SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ግንቦት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ሰሜን መልበርን ዝርከብ ሓደ ዓቢ ማእከል ዕዳጋ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ካራሩ ብዝሓዙ ኣብ መንጎ 10 ሰባት ባእሲ ምስ ተላዕለ እቲ ማእከል ዕዳጋ ክዕጾ ኣገዲዱ። ... ** መበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻእን ክጽምበል ድሕሪ ምቕናዩ ብቐዳም 24 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ብወተሃደራውን ስነጥበባውን ምርኢታት ተሰንዩ ተጸምቢሉ። ** ኣውስትራልያዊ ኣስልጣኒ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣንጅ ፖስትኮግሉ ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ዩሮፓ ሊግ ጋንትኡ ንማንቸስተር ዩናይትድ 1-0 ስዒራ ተዓዋቲት ክትከውን ሓጊዙ፣
    14 min
  • ናዲያ ሓሰን፡ ዕዉቲ ኣብ ቢዝነስ (መልበርን)
    ኣብ ኣውስትራሊያ ንልዕሊ 28 ዓመት ዝተቐመጠት ወይዘሮ ናዲያ ኣብ ማእከል መልበርን፣ ኣብ ፉትስክረይ ኣብ ዝበሃል ዓቢ ናይ ንግዲ ስቶር ኣለዋ። እዚ ኣብ 1996 ዝጀመረቶ ስራሕ ሰለስተ ሰራሕተኛታትን ኣባላት ስድራኣን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ዕወት ዝረኸበትሉ ስራሕ እዩ። ኣጀማምራን ኣተዓባብያን እዚ ቢዝነስ ዘጋጥም ጸገማትን፣ ንሎሚ ወይዘሮ ናዲያ ሃሰን ካብተመኩሮኣ ኣካፊላትና ኣላ። እንሆ፡
    11 min
  • ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ዛግረብ ተዓዊታ፣ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ጃፓን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ ኤርትራ ምስ ኒጀርን ደቡብ ሱዳንን ክትገጥም'ያ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/05/2025) * ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ’ዚ ዓመት ንፈለማ ግዚኣ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ኣብ ዝተሳተፈትሉ ኣብ ዛግረብ ክብረወሰን ናይ’ቲ ውራይ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ጃፓን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 34 በዓል ነጻነት ኣንጻር ኒጀርን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኣስመራ ምሕዝነታዊ ግጥማት ሰሪዑ ከካይድ’ዩ፣ * ኣውስትራልያዊ ኣስልጣኒ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣንጅ ፖስትኮግሉ ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ዩሮፓ ሊግ ጋንትኡ ንማንቸስተር ዩናይትድ 1-0 ስዒራ ተዓዋቲት ክትከውን ሓጊዙ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት ሊቨርፑል ወቕቱ ብወግዒ ዛዚሙ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ኒውካስትል ዩናይትድን ኣብ መወዳእታ መዓልቲ እንተተሳዕሩ’ኳ ንዓመታ ሻምፒዮንስ ሊግ ክጻወቱ’ዮም፣ መሓመድ ሳላሕ ብሉጽ ተጻዋታይ ተሰምዩን ወርቃዊ ሳእኒ ተሸሊሙን፣
    13 min
  • "ከም ሃገራዊ በዓል ብምልኣት ክንጽምብሎ እንተኾይና ሓርንትውን ክረጋገጽ ክኽእል ኣለዎ።" ኽፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን)
    ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ጸሓፍን በዓል ሞያ ሕግን ኣቶ ክፍለዮንስ ተወልደብርሃ (ጎርደን) ዝተገብረ ሓጺር ዕላል።
    18 min
  • "ናጽነትና ተሓልያ ክትነብር እንተኾይና ፍልልይ ሓሳብ ብዘየገድስ ንኹላትና ዜጋታት ናይ ልዝብ መድረኽ ክህሉ ኣለዎ።" ሃይለሚካኤል ሊንጎ
    ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ስነ ጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ሓጺር ዕላል።
    15 min
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኢስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 22 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። ፕረዝደንት ታደሰ ወረደን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ተመያዪጦም። ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ዳይነታዊ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ይቕጽል ኣሎ ኣ ክብል - ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ነቒፉ። ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር መበል 50 ዓመቱ ኣብዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፈለማታት ምጅማር ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝቐረቡ ሓሓሊፍና ንድሕሪት ተመሊስና ከነቕርቦም ኢና፡ ንሎሚ፡ ታቦቱ ኣብ መልበርን ዓብያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ወዲኣ እያ ናብ ርሑቕ ከባቢ ኣቦርጂናዊያን ከይዳ ኣብ ህዝቢ ደቀባት ለውጢ ንኽመጽእ እጃማ ዝገበረት እያ። ነዚ ውሳነ ክትወስድ እንታይ ደሪኽዋ? ህዝቢን ናብራን እቲ ከባቢ እንታይ ይመስልን ናይ ስራሕ ዕድል ኣብቲ ከባቢ እንተሎን ካልእን ሓቲትናያ መልሲታት ሂባትና ነይራ። ዝተሰርቁ ወለዶ፡ ነቲ ታሪኽን ጽልዋኡን ምርዳእ። ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተገሊሎም ኣለዉ ፣ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ድሒኖም ኣለዉ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኵሉ ግዝኣት ጋዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እስራኤል ከም ዝኸውን ደጊሙ ቃል ኣትዩ ። ወዲ ኤኳዶር ሪቻርድ ካራፓዝ ኣብ መድረኽ 11 ዉድድር ብሽግለታ ጂሮ ዲ ኢታልያ ተዓዊቱ ፣
    51 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ግንቦት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተገሊሎም ኣለዉ ፣ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ድሒኖም ኣለዉ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኵሉ ግዝኣት ጋዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እስራኤል ከም ዝኸውን ደጊሙ ቃል ኣትዩ ። ወዲ ኤኳዶር ሪቻርድ ካራፓዝ ኣብ መድረኽ 11 ዉድድር ብሽግለታ ጂሮ ዲ ኢታልያ ተዓዊቱ ፣
    11 min
  • Why are migrant women missing out on vital medical tests? - SBS Examines: ኣገደስቲ መርመራታት ጥዕና ንሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ ዝሓልፈን ንምንታይ'ዩ፧
    Many people from CALD communities, especially women, are avoiding or delaying preventative cancer care. - ካብ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈልዩ ድሕረባይታታት ዝመጻ ደቀንስትዮ ብሰንኪ ፍርሒን ባህላዊ ነውርታትን (ጸለመታት) ኣድለይቲ ክትትላት ጥዕና ካብ ምግባር ይእለያ፣ ይሃድማ ወይ የወግዳ። ነዚ ንምቕያር እንታይ ክግበር ይከኣል፧ SBS Examines ክምልከቶ'ዩ። [መጠንቀቕታ፡ እዚ ፈነወ ዘጨንቕ ትሕዝቶ ኣለዎ።]
    11 min
  • ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ።
    ፕረዝደንት ታደሰ ወረደን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ተመያዪጦም። ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ዳይነታዊ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ይቕጽል ኣሎ ኣ ክብል - ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ነቒፉ።
    9 min
  • "ምስ ህዝቢ ኣቦርጂን ክሰርሕ ከለኹ ምስ ህዝበይ ዝነብር ዘለኹ ኮይኑዩ ዝስመዓኒ።" ታቦቱ ኣታኽልቲ
    ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራሊያ ምስ ደቀባት ኣቦርጂን ትሰርሕ ዘላ ታቦቱ ኣታኽልቲ ዝገበርናዮ ዕላል እዩ። ታቦቱ ኣብ መልበርን ዓብያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ወዲኣ እያ ናብ ርሑቕ ከባቢ ኣቦርጂናዊያን ከይዳ ኣብ ህዝቢ ደቀባት ለውጢ ንኽመጽእ እጃማ ትገብር ዘላ። ነዚ ውሳነ ክትወስድ እንታይ ደሪኽዋ? ህዝቢን ናብራን እቲ ከባቢ እንታይ ይመስልን ናይ ስራሕ ዕድል ኣብቲ ከባቢ እንተሎን ካልእን ሓቲትናያ መልሲታት ሂባትና።
    11 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners