SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ታሕሳስ 2024)
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ካብ ዝኾነ ካልእ ዓለም ንላዕሊ (ብመንጽር ካፒታ) ቓዛ ዝበዝሑ ኣካሎም ዝተቆርጹ ህጻናት ኣለውዋ (ወኪል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጢማውያን ስደተኛታት )፡ * ሓደ ተመሃራይን ሓደ መምህርን ኣብ ግዝኣት ዊስኮንሲን ድሕሪ ዝተፈጸመ ተኹሲ ካብ'ቶም ሰለስተ ዝተቐትሉ ኮይኖም፣ * ክኢላታት ኩነታት ኣየር ማዕበል ሙቐት ኣብ ዝመጹ መዓልታት ዓቢይ ክፋል ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ክሽፍን ምዃኑ የጠንቅቑ፣ * ግዝኣታውያን መንግስታት ኣውስትራልያ ኣብ ኣፍደገ ሃይማኖታዊ ትካላትን ቤተ ጸሎትን ዝካየዱ ተቓውሞታት ንምቁጽጻር ምትዕርራይ ሕጊ ክገብራ ይሓስባ
    7 min
  • Islamophobia ignites security concerns at schools, mosques - ጽልኢ እስልምና ስግኣት ጸጥታ ኣብ መሳጊድን ቤት ትምህርታትን ፈጢሩ
    As Australia responds to an increase in anti-Semitic attacks, reports of Islamophobia have skyrocketed too. Some women say they're afraid to leave home, and there are fears for the safety of children in school. - ኣውስትራልያ ንምውሳኽ ጸረ-ሴማዊ መጥቃዕታት ምላሽ ኣብ ትህበሉ ዘላ እዋን፣ ፍጻመታት/ተግባራት ጽልኢ እስላም'ውን ሰማይ ከይዶም ኣለዉ። ገለ ደቀንስትዮ ካብ ገዝአን ክወጻ ንፈርሕ ኣለና ይብላ፣ ንድሕነት ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርታት'ውን ፍርሒ ተፈጢሮም ኣለዉ።
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (12 ታሕሳስ 2024)
    ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ሕዳር 2024) * ጸብጻብ ዜናታት - ዞባዊን ዓለማውን * ጸረ ሴማውነት (Antisemitism) ሓድሽ እንተዘይኮነ’ኳ ክኢላታት ኣብ'ዚ እዋን ንርእዮም ዘለና ጸረ-ኣይሁድውያን ተግባራትን መጥቃዕታትን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ኣጋጢሞም ኣይፈልጡን ይብሉ። ስለ'ዚ እንታይ ደኣ'ዩ ተቐይሩ፧ * ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዎ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ደረጃታት መንግስቲን ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እዚ ናይ ፈለማ ሃገራዊ መርሓ ምስ’ንኽተል ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ኣውስትራሊያ ከንጥፍኦ ንኽእል ኢና ብምባል ተመራመርቲ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ፈትሒ ማንሱሪን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘ ኮንቨርዘሽን.ኮም ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪቦም። ነዚ ጽሑፍ መሰረት ጌርና ብዛዕባ’ቲ መርሃ ሕንጻጽን ክትግበረሉ ዝኽእል ኩነታትን ንሓደ ካብ’ቶም ጸሓፍቲ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ክህበና ተወኪስናዮ ኔርና። ካብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐጸለ ናይ መወዳእታ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ’ዩ። * ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ - ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ናሆም ዘርኣይ ምስ ሓንቲ ጃፓናዊት ጋንታ ከምዝተጸንበረ ተፈሊጡ፣ - ንኣዋርሕ ዝኣክል ንብዙሓት ሰንፈላል ገይሩ ዝጸንሐ ዜና ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2034 ፊፋ ስዑዲ ዓረብ ከተአንግድ ምዃና ድሕሪ ምግላጹ መዕለቢ ረኺቡ፣ - ኣብ ማራቶን ሆኖሉሉ ዝተዓወተ ኤርትራዊ የማነ ሃብተስላሰ ወረቐቱ ተወዲእሉ ንኣሜሪካ ክወዳደር ሕልሙ ምዃኑ ገሊጹ፣ - ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተኣምራዊ ብቕዓቱን ሽቶታት ምምዝጋቡን ይቕጽል፣ ኣብ ቅልውላው ተሸሚማ ዘላ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ማንቸስተር ደርቢ ተሳዒራ፣
    53 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ታሕሳስ 2024)
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ሕዳር 2024) * ሰብመዚ ኣውስትራልያ ሎሚ ሶኑይ (16 ታሕሳስ 2024) ኣብ ሰፊሕ ክፋል’ዛ ሃገር ጽዑቕ ማዕበል ሙቐት ዝሓዘ ኩነታት ክህሉ ትጽቢት ብምግባር ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ፣ * ሓድሽ ምምሕዳር ሶማሊላንድ በቲ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣንካራ፣ ቱርኪየ፣ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ከምዘይስከፍ ገሊጹ፣
    13 min
  • ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ ዓሰብ ርክብ ኣካይዱ፣ ሃፍታ ብምብራስ ትግራይ ንምድኻም ዝግበር ምንቅስቃስ ደው ክብል መጸዋዕታ ቀሪቡ (ጸብጻብ)
    ጸብጻባት ዜና (16 ታሕሳስ2024) * ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ ዓሰብ ርክብ ኣካይዱ፣ * ሃፍቲ ትግራይ ብምጉሓልን ብምብራስን ትግራይ ንምድኻም ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃስ ደው ክብል ሰለስተ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ፀዊዐን፣ * ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ሓቛፋይን ምእኹልን ቤት ምኽሪ ትግራይ ክስየም ሓቲቱ፣ * ወኪል ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ምጥራዝ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ኢትዮጵያ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ፣ * ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዑደት ክገብር’ዩ፣ * መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን 425 ሽሕ ዶላር ንኽቕፃዕ ተወሲኑ፣ * ግብፂ ብጉዳይ ህዳሰ ግድብ ዘለዋ ውጥጥ ኣብ ዘበነ ስልጣን ዶናልድ ትራምፕ ፍታሕ ክትረኽበሉ ቅድመ ምድላዋ ትውግን ከምዘላ ተገሊፁ፣
    11 min
  • ማንቸስተር ዩናይትድ ንሲቲ ድሕሪ ምስዓራ ማንቸስተር ሕብራ ቀይሕ ኮይኑ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተኣምራቱ ይቕጽል፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/12/2024) * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ናሆም ዘርኣይ ምስ ሓንቲ ጃፓናዊት ጋንታ ከምዝተጸንበረ ተፈሊጡ፣ * ንኣዋርሕ ዝኣክል ንብዙሓት ሰንፈላል ገይሩ ዝጸንሐ ዜና ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2034 ፊፋ ስዑዲ ዓረብ ከተአንግድ ምዃና ድሕሪ ምግላጹ መዕለቢ ረኺቡ፣ * ኣብ ማራቶን ሆኖሉሉ ዝተዓወተ ኤርትራዊ የማነ ሃብተስላሰ ወረቐቱ ተወዲእሉ ንኣሜሪካ ክወዳደር ሕልሙ ምዃኑ ገሊጹ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተኣምራዊ ብቕዓቱን ሽቶታት ምምዝጋቡን ይቕጽል፣ * ኣብ ቅልውላው ተሸሚማ ዘላ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ማንቸስተር ደርቢ ተሳዒራ፣
    12 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (12 ታሕሳስ 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 12 ታሕሳስ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት መንግስቲ ኣድልዎ ብዓሌት ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ንምጥፋእ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣድልዎ ብዓሌት ኣብ ኣውስትራሊያ ከንጥፍኦ ንኽእልዶ? በቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ፈለማ ሃገራዊ መደብ ይከኣል እዩ። ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራመርቲ ዝኾኑ ፕሮፌሰር Fethi Mansouri ከምኡውን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ ዘ ኮንቨርዘሽን ብ 28 ሕዳር 2024 ጽሒፎም ኣለዉ። ነዚ ጽሑፍ መሰረት ጌርና ብዛዕባ እዚ መደብ ካብቶም ነዚ ጽሑፍ ዘዳለዉ ን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ምዃኑ ዝተነግረሉ ፋብሪካ ቴራናይት ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ተተኺሉ ፍርያት ምሃብ ምጅማሩ ተገሊጹ። ክልተ ናይ ስነ-ቀመም ኤርትራዉያን ኢንጅነራት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቶታል ኤነርጂ ዘካየዶ ናይ ምህዞን ሰንዓን ዉድድር ዕዉታት ኮይነን፡ መራሕቲ ሶማልን ኢትዮጵያን ብመገዲ ቱርኪ ስሉሳዊ ዘተ ንምክያድ ናብ ከተማ ኣንካራ ኣምሪሖም። ኣብ መንጎ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ሶማልን ግጭት ኣጋጢሙ። ኣብ ጣሻ ብምዝዋር ዝርከብ ሓይሊ ተፈጥሮ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ን ስርዓት ኣሳድ ዝዓለዉ ዕጡቓት ሶርያ ፡ ኣብ ስቓይን ቅትለትን ዜጋታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ክሃድኖም ምዃኑ መብጽዓ ኣትዮም ። ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣውስትራሊያ ኣብ ምብራቕ ሲድኒ ኣንጻር እስራኤል ዝቐንዐ ናይ ምዕናው ተግባር ኮኒኖም ። ስዑዲ ዓረብ ንዉድድራት ዋንጫ ዓለም 2034 ከተአንግድ ፊፋ ወሲኑ ።
    53 min
  • ክልተ ናይ ስነ-ቀመም ኤርትራዉያን ኢንጅነራት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቶታል ኤነርጂ ዘካየዶ ናይ ምህዞን ሰንዓን ዉድድር ዕዉታት ኮይነን፡
    ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ምዃኑ ዝተነግረሉ ፋብሪካ ቴራናይት ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ተተኺሉ ፍርያት ምሃብ ምጅማሩ ተገሊጹ። ወግዓዊ ጽንብል ምሻም መበል 6ይ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ንዕለት 26 ጥሪ 2025 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ፡ ክልተ ናይ ስነ-ቀመም ኤርትራዉያን ኢንጅነራት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቶታል ኤነርጂ ዘካየዶ ናይ ምህዞን ሰንዓን ዉድድር ዕዉታት ኮይነን፡ መራሕቲ ሶማልን ኢትዮጵያን ብመገዲ ቱርኪ ስሉሳዊ ዘተ ንምክያድ ናብ ከተማ ኣንካራ ኣምሪሖም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 30 ሲቪላት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ ኣብ መንጎ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ሶማልን ግጭት ኣጋጢሙ።
    9 min
  • Is antisemitism in Australia changing? - SBS EXAMINES፡ ጸረሴማውነት (Antisemitism) ኣብ ኣውስትራልያ ይቕየር ኣሎ ድዩ፧
    Antisemitism is nothing new. But experts say the kinds of anti-Jewish incidents and attacks we're seeing now have never happened before in Australia. - ጸረ ሴማውነት (Antisemitism) ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ክኢላታት፡ ዓይነት'ቶም ኣብ'ዚ እዋን ንርእዮም ዘለና ጸረ-ኣይሁድውያን ዝኾኑ ተግባራትን መጥቃዕታትን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ፈጺሞም ኣጋጢሞም ኣይፈልጡን'ዮም ይብሉ።
    10 min
  • በዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣብ 10 ዓመት ዓሌታዊ ኣድልዎ ክውገድ ድዩ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ
    ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት መንግስቲ ኣድልዎ ብዓሌት ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ንምጥፋእ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣድልዎ ብዓሌት ኣብ ኣውስትራሊያ ከንጥፍኦ ንኽእልዶ? በቲ ወጺኡ ዘሎ ናይ ፈለማ ሃገራዊ መደብ ይከኣል እዩ። ብእንግልዝኛ Can we end racism in Australia? Yes, according to the first-ever national plan ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራመርቲ ዝኾኑ ፕሮፌሰር Fethi Mansouri ከም ኡውን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ ዘ ኮንቨርዘሽን ብ 28 ሕዳር 2024 ጽሒፎም ኣለዉ። ነዚ ጽሑፍ መሰረት ጌርና ብዛዕባ እዚ መደብ ክንሓቶ ካብቶም ነዚ ጽሑፍ ዘዳለዉ ን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ሂቡና ኣሎ።
    24 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,875 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners