SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2024)
    * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣብ ዝምረቐሉ ክትወጽእ ትሓስብ፣ ጳጳስ ፍራንሲስ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ኮኒኖም፣ * ጸብጻባት ልኡኽና፣ ኣውስትራልያ ኤምባሲኣ ኣብ ዩክረይን ደጊማ ክትከፍቶ ምዃና ኣፍሊጣ፣ ሩስያ ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ሞስኮ ዝቐተለት ቦምብ ከምዘንቶጋ ዝኣመነ ወዲ ኡዝበኪስታን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ገሊጻ፣ መንገዲ ኣየር ኳንታስ፣ ብዘይሕጊ ካብ ስራሕ ንዝሰጎጎም ሰራሕተኛታት 120 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ድሕሪ ምስምምዑ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከምዘይክእል ተነጊሩ፣ * ቃለመሕትት (2ይ ክፋል) ምስ ብርሃን እስማዒል ጃብር፣ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካልኦትን ዝነብሩሎም ኣብ 1960ታት ዝተሃንጹ ህዝባውያን ወይ መንግስታውያን ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ከፍርሶም መደብ ሒዙ ክሰርሓሉ ጸነሑ'ዩ። ናይ`ቶም ህንጻታት ነበርቲን ተጣበቕትን ግን ንከይፈርሱ ይከላኸሉን ይማጎቱን ኣለዉ። ሓደ ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብን ጋዜጠኛን ዝኾነ ኣቶ ብርሃን እስማዒል ጃብር ነዚ ጉዳይ ካብ ፈለምኡ ተኸታቲልዎ። * ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ
    57 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2024)
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (23 ታሕሳስ 2024) * ሊቃነ ጳጵሳት ፍራንሲስ ንመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ቓዛ ኮኒኖም፣ * ኣብ ሲድኒ ኣድማ ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ብምቕጻሉ ሕጽረት 200 ዝኾኑ መራሕቲ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ባቡርን ከጋጥም ይኽእል፣ * ኣብ መዓልቲ ምምራቕ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ክትወጽእ ትሓስብ፣
    11 min
  • ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣብ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ርእይቶ ሂቡ (ጸብጻባት ዜና 23 ታሕሳስ 2024)
    ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት: * ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ቅኑዕን ዝድገፍን ምዃኑ ኣመልኪቱ፣ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክትግበርን ፍትሕን ተሓታትነትን ክነግስን መንግስቱ ሓቲቱ፣ * ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ፡ ንፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዘራሪቡ፣ * ቻይናዊ ኩባኒያ "SBM" ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኢንዱስትሪ ዕደና ተጸንቢሩ፣ * ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ውሳነታት ኣሕሊፉ፣
    9 min
  • ገምጋም 2024፡ ክሊማ
    'Climate whiplash' ነዚ ንዓለምና ኣብ 2024 ዘጋጠማ በብግዚኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምድግጋምን ጻዕቅን ክቱራት ዝኾኑ ኣንጻራዊ ክስተታት ኩነታት ኣየር ንምግላጽ ዘገልግል ዘሎ ሓረግ`ዩ። ተመራመርቲ, ማእከላይ ገምጋም ዓለማዊ መጠን ሙቐት ኣብ መላእ`ዚ ዓመት ንግዚኡ ብ1.5 ዲግሪ ሰነቲግረይድ ልዕሊ`ቶም ቅድመ-ኢንዱስትርያዊ መጠናት ክሓልፍ ኣብ መስመር ይርከብ፣ እቲ ቀንዲ ደፋኢ ናይ`ዚ ኸኣ ወዲሰብ ዘጋደዶ ለውጢ ክሊማ`ዩ ይብሉ።
    14 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (20 ታሕሳስ 2024)
    ዕለታዊ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (20 ታሕሳስ 2024) * ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኢድ ኔርዎም ዝተባህሉ ወተሃደራዊ ኣባላትን ሰበስልጣንን ካብ ናይ ስልጣን ሓላፍነታት ክኣልይዎም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ጸዊዓ፣ * ልዑል ዝኾነ ወሰኽ ኣብ ዓሌትነትን ኣድልዎን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣውስትራልያውያን ዩኒቨርሲቲታት፣ ከምዘሎ ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፣ * ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ቫኑዋቱ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝተረፈ ዑናታት ንዝደሓኑ ሰባት ንምርካብ ዝገብርዎ ፈተነታት ይቕጽሉ፣ * ፌደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ካብ ትሑት ክሳብ ማእከላይ እቶት ዘለዎምን ናብ ኤሌክትሪክ መኪና ክሰጋገሩ ዝደልዩን ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዝሕግዝ ሓድሽ መደብ ኣውጺኡ፡
    8 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ታሕሳስ 2024)
    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (9 ጥሪ 2024) * ገለ ካብ ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና - ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሓያለ ኣምባሳደራት ወጻኢ ተዘራሪቡ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከባ 451 ኣብያተ ትምህርቲ 8ይ ክፍሊ ቀዳማይ ዙር ፈተና ክህባ ጀሚረን፣ ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ የሳልጥ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማያት ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላው ዘዋፈሮ ሓይሊ ባሕሪ ንተወሳኺ 2 ዓመታት ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ፣ * ኣውስትራልያ ንወሰኽ ቁጽሪ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕታት ምላሽ ኣብ ትህበሉ ዘላ እዋን፣ ጽልኢ እስላም ዘበገሶም ተግባራት'ውን ሰማይ ከይዶም ኣለዉ። ገለ ደቀንስትዮ ካብ ገዝአን ክወጻ ንፈርሕ ኣለና ይብላ፣ ንድሕነት ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርታት'ውን ፍርሒ ፈጢሩ ይርከብ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ * ቃለመሕትት - ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካልኦትን ዝነብሩሎም ኣብ 60ታት ዝተሃንጹ ህዝባውያን ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ከፍርሶም መደብ ሒዙ ክሰርሓሉ ጸነሑ'ዩ። ነበርቲ`ቶም ህንጻታትን ተጣበቕትን ግን ንከይፈርሱ ይከላኸሉን ይማጎቱን ኣለዉ። ሓደ ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብን ጋዜጠኛን ዝኾነ ኣቶ ብርሃን እስማዒል ጃብር ነዚ ጉዳይ ካብ ፈለምኡ ክከታተሎን ኣብኡ ክሳተፍ ዝጸንሐን ኤርትራዊ ኣውስትራልያዊ`ዩ። ኣብ`ዚ ቀረባ ግዜ ቤት ፍርዲ ዝረኣዮ እዚ ጉዳይ ብሓፈሽኡ እንታይ ይመስልን ኣብ ምንታይ በጺሑ’ሎን መብርሂ ሂቡና`ሎ። (ቀዳማይ ክፋል) * ግዳም ሓደር እንተኾይንኩም ወይ ከምኡ ከጋጥመኩም ኣብ ሓደጋ እንተሃሊይኹም ናብ ውሑስ ቦታ ክትከዱ ንመን ትሓቱ ምፍላጥ ከጸግመኩም ይኽእል'ዩ። ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ሃልዉ ብዘየገድስ፣ ኣብ ግዜ ቅልውላው ወይ ጸገም መጽለሊ ክትረኽቡ ዝሕግዝኹም ኣገልግሎታት ደገፍ ኣለዉ። ኣብ’ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ ኣብ ጸገም ኣብ ትወድቅሉን መዕቆቢ/መጽለሊ ኣብ ዘድልየኩምን ህጹጽ ሓገዝ ትረክቡሎም ኣማራጺታት ክፍትሽ'ዩ።
    48 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ታሕሳስ 2024)
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (19 ታሕሳስ 2024) * ኣውስትራልያ ኤምባሲኣ ኣብ ዩክረይን ደጊማ ክትከፍቶ ምዃና ኣፍሊጣ፣ * ሩስያ ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ሞስኮ ዝቐተለት ቦምብ ከምዘንቶጋ ዝኣመነ ወዲ ኡዝበኪስታን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ገሊጻ፣ * መንገዲ ኣየር ኳንታስ፣ ብዘይሕጊ ካብ ስራሕ ንዝሰጎጎም ሰራሕተኛታት 120 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ድሕሪ ምስምምዑ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከምዘይክእል ተነጊሩ፣
    10 min
  • ማያት ቀይሕ ባሕሪ ክሕሉ ዝተዋፈረ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ ተወሳኺ ክልተ ዓመታት ክጸንሕ ተናዊሕሉ (ጸብጻባት ዜና)
    ጸብጻባት ዜና (19/12/2024) * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሓያለ ኣምባሳደራት ወጻኢ ተዘራሪቡ፣ * ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከባ 451 ኣብያተ ትምህርቲ 8ይ ክፍሊ ቀዳማይ ዙር ፈተና ተጀሚሩ፣ * ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ የሳልጥ ኣሎ፣ * ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማያት ባሕሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላው ዘዋፈሮ ሓይሊ ባሕሪ ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ቡግና ዝተኸሰተ ደርቅን ሕጽረት መግብን ህጻናት ሓዊሱ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ከም ዝተጐድኡ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፣
    6 min
  • “ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተታሕዘ ናይ ብዙሓት ናይ ሓባር ጉዳይ ኮይኑ ስለዘሎ ካብ ገዛኹም ክትወጹ ብውልቂ ንዝመጻኩም መልእኽቲ ተጠንቀቑሉ፣” ብርሃን እስማዒል ጃብር
    ክቡራት ሰማዕትና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካልኦትን ዝነብሩሎም ኣብ 1960ታት ዝተሃንጹ ህዝባውያን ወይ መንግስታውያን ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ከፍርሶም መደብ ሒዙ ክሰርሓሉ ጸነሑ'ዩ። ዝበዝሑ እቶም ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ዕድሚኦም ወይ ድልዱላት ኮይኖም ዝጸንሕሉ ዕድመ 50 ዓመት ስለዝሓለፈ፣ ንመጸገኒኦም ጥራይ ኣብ ዝመጹ 20 ዓመታት ልዕሊ 2.3 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ፣ ዘመናዊ ኮዳት ህንጻታት፡ ብሃገር ደረጃ ዝስርሓሎም መለክዒታት መጠን ሃልኪ ጸዓት ድሕሪ ደጊም ኣየማልኡን፣ ንዝበዝሑ ነበርቲ ብቐሊሉ ክኣትዉሎምን ክወጹሎም ዝኽእሉ ምቾት ኣይፈጥሩን ወዘተ ዝብሉ ምኽንያታት መንግስቲ የቕርብ። እቲ እንኮ ቅቡል ወይ ዘላቒ መፍትሒ ኣፍሪስካ ምህናጾም'ዩ ክብል ከኣ ጸኒዑ'ሎ። ነበርቲን ተጣበቕትን ናይ`ቶም ህንጻታት ግን ዘመናዊ ንምግባሮም ከምዘለውዎ ጽገና ክግበረሎም ይኽእል`ዩ፣ ንምፍራሶም ክውሰን`ንከሎ ምሳና ምምኽኻር ኣይተገብረን፣ መንግስቲ ንምፍራሶም ዝተጠቕመሉ ሓበሬታን ምኽንያትን ብምሉኡ ኣይገለጾን፣ ዝሓብኦም ሰነዳት ኣለዉ፣ ዕድሜና ምሉእ ዝሃነጽናዮም ማሕበረሰባትን መሳለጥያታትን ይብተኑ ኣለዉ፣ ዝተዋህቡና ካልኦት ኣማራጺታት ምሉኣትን እኩላትን ኣይኮኑን፣ ስነኣእሞራውን ቁጠባዊን ጽልዋታቱ ብግምት ኣይተጸንዐን፣ ወዘተ ክብሉ ንከይፈርሱ ይከላኸሉን ይማጎቱን ኣለዉ። ሓደ ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብን ጋዜጠኛን ዝኾነ ኣቶ ብርሃን እስማዒል ጃብር ነዚ ጉዳይ ካብ ፈለምኡ ክከታተሎን ኣብኡ ክሳተፍ ዝጸንሐን ኤርትራዊ ኣውስትራልያዊ`ዩ። ኣብ`ዚ ቀረባ ግዜ ቤት ፍርዲ ዝረኣዮ እዚ ጉዳይ ብሓፈሽኡ እንታይ ይመስልን ኣብ ምንታይ በጺሑ ኣሎን መብርሂ ሂቡና`ሎ።
    23 min
  • Are you in need of crisis accommodation? - ብሰንኪ ቅልውላው ህጹጽ መዕቆቢ፣ መጽለሊ ወይ መጽንሒ የድልየኩም ድዩ፧
    If you are homeless or at risk of becoming homeless it can be difficult knowing who to ask for a safe place to go. You don’t have to feel isolated, and there is no shame in asking for help. There are services that can point you to crisis accommodation and support, wherever you are. - ግዳም ሓደር እንተኾይንኩም ወይ ከምኡ ከጋጥመኩን ኣብ ሓደጋ እንተሃሊይኹም ናብ ሓደ ደሓን ዝኾነ ቦታ ክትከዱ ንመን ትሓቱ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ዝተገለልኩም ኮይኑ ክስመዓኩም የብሉን፡ ሓገዝ ምሕታት ከኣ ዘሕፍር የብሉን። ኣብ ኣውስትራልያ ኣገልግሎታት ደገፍ ንዓኹም ኣብ ግዜ ቅልውላው ወይ ጸገም መጽለሊ ክትረኽቡ ዝሕግዝኹም ኣለዉ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ሃልዉ ብዘየገድስ። እዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ኣብ ጸገም ኣብ ትህልውሉን መዕቆቢ ወይ መጽለሊ ኣብ ዘድልየኩምን ብህጹጽ ንምርካቦም ዘለዉ ኣማራጺታት ክፍትሽ'ዩ።
    13 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners