SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ነሓሰ 2024)
    ንሎሚ 6 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፈለማ ኣርእስታቶም፡ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ ምኽሳር ዕዳጋታት ስቶክ ዉድቀት ስዒቡ ቁጠባ ከየጋጥም ተሰጊኡ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸኽ ሓሲና ብሂሊኮፕተር ሃዲማ ድሕሪ ምውጻኣ ህዝቢ ባንግላደሽ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ሓጎሶም ይገልጹ ። ኣብ ዞባ ወላይታ፡ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 11 ሰባት ምማቶም ተሓቢሩ።
    7 min
  • "ናይ ሰባት ጸገማት ሰሚዕና ንነብዓሉን ንበኽየሉን ግዜ ኣሎ።" ተርጓምን ኣስተርጓምን መርእድ እያሱ
    ኣቶ መርእድ እያሱ ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ካብ ዝጅምር 20 ዓመታት ዝገበረ ናይ ሕርሻ ምሁር እዩ። ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝሰርሓሉ ስራሕ ምትርጓምን ምስትርጓምን ኮይኑ፡ ብዛዕባ'ቲ ስራሕ ዘሎ ጥቕምታት ብፍላይ ድማ ጸገም ቋንቋ እንግልዝኛ ንዘለዎም ኣገልግሎት ምትርጓም ዘለዎ ረብሓ ተንቲኑ ኣሎ። ኣብቲ ስራሕ ዘጋጥምዎ ጸገማትን ዕግበትን'ውን ኣካፊሉ ኣሎ።
    25 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ነሓሰ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኣውስትራሊያዊያን ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ተደጋጋሚ መጸዋዕታታት ይቐርብ ኣሎ። ኣንጻር ኢሚግሬሽንን ንዕ ኡ ዝቃወምን ናይ ተቓውሞታት ሰልፍታትን ኣብ መላእ ዩናይትድ ኪንግደም ን ሓደ ሰሙን ቀጺሉ። ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ብኣህጉራዊ ማሕበር መኸተ ጕስጢ (ኢባ) ኣብ ልዕሊ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተገብረ ፡ ጾታዊ መርመራ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ተኣማኒ ከም ዘይኰነን ገሊጹ ።
    13 min
  • ቢንያም ግርማይ ናይ ኦሎምፒክስ ተሳትፎኡ ኣጠናቒቑ፣ ቀዳመይቲ መዳልያ ኢትዮጵያ (ብሩር) ብበሪሁ ኣረጋዊ ተረኺባ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/08/2024) * ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ብዓወት በልጅማዊ ረምኮ ኢቨነፖል ተዛዚሙ፣ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ታሪኻዊ ተሳትፎኡ መበል 49 ብምእታው ኣጠናቒቑ፣ * ውድድራት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ኣብ ዝቐጸልሉ ኢትዮጵያ ፈለማያ ዝኾነ ብሩር መዳልያ ብበሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ውድድራት ጉያ እግሪ 10ሽሕ ሜትሮ ረኺባ፣ * ኣብ መጻረዪ ውድድራት 5000 ሜ ደቀንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጉዳፍ ጸጋይ፣ እጅጋየሁ ታየን መዲና አይሳን፣ ኣብ ውድድር 800 ሜ ኸኣ ጽገ ድጉማን ወርቅነሽ መሰለን ናብ ፍጻመ ሓሊፈን፣ * ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክስ ህቡባት ኣትሌታት ምሕንባስ ኣብ ነብሶም ዝረአዩ ከበብቲ ዝቕርጾም ወይ ዓንኬላት በሰላ ናይ ብዙሓት መዘራረቢ ኮይኖም፣
    11 min
  • ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ብኢራን ተናኢዳ።
    ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ካብቶም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንምትግባር ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ። 75 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ነበር ናብ ህዝቢ ንምጽምባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ይውገን ከም ዘሎ ተገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝሓርፈፈ ርክብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ብኢራን ተናኢዳ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንዘረባ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ውዱቕ ብምግባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ መንግስቲ ዝርርብ ከም ዘየለ ገሊጹ።
    8 min
  • ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ነሓሰ 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 01 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ዕላል ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ኣብዚ ክፋል ብዛዕባ ኣብ መጽሓፉ ዝርከባ ግጥምታት ኣዕሊሉ ኣሎ። ሎሚ ካል ኣይ ክፋሉ ከነቕቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ጸለመ’ዩ’ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡዎ። ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣጋር መዓልታዊ ነቲ ብእግሪ ናይ ምጉዓዝ ሕጊ ብዘይምፍላጥ ሕጊ የፍርሱ ። እዚ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእልን ሓሓሊፉ'ውን ሓደጋ የስዕብን፡ ነዚ ዝምልከት ሕግታት ተጓዓዝቲ ኣጋር ዝብል ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትራሊያ ፡ ድሕሪ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት ናብ ዘይተደልየ ኩነታት ከይዓርግ መጠንቀቕታ ሂቡ ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቺካጎ ምስ ምሕበር ጋዜጠኛታት ጸለምቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ፡ ናይ ካማላ ሃሪስ ዉርሻዊ ዘርኣ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተዎ ኩነታት ናብ ተጻባኢ ኲነት ተቐይሩ። ኣል-ጀዚራ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ክልተ ካብ ጋዜጠኛታቱ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ። ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ካብ ፈተነ ቅትለት ንዋራ ተሪፉ ተባሂሉ። ኢትዮጵያ መጠን ሸርፊ ባጤራኣ ብዕዳጋ ክውሰን ድሕሪ ምውሳኑ፡ መጠን ሸርፊ ብር ብመንጽር ዶላር ሰማይ ዓሪጉ።
    55 min
  • ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ነሓሰ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትራሊያ ፡ ድሕሪ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት ናብ ዘይተደልየ ኩነታት ከይዓርግ መጠንቀቕታ ሂቡ ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቺካጎ ምስ ምሕበር ጋዜጠኛታት ጸለምቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ፡ ናይ ካማላ ሃሪስ ዉርሻዊ ዘርኣ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተዎ ኩነታት ናብ ተጻባኢ ኲነት ተቐይሩ። ኣል-ጀዚራ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ክልተ ካብ ጋዜጠኛታቱ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።
    16 min
  • በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ጸለመ'ዩ’ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡሉ።
    ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ማዕረ ውክልና ኩሎም ኣተሓሳስባታት ዘካተተ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ፀዊዐን። እዚ ጻውዒት፡ ህወሓት ኣብ ሓያል ምክፍፋልን ምጥቕቓዕን ላዕለዎት መሪሕነት ከም ዘሎ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ ወቕቲ እዩ።
    8 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2024)
    ንሎሚ 31 ሓምለ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ፡ በይሩት ፡ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ተፈቒድዋ። ኣውስትራሊያዊት ካይሌ ማክከውን ኣብ ናይ ፓሪስ ኦሎምፒክ ኣብ ናይ 100 ሜትሮ ብናይ ምሕምባስ backstroke ናይ ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,866 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners