SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ኤርትራ ሒዛቶም ትቐርብ ኣትሌታት ተፈሊጦም፣ ቅነ ቢንያም ግርማይ፣ ዓወት ስፐይን ኣብ ዩሮ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ጋንታ ኤርትራ ሒዛቶም ትቕርብ ኣትሌታት ተፈሊጦም፣ * ቢንያም ግርማይ ዝደቐመሉ ናይ ሎሚ ዓመት ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ 2024 ቢንያም ኣብ ምድብ ነጥቢ መሪሕነቱ ብምዕቃብን ቀጠልያ ማልይኡ ብምልባስን መበል 15 ዙርይኡ ብምክያድ ይቕጽል፣ * ስፐይን ሻምፒዮን ኤውሮጳ 2024 ኮይኖም፣ ንራብዓይ ግዜ ሻምፒዮን ዝኾኑ ቀዳመይቲ ሃገር ኮይኖም፣ * ልቢ እንግሊዛውያን ከኣ ንኽልተ ተኸታታሊ ውራያት ኣብ ፍጻመ ግጥም ተሰይሩ
    10 min
  • “ኣውስትራልያ ኣብ ዕደና ጽግዕተኛ ኮይና ክትቅጽል’ያ፣ ደቀባት ህዝብታታ ግን ቅርስታትና ዘዕኑ ዘየዐግብ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓ ኢና ንረክብ ይብሉ” ዶክተር ፍጹም ሰመረ
    ዶክተር ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ምስ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት፣ ትሕተ ቅርጽን ልምዓት ኢንዱስትሪታትን ዝተኣሳሰሩ ወሲኽካ ጽልዋታት ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኲር ክኢላ ስነቁጠባን ማሕበራዊ ህይወት ዘጽንዕን’ዩ። ንሱ ብማዕድን ሃብታማት ዝኾና ሃገራት ንበይነ-ጽላታዊ ምትእስሳራት ምስ ጽላት ዕደና ንቁጠባዊ ለውጢ ክጥቀማሉ ዘሎ ተኽእሎን ተራ ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ተዋሳእቲ ኣብ'ቲ ኢንዱስትሪን ነዚ ኣብ ምዕዋቱን ዘካይዶ መጽናዕትን ዘበርከቶ ስራሕን ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ኣለዎ። ኣብ’ዚ ቀዳማይ ክፋል ዕላል፣ ኣብ ኣውስትራልያ ኣበርክቶ ደቀባት ህዝብታት ዝኽበረሉ 'ቅነ ናይዶክ' ብምዃኑን ብማዕድን ሃብታም ኣብ ዝኾነት ኣውስትራልያ ኸኣ ምስ ህይወቶም ዘለዎ ምትእስሳርን ክንምልከት ኢና።
    23 min
  • ኣብ ፍጻመ ግጥም ዩሮ 2024 ካብ እንግሊዝን ስፐይንን መን ክዕወት'ዩ፣ ጋረት ሳውዝገይት ንፉዕ ኣሰልጣኒ ድዩ፧
    እንግሊዝ ኣብ ሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ኣብ ከተማ በርሊን ንስፐይን ክትገጥማ'ያ። ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር ነዘርላንድስን ፈረንሳን ከበድቲ ብድሆታት ሰጊረን ሓሊፈን ኣለዋ፡ ኣኽሊል ሻምፒዮና ኤውሮጳ መን ደፍኣ ንምውሳን ከኣ ናብ'ታ ተሪፋ ዘላ ሓንቲ ግጥም የቋምታ'ለዋ።
    10 min
  • ንሩስያ ክስልሉ ጸኒሖም ዝተባህሉ ሓንቲ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኣውስትራልያን ሰብኣያን ክሲ ቀሪብሎም
    ሓንቲ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኣውስትራልያ ብገበን ስለያ/ኤስፒዮናጅ ተኸሲሳ። ፖሊስ እዛ ጓለንስተይቲ ምስ በዓል ቤታ ኮይና ምስጢራዊ ሓበሬታ ንሰብ መዚ ሩስያ ከተቐብል ፈቲና ክብሉ ክሲ ኣቕሪቦምላ'ለዉ።
    6 min
  • ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሓምለ 2024)
    ምሉእ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ፈለማ ዜናታት ዓለምን ኣውስትራልያን ይቐርብ፣ ጸብጻባት ልኡኽና፥ * ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝግምግም ካልኣይን ስትራተጂካዊን ርክብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻዪዱ፣ * ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ናብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ብምስፍሕፍሑ ተጋሩን ኤርትራውያንን ዝርከቡዎም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ንሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎም ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ገሊፁ፣ * ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ዕጡቓት 1 ሰብ ቀቲሎም 10 ካልኦት ኣቝሲሎም፣ * ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን፣ ፕረዚደንት ሶማልያ ከኣ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ፈጺሞም። * ወነንቲ ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ ኣብ'ዚ እዋን ካብ ጥርዓን ህዝቢ ንኣሽቱ ዋኒናትን ብቤተሰብ ዝውነና ንግድታትን ዝሰምዕ (Australian Small Business and Family Enterprise Ombudsman ) ብልዕሊ 100 ቋንቋታት ሓበሬታን ደገፍን ክረኽቡ ይኽእሉ'ዮም። መርበብ ሓበሬታ ናይ'ቲ ኦምዱስማን ነቶም ካብ ብባህሊን ቋንቋን ዝተፈልዩ ድሕረባይታታትን ዝመጹ ሰባት ቀሊል ንምግባሩ ምትዕርራይ ተገይርሉ'ሎ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ። * ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ናይ መወዳእታ ክፋል ዕላል ብዛዕባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘቕርቦ መደባትን ብመንእሰያት ዝኸይድ ዘሎ ተቓዉሞታት ዝምልከቱን ብዛዕባ ስርሑን ኣዕሊሉ ኣሎ። * መኪና እናዘወርኩም ዘይእሩም ወይ ክብረት ዝጎደሎ ባህሪያት ምርኣይ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ መጥቃዕቲ ወይ ባእሲ ኣብ መንገዲ ክድይብ ይኽእል። ምልክታት ቁጡዕ ኣዘዋውራ መኪና ከተለልይዎም ትኽእሉ'ዶ፧ ባእሲ ኣብ መንጎ መራሕቲ መካይን ኣብ መንገዲ ምስ ዘጋጥመኩም እንታይ ትገብሩ፧ ንመድሕን ናይ መኪናኹም ከምዝጸልዎ’ኸ ትፈልጡ’ዶ፧ ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ መለክዒታት ድሕነት ዘለዎን ሓላፍነታውን ኣዘዋውራ መኪና ኣብ ኣውስትራልያን ንስኹም ወይ ፈተውትኹም ኩነታት ባእሲ መራሕቲ መካይን ኣብ መንገዲ ምስ ዘጋጥመኩም ትወስድዎም ስጉምትን ክንምልከት ኢና።
    49 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሓምለ 2024)
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክእለ ዝያዳ መጸዋዕታ ይመጾ፣ ጂዮርጅ ኩሉኒ ክወርድ ሓቲትዎ። * ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ሕላፍ ሰዓት ዝቐነየት ኣውስትራልያዊት ከተማ ትውስን፣ * ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ከተማ መልበርን ንሓደ ኣብ ፋብሪካ ኬሚካል ዝተላዕለ ባርዕ ከጥፍኡ ሓዲሮም፣
    8 min
  • ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ናብ ምብራቕ ገጹ ብምልሓሙ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ኣትዮም
    * ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝግምግም ካልኣይን ስትራተጂካዊን ርክብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻዪዱ፣ * ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ናብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ብምስፍሕፍሑ ተጋሩን ኤርትራውያንን ዝርከቡዎም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ንሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎም ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ገሊፁ፣ * ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ዕጡቓት 1 ሰብ ቀቲሎም 10 ካልኦት ኣቝሲሎም፣ * ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን፣ ፕረዚደንት ሶማልያ ከኣ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ፈጺሞም፣
    9 min
  • ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ ዘድልየን ደገፍን ሓበሬታን ብልዕሊ 100 ቋንቋታት (ትግርኛ፣ ኣምሓርኛን ኦሮሞን ወሲኽካ) ነቕርብ
    ወነንቲ ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ ኣብ'ዚ እዋን ካብ ጥርዓን ህዝቢ ንኣሽቱ ዋኒናትን ብቤተሰብ ዝውነና ንግድታትን ዝሰምዕ (Australian Small Business and Family Enterprise Ombudsman) ብልዕሊ 100 ቋንቋታት ሓበሬታን ደገፍን ክረኽቡ ይኽእሉ'ዮም። መርበብ ሓበሬታ ናይ'ቲ ኦምዱስማን (https://www.asbfeo.gov.au/) ነቶም ካብ ብባህሊን ቋንቋን ዝተፈልዩ ድሕረባይታታት ዘለዎም ሰባት ቀሊል ንምግባሩ ትግርኛ፣ ኣምሓርኛን ኦሮሞን ወሲኽካ ብዙሓት ቋንቋታት ከጠቓልል ተባሂሉ ምትሕድዳስ ተገይርሉ'ሎ።
    9 min
  • What is road rage and how to deal with it? - ሓሪቕኩም እንከለኹም መኪና ትዝውሩ'ዶ፧ ምስ ካልኦት ሰብ መካይን ከ ትባኣሱ ዶ፧ ገለ ምኽሪታት ኣብ'ዚ ኣለኩም፣
    Aggressive driving is a continuum of bad driving behaviours which increase crash risk and can escalate to road rage. People who engage in road rage may be liable for traffic offences in Australia, have their car insurance impacted and most importantly put their lives and those of others at risk. Learn about the expectations around safe, responsible driving and what to do when you or a loved one are involved in a road rage incident. - መኪና እናዘወርኩም ዘይእሩም ወይ ክብረት ዝጎደሎ ባህሪይ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ መጥቃዕቲ ወይ ባእሲ ኣብ መንገዲ ክድይብ ይኽእል። ምልክታት ቁጡዕ ኣዘዋውራ ከተለልይዎም ትኽእሉ'ዶ፧ ባእሲ ኣብ መንጎ መራሕቲ መካይን ኣብ መንገዲ ምስ ዘጋጥመኩም ከመይ ትሕዝዎ ወይ ትሓልፍዎ፧ ወይ ንመድሕን ናይ መኪናኹም ከ ብኸመይ ይትንክፎ ወይ ይጸልዎ፧ ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ መለክዒታት ድሕነት ዘለዎን ሓላፍነታውን ኣዘዋውራ መኪና ኣብ ኣውስትራልያን ንስኹም ወይ ፈተውትኹም ኩነታት ባእሲ መራሕቲ መካይን ኣብ መንገዲ ምስ ዘጋጥመኩም ትወስድዎም ስጉምቲታትን ክንድህስስ ኢና።
    14 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ንሃብታም በዓልቲ ንግዲ ጂሊያን ሰጋል ንሓላፍነት ፍልይቲ ልእኽቲ ጸረ-ሴማውነት ምምዛዙ ዝተፈላለዩ ግብረመልስታት ፈጢሮም፣ * ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ ጋዜጣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንሕማም ፓርኪንሰን'ስ ሕክምና ይግበረሉ ኢላ ንዘቕረበቶ ዜና ነጺግዎ፡ * ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተፈጥሩ ናዕብታትን ባእስታትን ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ካብ ዝጅመሩ ንደሓር ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ደቡብ ከተማ ተልኣቪቭ ሻብዓይ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ተቐቲሉ።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,866 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners