SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • “ኣብዚ እዋን ክደርፍ እንተኾይነ ናይ ብኽያት ደርፊታት ጥራይ እየ ክደርፍ ዝኽእል” ዮሱፍ ስዒድ
    ኣብ ሰብዓታት ብጊታሩ ኣሰንዩ ዝደርፎም ዝነበሩ ምኡዛት ዜማታት ክሳብ ሎሚ ሓይሎም ኣይደኸሙን። ዮሱፍ ከም ግመለይ ግመለይ፡ ንፋታሕ ንፋታሕ፡ ምሳኺን ካልኦትን ዝብላ ደርፊታቱ ንብዙሓት መን እሰያት ልቦም ንፍቕሪን ሃገራዊ ስምዒት ዘንድዳ ካብ ሓያሎ ቁንጣሮ ደርፊታቱ እየን። ስነጥበበኛ ዮሱፍ ብዘይካ ደርፍታቱ ሃለዋቱ’ውን ኣበይ ከምዘሎ ብዙሓት ከይፈለጥዎ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ እዚ ቃለ መሕት ካብቲ ኣቐዲሙ ምስ SBS ትግርኛ ዝገበሮ ደጊምና ናብ ሰማዕትና ነብሎ ዘለና። ስራሓት ዮሱፍ ዳግም ዝኽርኹም ንምሕዳስን፡ ንሱ ካበይ ናበይን ኣበይን ከምዘሎን ንምፍላጥን ነዚ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ።
    56 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ SBS ትግርኛ (2 ታሕሳስ 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 2 ታሕሳስ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ካብ 2025 ንደሓር ዝስረሓሉ ውጥን መኸተ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ብሸመታ ኣጽዋር ኣብ 6ይ ደረጃ ከምትስራዕ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ግራብ ኢብራሂም ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ካብ ዘቕርቦ ሓደ ኣርእስቲ እዩ፡ ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ኣብዚ መፋርቕ ሰሙን ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ዝያዳ ምዕልቕላቕ ማይ ክህሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ: ሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ሶርያ ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል ከተማ ኣሌፖ ተቘጻጺሮምዎ ። ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ማቲልዳ ኣብ ጎልድ ኮስት ኣብ እተገብረ ካልኣይ ኣህጉራዊ ምሕዝነተን ፡ ብብራዚል 2 ብ ሓደ ተሳዒራ።
    55 min
  • ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ካብ 2025 ንደሓር ዝስረሓሉ ውጥን መኸተ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ብሸመታ ኣጽዋር ኣብ 6ይ ደረጃ ከምትስራዕ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ኮምሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ኣብ ህዝቢ ። ቀፃሊ ጨፍጫፍን መግዛእትን ከም ዘየቋረጸ ገሊጹ።ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ።
    11 min
  • ሊቨርፑል ንሲቲ ስዒራ መሪሕነታ ኣብ ፕሪምየርሊግ ኣስፊሓ፣ መገርቱ አለሙ ኣብ ቫለንስያ፣ ሰሎሞን ኣማረ ኣብ ሻንግሃይ ተዓዊቶም፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/12/2024) * ኢትዮጵያዊት መገርቱ ኣለሙ ኣብ ቫለንስያ ኤርትራዊ ሳምሶን ኣማረ ኣብ ሻንግሃይ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ማራቶን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ትዕግስት ኣሰፋን ሲፋን ሓሰንን እናተደፋፋኣ ዝተላዕለት ስእሊ ብልጽቲ ናይ’ዚ ዓመት ተባሂላ ተሰሊማ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ወርሒ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ት17 መንእሰያት መጋጥምታ ፈሊጣ፣ * ሊቨርፑል ንማንቸስተር ሲቲ 2-0 ድሕሪ ምስዓራ መሪሕነታ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ናብ 9 ደይቡ፣ ማንቸስተር ሲቲ ምንቁልቋላ ቀጺሉ ንራብዓይ ተኸታታትሊ ግዜ ተሳዒራ፣ * ሱዳን ብዂናትን ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ትሕመሰሉ ኣብ ዘላ እዋን ሃገራዊት ጋንትኣ ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ብምሕላፍ መጸናንዒት ህዝባ ኮይና፣
    12 min
  • Are Australian workplaces safe for migrant women? - ኣውስትራልያውያን ቦታታት ስራሕ ድሕነት መጻእቲ ደቀንስትዮ የውሕሱ ድዮም፧
    New research has highlighted the high rates of workplace sexual harassment and assault experienced by migrant women. Experts say there are many reasons why this type of abuse often goes unreported. - ልዑላት መጠናት ጾታዊ ዓመጻትን በደላትን ንሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ የጋጥመን ክብል ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ክኢላታት ከኣ እዚኦም ዓይነታት በደላት ከይተነግሩ ወይ ከይተጠርዑ ዝተርፉሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ ይብሉ።
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (28 ሕዳር 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 28 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን ካብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም በዓልቲ ሞያ ኣንትሮፖሎጂ ኮይና፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ስዊድንን ኣውስትራሊያን መጽናዕቲ ተካይድ ምህርቲ እያ። ኣብዚ እዋን ሕማም ለበዳ ኮቪድ ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መጽናዕታ ተካይድ ኣላ። ብዛዕባ ትገብሮም መጽናዕትታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስርሓን ኣዕሊላትና ኣላ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተመያዪጦም።ኢትዮጵያን ክኢላታት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ካልኣይ ዳግመ ግምት ናይቲ ዝተናውሐ ውዕሊ ልቓሕ ተሰማሚዖም። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ይርከቦ። ምርዳእ ብዛዕባ ኣብያተ መድሃኒት ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከም ዝሰርሕ፥ ኣርእስቲ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ካብ ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝእግድ ሕጊ ሎሚ [28 ሕዳር] ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር። ። ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝነበረ ውግእ ደው ንምባል ዝተገብረ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ስዒቡ ኣብ ዉሽጢ ዉሑዳት ሰዓታት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሊባኖሳውያን ፡ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ። ን ኣውስትራሊያ ወኪሉ ኣብ ፓሪስ ሰለስተ ግዜ ናይ ኦሎምፒክ መዳልያ ዝተዓወተ ተወዳዳሪ ብሽግለታ ኣብዚ ሰሙን ብዝወሰዶ ስጉምቲ ብAusCycling ተኾኒኑ።
    55 min
  • "ግዝያዊ ምምሕዳር መንእሰያት ኣሰልጢኑ ህወሓት ንምፍራስ ይሰርሕ ኣሎ።"ጉባኤ ዘካየደ ህወሓት: "ዕልዋ መንግስቲ ይገብር ኣሎ" ፕ/ ግምት።
    ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተመያዪጦም። ሚኒስተር ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ ኣካይዱ "ዕልዋ መንግስቲ ይገብር ኣሎ" ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ። "ግዝያዊ ምምሕዳር መንእሰያት ኣሰልጢኑ ህወሓት ንምፍራስ ይሰርሕ ኣሎ።" ጉባኤ ዘካየደ ህወሓት ኢትዮጵያን ክኢላታት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ካልኣይ ዳግመ ግምት ናይቲ ዝተናውሐ ውዕሊ ልቓሕ ተሰማሚዖም።
    9 min
  • ምርዳእ ብዛዕባ ኣብያተ መድሃኒት ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከም ዝሰርሕ፥ (ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ)
    ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ፋርማሲታት ሓኪም ዝኣዘዝዎም መድሃኒታትን ናይ ጥዕና ክንክን ምኽሪ የበርክቱ ፤ ንሕብረተሰብ ድማ ብዛዕባ ውሑስ ኣጠቓቕማ መድሃኒትን ምክልኻል ሕማምን ይምህሩ ። እንተሓሚምካን ሓኪምኻ መድሃኒት እንተኣዚዙልካን ፡ ዝቕጽል ስጉምቲ ሓኪም ዝ ኣዘዘልካ መድሃኒት ንምርካብ፡ ናብ ኣብ ከባቢኻ ናብዘሎ ቤት-መድሓኒት ምኻድ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣሰራርሓ ፋርማሲ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዝሰርሕ ብምርኣይ፡ ናብ ፋርማሲ ክትከይድ ከለኻ እንታይ ክትጽበ ከምትኽእል ክግለጽ እዩ ።
    13 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ሕዳር 2024)
    ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ተገይሩ። ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ኣስመራ ኣትዩ፡ ምስ ፕ/ት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ። ቪክቶርያውያን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ ጽባሕ ዝጸንሕ ብርቱዕ ዝናም ዘለዎ ለይቲ ፡ ክርእዩ እዮም ።
    6 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ሕዳር 2024)
    ንሎሚ 26 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ** እስራኤልን ሊባኖስትን ስምምዕ ተዂሲ ንኽገብራ ቀሪበን ... ** ሓደ ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ ንክልተ ክስታት ዶናልድ ትራምፕ ኣልዒልዎ ... ** ኣብ ሰሜን ግሪኽ ኣብ እትርከብ ደሴት ሳሞስ: ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ፡ ሽዱሽተ ቘልዑ ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም ።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,875 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners