SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ነሓሰ 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 22 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብደቀንስትዮ ብፍሉይ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይጽመበል ኣሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ። ሉእኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት እዩ ነይሩ።፡ ኣብ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ዝምልከት ቃለ መሕትት መቐጸልታ ክቐርብ እዩ ። ገዛኹም ካብ ባልዓትን ሓሳኹን ምክልኻል; ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፧ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሓደስቲ ወለዲ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ እናተኸፈልካ ዝወሃብ ናይ ወላዳት ዕረፍቲ ናይ ጥሮታ ወይ ሱፐራንወሽን ክውሰኽ እዩ። ሰበ-ስልጣን ጥዕና ቪክቶርያ ፡ ቍጽሪ እቶም ብ ሕማም በዲዶ ህበይ ወይ mpox. ዝሓመሙ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ።
    53 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ነሓሰ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ሓደስቲ ወለዲ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ እናተኸፈልካ ዝወሃብ ናይ ወላዳት ዕረፍቲ ናይ ጥሮታ ወይ ሱፐራንወሽን ክውሰኽ እዩ። ሰበ-ስልጣን ጥዕና ቪክቶርያ ፡ ቍጽሪ እቶም ብ ሕማም በዲዶ ህበይ ወይ mpox. ዝሓመሙ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ።
    12 min
  • ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ። (ጸብጻብ)
    ብደቀንስትዮ ብፍሉይ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይጽመበል ኣሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ። ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዳግም ኣቦመንበር ህወሓት ኮይኑ ዝተመረጸ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ነቶም ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዉ ኣካላት ክእለዩ ድሌቱ ገሊጹ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ!! ኩባንያ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ተሰማሚዑ
    8 min
  • ሃገራዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራት ኣመሪካን ካብኡ ዝወጹ ድምጽታትን።
    ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ቺካጎ ንዝግበር ሃገራዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራትስ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመሪካዊያን ተኣኪቦም ኣለዉ ። ካብ 1832 ኣትሒዙ: ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ሰልፊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ቅድሚ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ይእከቡ: ኣብቲ ምግባእ ን ሕጹያቶም ደገፎም ከም ዝህቡ ቃል ይኣትዉ።
    7 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ነሓሰ 2024)
    ንሎሚ 21 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፡ 12 ኤርትራውያን ምስ ሓደ ገበነኛ ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጦም፡ ይድለዩ ኣለዉ። ሩስያ ፡ ሓይልታት ዩክረይን ነቲ ኣብ ዞባ ኩርስክ ዝርከብ ሳልሳይ ድልድል ከም ዘዕነዉዎ ገሊጻ ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግ ነቲ መንግስቲ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ክብል ኣለዎ ዝብል መረጊጺኡ ዳግም ኣስሚራትሉ። ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ዕጡቓት ሑቲ መጥቃዕቲ ፈንዩ።
    6 min
  • ገዛኹም ካብ ባልዓትን ሓሳኹን ምክልኻል; ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ
    ኣብ እዋን ክረምቲ (ዊንተር) ሰባት ከም ሓሳኹ ዝኣመሰሉ ዘይተደልዩ በጻሕቲ ናብ በቶም ከይኣትዉ ዝሰግኡሉ እዋን ኣይኰነን ። ኣብ ኣውስትራሊያ ግን ኣብ ቆራሪ ኣዋርሕ ናብ ገዛኻ ሶሊኾም ዝ ኣትዉ ባልዓትን ሓሳኹን ኣለዉ ። ገሊኦም ከከም እትነብረሉ ከባቢ ዓመት ምሉእ ንጡፋት ኰይኖም ይቕጽሉ ። ባልዓት ዓራት ፣ ኣናጹን ሓሸራን ገለ ካብቶም ልሙዳት እዮም ። ድዱዕ'ውን ካብቶም ክወሩኻ ዝኽእሉ ባልዓት እዮም ። ባልዓት ካብ ዘጽ ሉኡኻ ክሳብ ምሕሳር ገዛኻ ሓሊፉ ካልእ ብዙሕ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል እውን ኣይትረስዕ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝኽሰቱ ባልዓት ብዝምልከት ንኽኢላታት ምኽሪ ንኽህቡና ኣዘራሪብናዮም ኣለና ።
    10 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ነሓሰ 2024)
    ንሎሚ 20 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ናብ ልሙድ ፕላስቲካዊ ነገራት ንዚርከብ ኬሚካላት ምቅላዕ ኣብ ዑደት ህይወት ደቂ ሰብ ሓደጋ የስዕብ ኣሎ ፣ እዚ "ንዓለም ቀይሕ መስመር " ከምዝኾነ ክኢላታት ኣጠንቂቖም ። መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ክገብር ዝቐነየ ሓደ ወገን ህወሓት ተዛዚሙ ንዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ገይሩ መሪጽዎ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ሱዳን ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጻ ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ነሓሰ 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 19 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ንመጻኢ ትግራይ ዝድህስስ ዋዕላ ምሁራን ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ ጻውዒት ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ንምስረታ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳተፈ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንዓርሶም ዘግለሉ፡ ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ 'ኩነታት ናብ ንቡር ንምመላስ' ዝዓለመ ኣኼባ ኣካይዶም። ትሕዝቶ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዩ፡ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ዝገበርሉ ዝምልከት ሎሚ ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ፓኪስታን ዝርከባ ሆስፒታላት ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ንዝህሉ ብዝሒ ሕሙማት በዲዶ-ህበይ ወይ mpox ይዳለዋ ኣለዋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ነቶም ኣብ ጋሊፖሊ ዝርከብ መቓብር ንምሕላው ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቲ ባርዕ ጫካ ዝተቓለሱ ቱርካውያን መጥፋእቲ ሓዊ ኣመስጊኑ ። ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 - ዝኽሪ50 ዓመት ምጅማር ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ተዛዚሙ። ኢትዮጵያ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማልያ ዝነበሩ ወተሃደራት ክትቅበል ጀሚራ።
    55 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ነሓሰ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ፓኪስታን ዝርከባ ሆስፒታላት ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ንዝህሉ ብዝሒ ሕሙማት በዲዶ-ህበይ ወይ mpox ይዳለዋ ኣለዋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ነቶም ኣብ ጋሊፖሊ ዝርከብ መቓብር ንምሕላው ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቲ ባርዕ ጫካ ዝተቓለሱ ቱርካውያን መጥፋእቲ ሓዊ ኣመስጊኑ ። ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 - ዝኽሪ50 ዓመት ምጅማር ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ተዛዚሙ። ኢትዮጵያ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማልያ ዝነበሩ ወተሃደራት ክትቅበል ጀሚራ።
    13 min
  • ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት'ተን ሓያላት ጋንታታት ተጀሚሩ፣ ተሳትፎ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ነቐፌታ ይቐርበሉ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/08/2024) * ሄኖክ ምሉእብርሃንን ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃን ተሳትፎኦም ኣብ ዙር ፖላንድ የጠናቕቑ፣ ወላይ ሓጎስ በርሀ ኸኣ ኣብ ቩወልታ ኢስጳኛ ይቀዳደም፣ * ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ገብረመድህን ሃይለ ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ዝሳተፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ መሪጹ፣ * ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ውጽኢታት ኣመዝጊቦም ተባሂሎም ኣብ ዝውቀስሉ ዘለዉ እዋን ዝሓለፈ ሰሉስ ንዓዶም ተመሊሶም፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ 2024/25 ብዓወት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ፉልሃም ተጀሚሮም፣ ኣርሰናል፣ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ሓድሽ ወቕተን ብዓወት ጀሚረን፣
    12 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,875 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners