SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ሕዳር 2024)
    ንሎሚ 26 ሕዳር 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ** እስራኤልን ሊባኖስትን ስምምዕ ተዂሲ ንኽገብራ ቀሪበን ... ** ሓደ ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ ንክልተ ክስታት ዶናልድ ትራምፕ ኣልዒልዎ ... ** ኣብ ሰሜን ግሪኽ ኣብ እትርከብ ደሴት ሳሞስ: ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ፡ ሽዱሽተ ቘልዑ ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም ።
    6 min
  • "ሎሚ፡ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብረሉ ስግረ-ዶብ ነባሪ ኮይኑ ኣሎ።" ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን
    ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን ካብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም በዓልቲ ሞያ ኣንትሮፖሎጂ ኮይና፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ስዊድንን ኣውስትራሊያን መጽናዕቲ ተካይድ ምህርቲ እያ። ኣብዚ እዋን ሕማም ለበዳ ኮቪድ ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መጽናዕታ ተካይድ ኣላ። ብዛዕባ ትገብሮም መጽናዕትታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስርሓን ኣዕሊላትና ኣላ።
    32 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሕዳር 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 25 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ፡ ካብ ሊባኖስ ብኣማእታት ዝቝጸር ሚሳይላት ፡ ሮኬታትን ድሮንን ተወንጪፉ ። ድሕሪ ጽዑቕ ዘተ ፡ ኣብ ኣዘርባጃን እተገብረ ኣኼባ ክሊማ ኮፕ-29 ፡ ኣብ መወዳእታ ፡ኣኼበኛታት ብዛዕባ ክሊማዊ ፋይናንስ ተሰማሚዖም ። ኣጥቃዒት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ማቲልዳስ ዝኾነት ሜሪ ፎውለር ካብ ኵሉ እቲ ዝመጽእ ኣህጉራዊ ዉድድራት ንኸይትሳተፍ ወሲና ።
    10 min
  • ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ቅልውላው ኣትያ፣ ሊቨርፑል ፍልልያታ ተግፍሕ፣ ጋንታታት ስፖርት ካብ X (ትዊተር ነበር) ይሃድማ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/11/2024) * መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ድሕሪ ምጥንቓቖም ኣብ'ቲ ውራይ ዝሳተፋ ኩለን ሃገራት ተፈሊጠን፣ * ኢትዮጵያ ኣንጻር ኮንጎ ኣብ ዘካየደቶ ናይ መወዳእታ መጻረዪ ግጥም 2-1 ተዓዊታ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ደጊማ ተሳዒራ ነጥቢ ክትከስርን ኣብ ቅልውላው ክትእቱን'ንከላ ሊቨርፑል ፍልልያ ናብ 8 ብምስፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ፣ * ለስተር ሲቲ ከኣ ኣሰልጣኒኣ ኣባሪራ፣ * ወናኒ ትዊተር ወይ ኤክስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ኮይኑ ክዕወት ድሕሪ ምሕጋዙን ኣብ ካቢነኡ ድሕሪ ምምራጹን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ካብ'ቲ መድረኽ ክሃድማ ጀሚረን,
    11 min
  • ኣብ ትግራይ ኣብ 4 ወርሒ ልዕሊ 28 ኩንታል ወርቂ ከምዝወፀን መንግስቲ ከም ዘይተረብሐሉን ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊጹ። (ጸብጻብ)
    ብካልእ ሓበሬታ DDR ብምፍጻም ዝፍጠር ስግኣት ከምዘየለ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ። ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር፡ ሃገራዊ ወፍሪ ቅነ ንቕሓት ኣብ ተጻዋርነት ንመድሃኒታት ጸረ-ታህዋስያን ብወግዒ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ። ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ተወሳኺ 582 ቢልዮን ብር በጀት ኣጽዲቑ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (21 ሕዳር 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 21 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለዉ ኣውስትራሊያ ትህቦ ቪዛ እናወሓደን ነቲ ቪዛ ንምርካብ ንውሓት ግዜ ኣዚዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ ዘሎ ክስተት እዩ። እዚ ንምንታይ እዩ ኮይኑ፧ ግደ ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብከ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ጸዊዑ።ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ፡ ተጋደልቲ ነበር ናብ ሕብረተሰብ ምፍናውን፣ ምጥያስን ስርሑ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ትግራይ ብዕሊ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ። ዝብሉን ካልእን ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ድሕሪ ዚአና ክቐርብ እዩ. ጸገም ድቃስ ምስኣን፡፧ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ዩክረይን ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተሰርሐ ሚሳይላት ናብ ራሻ ድሕሪ ምውንጫፋ ሓደ መዓልቲ ተኸታታሊ ናይ British Storm Shadow cruise ሚሳይላት ተኲሳ ኣላ ። ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ተዓዊቱ። ኣመሪካ ነቲ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብህጹጽ ደው ክብል ዝጽውዕ ዉሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ በቲ ዘለዋ ናይ ቐውፊ ወይ ቨቶ መሰል ተጠቒማ ነቲ ዉሳነ ደው ኣቢላቶ።
    52 min
  • ኣብ ኣልኮላዊ መስተ እናኣተወ ንመንእሰያት ዝስምም ዘሎ መታኖል፡ ንኽልተ መንእሰያት ኣዋልድ ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን ኣውዲቕወን።
    ክልተ ደቂ መልበርን መንእሰያት ፡ ኣብ ላኦስ ስሚ ዝኣተዎ መስተ ኮክተይል ሰትየን ኣብ እተፈላለየ ሆስፒታላት ታይላንድ ፡ ኣብ ናይ ህይወትን ሞትን ኩነታት ይርከባ። ወለዲ እተን ብመርዚ ሜታኖል ከምዝተሰመማ እተጠርጠራ 19 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ሕማም ይርከባ ምህላወን ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣብ መስተ ኣእትዮም መንእሰያት ከምዝስመሙ ዝገብር መታኖል ግን እንታይ እዩ ፈውሲ’ኸ ኣለዎዶ፧
    6 min
  • ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።
    ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ጸዊዑ።ነበርቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ኲናት ደው ካብ ዝብል ንደሓር ኣብ ዘለው ክልተ ዓመታት ዝዀነ ምምሕያሽ ድሕነትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከም ዘየለ ነበርቲ ገሊጾም።ነባር ጽርግያ ኢሮብ ብወተሃደራት ኤርትራ ብምዕጻዉ ካብቲ ነባር 10 ዕጽፊ ክፍሊት ዝወሰኸ ዘይውሑስ መገዲ ጉዕዞ ክገብሩ ከም ዝተገዱ ውን ሓቢሮምሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ፡ ተጋደልቲ ነበር ናብ ሕብረተሰብ ምፍናውን፣ ምጥያስን ስርሑ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ትግራይ ብዕሊ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።
    9 min
  • ጸገም ድቃስ ምስኣን፡
    ሰባት ብስደት መጺኦም ኣብ ሓዳሽ መንበሪ ዓዶም ምንባር ክጅምሩ ከለዉ ናይ ድቃስ ምምዝባል ክህሉ ልሙድ እዩ ። ክኢላታት ከምዝብልዎ ፡ን ሓጺር እዋን ናይ ድቃስ ልምድኻ ክጎድል ትጽቢት ዝግበረሉን ንቡርን እዩ ። እንተኾነ እዚ ተርእዮ ናብ ሕዱር ጕዳይ ጥዕና ኮይኑ ሕክምና ናብ ዘድልዮ ኮይኑ እንተ ተቐየረኸ ? መዓስ ኢና ስጕምቲ እንወስድ ? ንገዛእ ርእስኹም ወይ ን ሰብኩም ንምሕጋዝ እንታይ ኣማራጺታት ኣሎ ?
    11 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ሕዳር 2024)
    ንሎሚ 20 ሕዳር 2024; ዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ምስ ኣወንጨፈት፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ንምውሳን ተኽእሎ ኣዛይድዎ ። ኣብ ሲድኒ ሰፊሕ ሰላማዊ ተቓዉሞ ኣገልግሎታት መጓዚ ስለዝግበር ናይ ሲድኒ ሳብበርብ መስመር ባቡር ፡ ንልዕሊ ክልተ መዓልቲ ክዕጾ ከም ተፈሊጡ። ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ተዓዊቱ።
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,875 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners