SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • "ኣብ ዞባና ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት ኣዚዩ ሓደገኛን ናብ ምሉእ ኲናት ዘምርሕን እዩ።" ቺፍ ፓውሎ ኣንቶኒዮ
    ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ኣለዎ ብዝብል ምስ ሶማሌላንድ ዝፈረመቶ መሰማምዒ ዉዕል ስዒቡ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ኣላ፡ ግብጺውን ምስ ምግዳብ ኒል ተተሓሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ዳግም ኣትያ ኣላ፡ እዚ ኩነታት ነቲ ዞባ ከመይ ክጸልዎ እዩ። ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሖቲ ኣንጻር ምዕራባዊያን መራኽብ ንግዲ ዝገብሮ ዘሎ ግጭት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ ኣብ ባሕሪታት ኤርትራ እንታይ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፧ ጅቡቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ከተመሓድሮ ትኽእል ወደብ ክትህባ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ማያት ኤርትራን ጂቡቲን ዝርከብዩ ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ኩነታት ዝምዕብል ዘሎ፡ ብሓፈሻ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢኡን ካብ ቀደም ብዝተፈልየ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታትን ምስዚ ዝተሓሓዝን ዝምልከት ካብ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ቺፍ ፓውሎ ኣንቶኒዮ ተንቲኑልና ኣሎ።
    23 min
  • ግብጺ ንኢትዮጵያ ትኸስስ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ምጋሽ ኣቋሪጹ፡ (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 3 መስከረም 2024)
    ንሎሚ 3 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ግብጺ ንምምላእ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ን ኢትዮጵያ ዝኸስስ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ። ናይ ቀረባ ግዜ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ካብ መልበርን ንላዕሊ ኣብ ኣደላይድ ወይ ፐርዝ ገዛ ምግዛእ ይኸብር ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በርራታት ካብ ሰሉስ 3 መስከረም 2024 ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ።
    8 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 መስከረም 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 2 ነስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም በዲዶ ህበይ ንዓለም ኣስጋኢ ምዃኑ ኣሚኑ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ለበዳ ገይሩ ኣዊጅዎ ኣሎ። እዚ ሕማም ብኸመይ ይመሓላለፍ፧ ከይንተሓዝ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ በዚ ሕማም እንተ ተታሒዝና ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ እንታይ እዩ ዝብሉን ምስዚ ሕማም ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲን መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ዋዕላ ሽርክነት ቻይናን ኣፍሪቃን ኣምሪሑ ኣብ ሽረ ብ2.3 ሚልዮን ዩሮ ዝሳለጥ ፕሮጀክት ምሕዋይ ስርዓት ጥዕናን መዓዛዊ መግብን ተጀሚሩ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ። ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተቐርቂሮም ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጣልቃ ክእቶ ተሓቲቱ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ትሕዝቶን ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዶብ ቪክቶርያን-ኒው ሳውዝ ዌልስ ን፡ ሞኣማ ኣብ መንበሪ ገረብ ምስ ወደቐት ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ሞይታ። ኣብ ደቡባውን ሰሜናውን ቓዛ ልዕሊ 600 ሽሕ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ክታበት ፖልዮ ይኽተቡ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ።
    51 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 መስከረም 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዶብ ቪክቶርያን-ኒው ሳውዝ ዌልስ ን፡ ሞኣማ ኣብ መንበሪ ገረብ ምስ ወደቐት ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ሞይታ። ኣብ ደቡባውን ሰሜናውን ቓዛ ልዕሊ 600 ሽሕ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ክታበት ፖልዮ ይኽተቡ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ።
    13 min
  • መዲና አይሳ ክብረወሰን 5000 ሜ ሰይራ፣ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሃይናን ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ወዲኡ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/09/2024) * ኣብ ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና መንእሰያት ት20 ኣትለቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ብብዝሒ መዳልያታት ዝድነቕ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ መዲና አይሳ ክብረወሰን 5000 ሜ ሰይራ፣ * ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ርክባት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ውድድር 5000 ሜ ደቂተባዕትዮ ተዓዊቱ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሃይናን ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ወጺኡ፣ * ጋንታ ንግድ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ንዞና ሴካፋ ወኪላ ክትሳተፍ`ያ፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲን ሊቨርፑልን 100% ዓወተን ክቕጽላ`ንከለዋ መቐናቕንተን ኣርሰናል ግን ንፈለማ ግዜ ሰንከልከል ኢላ ኣብ ሜዳኣ ማዕረ ወጺኣ፣
    15 min
  • ጁቡቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ኢትዮጵያ ከተመሓድሮ ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ። (ካብ ጸብጻባት ሉኡኽና)
    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ዋዕላ ሽርክነት ቻይናን ኣፍሪቃን ኣምሪሑ ኣብ ሽረ ብ2.3 ሚልዮን ዩሮ ዝሳለጥ ፕሮጀክት ምሕዋይ ስርዓት ጥዕናን መዓዛዊ መግብን ተጀሚሩ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ። ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተቐርቂሮም ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጣልቃ ክእቶ ተሓቲቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበራ ክልተ መዓስከራት ተዓፅየን።
    8 min
  • ሕማም በዲዶ ህበይ (MPox) ሓደገኛ ድዩ፧ ብኸመይ'ከ ንከላኸሎ፧ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ መልሲ ኣለዎ።
    ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም በዲዶ ህበይ ንዓለም ኣስጋኢ ምዃኑ ኣሚኑ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ለበዳ ገይሩ ኣዊጅዎ ኣሎ። እዚ ሕማም ብኸመይ ይመሓላለፍ፧ ከይንተሓዝ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ በዚ ሕማም እንተ ተታሒዝና ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ እንታይ እዩ ዝብሉን ምስዚ ሕማም ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲን መሊሱልና ኣሎ።
    12 min
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ነሓሰ 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 29 ንአሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ዘካፈለና ካል ኣይን መወዳእታን ክፋል ሎሚ ክቐርብ እዩ። ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ከምዝዓለባ ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ ብወገና ነዚ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኣ ላ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ድሕሪ ዜና ክቐብ እዩ። ኣብ ሰሙናዊ መደብ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) ኣብ ኣውስትራሊያ ዘይተጻሕፉ ሕግታት ኣብ ቦታታት ስራሕ: ክቐርብ’ዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ፎረም ደሴት ፓሲፊክ 'ዕዉት' ዩ 'ነይሩ ክብል ገሊጽዎ። ድሮን ዩክሬን ፡ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ደቡባዊ ዞባ ሮስቶቭ ዝርከብ መዕቆሪ ነዳዲ ከም ዘባርዑ ፡ መስመር ቴለግራም ሩስያ ሓቢሩ ። ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ምሉእ ኣባል ዞባዊ ባይቶ ክኸውን ተመዚዙ፡
    55 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ነሓሰ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ፎረም ደሴት ፓሲፊክ 'ዕዉት' ዩ 'ነይሩ ክብል ገሊጽዎ። ድሮን ዩክሬን ፡ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ደቡባዊ ዞባ ሮስቶቭ ዝርከብ መዕቆሪ ነዳዲ ከም ዘባርዑ ፡ መስመር ቴለግራም ሩስያ ሓቢሩ ። ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ምሉእ ኣባል ዞባዊ ባይቶ ክኸውን ተመዚዙ፡
    17 min
  • Is the cost of living affecting social cohesion? - SBS Examines፡ ክብሪ መነባብሮ ንማሕበራዊ ስምረትና የላሕልሖ ኣሎ ድዩ፧
    According to recent research, the biggest concern facing Australians today is the economy, and it’s causing ruptures within our society. - መጽናዕታት ከምዘመልክትዎ እቲ ንኣውስትራልያውያን ኣጋጢምዎም ዘሎ ዝዓበየ ስግኣት ቁጠባ'ዩ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ኸኣ ነቓዓት ይፈጥር ኣሎ።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,875 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners