SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 መስከረም 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ንቆልዑ ሓዊሱ እንተወሓደ 33 ፍልስጤማውያን ቀቲሉ ክብሉ ሰበስልጣን ጥዕና ቓዛ ሓቢሮም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ፡ ብሰንበት ናብቲ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝርከብ ጫካታት ፓፕዋ ኒው ጊኒ ብምኻድ ፡ ስርዓተ ቅዳሰ ኣካይዶም። ኣድነቕቲን ፈተውትን ስሙይ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ሓዘኖም እናገለጹ እዮም።
    13 min
  • ብሰንኪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ወለድ፡ ብዙሓት ወነንቲ ኣባይቲ ገዛውቶም ክሸጡ ክግደዱ እዮም።
    ማእከላይ ባንክ ንገሊኦም ወነንቲ ቤት ብሰንኪ ቝጠባዊ ኵነታት ገዛውቶም ክሸጡ ክግደዱ ከምዝኾኑ ኣጠንቂቑ ። ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ፡ ነቲ መጠን ወለድ ኸይጎደለ ክቕጽል እተገብረ ውሳነ ምኽንያት ክትገልጽከላ፡ ንናህሪ ዋጋ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ፈተነ ምዃኑ ገሊጻ። እንተ ኣድልዩ'ውን መጠን ወለድ ክውስኽ እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ገሊጻ ።
    7 min
  • መጻምድታ ዝቐተላ ኡጋንዳዊት ኣትሌት ስፖርታዊ መሳለጥያ ኣብ ፓሪስ ብስማ ክጽዋዕ'ዩ፣ ያየሽ ጌጤ ኣብ ፓራሊምፒክስ ፓሪስ ቅያ ሰሪሓ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/09/2024) * ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ፓራሊምፒክስ ኢትዮጵያዊት ያየሽ ጌጤ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ደቀንስትዮ ዓይነስውራን ተዓዊታ ካልኣይ ወርቂ ንኢትዮጵያ ኣምጺኣ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ሳልሳይ ክወጽእ እንከሎ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃ ኸኣ ኣብ ኢጣልያ ዘዕግብ ምንቅስቓስ ኣርእዩ፣ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ኢትዮጵያ ኣንጻር ታንዛንያ ገጢማ ብዘይሽቶ ማዕረ ክትፈላለ እንከላ ኣንጻር ዲ ኣር ኮንጎ ሎሚ ምሸት ወሳኒ ግጥም ይጽበያ፣ * ኡጋንዳዊት ኣትሌት ኬንያዊ መጻምድታ ነዳዲ ከስኪሱ ብሓዊ ኣቃጺልዋ ኣብ ዝተባህለሉ መጥቃዕቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ'ዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ፣
    10 min
  • ኣድነቕቲን ፈተውትን ፍሉጥ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ሓዘኖም ይገልጹ። (ጸብጻብ ልኡኽ)
    ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሶማልያ ዘራጊ ንጥፈታት ትፍጽም ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ ንምፍታሕ ተፈላልዮም ዘለዉ ኣካላት ፖለቲካ ንምዝርራብ ይስራሕ ከም ዘሎ ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። ኣመሪካ ብኲናት ትግራይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘንበረቶ እገዳ ተናዊሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ቱርኪ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ተገሊጹ።
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መስከረም 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 5 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ኣለዎ ብዝብል ምስ ሶማሌላንድ ዝፈረመቶ መሰማምዒ ዉዕል ስዒቡ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ኣላ፡ ግብጺውን ምስ ምግዳብ ኒል ተተሓሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ዳግም ኣትያ ኣላ፡ እዚ ኩነታት ነቲ ዞባ ከመይ ክጸልዎ እዩ። ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሖቲ ኣንጻር ምዕራባዊያን መራኽብ ንግዲ ዝገብሮ ዘሎ ግጭት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ ኣብ ባሕሪታት ኤርትራ እንታይ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፧ ጅቡቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ከተመሓድሮ ትኽእል ወደብ ክትህባ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ማያት ኤርትራን ጂቡቲን ዝርከብዩ ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ኩነታት ዝምዕብል ዘሎ፡ ብሓፈሻ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢኡን ካብ ቀደም ብዝተፈልየ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታትን ምስዚ ዝተሓሓዝን ዝምልከት ካብ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ቺፍ ፓውሎ ኣንቶኒዮ ተንቲኑልና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣንጸላልዩ ዘሎ ወጥሪ ተመያይጦም ፍሉይ ልኡኽ ሑቡራት ኣሜሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይበርር ከም ዘይተኸልከለ ገሊጹ። ዝብሉ ጸብጻባት ልኡኽና ዝሓዘውን ኣለና። ሞባይል ምጥቃም ሕማም ካንሰር የስዕብ ድዩ፧ ነዚ ዝምልከት ተመራመርቲ ዝበጽሕዎ መደምደምታ ኣሎ ክትሰምዕዎ ኢኹም። ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ንጥዕና ክንክን ስኒ ዝምልከት ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ቓዛ ንዝሃደሙ ፍልስጤማውያን ንምዕጋት ዝውሰድ ዘሎ ብዝተሓሓዝ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ቪዛ መስርሕ ተነቒፉ ። ኣብ ጋዛ ተኹሲ ደው ንምባል ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጹ ። ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መራሕቲ ዝሳተፉሉ ዋዕላ ቻይና ኣፍሪቃ ጀሚሩ።
    59 min
  • ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መስከረም 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ካብ ቓዛ ንዝሃደሙ ፍልስጤማውያን ንምዕጋት ዝውሰድ ዘሎ ብዝተሓሓዝ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ቪዛ መስርሕ ተነቒፉ ። ኣብ ጋዛ ተኹሲ ደው ንምባል ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጹ ። ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መራሕቲ ዝሳተፉሉ ዋዕላ ቻይና ኣፍሪቃ ጀሚሩ።
    15 min
  • ምጥቃም ሞባይል ካንሰር ርእሲ የስዕብ ድዩ፧ ብዛዕባ’ዚ ዝወጸ መጽናዕቲ መልሲ ሂቡ ኣሎ።
    ምጥቃም ተንቀሳቓሲ ስልክን ወይ ሞባይልን ሓንጎልን ከምኡ "ውን መንሽሮ ርእስን ምትእስሳር ከምዘየለ - ውድብ ጥዕና ዓለም ዝመዘዞ መጽናዕቲ ተመራመርቲ ኣረጋጊጹ ። እቶም ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ እቲ መጽናዕቲ ፡ እቲ ካብ ገመድ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ዝመጽእ ማዕበላት ሬድዮ ንደቂ ሰብ ኣይጐድኦምን እዩ ፣ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ስዒቡ ይቐርብ ።
    5 min
  • መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይበርር ከም ዘይተኸልከለ ገሊጹ። (ካብ ጸብጻባት)
    ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣንጸላልዩ ዘሎ ወጥሪ ተመያይጦም። ፍሉይ ልኡኽ ሑቡራት ኣሜሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይበርር ከም ዘይተኸልከለ ገሊጹ። ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ቆልዑ ዝርከቡዎም 12 ስደተኛታት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጃልባ ከምዝሞቱ ሰብመዚ ፈረንሳ ገሊጾም።
    8 min
  • ክንክን ጥዕና ስኒ ኣብ ኣውትራሊያ:
    ኣብ ኣውስትራሊያ ክንክን ጥዕና ስኒ ከመይ ከምዝሰርሕ ምርዳእ ጥዕናኻን ድሕንነትካን ንምሕላው ኣገዳሲ እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ'ዚ ፡ መሰረታዊ ናይ ዓበይትን ህጻናትን ሕክምና ስኒ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዝኾነ ክንርእ ኢና ፡ንዓኹምን ንስድራቤትኩምን ፍሽኽታኹም መታን ክኹላዕ እዚ ኣገልግሎታት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል ፡ ወጻኢታቱ ፡ ከምኡ "ውን ገለ ኣገደስቲ ምኽርታት ናይ ስኒ ጥዕና ክንድህስስ ኢና።
    10 min
  • "ብዘይፈለጥናዮ ምኽንያት፡ ኣብ ኣስመራ ዘለና ገንዘብ ከነውጽእን ክንጥቀመሉን ተኸልኪልና፡” መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ (ዜና SBS ትግርኛ 04 መስከረም 2024)
    ንሎሚ 4 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም፡ ኣርእስታት ዜና፡ "ብዘይፈለጥናዮ መገዲ፡ ኣብ ኣስመራ ዘለና ገንዘብ ከነውጽእን ክንጥቀመሉን ተኸልኪልና፡ በዚ ድማ ናብ ኣስመራ በረራ ደው ከነብሎ ተገዲድና ” ክብል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ዩክረይን ከተማ ፖሊታቫ ፡ ብሚሳይል ሩስያ እንተ ወሓደ 51 ሰባት ሞይቶም ፡ ልዕሊ 200 ካልኦት ድማ ቝሲሎም ። ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ቦቢ ዋይን ኣብ ከተማ ካምፓላ ብኣባላት ጸጥታ ብዝተተኮሰሉ ጥይት እግሩ ተወጊኡ።
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,875 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners