SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • Finding a bank account that works hard for you - ንዓኹም ብዝበለጸ ዘርብሕ ናይ ባንክ ሒሳብ (ኣካውንት) ብኸመይ ትረኽቡ፧
    If you have a job, receive government benefits or want to pay your bills easily you’ll need a bank account. You may even need more than one. To join the 20 million customers who hold Australian bank accounts, take some time to find one that best suits your needs. - ስራሕ እንተሃልይኩም፡ መንግስታዊ ኣበላት (ሓገዛት) ትቕበሉ ወይ ሕሳባትኩም ብቐሊሉ ክትከፍሉ እንተደሊኹም ናይ ባንክ ሕሳብ (ባንክ ኣካውንት) ከድልየኩም'ዩ። ምናልባት'ውን ካብ ሓደ ንላዕሊ ከድልየኩም ይኽእል'ዩ። ምስ'ቶም ናይ ባንክ ሕሳባት ዘለዎም ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ክትጽንበሩ ነቶም ትደልይዎም ነገራት ብዝበለጸ ከተማልኡ ዝሕግዘኩም ሕሳብ ባንክ ክትረኽቡ ኣገዳሲ'ዩ። ኣብ'ዚ ንኣውስትርልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶና እቲ ንዓኹም ዝኸውን ናይ ባንክ ሕሳብ ከመይ ገይርኩም ትመርጹ ክንምልከት ኢና።
    12 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ሕዳር 2024)
    ናይ ሰሉስ 12 ሕዳር 2024 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ውድብ ሜቲዮሮሎጂ ዓለም፡ ዓመተ 2024 ኣብ መዝገብ ዝሞቐት ዓመት ክትከውን ኣብ መስመር ኣላ ክብል ገሊጹ፣ * ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት 2024 ኣብ ኣዘርባይጃን ይካየዱ'ለዉ፣ ኣውስትራልያ ብሚኒስተር ለውጢ ክሊማ ክሪስ ቦወን ዝምራሕ ልኡኽ ትሳተፍ፡ * ሓይልታት እስራኤል ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኑሰይራት ታንክታት ተኹሲ እናኸፈታ ኣብ ዝኣተውሉ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ብዉሑዱ 30 ሰባት ቀቲሎም፣ * ዳኛ ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ደይቪድ ኩት ንሊቨርፑልን ናይ ቀደም ኣሰልጣኒኦም የርገን ክሎፕን እናተጻረፈ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ካብ ዳንነት ተኣጊዱ፣
    7 min
  • ጸብጻብ ኤርትራዊ ባህሊ ካርኒቫል (ኣልዋን) ኣብ መልበርን፡
    ኣብ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ፡ብ ኣልዋን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣልዋን ዘዳለዎ ፍሉይ ካርኒቫል ዕለት 11 ሕዳር 2024 ፍሉይ ባህላዊ ምሸት ተገይሩ። ኣብዚ ካርኒቫል እዚ ፡ ብያታታትን ብስነ-ጥበብን ብጽሑፋትን ንእተፈላለየ መዳያት ባህሊ ኤርትራ ዝውክል ኣብ ማሕበረሰቦም ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዓዲሉ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ቅድሚ እቲ ካርኒቫል ምጅማሩ ብዛዕባቲ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ፡ ከነቕርቦ ኢና። ከም ስነጥበበኛታት ሚካኤል ኣዶናይ ስዒድ ዓብደላን ወልደየሱስ ማንጁስን ካልኦት ዓበይቲ ስነጥበበኛታት ኣብቲ እዋን ተሸሊሞም። ዝተፈላዩ ድምጻውያን ዝተሳተፍዎ ባህላዊ ምሸት ተዳልዩ ተዓደምቲ፡ ዝተዳለወ ናይ ስእሊ ኤግዚቪሽን ክምልከቱ፡ ባህላዊ ምግብታት ክካፈሉን ብናይ ዝተፈላለዩ ብሄራት ኤርትራ ዜማታት ክለሃዩን ክሕጎሱን ኣምስዮም።
    19 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሕዳር 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 11 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ፡ብ ኣልዋን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣልዋን ዘዳለዎ ፍሉይ ካርኒቫል ዕለት 11 ሕዳር 2024 ፍሉይ ባህላዊ ምሸት ተገይሩ። ኣብዚ ካርኒቫል እዚ ፡ ብያታታትን ብስነ-ጥበብን ብጽሑፋትን ንእተፈላለየ መዳያት ባህሊ ኤርትራ ዝውክል ኣብ ማሕበረሰቦም ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዓዲሉ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ቅድሚ እቲ ካርኒቫል ምጅማሩ ብዛዕባቲ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ፡ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምብራቅ ሱዳን ተዛትዩ ተባሂሉ። ብካልእ ሓበሬታ ሽማግለ ኣደ ዝርከብኦም 23 ኣመንቲ መሰኻኽር ጅሆቫ፡ ኣብ ማይ ስርዋ ይሳቐዩ ኣለዉ ተባሂሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕላዊ ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ንምግባርን ስርዓት ኣልቦነት ንምስፍሕፋሕ ሸርሕታት ይእለም ኣሎ ክብል ከሲሱ። ሶማልያ ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘይካተት ኣፍሊጣ ኣላሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ዩክረይን ኣብ ሞስኮ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ማዕከናት ዜና ሩስያ ገሊጸን ። ውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ ፡ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ኣዘርባጃን ዝኽፈት ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ወይ ኮፕ 29 ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ ። ሎሚ መዓልቲ ዝኽሪ እዩ። ህዝቢ ድማ ሕዳር 11 ሰዓት 11 ንመስዋእቲ ኣባላት ምክልኻል ኣውስትራልያ ንምዝካር ፡ ናይ ሓንቲ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ንምግባር ኩሉ ደው ኢሎም ።
    52 min
  • ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ሓጊዙ፣ ሊቨርፑል ፍልልያ ብምግፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/11/2024) * ጸሃይ ገመቹ ጥሕሰት ድንፋዐ ደምን ብቕዓትን ፈጺማ ተባሂላ ን4 ዓመታት ድሕሪ ምእጋዳ ካልእ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እብሲት ጥላሁን ኣስረስ'ውን ኣብ'ዚ ሰሙን እገዳ ተነቢሩላ፣ * ሻምፒዮን ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላን ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰንን ንብሉጽ ኣትሌት ናይ'ዚ ዓመት ተሓጽዮም ኣብ ፍጻመ በጺሖም፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ሰንከልከል ኣብ ዝብላሉ ዘለዋ እዋን ሊቨርፑል ፍልልያ ብምግፋሕ መሪሕነታ ኣደልዲላ, * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ሓጊዙ፣
    11 min
  • ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምብራቅ ሱዳን ተዛትዩ ተባሂሉ።
    ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ምብራቅ ሱዳን ተዛትዩ ተባሂሉ። ብካልእ ሓበሬታ ሽማግለ ኣደ ዝርከብኦም 23 ኣመንቲ መሰኻኽር ጅሆቫ፡ ኣብ ማይ ስርዋ ይሳቐዩ ኣለዉ ተባሂሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕላዊ ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ንምግባርን ስርዓት ኣልቦነት ንምስፍሕፋሕ ሸርሕታት ይእለም ኣሎ ክብል ከሲሱ። ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ካልኦት ወሰንቲ ጉዳያት ትግራይን ዝከታተል ንኹሉ ዘሳተፈ ካውንስል ንክጣየሽ ሸውዓተ ሲቪክን ቢዝነስን ማሕበራት ፀዊዐን። ሶማልያ ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘይካተት ኣፍሊጣ ኣላሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ።
    14 min
  • ኣብዚ ሰሙን ኣብ መልበርን ብዛዕባ ተዳልዩ ዘሎ ካርኒቫልን ሽልማትን ስነጥበብ ኤርትራዊያን፥ መ/ ሻግራይን በክሪ ሑመድን ይገልጹ።
    ኣልዋን/ ሕብሪ ዓመታዊ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘዳልዎ ምሽላም ኤርትራዊያን ስነጥበበኛታት ዕለት 10 ሕዳር ኣብ መልበርን/ ኣውስትራሊያ ንዓበይቲ ስነ ጥበበኛታት ኣፍልጦን ስልማትን ክህብ እዩ። ነዚ ኣመልኪትና ካብ ኣዳለውቲ እቲ መደብ መሓመድ ሻግራይን በክሪ ሑመድን ብዛዕባ እቲ ተዳልዩ ዘሎ መደብ ገሊጾሙልና ኣለዉ።
    15 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሕዳር 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 7 ሕዳር 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሓዱሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዶም። "ልዕሊ 970 ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን" ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ስራሕቲ ጽገና ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ተግባር ንምእታው ስምምዕት ተፈሪሙ። መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣለና። ኣገዳስነት ባህላዊ ቅድታት ኣብ ከተማታት ኣውስትራሊያ፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ብዙሓት ኤርትራዊያን ንኡጋንዳ ከም ካልኣይትቲ ዓዶም ሓሲቦም ኣብታ ሃገር ከውፍሩ ደቆም ከምህሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክሳተፉን ትካላት ሃይማኖት ከዐንብቡን ይረኣዩ ኣለዉ። ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል'ውን ኣብ ኡጋንዳ ንልዕሊ 13 ዓመታት ኣብዝነብረሉ ዘሎ ነቶም ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝተፈላልዩ ሞያታት ክሕዙን ብማሕበራዊ መድያ ዘንቅሑን ዘለዉ እዩ። ም ስ ኡ ዝገበርናዮ ዕላል መቐጸልታ ሎሚ ከነቕርበልኩም ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መበል 47 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ብኣዝዩ ገፊሕ ድሕሪ ምዕዋቱ ፡ ምስ ኣመሪካውያን ዕርቂ ከም ዝደሊ ተመባጺዑ ። መራሕቲ ሃገራት ነቲ ናይ መበል 47 ፕረሲደንት ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ትራምፕ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ይልእኩ ኣለዉ። ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተስፋ ኣርሰናል ንጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ የጸልምት፣
    53 min
  • መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ
    መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሓዱሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናይ እንቋዕ ኣሐጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዶም። "ልዕሊ 970 ሽሕ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን" ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ተግባር ንምእታው ስምምዕነት ተፈሪሙ መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪጹ
    8 min
  • ኣገዳስነት ባህላዊ ቅድታት ኣብ ከተማታት ኣውስትራሊያ፡
    ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ቦታታት ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ሃገር ፡ ባህሊ ፡ ቋንቋ ዝሓቘፈ ታሪኽ ዝሓዘ እዩ ። ኣብ ህንጻ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቅድን ነዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍልጠት ኣብ መነባብርና ከምዝርአ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብ ካብ ደቀባት ዝኾኑን ዘይኮኑን ክኢላታት ካብ ናይ ኣቦርጂንን ምዕራብን ፍልጠት ዘለዎም ቦታታት ወይ ህንጻታት ንምፍጣር ይጽዕሩ ከምዘለዉ ርእይቶም ክህቡ እዮም ።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,875 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners