SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ 6ይ ፓትርያርክ መሪጻ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ታሕሳስ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፡ አቡነ ባስልዮስ 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኰይኖም ተመሪጾም። ኣይሁዳውያን ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ጸረ- ሴማዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ዝገልጽ ናይ ጕዕዞ መጠንቀቕታ ከም ዘውጽአ ተሓቢሩ ። ቱርኪ ነቶም ሒዛቶም ዘላ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሶርያውያን ስደተኛታት ውሑስን ወለንታውን ምምላስ ዶባ ኸፊታ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (9 ጥሪ 2024)
    ን ሎሚ 9 ታሕሳስ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሎሚ ኣብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ጆኖሳይድ ፣ህልቂት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝዝከር ተገሊጹ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣቦወምበርነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ደገፍ ንምርካብን ንምምኽካርን ኣስመራ በጺሑ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ተኹሲ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ። ብዛዕባዚ ኤርትራን ግብጽን ዝርርብ ከም ዘካየዳ ውን ተሰሚዑ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ፡ ውድቀት ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ነቶም ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ካብ መነባብርኦም እተመዛበሉ ሚልዮናት ስደተኛታት ናብ ዓዶም ክምለሱ ተስፋ ምዃኑ ገሊጹ። ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰራሕተኛታት ቅልውላው ዘቤታዊ ዓመጽ ኣጠንቂቖም። መንእሰይ Gout Gout ኣብ ኣትሌቲክስ ኣብ ናይ 200ሜ ናይ መወዳእታ ውድድር ካብ መንእሰይ ኡሰይን ቦልት ብዝቐልጠፈ ግዜ ብምዕዋቱ ንዓለም ኣገሪሙ ።
    59 min
  • "ነዛ መዓልቲ ንኽንርእያ ካብ ነዊሕ እዋን ኢና ክንጽበያ ጸኒሕና" ሓጎስ ሶርያውያን ብምውዳቕ ስርዓት ኣሳድ
    ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ብሰንበት ካብ ደማስቆ ካብ ዝሃደመሉ እዋን ኣትሒዙ ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኰነ ክንዮ ሶርያ ኣብ መወዳእታ እቲ ጨቋኒ ግዝኣት ብምብቃዑ ፡ ሶርያውያን ብሓጎስ ይጽምብሉ ኣለዉ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ፡ ሰባት ንሓወልትታት ሃፈዝ ኣል-ኣሳድ ፡ ኣቦ ባሻር ኣል-ኣሳድ ፡ ከምኡውን መስራቲ እቲ ዝወረሶ ስርዓት መንግስቲ ኣፍሪሶምዎ ኣለዉ ።
    9 min
  • ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሎሚ ኣብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ጆኖሳይድ ፣ህልቂት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝዝከር ተገሊጹ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣቦወምበርነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ደገፍ ንምርካብን ንምምኽካርን ኣስመራ በጺሑ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ተኹሲ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ። ብዛዕባዚ ኤርትራን ግብጽን ዝርርብ ከም ዘካየዳ ውን ተሰሚዑ ኣሎ።
    6 min
  • ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ስሙን ዝንኡን እናደመቐ ይኸይድ፣ ሲፋን ሓሰን ብልጽቲ ኣትሌት ናይ'ዚ ዓመት ተሰይማ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/12/2024) * ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ብልጽቲ ኣትሌት ናይ'ዚ ዓመት ተባሂላ ክትስየም'ንከላ ኢትዮጵያዊት ሰምቦ ኣለማየሁ ብልጽቲ መንእሰይ ዓለም ተሰይማ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ'ዚ ወርሒ ኡጋንዳ ካብ ተአንግዶ ዞባዊ ግጥማት ሻምፒዮና ት17 መንእሰያት ከተንሳሕብ ምዃና ፈደረሽና ንሴካፋ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ግጥም ሊቨርፑል-ኤቨርተን ብምኽንያት ህቦብላ ከይተኻየደ ተሪፉ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶታት ብምምዝጋብን ንኡድ ክእለት ብምርኣይን ደሚቑ፣
    9 min
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ ኣማኢት ኤርትራያን ናብ ኤርትራ ይሰጎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።
    ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ብሰንኪ ውጥጥ ሰበስልጣን ተዓሺጉ ተባሂሉ። ኢምባሲ ኢጣልያ ምስ ማሕበር ዳንተ ዓሊጊየሪ ብምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ናይ ጣልያን ትምህርቲ ክህብ ጀሚሩ። ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምምካት ምድረበዳነት ትሳተፍ ኣላ። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ምስ ምንቅስቃስ ናጽነት ኦሮሞ ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ኣባላት’ቲ ምንቅስቃስ ናብ መንግስቲ ይምለሱ ምህላዎም ገሊጹ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት "ፋይዳ" ዝተባህለ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ከቕርቡ ከምዘገድድ ኣፍሊጡ።
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ታሕሳስ 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 5 ታሕሳስ 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ብሰንኪ ውጥጥ ሰበስልጣን ተዓሺጉ ተባሂሉ። ኢምባሲ ኢጣልያ ምስ ማሕበር ዳንተ ዓሊጊየሪ ብምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ናይ ጣልያን ትምህርቲ ክህብ ጀሚሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ ኣማኢት ኤርትራያን ናብ ኤርትራ ይሰጎም ከምዘሎ ተሓቢሩ። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት "ፋይዳ" ዝተባህለ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ከቕርቡ ከምዘገድድ ኣፍሊጡ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣለና። ፍልጠት ደቀባት ብዛዕባ ኩነታት ኣየርን ወቕትን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ፣ ናህሪ ዋጋን ምዕባይ ወጥሪ ዓለማዊ ንግዲ ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ቁጠባዊ ዕብየት ሓደገኛ ሳዕቤን የኸትል ኣሎ ተባሂሉ ። ፕረዚደንት ዩን ሱክ ዮል ብሰሉስ ግዝያዊ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ ፡ ባይቶ ደቡብ ኮርያ ነቲ ፕረሲደንት ክሲ ኣቅሪብሉ። ሃገራዊት ኲዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ “The Matildas” ንቻይናዊት ጋንታ ታይፔ ኣብ AAMI Park ሰለስተ ብሓደ ስዒራ።
    55 min
  • ፍልጠት ደቀባት ብዛዕባ ኩነታት ኣየርን ወቕትን:
    ብዛዕባ'ቶም ኣርባዕተ ወቕቲ ፡ ማለት ክረምቲ ፡ ቀውዒ ፡ ሓጋይን ጽድያን ትፈልጡ ትኾኑ ኢኹም ፣ ቀዳሞት ህዝብታት ግና ካብዚኦም ዝበዝሑ ወቕትታት ከምዘለዎም ግና ኣይትፈልጡን ትኾኑ። ከከም ከባቢኡ ኣብ ዓዓመት ፡ ንገለ ካብ ዓሌታት ደቀባት ኽሳዕ ሽዱሽተ ፍሉያት ወቕትታት ኣለዉዎም ። ብዛዕባ ኵነታት ኣየርን ወቕትታቱን ምርዳእ ኣገዳሲ መዳይ ኣቦርጂናውያንን ነበርቲ ደሴት ቶረስን ባህላዊ ፍልጠት ኮይኑ ንልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዝማዕበለ እዩ ። ኩነታት ኣየር ነቲ ናይ እንስሳታትን ኣትክልትን ዑደታት ሂወት ዝቕይር እዩ ፡ ነዚ ምውሳባት እዚ ምርዳእ ኣብ ህላውነት ደቂ ሰባት ወሳኒ እዩ ፡ ብፍላይ ኣብ ኣውስትራሊያ ገለ ሕሉፍ ወቕትታትን ኣሸጋሪ ኣቀማምጣን ጠለባት ወሳኒ እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ፍልጠት ቀዳሞት ህዝብታት ብዝዕባ ኵነታት ኣየርን ወቕትታትን ብኸመይ ንድሕነት ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ክንርኢ ኢና ። እዚ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ነገራት ንኸተስተብህለሉ ዘኽእል ፍልጠት እዩ ።
    11 min
  • መራሒ ደቡብ ኮርያ ናብ ኣምባገንነት፧ ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ታሕሳስ 2024)
    ንሎሚ 4 ታሕሳስ 2024 ኣርእስታት ዝተዳለዉ ዜናታት፥ ኣብታ ሃገርን ዓለምን ቁጠዐ ዘልዓለ፡ ፕረሲደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮአል ዝኣወጆ ሕጊ ማርሻል ድሕሪ ቕሩብ ሰዓታት ኣልዒልዎ። ፕረዚደንትጆ ባይደን ንወዱ ናይ ፈደራል ምሕረት ድሕሪ ምግባሩ ፡ ሓደ ናይ ፈደራል ዳኛ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃንተር ባይደን ዝቐረበ ክሲ ሰሪዝዎ ። ሁይማን ራይትስ ዎች መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዘይመንግስታዊ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ብምእጋዱ ነቒፍዎ።
    7 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ታሕሳስ 2024)
    ንሎሚ 3 ታሕሳስ 2024 ኣርእስታት ዝተዳለዉ ዜናታት፥ መንግስቲ ፈረንሳ ፡ ድሕሪ እዚ ሰሙን ክፈርስ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ተፈሊጡ፡ ኣብ ትግራይ ብቅትለት ማህሌት ተኽላይ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ካብ ዝጸንሑ እቲ ሓደ ንሞት ተፈሪዱ። ኣብ ጊኒ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ፡ ብውሕዱ 56 ሰባት ተቐቲሎም ።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,875 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners