SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 መስከረም 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 30 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ኣብዚ እስራኤል ካብ ቓዛ ሓሊፉ ናብ ሊባኖስ ሊሒሙ ዘለወሉ እዋን መራሒ ሕዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቀቲሉ ይርከብ፡ ነዚ ኣመልኪትና ሓሳን ናስራላህ መንዩ፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ብዛዕባኡ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ ቀረብ ኤለክትሪሲቲ፡ ተዛዚሙ። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘለዎም ምስሕሓብ ኣብ መድረኽ ሕ/ሃ ኣቕሪቦም ኢትዮጵያ፣ ብወደብ በርበራ ነዳዲ ንምእታው ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጣ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ዜናታት ሊኡኽልና ኣሎ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስጕምቲ ውሑስን ሕጋዊን ምንጻል ጥንሲ ክርከብ ዝጽውዕ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተሳተፍዎ ኣብ ከተማታት ዓለም ናብ ጐደናታት ወጺኦም ዊዒሎም ። ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ካልእ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ሕዝቦላህ ከም ዝቐተለ ገሊጹ። እስራኤል ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብምክያድ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሓድሽ ግንባር ተኸፊቱ ከምዘሎ ተፈሊጡ ።
    52 min
  • እቲ እስራኤል ዝቐንጸለቶ መራሒ ሕዝቡላህ ሓሰን ናስራላህ መን'ዩ ነይሩ፧
    ኣብ 1992 መሪሕነት ህዝቦላሕ ተረኪቡ ክሳብ ሕጂ ክመርሕ ዝጸንሐ ሓሰን ናስረላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖት ተቐቲሉ ኣሎ። ናስራላህ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ምስ እስራኤል እተገብረ ውግእ ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝቕየር ብምግባርን ሓደ ካብቶም ኣብ ወለዶታት ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም ዓረባዊ ጕጅለ ከም ዝኸውን ብምግባርን እዩ ንወተሃደራዊ ጉጅለ ሕዝቡላህ መሪሑዎ ። ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ በይሩት ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ኣብ እተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ከም እተቐትለ ገሊጻ ኣላ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጎ ሕዝቦላን እስራኤልን ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ደይብሉ ኣብ ዘሎ እዩ ።
    8 min
  • ማራቶን በርሊን ሚልከሳ መንገሻን ትዕግስት ከተማን ተዓዊቶሞ፣ ታደይ ፖጋቻር ሻምፒዮን ዓለም ኮይኑ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ደሓን ተርታ ወዲኡ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/09/2024) * ፍርቂ ዘመኑ ኣብ ዘኽበረ ማራቶን በርሊን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ጾታታት ብዓብላሊ ተዓዊቶሞ፣ * ጽገ ድጉማ ኸኣ ኣብ ውድድር 800 ሜ ኣብ ኣሜሪካ ተዓዊታ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኋንግሻን፣ ቻይና፣ ኤርትራዊ ዮኤል ሃብተኣብ ሳልሳይ ወጺኡ፣ * ታደይ ፖጋቻር ሻምፒዮን ዓለም ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ዙሪክ፣ ስዊዘርላንድ፣ ከኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዝለዓለ ውጽኢት ንኤርትራ ኣመዝጊቡ፣ * ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2025 ብሓባር ከአንግዳ ተሰይመን፣ * ብሪዝበን ላዮንስ ሻምፒዮን ፉቲ ኣውስትራልያ ኮይና፣ * ሊቨርፑል መሪሕነት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ደጊማ ኣብ ዝተረከበትሉ ሰሙን ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜድኣ ብቶተንሃም ዘሕፍር ስዕረት ኣጋጢምዋ፣
    15 min
  • ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ ቀረብ ኤለክትሪሲቲ፡ ተዛዚሙ።
    ተሳትፎ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኣኼባ መሓዙት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። እቲ ፕረዚደንት ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ኣብ ሓፂር እዋን ክምለሱ እዮም፣ እዚ ድማ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ይውዳእ ኣሎ -ክብል ውን ተዛሪቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘለዎም ምስሕሓብ ኣብ መድረኽ ሕ/ሃ ኣቕሪቦም ኢትዮጵያ፣ ብወደብ በርበራ ነዳዲ ንምእታው ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጣ።
    8 min
  • Is democracy on the decline in Australia? - SBS Examines: ደሞክራሲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ምንቁልቋል ድዩ ዝርከብ፧
    Home Affairs Minister Clare O’Neil has labelled democracy our most precious national asset. But some people say it’s at risk. - ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራሊያ ክለይር ኦ'ኒይል ንዲሞክራሲ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ሃገራዊ ጥሪትና ኢላ ሰይማቶ። ገለ ሰባት ግን ኣብ ሓደጋ'ዩ ዘሎ ይብሉ።
    8 min
  • ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መስከረም 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 26 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መሪሕነትን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ካልኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ዘተ ክቐርብ እዩ። ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን ነጠፍቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትግራይ ን620 ዝተጸገሙ መራሕቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ናይ ወተሃደራት ኤርትራ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ዓድግራት ኣፍሊጡ። ካልእ ኣርእስታት ዝሓዘን ጸብጻብ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ገዛኹም ሶላር ንምትካል ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት፡ዝብል ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ መጥቃዕትታት እስራኤል እተፈላለየ ክፋላት ሊባኖስ ፡ ቀጺሉ። ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ። ፕረ/ ጆ ባይደን ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ከም ዝፈሸለን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ግጭት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክርከብ ይኽእል’ዩ ኢሉ። ታይላንድ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ቀዳመይቲ ሃገር ማዕርነት መውስቦ ብወግዒ ዝተቐበለት ሃገር ኮይና።
    54 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መስከረም 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ መጥቃዕትታት እስራኤል እተፈላለየ ክፋላት ሊባኖስ ፡ ቀጺሉ። ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ። ፕረ/ ጆ ባይደን ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ከም ዝፈሸለን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ግጭት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክርከብ ይኽእል’ዩ ኢሉ። ታይላንድ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ቀዳመይቲ ሃገር ማዕርነት መውስቦ ብወግዒ ዝተቐበለት ሃገር ኮይና።
    15 min
  • ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ።" ምም/ከተማ ዓድግራት።
    ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን ነጠፍቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትግራይ ን620 ዝተጸገሙ መራሕቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ናይ ወተሃደራት ኤርትራ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ዓድግራት ኣፍሊጡ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንዘስምዖ ነቔፈታ ግብረ-መልሲ ሂቡሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ዝነበሩ 780 ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ።
    7 min
  • ሊባኖስ ካልእ ቓዛ ከይትኸውን ተሰጊኡ፡ ሕዝቦላህን እስራኤልን ምጥቕቓዕ ደው ከብላ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።
    እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ክልተ መዓልታት መጥቃዕቲ ብ ኣየር፡ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ሕዝቦላህ ዝርከቦም 600 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ካብቲ ብ2006 እተገብረ ውግእ ንደሓር ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላን ዝኸፍአ ውግእ ተባሂሉ ዘሎ ንገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ሊባኖስ በይሩት ኣዕንዩ ኣሎ ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ግጭት ኣብ ጋዛ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንኽልቲኦም ወገናት እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ናብ ዞባዊ ውግእ ከየምርሕ ንድሕሪት ክምለሱ ይጽውዑ ኣለዉ ።
    6 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መስከረም 2024)
    ንሎሚ 25 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ሊባኖስ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ፡ ባይቶ ጸጥታ ዉዱብ ሕ ቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኩነታት ይእከብ። ህንዲ ሓድሽ ዓይነት ሕማም በዲዶ ህበይ ከምዘጋጠማ ተፈሊጡ። ኣብቲ ሎሚ ዝወጽእ ቁጠባዊ ኣሃዛት መጠን ዝቕባበ ከምዝወርድ ትጽቢት ይግበር።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,875 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners