖም ዕዮታት ንምስማዕ ኣብ መስምዒ ድምጺ ጠውቑ።
    44 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners