SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ኢትዮጵያ፣ መዓስከር ኣለምዋጭ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጾም።
    ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጾም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርኸብ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሱዳናውያን፡ስደተኛታት ንምሕጋዝ ድልውነቱ ገሊጹ። ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ተጋሩ ሓለዋ ክግበረሎም ፀዊዑ።
    4 min
  • ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ካብ ቀደም ክሳብ ቢንያም ፡ ምስ ኣሰልጣኒ ቢንያም ግርማይ ነበር መዋእል መሃንሾ
    ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ብኸመይ ተበጊሱ’ዩ ኣብ’ዚ ደረጃ በጺሑ፧ እቶም ሰረት ዘንጸፉ በዓል መን’ዮም፧ እንታይ ዓይነት መሰናኽላት ተሓሊፎምን ወርቃውያን እዋናት ከ ኣየኖት’ዮምን ወዘተ ዝብሉ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ተጻሒፎምን ተዓሊልሎምን እንተኾኑ’ኳ; ተቐዳዳማይን ኣሰልጣንን ዝነበረ ብቐረባ ነቲ ጉዕዞ ዝፈልጦን ዝነበሮን ኣብ ገሊኡ እውን ኣብ ገለ እዋን ንጡፍ እጃም ዝነበሮን፥ ከምኡ’ውን ‘ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ኤርትራ 1936-2012’ ትብል መጽሓፍ ምስ ዝጸሓፈ ኣቶ መዋእል መሃንሾ ኣብ’ዚ ከዕልለና ዓዲምናዮ ኣለና። መዋእል ኣብ 2013 ሓላፊ ቴክኒክ ሃገራዊ ፌደረሽን ብሽክለታ ኤርትራ ከምኡ’ውን ካብ 2004 - 2014 ኣካያዲ ቅድድም ብሽክለታ 'ማውንቴይን ባይክ' ዝነበረ’ዩ፣ ድሕሪ ስደት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሓንቲ ጋንታ ቅ/ብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሰልጢኑ ኔሩ። ቀዳማይ ክፋል ዕላል ኣብ'ዚ ኣለኩም።
    21 min
  • ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዊያን ብዓወት ቢንያም ግርማይ ሓጎሶምን ሓበኖምን ይገልጹ ኣለዉ። (ሓጸርቲ ዜናታት 03 ሓምለ 2024)
    ንሎሚ 3 ሓምለ 2024 ዝትዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት: ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዊያን ብዓወት ቢንያም ግርማይ ሓጎሶምን ሓበኖምን ይገልጹ ኣለዉ። ሰራዊት እስራኤል ንፍልስጤማውያን ካብ መብዛሕትኡ ግዝኣት ክሃን ዪኒስ ክግዕዙ ኣዚዙ። ጆ ባይደን ካብ ዉድድር ምርጫ ኣመሪካ ክእለ ካብ ሰልፊ ደሞክራት ጻዊዒት ምቕራብ ጀሚሩ።
    9 min
  • Why are Indigenous protocols important for all Australians? - ፕሮቶኮላት ደቀባት ኣውስትራልያ ምፍላጥን ምኽባርን ማለት ጽቡቕ ስነምግባር ምህላው ማለት'ዩ፣
    Observing the cultural protocols of Aboriginal and Torres Strait Islander peoples is an important step towards understanding and respecting the First Australians and the land we all live on. - ፕሮቶኮላት ህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ናይ ኣውስትራክልያ ምኽታል ወይ ምዕዛብ ንልምዳውያን ወነንቲ ናይ'ዚ ኩላህና ንነብረሉ ዘለና መሬት ናብ ምርድኦምን ምኽባሮምን ዝወስድ ሓደ ኣገዳሲ ስጉምቲ'ዩ። እዚ ንኣውስትራልያ ዝገልጽ ትሕዝቶ መእተዊ ናብ ገለ ባህሪይና ክጸልዉ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ፕሮቶኮላትን ቀዳሞት ኣውስትራልያውያን ዝውንንዎም ፍሉያት ፍልጠታትን ክብርታትን ኣኽብሮት ዝህብ'ዩ።
    11 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሓምለ 2024)
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ መድረኻዊ ዓወት ዘመዝገበ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ። * ፈደራላዊ መንግስቲ ኣውስትራልያ ብሰንኪ ምውንዛፍ ኣባልነት ሰነተር ፋጢማ ፐይማን ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ኣድመጽቲ ኣይፈርሕን’የ ይብል፣ * ንመጻኢ ተመዲቡ ዘሎ እገዳ ኣብ ሰደድ ህያው ኣባጊዕ ቀልጢፉ ክተኣታቶ መጸዋዕታታት ቀሪቦም፡ * ኣብ ግጥማት ኮፓ ኣሜሪካን ዩሮ 2024ን ቦታታት ርብዒ ፍጻመ ንምውሳድ ዝካየዱ ጻዕርታት ብዕቱብ ቀጺሎም፣
    9 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ሓምለ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ወጻኢታት መነባብሮ ንምቕላል ዝሕግዝ ሓያሎ ስጕምትታት ፡ ካብ ሎሚ (1 ሓምለ) ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ፋይናንስያዊ ዓመት ክትግበር ክጅምር እዩ ። ፖለቲካ ሕሉፍ የማናይ ዝኽተሉ ሰልፍታት ናብ ፓርላማ ሃገራት ኣውሮጳ ይቀላቐሉ። ብሰንኪ ኲናት ዓዶም ሓዲጎም ዝተመዛበሉ ክልተ ሽሕ ነበርቲ ወረዳ ፀለምቲ ንዓዶም ከም ዝተመልሱ ተገሊጹ።
    11 min
  • “ኤርትራዊ ዲኻ ትግራዋይ ኢሉ ንዝሓተኒ፡ ክልቲኡ’የ እንተ በልክዎ እንታይ'ዩ ክብል ዝኽእል፧” ካልኣይ ክፋል ዕላል ምስ ጋ/ ኻልድ ዓብዱ
    ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ካልኣይ ክፋል ዕላል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝሰርሖም ስርሓት፡ ምስ መንነቱ ዝተኣሳሰር ዝገጥሞ ብድሆታትን ዝህቦ ምላሽን ገሊጹ ኣሎ። ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ክፋሉን ኣብዝመጽእ ክቐርብ እዩ።
    26 min
  • ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ መድረኻዊ ዓወት ናይ ምምዝካብ ጻዕሩ ይቕጽል፣ እንግሊዝ ኣብ ዩሮ2024 ብናይ መወዳእታ ደቒቕ ተኣምር ትስዕር፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (01/07/2024) * ኣብ መበል 23 ውድድራት ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ኣፍሪቃ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ውድድራታ ፈጺማ ቀዳም ናብ ሃገራ ተመሊሳ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ንፈለማ ግዜ ካብ ኢጣልያ ከተማ ፍሎረንስ ብምብጋስ ተጀሚሩ፣ ቢንያም ግርማይ መድረኻዊ ዓወት ዘመዝገበ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ንምዃን ይጽዕር፣ * ወይኒ ቀላቲ ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ኣሜሪካ ክትከውን ዝነበራ ሕልሚ ተጋሂዱ፣ * ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2024 ተጀሚሮም፣ ጀርመን ኣንጻር ስፐይን፣ ስዊዘርላንድ ከኣ ኣንጻር እንግሊዝ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ክገጥማ ምዃነን ኣረጋጊጸን፣
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ሓምለ 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 1 ሓምለ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ክፋል ዕላል ኣብ ኣስመራ ኣብዝነበረሉ እውዋን ብፍላይ ድማ ምስ ብሕታውያን ጋዜጣታት ዝተኣሳሰር ምስ ዘሕለፎ ኩነታት ኣልዒሉ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል መደባት፡ ምስ መንነቱ ዝተኣሳሰር ዝገጥሞ ብድሆታትን ዝህቦ ምላሽን ገሊጹ ኣሎ። ንሎሚ ዝገበርናዮ ዘተ ቀዳማይ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን 'ቀጥታዊ ናይ ኣየር ርክብ' ንምጅማር ውጥን ከምዘሎ ተገሊጹ። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ልኡኽ ፓርላማ ጣልያን ዘትዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፡ ካልእ ትሕዝቶን’ውን ክቐርብ’ዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ወጻኢታት መነባብሮ ንምቕላል ዝሕግዝ ሓያሎ ስጕምትታት ፡ ካብ ሎሚ (1 ሓምለ) ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ፋይናንስያዊ ዓመት ክትግበር ክጅምር እዩ ። ፖለቲካ ሕሉፍ የማናይ ዝኽተሉ ሰልፍታት ናብ ፓርላማ ሃገራት ኣውሮጳ ይቀላቐሉ። ብሰንኪ ኲናት ዓዶም ሓዲጎም ዝተመዛበሉ ክልተ ሽሕ ነበርቲ ወረዳ ፀለምቲ ንዓዶም ከም ዝተመልሱ ተገሊጹ።
    53 min
  • ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን ቀጥታዊ ናይ ኣየር ርክብ ንምጅማር ውጥን ከምዘሎ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)
    ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን 'ቀጥታዊ ናይ ኣየር ርክብ' ንምጅማር ውጥን ከምዘሎ ተገሊጹ። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ልኡኽ ፓርላማ ጣልያን ዘትዩ። ኣብ ኣምሓራ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኣብ ክልተ ዞባታት ኣስታት 27 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።
    5 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,866 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners