SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2024)
    * ጸብጻባት ዜና ናይ ሎሚ: ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይን ኤርትራን ጽቡቕ ክራማት ጀሚሩ፣ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ግን ልዕሊ 9.4 ሚልዮን ብር ዝግምቱ ንብረት ከምዘዕነወ ተሓቢሩ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ክጓዓዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ ሓድሽ መንግስቲ ኢንግሊዝ ንምጥራዝ ስደተኛታት ደው ከም ዘብሎ ገሊጹ፣ ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ጎንደር፡ ሸውዓተ ኤርትራውያን ብዕጡቓት ብሳንጃ ከም ዝተወግኡ ተሰሚዑ፣ ኣብ ኤርትራ ብውሕዱ 218 ኣመንቲ ክርስትና ከምዝተኣስሩ ገሊጹ፣ ኣብ ኢትዮጵያ 4.5 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። * ኣብ መላእ ሃገር ቁሪ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣውስትራልያውያን ገዝኦም ኣብ ዘውዕይሉ ወይ ዘሙቕሉ እዋን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ሓደጋ ከስተውዕሉሎም ሓደስቲ መጠንቀቕታታት ይወሃቡ’ለዉ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ’ዚ ወቕቲ ቁሪ ሓጋይ ድሕሪ ዘጋጠሙ ምቅጻላት ኣባይትን ምምራዝ ጋዛት ካርቦንሞኖክሳይድን’ዮም። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ክፋል ዕላል ብዛዕባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘቕርቦ መደባትን ብመንእሰያት ዝኸይድ ዘሎ ተቓዉሞታት ዝምልከቱን ብዛዕባ ስርሑን ኣዕሊሉ ኣሎ። * ኣብ መወዳእታ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ንቅያታት ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ፣ ምዝርጋሕ ኣስማት ጋንታ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2024 ክትንትን’ዩ።
    51 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2024)
    ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (08/07/2024) * ሚኒስተር ምክልካል ኣውስትራልያ ሪቻርድ ማርለስ ኣብ ዋዕላ ውድብ ቃልኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ወይ ኔቶ ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ይጓዓዝ ኣሎ * ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ድሌት ኣድመጽቲ ንለውጢ ንምትግባር ነቲ ኣካታዒ ፖሊሲ ሰልፊ ዓቃባውያን ዝኮነ መደብ ምጥራዝ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ይስርዞ ከምዘሎ ኣዊጁ * ፈረንሳ፣ ጸጋማዊ ጥምረት ትጽቢት ዘይተገብረሉ ንሕሉፋት የማናውያን በሊጹ ዝለዓለ ቦታ ድሕሪ ምሓዙ ጠልጠል ዝበለ መንግስቲ ክምስረት ኣብ ኣፈፈት ትርከብ
    9 min
  • ቁሪ በርቲዑ ገዛኹም ከተሙቕዎ እንከለኹም ካብ ሓደጋ ባርዕ ሓዊን ካርቦንን ተጠንቀቑ
    ኣብ መላእ ሃገር ቁሪ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ኣውስትራልያውያን ገዝኦም ኣብ ዘውዕይሉ ወይ ዘሙቕሉ እዋን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ሓደጋ ከስተውዕሉሎም ሓደስቲ መጠንቀቕታታት ይወሃቡ’ለዉ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ’ዚ ወቕቲ ቁሪ ድሕሪ ዘጋጠሙ ምቅጻላት ኣባይትን ምምራዝ ጋዛት ካርቦንሞኖክሳይድን’ዮም።
    7 min
  • ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ፣ ጎንደር፣ ሸውዓተ ኤርትራውያን ብዕጡቓት ብሳንጃ ከም ዝተወግኡ ተሰሚዑ (ጸብጻባት ልኡኽና 08/07/2024)
    ጸብጻብ ሓጸርቲ ዜናታት (058/07/2024) * ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይን ኤርትራን ጽቡቕ ክራማት ጀሚሩ፣ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ግን ልዕሊ 9.4 ሚልዮን ብር ዝግምቱ ንብረት ከምዘዕነወ ተሓቢሩ፣ * ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ክጓዓዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ሓድሽ መንግስቲ ብሪጣንያ ንምጥራዝ ስደተኛታት ደው ከም ዘብሎ ገሊጹ፣ * ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ጎንደር፡ ሸውዓተ ኤርትራውያን ብዕጡቓት ብሳንጃ ከም ዝተወግኡ ተሰሚዑ፣ * ኣብ ኤርትራ ብውሕዱ 218 ኣመንቲ ክርስትና ከምዝተኣስሩ ገሊጹ፣ * ኣብ ኢትዮጵያ 4.5 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ
    8 min
  • ኣስማት ንኦሎምፒክስ ፓሪስ ዝኸዱ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ተገሊጹ፣ ቅያ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ይቕጽል፣
    ሰሙናዊ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (08/07/2024) * ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ንኢትዮጵያ ወኪላ ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ተመሪጻ፣ * ስፐይን ንጀርመን ፈረንሳ ኸኣ ንፖርቱጋል ስዒሮም ናብ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ድሕሪ ምሕላፎም እንግሊዝ ንስዊዘርላንድ፣ ነዘርላንድስ ኸኣ ንቱርኪ ብምስዓር ሓሊፈን፣ * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ክልተ መድረኻዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ፣ ኤርትራውያን ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ውሽጢ ሃገር ታሪኻዊ ዓወቱ ብዓቢይ ታሕጓስ የብዕሉ፣
    15 min
  • ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ዘመዝግቦም ቅያታት ቀጺሎም ካልኣይ መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (07/07/2024) * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ካልኣይ መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ። * ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ብውሑዱ 16 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም፣ * ፕረዚደንት ዩናትድ ስቴትስ ጆ ባይደን ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘርኣዮ ድኹምን ኣዕናውን ዝተባህለሉ ብቕዓት ኣብ ክትዕ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ናይ ምስትውዓል ጥዕንኡ ኣብ ምልክት ሕቶ ድሕሪ ምእታዉ ፈጣሪ ጥራይ’ዩ ካብ ውድድር ዝኣልየኒ ይብል፡ * ኣብ ግጥማት ዩሮ 2024 እንግሊዝን ነዘርላንድስ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፈን፣
    9 min
  • “ኣነ ዘቕርቦ ሓበሬታ ጠቒምዎም ዝቐሰኑን ህይወቶም ዝቐየሩን ዘይፈልጦም ሰባት ከመስግኑኒ እንከለዉ የሐጉሰኒ” ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ
    ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል ዕላል ብዛዕባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘቕርቦ መደባትን ብመንእሰያት ዝኸይድ ዘሎ ተቓዉሞታት ዝምልከቱን ብዛዕባ ስርሑን ኣዕሊሉ ኣሎ።
    21 min
  • ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ሓምለ 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 4 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈለማ ንጥንታዊያን ወነንቲ ናይዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ብተወሳኺ ንጥንታውያን ወነንቲ ሎሚ ካብ ትሰምዕዎ ዘለኹምን ኩሎም መሬታትን ኣቦርጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣፍልጦ ንህብ። ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ካልኣይ ክፋል ዕላል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝሰርሖም ስርሓት፡ ምስ መንነቱ ዝተኣሳሰር ዝገጥሞ ብድሆታትን ዝህቦ ምላሽን ገሊጹ ኣሎ። ሓድሽ ኣገባብ ሕክምና ንሕሙማት ካንሰር ይፍውስ: ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሃደ መደብ ኣለና። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጾም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርኸብ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሱዳናውያን፡ስደተኛታት ንምሕጋዝ ድልውነቱ ገሊጹ። ኣርእስታት ዜና፥ ሰኔተር ፋቲማ ፓይማን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ካብ ሰልፊ ለበር ክትወጽእ ከምትኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበነዝ ኣሚቱ ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ተሓከምቲን ሰብሞያ ጥናዕናን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ። ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ሳልሳይ መድረኽ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ምውጽኡ ብብዙሓት ማዕከናት ዓለም ታሪኻዊ ፍጻመ ምዃኑ ጸብጺበን።
    52 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ሓምለ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ሰኔተር ፋቲማ ፓይማን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ካብ ሰልፊ ለበር ክትወጽእ ከምትኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበነዝ ኣሚቱ ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ተሓከምቲን ሰብሞያ ጥናዕናን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ። ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ሳልሳይ መድረኽ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ምውጽኡ ብብዙሓት ማዕከናት ዓለም ታሪኻዊ ፍጻመ ምዃኑ ጸብጺበን።
    15 min
  • ሓድሽ ኣገባብ ሕክምና ንሕሙማት ካንሰር ይፍውስ:
    ናይ ሓደ ሕሙም ጀነቲካዊ ውልቃዊ ሓበሬታ ዒላማ ብምግባር ሓድሽ ሜላታት ሕክምና ካንሰር ንህይወት ብዙሓት ሰባት የድሕን ከምዘሎ ተፈሊጡ፡ እዚ ብግደኡ ነዚ ሕማም ንምጥፋእ ሓድሽ ምርምር ንምግባር መንገዲ የጣጥሕ ኣሎ ተባሂሉ ። ገለ ካብቲ እተረኽበ ሓድሽ ርኽበታት ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ጂን ወይ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከብ ኣብ መንጎ 12 እተፈላለዩ መንሽሮታት ዘሎ ምትእስሳር ምፍላጥ ኰይኑ ፡ ተመራመርቲ ብዛዕባ ገለ ካብቲ ቀንዲ ነዚ ሕማም ዝድርኹ ክገልጹ ተስፋ ይገብሩ ።
    9 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,866 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners