SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ዝባን ናሕሲ ገዛኹም ሶላር ንምትካል ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት፡
    ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ምዉቕ ክሊማ ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ማእለያ ዘይብሉ ቀረብ ጸሓያዊ ጸዓት ስለ ዝህብ ፡ ኣብ ቀረብ ኤለክትሪክ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ። ኣብ 2021-22 እዋን ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ጸሓያውን ንፋሳውን ጸዓት ፡ ንፈለማ ግዜ ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝበልጽ ከምዝኾነ፡ ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ (ኤ.ቢ.ሲ) ጸብጺቡ ኣሎ ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣድላይነት ተሓዳሲ ጸዓት ንምምላእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዘጕልሕ ኰይኑ ፡ ነቲ ናብ ቀጻሊ ንጥፈታት ጸዓት ዝግበር ሰፊሕ ስርሒት ዘንጸባርቕ እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብ ኣብ ገዛኻ ከመይ ጌርና ጸሓያዊ ጸዓት ከምነተኣታቱ ክንርእይ ኢና ።
    8 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መስከረም 2024)
    ንሎሚ 24 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ሊባኖስ ካብ 2006 ኣትሒዙ ዘይተፈጸመ ን ብዙሓት ህዝቢ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ሶማልያ ካብ ግብጺ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ኣጽዋር ተቐቢላ። ሓድሽ ናይ ህዝቢ ድምጺ መዐቀኒ ከምዝገለጾ ኣውስትራሊያውያን ን ሰልፊ ለበር ይጥንጥኑ ኣለው።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 23 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጉዕዞ ስደት ብዙሕ ግዜ ዘየተኣማምንን ኣብ ዘይተጸበኻዮን ተርእዮታት ዘጋጥም እዩ ። ሞት እተፍቅሮ ሰብ ወይ ፈታዊኻ ምስዘጋጥም እንታይ ክግበር ከም ዝግባእ ክሕርብተካ ይኽእል ። ኣብ ኣውስትራሊያ ስርዓተ ቀብሪ ብኸመይ ከምዝካየድ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ብዛዕባዚ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራን ቅድስት ሉቺያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምስራት ከም ዝጀመራ ገሊጸን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንከይገይሹ ኤምባሲ ግብፂ ኣብ ሶማል ኣጠንቂቁ:: ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ከሰል ዕደና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 51 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ፣ ሓያሎ ካልኦት ከኣ ቆሲሎምን ጠፊኦምን ። ሪፐብሊካዊ ተወዳዳሪ ንፕረሲደንት፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሕዳር 5 ዝካየድ ምርጫ እንተዘይተዓዊቱ ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ኣብ ናይ ኣመሪካ ዉድድር መሪሕነት ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ። ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣
    51 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ከሰል ዕደና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 51 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ፣ ሓያሎ ካልኦት ከኣ ቆሲሎምን ጠፊኦምን ። ሪፐብሊካዊ ተወዳዳሪ ንፕረሲደንት፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሕዳር 5 ዝካየድ ምርጫ እንተዘይተዓዊቱ ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ኣብ ናይ ኣመሪካ ዉድድር መሪሕነት ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ። ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣
    13 min
  • ሎዛ ኣበራ ኣብ ኣሜሪካ ክትጻወት ውዕል ኩዕሶ እግሪ ፈሪማ፣ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ሓንቲ ስጳኛዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ፈሪሙ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/09/2024) * ኣኼባ ኣካያዲት ኮሚተ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ብምኽንያት ሕማም በዲዶ ህበይ ካብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሓላሊፉ፣ * ኢትዮጵያዊት ሎዛ ኣበራ ኣብ ፕሮፈሽናል ኩዕሶ እግሪ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትጻወት ውዕል ዝፈረመት ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ሃገራ ኮይና፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ስጳኛዊት ፕሮ-ኮንቲነንታል ቲም ጋንታ በርጎስ-ቢኤች ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ተፈራሪሙ፣ * ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ተጀሚሩ፣ ኣብ’ቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰንበት ዝካየድ ቅድድም መንገዲ ኤርትራ ዝለዓለ ቁጽሪ ኤሊት ተቐዳደምቲ ከተሰልፍ’ያ፣ * ሓምሻይ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ተኻይዶም ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድን ንፈለማ ግዜ ኣብ’ዚ ወቕቲ ስዕረት ከጋጥሞም’ንከሎ ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ከኣ 2-2 ማዕረ ተፈላልየን ዝብሉ ንሎሚ ንምልከቶም ዜናታት`ዮም። ሰናይ ምክትታል።
    13 min
  • ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ።
    ኤርትራን ቅድስት ሉቺያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምስራት ከም ዝጀመራ ገሊጸን። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ። ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንከይገይሹ ኤምባሲ ግብፂ ኣብ ሶማል ኣጠንቂቁ:።
    6 min
  • "ፖሎቲካ ኤርትራን ትግራይን ኣብ ኢድ ጀነራላት ከይወድቕ እሰግእ።" ጋ/ሰናይ፡ "እዚ ዘሎ ኩነታት እንተዘይተፈቲሑ ትግራይ ኣይክትህሉን'ያ" ተጋ/ ሃይለ
    ካል ኣይ ክፋል ዘተ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ።
    23 min
  • ዋንነት ውድብ ህወሓት ሓድሽ መካትዒ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ።
    ኣብ ዜጋታት ዘነፃፀረ ጭውያ ተጋዲዱ ይቕፅል ኣሎ ክብሉ ስድራ ግዳያት ነበርቲ ወረዳ ጉሎመኸዳ ገሊጾም። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩን ካልኦትን ብሰንኪ ውግእ ሕድሕድ ኣዝዩ ተኣፋፍን ውሑስ ብዘይኮነ መንገድን ናብ መረበቶም ክምለሱ ይግደዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ቱርኪየ ንሳልሳይ ዙር ሽምግልና ኢትዮጵያ-ሶማል ብማዕዶ ከተካይድ’ያ ተባሂሉ። ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወንበር ክህልዋ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሓቲቱ።
    8 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (19 መስከረም 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 19 መስከረም 2024/ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሕፍሕ መበገሲኡን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ጸገማትን መጻኢ ኣንፈቱን ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህንን ተጋዳላይ ሃይለ እንግዳን ዝተገብረ ዝርርብ ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓባር ምክራይ መንበሪ ገዛ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ንናይ ገዛ ክራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምቑጣብ ምስ ኻልኦት ኮይኖም ብሓባር ገዛ ንምኽፋል እዩ ነዚ ዝምልከት ምርዳእ ብሓባር መንበሪ ገዛ ምክራይ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ በይሩትን ኣብ ካልእ ክፋል ሊባኖስን ፡ መስራሕታት መዛረቢታት ዎኪቶኪን መሳርሒ ጸሓያዊ ጸዓት ተባሪዖም ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ። ገዛውቲ ንዝዕድጉ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብሰልፊ ለበር ዝወጸ ሕጊ ኣብ መንጎ እቲ ሰልፍን ሰልፊ ግሪንስ ን ኣዋርሕ ዘተ ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደውታ በጺሑ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብ ኤርትራ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ይዝክሩ ኣለዉ።
    53 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,875 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners