SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ከምዝዓለባ ተሓቢሩ:ኢትዮጵያ ነዚ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኣ።
    ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ኣካታዒ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ስዒቡ፡ ሶማልያ ቅድሚ እቲ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ምዝዛሙ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ ነይራ'ያ። ግብጺ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝዋፈር ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተበርክት ሕቶ ምቕራባ ዝፍለጥ እዩ።
    4 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ነሓሰ 2024)
    ን ሎሚ 28 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራሊያ ብብርቱዕን ጎዳእን ንፋስ ይዉቃዕ ኣሎ። ዩክረይን ኣብቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ዞባ ኩርስክ ንሰለስተ ሰሙን ዝገበረቶ ስርሒት ፡ 100 ሰፈራታት ከም ዝማረኸት ገሊጹ ። ዋና-ፈጻሚ ኮሚሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
    6 min
  • ዘይተጻሕፉ ሕግታት ኣብ ቦታታት ስራሕ:
    ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ቦታ ስራሕ ንኣሰራርሓ ዝምልከቱ መምርሒታት ካብ ትካል ናብ ትካል ይፈላለይ እዩ ፡ እንተኾነ ግን ገለ ዝተለምዱ ዘይተጻሕፉ ሕግታት ብሓፈሽኡ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ንግዲ ትካላትን ኢንዱስትሪታትን ዝኽተልዎም ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ስራሕ ቦታ ብዙሕ ዘይዝውተር ሕጊታት ናብ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ልምዲ ክሰጋገር ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ሓድሽ ስራሕ ኣብ ትጅምረሉ ፡ ነዚ ዘይተጻሕፈ ሕግታት ኽንምርምር ኢና ።
    12 min
  • ኤርትራዊያን ካብ እስራኤል፡ ኢትዮጵያዊያን ካብ ማልታ ክጥረዙ፡ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ነሓሰ 2024)
    ንሎሚ 27 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ; ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር እስራኤል፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክጥረዙ ሓቲቱ፣ ኢትዮጵያውያን ተቐማጦ ማልታ ድሕሪ ኣስታት ዕስራ ዓመት ካብ ማልታ ክጥረዙ ምዃኖም ተፈሊጡ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ መንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ኣብ ሰማያዊ መስመር ዘሎ ግጭት ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ። ኣብ ሰሜን ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ምህማም መሬት 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2024)
    ን ሎሚ 26 ነሓሰ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ይጋደድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ፖሊስ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ይገሹ ንዝነበሩ ረቢሾም ዝበሎም ሰባት ብሽበራዊ ገበን ከሲሱ። 13 ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሕዝቦላህን እስራኤልን ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብ ዝተገብረ ዶባዊ ግጭት ዝኸበደ ምልውዋጥ ተኲሲ ገይሮም። ንሰራሕተኛታት ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት ምስ ስራሕ ዝተሓሓዝ ርክባት ዘቋርጽ ሕግታት ፡ ሎሚ [ን26 ነሓሲ] ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ ። ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም።
    50 min
  • ንሕማም ረሲዕ ALZHEIMERS DRUG ዝፍውስ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ጀሚሩ/
    እቲ ኣብ እዋን እርጋን ዘጋጥም ሕማም ረሲዕ (dementia ) ዝከላኸል ናይ መጀመርታ መድሃኒት ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ምምዕባሉ: ንሕሙማት ተስፋ ሂቡ ኣሎ ። [ኣብ መላእ ዓለም ሰፊሕ መርመራ እተገብረሉ መድሃኒት Lecanemab ፡ ነቲ ሕማም ረሲዕነት ዘስዕቦ ጽልዋ ንምዝሓል ዝሕግዝ ናይ መጀመርታ መረጋገጺ ረኺቡ ኣሎ ።] እቲ መድሃኒት ለካነማብ [Lecanemab] ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለምን ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ፍቓድ ይካየደሉ እኳ እንተሎ ፡ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ብምዃኑ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ክረኽብዎ ዝኸውን ከይከውን ተሰጊኡ ኣሎ ።
    6 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ነሓሰ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ሕዝቦላህን እስራኤልን ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብ ዝተገብረ ዶባዊ ግጭት ዝኸበደ ምልውዋጥ ተኲሲ ገይሮም። ንሰራሕተኛታት ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት ምስ ስራሕ ዝተሓሓዝ ርክባት ዘቋርጽ ሕግታት ፡ ሎሚ [ን26 ነሓሲ] ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ ። ብግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም።
    15 min
  • መዳልያታት ዝዓተረ ኣውስትራልያዊ ኣትሌት ንብሪጣንያ'የ ዝወዳደር ኢሉ፣ ኤርትራዊ ማእከላይ ዳኛ ግጥም ካፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ዳንዩ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/08/2024) * ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ውራያት ቅድድም ብሽግለታ ኤውሮጳ ይሳተፉ'ለዉ፣ * ኤርትራዊ ሄኖክ ተስፋሚካኤል ዘርኦም ሰንበት ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ግጥም ካፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብ መንጎ ሻምፒዮን ጋና ኤፍሲ ሳማርቴክስ 1996ን ካሜሩናዊት ጋንታ ቪክቶርያ ዩናይትድን ማእከላይ ዳኛ ኮይኑ መሪሑ፣ * ሓደ ካብ ዝለዓሉ ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኣውስትራልያ ዜግነቱ ብምቕያር ኣብ መጻኢ ዝካየዱ ዓለምለኻውያን ውድድራት ንዓባይ ብሪጣንያ ወኪሉ ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ 2024/25 ካልኣይ ሰሙኖም ኣብ ዘጠናቐቕሉ፣ ማንቸስተር ሲቲ፣ ኣርሰናል፣ ሊቨርፑልን ብራይተንን ክልተ ተኸታተልቲ ዓወታት ዘመዝገባ ኮይነን፣
    14 min
  • ብግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም።
    ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ይጋደድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም። ፖሊስ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ይገሹ ንዝነበሩ ረቢሾም ዝበሎም ሰባት ብሽበራዊ ገበን ከሲሱ። 13 ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ፡
    6 min
  • "ንብርሃነ ክቐብር ዝወጸ ብዝሒ ህዝቢ፡ ኣብነቱ ተኸቲሉ እቲ ህዝቢ ለውጢ ንኸምጽእ ዝደረኸ ምዃኑ ምስክር እዩ።" ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ
    ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካል ኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ።
    26 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,866 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners