SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካል ኦት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ናብ ደቡብ ኮርያ ኣትዮም።
    እዚ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ዋዕላ መንግስቲ ዩን ሱክ ዮል ካብ ዝጅምር እቲ ዝዓበየ ዋዕላ ከምዝኸውንን ደቡብ ኮርያ፡ ኣፍሪቃ ዘሳተፈ ፈላማይ እተእንግዶ ዋዕላ’ዩ። መራሒ ደቡብ ኮርያ ምስ ነፍሲ ወከፍ መራሒ ኣፍሪቃ ብውልቂ ከምዝዘራረብ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
    2 min
  • ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ 5000 ሜ ኣብ ታሪኽ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣመዝጊቡ ተዓዊቱ፣ ሪያል ማድሪድ ሻምፒዮንስ ሊግ ተዓዊታ፣ ንኪልያን ምባፐ ኣፈሪማቶ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/06/2024) * ኢትዮጵያዊ ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ርክባት ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ኣብ ውድድር 5000 ሜ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣብ ታሪኽ ብምምዝጋብ ተዓዊቱ፣ * ቢንያም ግርማይ ሮቡዕ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ሰርኲት ፍራንኮ-በልጀ ኣደናቒ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋቡ ሰንበት ኣብ ብራስልስ ሳይክሊንግ ክላሲክ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሞሮኮ ናትናኤል ብርሃነ ዝርከቦም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ንጋንታቶም ወኪሎም ይሳትፉ’ለዉ፣ * ሪያል ማድሪድ ንቦሩስያ ዶርትመንድ ስዒራ መበል 15 ጽዋዕ ሻምፒዮንስ ሊግ ክለባት ኤውሮጳ ክትዕወት’ንከላ ኣሰልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ ኸኣ ንሓምሻይ ግዚኡ ተዓዊቱ፣
    11 min
  • "ንህዝቢ (ቋሓይን) ከርዕድን ርእሱ ከድንን ዝጸሓፍክዋ መጽሓፍ ኣይኮነትን።" ሚካኤል ኣዶናይ
    ስነ ጥበባዊ ሚካኤል ኣዶናይ፡ ብዝስእሎ ስእልታት ዝና ዘትረፈ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ልዕሊ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ'ውን እዩ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብዛዕባ ካብ 1965 ክሳብ 1989 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ኣብ ቆሓይን ዝነበረ ኩነታት እትገልጽ መጽሓፉ "መሳኹቲ ማይምነ" ዝምልከት ብተወላዶ ቆሓይን ኣብ ካልእ መዲያ ርእይቶ ክወሃብ ቀንዩ። ብዛዕባ'ቲ ዝተዋህበ ርእይቶን ዕላማ መጽሓፉን ብዝምልከት ምስ ረዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ቀሪቡ ኣሎ።
    35 min
  • ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ግንቦት 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 30 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ኣገባብ ኣበዓዕላ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምስቲ መዓልቲ ተተሓሒዙ ዝቐርብ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክንጸባረቑ ቀንዮም ኣለዉ። ኣብ ደምበ ተቓዉሞ ዝጸንሑ ነበርቲ ኣውስትራሊያ ኣብዝተገብረ ጽምብል ክንርከብ ኣለና ብምባል ቅድሚ ሕጂ ክገብርዎ ዝጸንሑ ብዝተፈልየ ክገብሩ ዘገበረ ኩነታትን ምስቲ ኣብ ደምበ ተቓዉሞን ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ክሓትዎ ዝጸንሑ ሕቶታትን ዝምልከት ናይ ሎምን ትማልን መትከሎምን ክልተ ዕዱማት ገሊጾምልና ኣለዉ። እቲ ምስ ኣቶ ወልደየሱስ ገብራይን ኣቶ ሞሓመድ ኢማም ዓብዱራማንን ዝገበርናዮ ዘተ ካል ኣይን ናይ መውዳእታን ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምትርከብ ፓትርያርክ ብጹእ ኣቡነ ማትያስ ገሊጾም። ኣብ መቐለ ብ 3.6 ቢሊዮን ብር በጀት ዝህነጽ ዘሎ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ምምዝባልን ስደትን ህዝቢ ሱዳን ከብቅዕ ጸዊዑ ። ። ኣብ ሰሙናዊ መደብ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) ባህሊ ምስታይ ቡን ኣውስትራሊያ፡ ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ናብ ራፋ ንመጥቃዕቲ ታንክታት ልኢኻ ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ድምጾም ንምሃብ ናብ ነቑጣታት መድመጺ ውሒዞም ። ኣብ ርእሲ ከተማ ሕንዲ ዝዀነት ደልሂ ፡ ካብ ቅድሚሕጂ ዝዛየደ 52.3 ዲግሪ ሰንቲግሬድ [ብረቡዕ 29 ግንቦት] ብርቱዕ ሙቐት ተመዝጊቡ ።
    57 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ግንቦት 2024)
    ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ናብ ራፋ ንመጥቃዕቲ ታንክታት ልኢኻ ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ድምጾም ንምሃብ ናብ ነቑጣታት መድመጺ ውሒዞም ። ኣብ ርእሲ ከተማ ሕንዲ ዝዀነት ደልሂ ፡ ካብ ቅድሚሕጂ ዝዛየደ 52.3 ዲግሪ ሰንቲግሬድ [ብረቡዕ 29 ግንቦት] ብርቱዕ ሙቐት ተመዝጊቡ ።
    11 min
  • ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ምምዝባልን ስደትን ህዝቢ ሱዳን ከብቅዕ ጸዊዑ ።
    ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምትርከብ ፓትርያርክ ብጹእ ኣቡነ ማትያስ ገሊጾም። ፌደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ ንርእሱ ከምዘርሓቐ ገሊጹ። ኣብ መቐለ ብ 3.6 ቢሊዮን ብር በጀት ዝህነጽ ዘሎ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ምምዝባልን ስደትን ህዝቢ ሱዳን ከብቅዕ ጸዊዑ ተባሂሉ
    6 min
  • ዳግማይ ለበዳ ከይክሰት ይስጋእ፡ መራሕቲ ዓለም ንምምካቱ ኣይሰማምዑን።
    ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ፡ ምክልኻል ፡ ምድላውነትን ግብረ-መልስን ዘደልድል ሓድሽ ስርዓት ከምዘድልዮ ተሰማሚዑ ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ጄኔቫ ዝግበር ዘሎ ናይ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዋዕላ ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ናይ ለበዳ ውዕል ኣብ ጸገም ምህላዉ ተፈሊጡ ። ቅድሚ ኣኼባ ዝቐረበ ናይ መወዳእታ ንድፊ ዘይተሰማዐ ስለ ዝነበረ: ኣብ ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይከኣል እዩ ዝመስል ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ድማ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ለበዳ "ኣብ ቀረባ" ምዃኑ የጠንቅቑ ኣለዉ ።
    6 min
  • ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ግንቦት 2024)
    ንሎሚ 29 ግንቦት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ናብቲ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ኣብቲ ብውሑዱ 2,000 ሰባት ብሃዶሽዶሽ ብህይወቶም ዝተቐበርሉ ቦታ: ረድኤት ንምብጻሕ ዝወስድ ቀንዲ መገዲ ድንድል ከምዝፈረሰ ተሓቢሩ: ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቦታታት ንኽትወቅዕ ክፍቀደላ ከም ዝግባእ መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን ሓቲቶም። ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ ኣብቲ ምርጫ እንተተዓዊቱ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጅምር ዉጥን ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።
    5 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ግንቦት 2024)
    ንሎሚ 28 ግንቦት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ እስራኤል ፡ ኣብታ ናይ ቴንዳ ከተማ ተቐይራ ዘላ ከተማ ራፋሕ ብነፈርቲ ውግእ 45 ሰባት ከም እተቐትሉ ተኣሚና ። ኣውሮጳ ኣብ ክንዲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ምውካል ገዛእ ርእሳ ብምክልኻል ክትክእል ኣለዋ ክብል ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ ኢማኑዌል ማክሮን ገሊጹ ። ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ኣላማጣ ከምዝወጹ ምውሳኑ ጊዝያዊ ምምሕዳር'ቲ ክልል ኣፍሊጡ።
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,866 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners