SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሰነ 2024)
    ንሎሚ 18 ሰነ ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት: ሓንቲ ገያሾ ዝጸዓነት ነፋሪት ድሕሪ ምብጋሳ ሓደ ሞቶራ ብሓዊ ብምዳዱ ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ደቡባዊ ኒው ዚላንድ ክትዓልብ ተገዲዳ ። ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሓተትቲ ዑቕባ ተቐቢላ ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2024 ፈረንሳ ንኦስትርያ ብጸቢብ ዓወት ስዒራታ ።
    5 min
  • ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሰነ 2024)
    ንሎሚ ሰኑይ 17 ሰነ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክ፡ ኣብ መቐለን ኣስመራን ብኽብ ዝበለ መዓርግ ከም ዝተብዓለ ተሓቢሩ። መበል 61 ዓመት ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣስመራ ተዘኪሩ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ተበግሶ ልምዓት ኣብ ነበርቲ ተስፋ ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ብዝተላእኸ ገንዘብ ዝተጠረየ ቅብሊት ዘይብሉ ዝኾነ ይኹን ንብረት ንምውራስ ረቂቕ ሕጊ የውጽእ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ሓድሽ ግጭት ከም ዝተወልዑ ተሓቢሩ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ብዛዕባ ገንዘብ፡ ልቓሕ፡ መንበሪ ገዛ ምግዛእን ዝተተሓሓዘ ሓድሽ መደብ፡ ገንዘብን ህይወትን ዝብል ከነቕርብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝጀመርና ዝፍለጥዩ ሎሚ ድማ ምጅማር ን ኡስ ዋኒን ኣብዝብል ዛዕባ ዝሃዘ መደብ ቀሪብና ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ንዒድ ኣል ኣድሃ ፡ የብዕሉ ኣለዉ ። ኣብ ቪክቶርያ ፡ መንግስቲ ኣብ 2051 ኣብ መላእ እታ ግዝ ኣት 2.5 ሚልዮን መንበሪ ኣባይቲ ንምውሳኽ ውጥን ኣውጺኡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ሓድሽ ግጭት ከም ዝተወልዑ ተሓቢሩ።
    52 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሰነ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ንዒድ ኣል ኣድሃ ፡ የብዕሉ ኣለዉ ። ኣብ ቪክቶርያ ፡ መንግስቲ ኣብ 2051 ኣብ መላእ እታ ግዝ ኣት 2.5 ሚልዮን መንበሪ ኣባይቲ ንምውሳኽ ውጥን ኣውጺኡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ሓድሽ ግጭት ከም ዝተወልዑ ተሓቢሩ።
    12 min
  • ንማሃታማ ጋንዲ ዝኹንኑ ብዝሒ ህንዳውያን ይውስኽ፡
    ማሃትማ ጋንዲ ኣብቲ ኣንጻር ግዝኣት ብሪጣንያ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ፡ ጎነጽ ዘይብሉ ቃልሲ ብምምርሑ እዩ ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብኣኽብሮት ስሙ ዝጽዋዕ ። ይኹን እምበር ፡ ህይወቱን ሓድጉን ኣብ ሕንዲ እናሰሓሓበ ይኸይድ ኣሎ ፣ ካብቶም ሃገራውያን የማናይ ክንፊ ዝዀኑ ሰዓብቲ እምነት ሂንዱ ፡ ጋንዲ ኸዳዕን ሸያጢ ሃገርን ብምባል ንጋንዲ ዝቐተለ ከም ጣኦት ዜምልኽሉ ቤት መቕደስ ሃኒጾም ከምልኹ ጀሚሮም ኣለዉ። ወኪል SBS News ኤሽያ ኣሮን ፈርናንደስ ዘቕረቦ ጸብጻብ ቀሪቡ ኣሎ።
    7 min
  • ናትናኤል ተስፋጽዮን ሻምፒዮን ኤርትራ ኮይኑ፣ ዮሚፍ ከጀልቻ መጻረዪ ንኦሎምፒክስ ተዓዊቱ፣ ጀርመን፣ ስፐይንን እንግሊዝን ኣብ ዩሮ 2024 ግጥማተን ስዒረን
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/06/2024) * ሃገራዊ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጽዮንን ቅሳነት ወልደሚካኤልን ተዛዚሙ፣ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ኣዲያም ዳዊትን ከኣ እቶም ዝቐልጠፉ ኮይኖም፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ስዊስ ዝተሳተፈ ኢትዮጵያዊ ወላይ ሓጎስ በርሀ ዘዕግብ ውጽኢት ብምምዝጋብ ተሳትፎኡ ኣጠናቒቑ፣ * ዮሚፍ ከጀልቻ ኣብ መጻረዪ ውድድር ጉያ እግሪ 10ሽሕ ሜትሮ ንጋንታ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ንበሪሁ ኣረጋዊ ብጸቢብ ብምቕዳም ክዕወት’ንከሎ ፎትየን ተስፋይ ከኣ ንጽገ ገብረሰላማ ቀዲማ ተዓዊታ፣ * ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2024 ኣብ ጀርመን ተጀሚሮም፣ ጀርመን ኣብ መኽፈቲ ግጥም’ቲ ውራይ ንስኮትላንድ ብገፊሕ ስዒራታ፣ ቀቅድሚ ግጥም ነዘርላንድስን ፖላንድን ደገፍቲ ኣብ ዝምርሽሉ ዝነበሩ እዋን ፖሊስ ጀርመን ንሓደ ኣፍራዛ ዘዋጣውጥ ዝነበረ ሰብ ተኲሶም ኣቑሲሎሞ፣
    13 min
  • ገንዘብን ህይወትን፡ ምውናን ን ኡስ ዋኒን/ቢዝነስ (ቁ.2)
    ሰማዕትና ሰማዕቲ ተድዮ ኤስ ቢ ኤስ ብዛዕባ ምስ ገንዘብን መነባብሮን ዝተኣሳሰር መደብና ካልኣይ ክፋል ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ናይ ሎሚ መደብና፡ ን ኡስ ዋኒን ወይ ን ኡስ ቢዝነስ ብኸመይ ይጅመርን፡ ኣብ ዓውዲ ቢዝነስ ካብ ዝተዋፈሩ ተመኩሮኦም ዘካፈሉና ከነቕርብ ኢና። ኣብ ሞያ ምኽሻን ተዋፊሩ ዘሎ ናይ ኣቶ ኦስካር ቶፖ ንሎሚ ተሞኩሮኡ ከካፍለና እዩ። ኣብዝቕጽል ድማ ካል ኦት ኣብ ን ኡስ ዋኒን ተሳቲፎም ካብ ዘለዉ ተሞክሮኦም ከነቕርቦ ኢና። ፈለማ ግና ንኡስ ናይ ንግዲ ዋኒን ወይ ቢዝነስ ምጅማር ዘሐጕስ ነገር እኳ እንተ ኰነ ፡ ብዙሕ ብድሆታት ግን ኣለዎ ። ነዚ መስርሕ እዚ ብኸመይ ከም እተቕልሎን ብዝያዳ ፍረ ጻማ ከም እትረኽበሉን’ውን ኣብዚ ትሕዝቶ ቀሪቡ ኣሎ ።
    15 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሰነ 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ ካልኣይ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን ቻይና ሊ ቻያህንግ ፡ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ምብጻሕ ንምግባር ፡ ናብ ኣውስትራልያ ክመጽእ እዩ፡ ዋና ጸሓፊ ስቴት ደፓርትመንት ኣመሪካ ኣንቲኒ ብሊንከን ብሓማስ ዝቐረበ ገለ ለውጢታት ብዛዕባ ምቁራጽ ተኹሲ ዝሰርሕ ኣይኮነን ይብል ። ኢትዮጵያ ናይ 2.1% ሕጽረት ባጀት ከጋጥማ ምዃኑ ሚኒስተር ፋይንናስ እታ ሃገር ኣሕመድ ሸዴ ገሊጹ። እስራኤልን ሓማስን ኣብ መጀመርታ ውግእ ቓዛ ገበን ውግእ ከምዝፈጸሙ መርማሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።
    16 min
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሰነ 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 13 ሰነ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኢንስቲዮት ዓለም ለኸ ጉዳያት ኣውስትራልያ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብል መደምደምታ ዝቐርበሉ ዘሎ ገበን ጄኖሳይድ ዓለምለኻዊ ምላሽ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ናይ 2.1% ሕጽረት ባጀት ከጋጥማ ምዃኑ ሚኒስተር ፋይንናስ እታ ሃገር ኣሕመድ ሸዴ ገሊጹ። ኤርትራ፡ ንጡፍ ህላዌ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ከምትደሊ፡ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ ተዛሪቡ ሉእኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት እዩ እዚ፡ ኣብ ቃለ መሕትት ብምኽያት ቅንያት ስደተኛታት ምስ ዶክተር ኪሮስ ሕሩይ: ኣንትሮፖሎጂስትን ኪኢላ ዞባዊ ምዕባለን እዩ:: ካብቲ finding home far from home ወይ ካብ ርሑቕ ዓዲ መጺእካ ዓዲ ምንዳይ ኣብ ዝብል ትምህርታዊ ምርምሩ፡ ብዛዕባ ኩነታት ምጥያስ ኣፍሪቃዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ መጽናዕቲ ዝገበሮ መሰረት ዝገበረ ቃለ መሕትት ። ስነ ጥበብ ደቀ’ባት፡ ምስ ሃገር ዘተኣሳስርን መስኮት ሕሉፍን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ካልኣይ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን ቻይና ሊ ቻያህንግ ፡ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ምብጻሕ ንምግባር ፡ ናብ ኣውስትራልያ ክመጽእ እዩ። ዋና ጸሓፊ ስቴት ደፓርትመንት ኣመሪካ ኣንቲኒ ብሊንከን ብሓማስ ዝቐረበ ገለ ለውጢታት ብዛዕባ ምቁራጽ ተኹሲ ዝሰርሕ ኣይኮነን ይብል ። ኢትዮጵያ ናይ 2.1% ሕጽረት ባጀት ከጋጥማ ምዃኑ ሚኒስተር ፋይንናስ እታ ሃገር ኣሕመድ ሸዴ ገሊጹ።
    56 min
  • ሓራምዝ ብ ስማቶም ከም ዝጸዋውዑ ተረጋጊጹ።
    ሓራምዝ ካብ ቀደም ኣትሒዞም ፡ ከም ሰባት ተመሳሳሊ ባህርያት ከርእዩ ጸኒሖም እዮም ። ኣብ እተሓላለኸ ማሕበራዊ ነገራት እዮም ዝነብሩ ፣ ኣባላት ስድራ በቶም ምስ ዝሞቱ ከም ዝሓዝኑ እውን ይፍለጥ እዩ ። ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ሓራምዝ ኣፍሪቃ ብስሞም ይጸዋውዑ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ኣለዉ ።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,866 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners