SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ግዜ ሕርሲ ዘጋጥሙ ጭንቀታት እንታይ`ዮም፧ ደቂተባዕትዮ ኸ ይጭነቑ ድዮም፧
    ጥኑሳት እንተኾይንክን ወይ ሓደስቲ ዝወለድክን ብኣጸዋውዓ ቋንቋ እንግሊዝ 'በይቢ ብሉስ' ክበሃል ሰሚዕክን ትኾና፡ እዚ ኣብ ኣርባዕተ ካብ ነብሲወከፍ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ምስ ሓረሳ ዘጋጥመን'ዩ። እቲ ድሕሪ-ምሕራስ ዘጋጥም ጭንቀት (ፖስትነይታል ዲፕረሽን) ግን ካልእ ዝተፈልየ'ዩ። እዚ ንሓዲኦም ካብ’ቶም ወለዲ ከጋጥሞም ይኽእል፡ ክሳብ መዓስ ይጸንሕን ይኸብድን ከኣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ነቶም ድሕረ-ሕርሲ ጭንቀት ዝገብረሎም ሰባት ክሕከሙን ደገፍ ክረኽቡን ኣብ ኣውስትራልያ ዘለዉ ቀረባት ኣገልግሎት ክንፍትሽ ኢና።
    13 min
  • ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን መራሕቲ እስራኤልን ሓማስ ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክለኣኸሎም ሓቲቱ
    ዋና ኣኽባር ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ንመራሕቲ እስራኤልን ሓማስን ብኽሲ ተኽእሎታት ገበናት ኲናት ተታሒዞም ናብ ሕጊ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክለኣኸሎም ይሓትት ኣሎ። ዋና ዓቃብ ሕጊ ICC ካሪም ካ'ን ሰለስተ መራሕቲ ሓማስ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ዯቭ ጋላንትን ክተሓዙ ወይ ተታሒዞም ኣብ’ቲ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክቐርበሎም ኣመልኪቱ’ሎ። ንገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተሓተትቲ ክኾኑ ብቑዓት ዝኾኑ መርትዖታት ኣለዉ ኸኣ ይብል።
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ግንቦት 2024)
    ሶኑይ 20 ግንቦት 2024 መደባትና * ደገፍቲ ፍልስጤም ኣድመኛታት ንዋዕላ ሰልፊ ለይበር ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ከተማ መልበርን ብሓይሊ ኣትዮሞ። እዚ ቀቅድሚ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ንደገፍትን ክትዓት ብዛዕባ ንግጭት ቓዛ ዝምልከቱ እማመታትን ዝተፈጥረ ክስተት ነቲ ዋዕላ ዘሪግዎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ሓጺር ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣስተምህሮ ኣደማምጻ ቃላት ኢንግሊሽ ክቐርብዩ። ንህብብቲ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ኤስቢኤስ ኒውስ ጃኒስ ፒተርሰን ብምስማዕን ብምኽታልን ኣደማምጻና ከነመሓይሸሉ ንኽእል መደብ’ዩ። * ከባቢ 300 ኣውስትራላያውያን ኣብ'ታ ሕጂ ብዕግርግር ትሕመስ ዘላ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ትርከብ ደሴታዊት ምምሕዳር ኒውካሌዶንያ መዋጽኦ ስኢኖም ይርከቡ፡ ለውጢ እማመ ኣብ ምሃብ ድምጺ ኣብ'ታ ደሴት ዘንቀሎም ናዕቢታት ይቕጽሉ ስለዘለዉ። እቶም ኣውስትራልያውያን ሕጽረት መግብን ማይን ከምዘጋጠሞም ክግለጽ’ንከሎ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኸኣ ካብኡ ከውጽኦም ጻዕርታት ጀሚሩ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ኣጀንዳ ናይ’ዚ ሰሙን ኣለና። * ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣለና - ኣብ ሎሳንጀለስ ኣሜሪካ ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባሬጋ ንሓያላት መቐናቕንቱ ቀዲሙ ተዓዊቱ፣ - ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ድሕሪ ምውዳቑ ንፈለማ ግዜ ናብ ውድድር ተመሊሱ፣ ኣብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ኸኣ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ተሳትፎኦም ይቕጽሉ፣ - ሳልሳይ ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ት17 መንእሰያት ኣብ ናይሮቢ ተኻይዶም ኬንያ ንኢትዮጵያ 3-0 ስዒረንአን፣ - ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ተዛዚሙ፣ ኣርሰናል ካልኣይቲ ክትወጽእ’ንከላ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ከኣ ብብዝሒ ሽቶታት ኣብ’ዚ ወቕቲ 21 ኣመዝጊቡ ሳልሳይ ወዲኡ፣
    49 min
  • ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ግንቦት 2024)
    ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፥ * ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስ’ቶም ኣብ ኒውካሌዶንያ መውጽኢ ስኢኖም ዘለዉ ልዕሊ 300 ኣውስትራልያውያን ብቐረባ ይራኸብ ኣሎ ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ፣ * ንፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራኢሲ ኣሳፊራ ትበርር ዝነበረት ሄሊኮፕተር ኣብ ዶብ ኢራን ምስ ኣዘርባይጃን ወዲቓ መስርሕ ምድላይ ምድሓንን ይካየድ ኣሎ (እቲ ፕረዚደንትን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሩን ኣብ'ቲ ሓደጋ ከምዝዓረፉ ድሒሩ ተረጋጊጹ) * ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ብሪጣንያ ደይቪድ ካሜሮን ጎነጻዊ ዕግርግር ኣብ ዞባ ዳርፉር ናይ ሱዳን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክቑጸር ይኽእል’ዩ ይብል፣
    12 min
  • 'ህዝቢ ነዛ ናይ ሎሚ ዕለተ ናጽነት ትስፉው መጻኢ ብዘጉልሐ ስምዒት የኽብራ'ሎ' መንግስቲ ኤርትራ (ጸብጻባት)
    ጸብጻባት ልኡኽና (20/05/2024) * ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመበል 33 ዓመት ዕለተ- ናጽነት ትስፉው መጻኢ ብዘጉልሐ ስምዒት፡ የኽብራ ምህላዉ መንግስቲ ኤርትራ ገሊጹ፣ * መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ካብ ባሕቲ ሰነ ጀሚሩ ናብ ከተማ ኣኽሱም በረራ ከምዝጅምር ሓቢሩ፣ * ተመዛበልቲ ናብ ቤት መረበቶም ናይ ምምላስ መስርሕ ብዝተቐመጠሉ ግዜ ሰሌዳ ከምዝትግበርን ምስ ዕጥቑ ዝተመዛበለ ምስ ዕጥቑ ከምዝምለስን ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ፣ * ብፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ዝተመዘዘ ቴክኒካዊ ጉጅለ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ንኽግበር ለበዋ ኣቕሪቡ፣
    6 min
  • ቢንያም ካብ'ቲ ጂሮ ድ'ኢታልያ ዝወደቐሉ ሓውዩ ናብ ቅድድም ተመሊሱ፣ ማንቸስተር ሲቲ ንራብዓይ ግዜ ሻምፒዮን ፕሪምየር ሊግ ኮይና
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (20052024) * ኣብ ሎሳንጀለስ ኣሜሪካ ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባሬጋ ንሓያላት መቐናቕንቱ ቀዲሙ ተዓዊቱ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ድሕሪ ምውዳቑ ንፈለማ ግዜ ናብ ውድድር ተመሊሱ፣ * ኣብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ኸኣ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ተሳትፎኦም ይቕጽሉ፣ * ሳልሳይ ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ት17 መንእሰያት ኣብ ናይሮቢ ተኻይዶም ኬንያ ንኢትዮጵያ 3-0 ስዒረንአን፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ተዛዚሙ፣ ኣርሰናል ካልኣይቲ ክትወጽእ’ንከላ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ከኣ ብብዝሒ ሽቶታት ኣብ’ዚ ወቕቲ ሳልሳይ ወዲኡ፣
    12 min
  • መግቢ ተወዲኡ፡ እቲ ከተማ ዋና ዘይብሉ መሲሉ፣ እቲ ናዕቢ ከይነውሕ ከኣ ማይ ኣዋህልሉ ተባሂልና
    ከባቢ 30 ኣውስትራላያውያን ኣብ'ታ ሕጂ ብዕግርግር ትሕመስ ዘላ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ትርከብ ደሴታዊት ምምሕዳር ኒውካሌዶንያ መዋጽኦ ስኢኖም ይርከቡ፡ ለውጢ ኣብ ምሃብ ድምጺ ዘንቀሎም ናዕቢታት ይቕጽሉ ስለዘለዉ። ገዛኢት ፈረንሳ ግን ንመን'ያ ተላግበሉ ዘላ፧
    12 min
  • ዋዕላ ሰልፊ ለይበር ብደገፍቲ ፍልስጤም ኣድመኛታት ተሰናኺሉ
    ደገፍቲ ፍልስጤም ኣድመኛታት ንዋዕላ ሰልፊ ለይበር ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ከተማ መልበርን ብሓይሊ ኣትዮሞ። እዚ ቀቅድሚ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ንደገፍትን ክትዓት ብዛዕባ ንግጭት ቓዛ ዝምልከቱ እማመታትን ዝተፈጥረ ክስተት ነቲ ዋዕላ ዘሪግዎ።
    7 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ግንቦት 2024)
    ሓጸርቲ ዜንታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (17052024) * ሚኒስትሪ ጉዳያ ወጻኢ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮኒኑ፣ * ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝለዓለ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ደው ከተብል ትእዛዝ ክህብ ጸዊዓ፡ * ፕረዚደት ስሎቫክያ ናይ’ታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሮበርቲ ፊኮ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ኣብ ከቢድ ግን ዝተረጋግአ ኩነታት ኣብ ሆስፒታል ኣሎ ይብል፣ * መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፒተር ዳተን ቅልውላው ኣባይቲ ንምዕራይ ቁጽሪ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ክጎድል ዘለዎ ውጥን ገሊጹ፣
    7 min
  • 'ሃገርኩም ትፈትዉን በቲ ስርዓት ሕጉሳትን እንተኾይኑም ንምንታይ ዑቕባ ትሓቱ፣ ዘይትምለሱ፧ ዝብላ ቅቡላት ነጥብታት'የን' ሚከላ ሮንግ (2ይ ክፋል)
    ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስ ስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ገለ ካብ ጽሟቕ ትሕዝትኡ ክቐርብ’ዩ። (2ይን መወዳእታ ክፋል)
    12 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,866 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners