SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ጥሪ 2025)
    ንሎሚ 7 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ጃስቲን ትሩዶ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትርነት ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ቪክቶርያ ኣብ ካውልፊልድ ዝርከብ ሜዳ መወዳደሪ ኣፍራስ (Racecourse) ፡ ብሓዊ ድሕሪ ምንዳዱ ብፖሊስ መርመራ ይካየደሉ ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ምብራቓዊ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ በዓል ልደት ኣኽቢሮም።
    7 min
  • "ልደት፡ ምስ ኣምላኽና ብፍቕሩን ምሕረቱን ዕርቂ ዝረኸብናሉ ዕለት'ዩ።" ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ
    ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ማርያም/ሚካኤል ብርዝቤን ዝኾኑ ቀሺ ገብረብርሃን ፍስሃ ብዛዕባ እዚ ዝበዓል ዘሎ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ምእመናን ቤተ ክርስትያኖምን ብተወሳኺ ብምኽንያት እዚ በዓል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ።
    18 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥሪ 2025)
    ን ሎሚ 6 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድኪምካ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ምግባር ጥፍኣት እዩ።" ክብል ምክትል ፕሬዝደንት ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ኣቚመን። ኣህጉራዊ ዋዕላ ንመጽናዕትታት ኤርትራ፡ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝትንከፉ ክልላት 80 ሽሕ ነበርቲ ከውጽእ ምዃኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ፡ ነቲ ከምባሓድሽ ተባሪዑ ዘሎ ሓዊ ጫካ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ንምውዓል ይሰርሑ ኣለዉ ፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ እሳተ ጎመራ ዝኽሰተሉ ዘሎ ከባቢታት ይግዕዙ ኣለዉ: ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ሰለስተ ደርቢ ዝነበሮ ህንጻ ድሕሪ ምድምሳሱ ፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኣኽሉ ሰባት ኣባላት ዝነበርዋ ሓንቲ ስድራ ጠፊኦም ፡ ወይ ሞይቶም ከይኰኑ ተሰጊኡ ።
    56 min
  • ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ውዕሎም የሐድሱን ጋንታታት ይረኽቡን፣ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ይዕወቱ፣ ማንቸስተር ዩናይትድ ንሊቨርፑል ማዕረ ኣውጺኣታ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/01/2025) * ሩቲ ኣጋን ዳዊት ወልዴን ኣብ ማራቶን ሺያመን ተዊቶም፣ * ገለ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ምስ ዝጸንሕወን ጋንታታቶም ውዕሎም ከናውሑ’ንከለዉ ሓደ ተቐዳዳማይ ድማ ምስ ሓዳስ ጋንታ ተጸንቢሩ፣ * ዋና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዘሎ መሳይ ተፈሪ ኪንዮ ጥሪ 2025 ኣብ ዘለዎ ክጸንሕ ውዕሉ ከናውሕ ድሌት ከምዘለዎ ገሊጹ፣ * መበል 20 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተኻየድሉ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብሉጽ ኣጥቃዓይ ተባሂሉ ተገሊጹ፣ ኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒ ኣንጅ ፖስትኮግሉ ድሕሪ ግጥም ጋንትኡ ቶተንሃም ሆትስፐር ‘ከም’ዚ ገይረ ሓሪቐ ኣይፈልጥን’የ’ ይብል፣ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርተታ ከኣ ‘ከም’ዚ ውሳነ ኣብ ህይወተይ ርእየ ኣይፈልጥን’የ’ ክብል ንዳኛ ወቒሱ፣
    12 min
  • "ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድኪምካ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ምግባር ጥፍኣት እዩ።"ምክትል ፕሬዝደንት ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ
    ሰለስተ ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ ብሓባር ዝሰርሓሉ ኪዳን ዕላዊ ኣቚመን። ኣህጉራዊ ዋዕላ ንመጽናዕትታት ኤርትራ፡ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝትንከፉ ክልላት 80 ሽሕ ነበርቲ ከውጽእ ምዃኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
    9 min
  • ምስ ምምጻእ ሓድሽ ዓመት ካብ ዝተለወጡ ሕግታትን ፖሊሲታትን
    ሓድሽ ዓመት 2025 ኣብ ዝኣተወተትሉ ኣውስትራልያውያን ሓድሽ ዓመት ጥራይ ዘይኮኑ ዝቕበሉ ንህይወቶም ብዝተፈላለዩ መጠኑ ዝጸልዉ ሓደስቲ ሕግታት'ውን ክዕዘቡ'ዮም። ገለ ካብ'ቶም ካብ ባሕቲ ጥሪ ጀሚሮም ተግባራዊ ዝኾኑ ቀንዲ ለውጥታት ካብ'ዚ ቀጺልና ከነቕርቦም ኢና።
    7 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (2 ጥሪ 2025)
    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (2 ጥሪ 2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ ፍጻመ ቅትለት ኒው ኦርሊይንስ፣ ስለያ ኣውስትራልያን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጆን ሃዋርድን፣ ቓዛን ቀይዲ ኣልቦ ዝተባህለት እስራኤልን * ጸብጻባት ልኡኽና ስድራቤት ኤርትራውያን እሱራት መዓሰከር ዳባት ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱ ምህላዎም ገሊጾም፣ ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ህወሓት ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ሓቲቱ፣ ኣብ ከባቢ ኣዋሽ ፈንታሌ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝቐጸለ ተሓቢሩ፣ ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሑድ 71 ሰባት ሞይቶም * ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ፣ እዚ ነቕ ዘይበለ ሰላዪ ኬጂቢ ነበር ኣመራርሕኡ ከመይ ሓሊፉ፧ ኣተሓሕዝኡ ከመይ ኣሎ፧ * ገምጋም 2024: ብመዳይ ስፖርት ዓለምን ኣውስትራልያን ከመይ ሓሊፈን፧
    49 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ጥሪ 2025)
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ጥሪ 2025) * ብዙሓት ክፋላት ዓባይ ብሪጣንያ ብርቱዕ ዝናብ ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕን ብርቱዕ ንፋስን ኣጥቂዕዎም፣ * ናይ ጽዕነት መኪና ናብ ሓድሽ ዓመት ዘብዕሉ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ኣጋጭዩ 10 ሰባት ዝቐተለ ሓደ ሰብ ኣብ ኒው ኦርሊይንስ ብፖሊስ ተቐቲሉ፣ * ሱፐር ማርኬት ዉልዎርዝስ ንመዓልቲ ኣውስትራልያ ዘንጸባርቑ ነገራት ንዕዳጋ ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ሆስፒታላት ቓዛ ኣብ ዝዓነውሉ ተማእዛዝነት እስራኤል ብሕግታት ዓለም የተሓታትት፣
    11 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners