SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (26 ታሕሳስ 2024)
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (26 ታሕሳስ 2024) * ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራልያ ማዕበላት ሓያል ሙቐት ክመጾ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ሓደገኛ ኩነታት ባርዕ ሓዊ ንብዙሓት ግዝኣታት ከጋጥመን’ዩ፣ * ኣሽሓት ተሳፈርቲ መንገዲ ኣየር ኣሜሪካን ኤየርላይንስ ብምኽንያት ቴክኒካዊ ጸገም ኣብ ድሮ መዓልቲ ልደት በረራታቶም ተሰናኺሉ፣ * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ተመያዪጦም፣ ቢቢሲ ሶማሊያ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ኣመልኪቱ ንዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነጺግዎ፣
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (26 ታሕሳስ 2024)
    ጸብጻባት ዜና * ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን ተመያዪጦም፣ *ቢቢሲ ሶማሊያ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ኣመልኪቱ ንዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነጺግዎ፣ * ቤትፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ ዝሓለፈ በጀት-ዓመት ልዕሊ 212 ሚልዮን ቅርሺ ከም ዝሓገዘ ኣፍሊጡ፣ * ኢትዮጵያ ንክሲ ሶማልያ መሰረት ዘይብሉ ብምባል ነጺጋቶ፣ ምስ ጅቡቲ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ንምግታእ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ንምስራሕ ተሰማሚዓ፣ * በዓል ልደት፣ ብርሃናት ብልጭልጭ ዝብልሉን ክቡራት ልምድታት ዝኽበረሉን ወቕቲ፣ ብደረጃ ዓለም ይኽበር ኣሎ። ካብ ቁሪን በረድን ዝዓብለሎም ዕዳጋታት ኤውሮጳ ክሳብ ጸሓያዊ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ዶባት ሰጊሩ፣ እምነትን ስድራቤትን ፌስታን ብሓባር ኣሊሙ ዝጠምር ጽምብል’ዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ’ውን መንፈስ በዓል ልደት በቶም ዝቕጽሉ ዘለዉ ግጭታት ኣብ ቓዛን ዩክረይንን ተዓብሊሉ ይርከብ። (ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ) * ብምኽንያት በዓል ልደት ነታ ፍልይቲ መዓልቲ፣ ኣቋጻጽራ መዓልታት ልደትን ንምንታይ ተፈላልዮም፣ ዓመታዊ ዝቕልቀሉ ዕላላትን ሕቶታትን ኣለዉ። ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ንታሪኽን ኣመጻጽኣን’ቲ በዓል ዝምልከት ንኤስቢኤስ ቅድሚ ሕጂ ዝሃብዎ መብርሂ ነዚታት ክምልስ ዝፍትን’ዩ’ሞ ኣብ'ዚ ክቐርብ’ዩ። * ጸገማት ክብሪ መነባብሮ ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ'ዚ ዓመት ዝዓብለሎ ኔሩ። እንተኾነ ግን ፖለቲከኛታት ኣብ ውሽጢ'ዞም ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምርጫ ኣብ ዝዳለውሉ፡ ገለ ካብ'ቶም ናብ ምርጫ ዝቐርቡ ቀንዲ ጉዳያት ኣብ መላእ'ዚ ንዛዝሞ ዘለና ዓመት ተቐላቒሎም'ዮም። 2024 ብፖለቲካዊ መዳይ ከመይ ሓሊፋ ዝድህስስ ትሕዝቶ
    51 min
  • ገምጋም 2024: ፖለቲካ
    ጸገማት ክብሪ መነባብሮ ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ'ዚ ዓመት ዝዓብለሎ ዛዕባ ኔሩ። እንተኾነ ግን ፖለቲከኛታት ኣብ ውሽጢ'ዞም ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምርጫ ኣብ ዝዳለውሉ፡ ገለ ካብ'ቶም ናብ ምርጫ ዝቐርቡ ቀንዲ ጉዳያት ኣብ መላእ'ዚ ንዛዝሞ ዘለና ዓመት ተቐላቒሎም'ዮም። ን2024 ብመንጽር ፖለቲካ ከመይ ሓሊፋ ክንግምግማ ኢና።
    11 min
  • መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ተራኺቦም፣ ኤርትራ ጸብጻብ ቢቢሲ ጌጋ'ዩ ትብል (ጸብጻባት ልኡኽና)
    ጸብጻባት ዜና: * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ተመያዪጦም፣ * ቢቢሲ ሶማሊያ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ኣመልኪቱ ንዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነጺግዎ፣ * ቤትፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ልዕሊ 212 ሚልዮን ቅርሺ ከም ዝሓገዘ ኣፍሊጡ፣ * ኢትዮጵያ ንክሲ ሶማልያ መሰረት ዘይብሉ ብምባል ነጺጋቶ፣ * ኢትዮጵያን ጅቡቲን ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ንምግታእ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ንምስራሕ ተሰማሚዐን፣
    9 min
  • በዓል ልደት ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለየ ኣገባባት ተባዒሉ
    በዓል ልደት፣ ብርሃናት ብልጭልጭ ዝብልሉን ክቡራት ልምድታት ዝኽበረሉን ወቕቲ፣ ብዓለም ደረጃ ይኽበር ኣሎ። ካብ ቁሪን በረድን ዝዓብለሎም ዕዳጋታት ኤውሮጳ ናብ ጸሓያዊ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ዶባት ሰጊሩ፣ እምነት፣ ስድራቤትን ፌስታን ብሓባር ኣሊሙ ዝጠምር ጽምብል ወይ በዓል’ዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ’ውን መንፈስ በዓል ልደት በቶም ዝቕጽሉ ዘለዉ ግጭታት ኣብ ቓዛን ዩክረይንን ተዓብሊሉ ይርከብ።
    8 min
  • ኣብ ኣውስትራሊያ ባህሊ ኣበዓዕላ ልደት (Christmas) ከመይ ይመስል? (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    ኣውስትራሊያዊያን ንገለ ገለ ኣውሮጳዊ ባህላዊ ኣበዓዕላታት ልደት (ክሪስማስ) ይኽተሉ እዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ባህሊ'ውን ኣማዕቢሎም እዮም። እቲ ጽቡቕ ነገር ኣብ ኣውስትራሊያ በዓል ልደት ወይ ክሪስማስ ንምብዓል ብዙሕ መገዲታት ምህላዎም እዩ። እዚ መደብ ንገለ ኣገባባት ኣበዓዕላ ክሪስማስ ኣብ ኣውስትራሊያ ክርእይ እዩ።
    7 min
  • ሩስያውያን ሓደ ኣውስትራልያዊ ኣብ ዩክረይን ማሪኽና ኢሎም ኣብ ቪድዮ ኣውጺኦሞ
    ሓደ ኣውስትራልያዊ ብወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናተሓተተ ዝመስል ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መድረኻት ድሕሪ ምዝርግሑ ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ቅልጡፍ መርመራታት ብዛዕባ'ታ ቪድዮ የካይድ ኣሎ። እቲ ኦስካር ጀንኪንስ ኢሉ ንነብሱ ዘላለየ ወዲ 32 ዓመት መምህር ስነህይወት ወይ ባዮሎጂ ካብ ኣውስትራልያ'ዩ።
    6 min
  • መራሕቲ ኣውስትራልያ መልእኽታት በዓል ልደት ኣመሓላሊፎም (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ 24 ታሕሳስ 2024)
    * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያን መራሒ ተቓዋሚን መልእኽታት በዓል ልደቶም ኣብጺሖም፡ * ፕረዚደንት ጆ ባይደን 37 ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ብዕድመ ልክዕ ቀይርሎም፡ * መደበር ቴሌቪዥንን ስፖርትን ፎክስተል ተሸይጡ፣ * ሶማልያ ወሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራተይ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ፣
    9 min
  • ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማ ኣንጻር ሱዳን ኣብ ዕጹው ሜዳ ኣብ ሊብያ ክኾነላ ሓቲታ፣ ጋንታታት ማንቸስተር ክልቲኤን ተሳዒረን፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሃትሪክ ሰሪሑ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (23/12/2024) * ኢትዮጵያ ኣንጻር ሱዳን ዘለዋ መጻረዪ ግጥም ንሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣብ ሊብያ ክኾነላ ሓቲታ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ካራባኦ (ካራባኦ ካፕ) ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፋ ጋንታት መጋጥምተን ፈሊጠን፣ ሊቨርፑል VS ቶተንሃም፣ ኣርሰናል VS ኒውካትስል ዩናይትድ፣ * ናይጀርያዊ ኣዴሞላ ሉክማንን ዛምብያዊት ባርባራ ባንዳን ብሉጻት ተጻወቲ ኣፍሪቃ ናይ'ዚ ዓመት ተሰይሞም፣ * ኣርጀንቲና ኣብ ተርታ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ ቀዳመይቲ ኮይና ን2024 ወዲኣታ፣ ኢትዮጵያ መበል 146፣ ኤርትራ ኣይተሰርዐትን፣ *
    11 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners