SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ግንቦት 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 16 ግንቦት 2024 ዘዳለናዮም መደባት፣ ጸብጻባት ዜና፥ * ኣብ ከይዲ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዘትዮም፣ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሳታፊ ዘተን ምዕራፍ ጎንጽታትን ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ ህወሓትን ብልጽግና ዝኾነ ይኹን ጎንፂ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዖም፣ ኣብ ዶብን ወሰንን ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተጣየሸ ማሕበር መግለጺ ሂቡ፣ ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራ ፡ ካብ ዒባ ነዳዲ [ሚቴን] ንምፍራይ ፈተነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጀርመንን ሆላንድን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ኣበርኪተን፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ተቓዋሚ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ እስራኤል ንዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣመልኪቱ መግለፂ ሓዘን ኣውጺኡ ባጀት ኣውስትራልያ፥ * ሰልፊ ለይበር ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰለስተ ዕቑዳት ካልኣይ ተኸታታሊ ትርፊ ኣብ ባጀት ከቕርብ`ዩ። እዚ ባጀት ኣብ መንጎ ዝቕባበ ክቆጻጸር ምፍታንን ዋጋ መነባብሮ ምቅላልን ቀጢን መስመር ሒዙ ይጓዓዝ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ቃለመሕትት፥ * ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ሶኑይ ዝጀመርናዮ ቀዳማይ ክፋል ጽሟቕ ትሕዝትኡ ሎሚ መወዳእትኡ ክቐርብ’ዩ። ኣውስትራልያን መለለይኣን፥ * ኣብ መወዳእታ The Frontier Wars (ዘ ፍሮንቲየር ዎርስ) ነቶም ብሪጣንያውያን ሰፈርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝሰፍሩሎምን ዘስፋሕፍሑሎምን ዝነበሩ እዋናት ኣብ መንጎ'ቶም መግዛእታውያን ሰፈርትን ደቀባት ህዝብታትን ንልዕሊ 100 ዓመታት ዝተኻየዱ ጎነጻዊ ተጻብኦታት ዝገልጽ ስም'ዩ። ኣውስትራልያ ተሳታፍነታ ኣብ'ቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተኻየዱ ኲናታት ክብሪ ትህብ ሃገር እንተኾነት'ኳ እቲ ሎሚ ከም ሃገር ኮይናቶ ዘላ ክትከውን ዝገበራ ቃልስን ኲናትን ግን ክሳብ ሕጂ ኣፍልጦ ኣይሃበቶን ወይ ኣይኣመነትሉን። እዚ ኣብ’ቲ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብ ከነቕርቦ ኢና።
    55 min
  • ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ግንቦት 2024)
    ዜና ካብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (ግንቦት 16, 2024) * መራሒ ተቓዋሚ ፌደራል ፒተር ዳተን ናይ’ቲ ዝመርሖ ሰልፊ ጥምረት መልሲ ባጀት ከቕርብ'ዩ፣ * ሒዝቦላህ ኣብ ምዕራብ እስራኤል ከተማ ቲቤርያስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዘካየደ ገሊጹ፣ * ሰኔተር ሰልፊ ለይበር ፋጢማ ፔይማን፡ ንእስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ክትብል ድሕሪ ምኽሳስ ቀዳማይ ሚኒስተርዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እስራኤል እገዳ ክገብር ጸዊዓ፣
    8 min
  • ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጎንጽታት ክዓርፉ ንኹሉ ዘሳትፍ ዘተ ክካየድ ይጽውዕ (ጸብጻባት ዜና)
    ጸብጻባት ዜና: * ኩሎም መራሕቲ ትግራይ ኣብ ከይዲ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዘትዮም፣ እቲ ኣምባሳድር ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሳታፊ ዘተን ምዕራፍ ጎንጽታትን ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ * ህወሓትን ብልጽግና ዝኾነ ይኹን ጎንፂ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዖም፣ * ኣብ ዶብን ወሰንን ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተጣየሸ ማሕበር መግለጺ ሂቡ፣ * ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራ ፡ ካብ ዒባ ነዳዲ [ሚቴን] ንምፍራይ ፈተነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ * ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጀርመንን ሆላንድን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ኣበርኪተን፣ * ኣብ ትግራይ ዝርከብ ተቓዋሚ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ እስራኤል ንዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣመልኪቱ መግለፂ ሓዘን ኣውጺኡ፣
    9 min
  • ብዙሓት ስድራቤታት ተወሳኺ ሓገዝ ንገዛ ኽራይን ጸዓትን ክረኽባ'የን (ተረባሕቲ ባጀት መንግስቲ መነመን'ዮም፧)
    ሰልፊ ለይበር ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰለስተ ዕቑዳት ካልኣይ ተኸታታሊ ትርፊ ኣብ ባጀት ከቕርብ`ዩ። እዚ ባጀት ኣብ መንጎ ዝቕባበ ክቆጻጸር ምፍታንን ዋጋ መነባብሮ ምቅላልን ቀጢን መስመር ሒዙ ይጓዓዝ ኣሎ።
    12 min
  • `ዘየቁርጽን ዘይተኣደነን ዋሕዚ መንእሰያት ካብ ኤርትራ ነታ ሃገር ዓቢይ ክሳራ`ዩ` ጸሓፊትን ተጣባቒትን ሚከላ ሮንግ (1ይ ክፋል ትርጉም)
    ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስ ስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ገለ ካብ ጽሟቕ ትሕዝትኡ ክቐርብ’ዩ። (1ይ ክፋል)
    10 min
  • What were the Australian Wars and why is history not acknowledged? - ታሪኽ ኣውስትራልያ ንምንታይ`ዩ ነቶም ዝሓለፉ ውግኣት ደቀባት ኣንጻር ገዛእቶም ኣፍልጦ ዘይሃቦም፧
    The Frontier Wars is a term often used to describe the more than 100 years of violent conflicts between colonial settlers and the Indigenous peoples that occurred during the British settlement of Australia. Even though Australia honours its involvement in wars fought overseas, it is yet to acknowledge the struggle that made it the country it is today. - The Frontier Wars (ዘ ፍሮንቲየር ዎርስ) ነቶም ብሪጣንያውያን ሰፈርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝሰፍሩሎምን ዘስፋሕፍሑሎምን ዝነበሩ እዋናት ኣብ መንጎ'ቶም መግዛእታውያን ሰፈርትን ደቀባት ህዝብታትን ንልዕሊ 100 ዓመታት ዝተኻየዱ ጎነጻዊ ተጻብኦታት ዝገልጽ ስም'ዩ። ኣውስትራልያ ተሳታፍነታ ኣብ'ቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተኻየዱ ውግኣት ክብሪ ትህብ ሃገር እንተኾነት'ኳ እቲ ሎሚ ከም ሃገር ኮይናቶ ዘላ ክትከውን ዝገበራ ቃልስን ኲናትን ግን ክሳብ ሕጂ ኣፍልጦ ኣይሃበቶን ወይ ኣይኣመነትሉን።
    15 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ግንቦት 2024)
    ሰላም ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሶኑይ 13 ግንቦት 2024 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። * ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ብምቅዋም ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ፣ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጥዕና ብቝሊ “ጥዕና ብቝሊ፡ ብውሑስ ንግድን ምዕቡል ቴክኖሎጅን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዓለምን ኤርትራን ተዘኪሩ ውዒሉ ተባሂሉ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ሕዚ’ውን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ገበናት ካብ ምፍጻም ከምዘይተዓቀቡ ሁዩማን ራይጽ ዎች ኣቃሊዑ፣ ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዕጡቓት ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለ መጥቃዕቲ 5000 ተመዛቢሎም ዝብሉን ካልኦትን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። * ኣውስትራልያ ፍልስጤም ምሉእ ኣባል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ኣድሚጻ። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ’ተን ነቲ ውሳነ ደጊፈን ዘድመጻ 143 ሃገራት’ያ። እንተኾነ ግን ፈደራል ተቓዋሚ ሰልፊ ነዚ ድምጺ መንግስቲ ግዚኡ ዘይኣኸለ’ዩ ክብል ገሊጽዎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስ ስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ገለ ካብ ጽሟቕ ትሕዝትኡ ክቐርብ’ዩ። * ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣብ ዶሓ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያውያን ሳሙኤል ፍሬውን ፍረወይኒ ሃይሉን ተዓዊቶም፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ድሕሪ ዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ቅድድም ኣቋሪጹ፣ መጉዳእቱ ግን ፈኲስ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ ግዜ ክምለስ ምዃኑን ገሊጹ፣ ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ኪልያን ምባፐ ኣብ ምዝዛም ናይ’ዚ ወቕቲ ካብ ጋንትኡ ፓሪስ ሰይንት ዠርማን ክለቅቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ንፉልሃም 4-0 ብቐሊሉ ድሕሪ ምስዓራ ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ ናይ ምዕታር ዕድላ ርግጽ እናኾነ ይኸይድ፣ መሪሕነት ግን ሕጂ’ውን ኣርሰናል ሒዛቶ’ላ ዝብሉ ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም። ሰናይ ምክትታል!
    50 min
  • ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ግንቦት 2024)
    ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ ትሬዠረር ጂም ቻልመርስ ኣውስትራልያውያን ኣብ’ቲ ንሱ ሰሉስ ዘቕርቦ ፈደራል ባጀት መቃለሊ ዋጋ መነባብሮ ክህሉ ትጽቢት ክገብሩ ይኽእሉ ይብል * ፍልስጤማውያን ሰብመዚ ጥዕና እስራኤል 19 ሰባት ዝቐተለን ደርዘናት ዘቑሰለን ከቢድ ደብዳብ መጥቃዕቲ ኣየርን መሬትን ድሕሪ ምክያዳ ናብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ታንክታት ልኢካ ይብሉ * ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ብምቅዋም ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከም ትወስድ
    10 min
  • ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ብምቅዋም ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ
    ሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት: * ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ብምቅዋም ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ፣ * ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጥዕና ብቝሊ “ጥዕና ብቝሊ፡ ብውሑስ ንግድን ምዕቡል ቴክኖሎጅን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዓለምን ኤርትራን ተዘኪሩ ውዒሉ ተባሂሉ፣ * ሓይልታት ኣምሓራ ሕዚ’ውን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ገበናት ካብ ምፍጻም ከምዘይተዓቀቡ ሁዩማን ራይትስ ዎች ኣቃሊዑ፣ * ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዕጡቓት ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለ መጥቃዕቲ 5000 ተመዛቢሎም፣
    7 min
  • ቢንያም ግርማይ መጉዳእቱ ደሓን ስለዝኾነ ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ቅድድም ክምለስ'ዩ፣ ሳሙኤል ፍሬው ኣብ ዶሓ ተዓዊቱ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/05/2024) * ኣብ ዶሓ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያውያን ሳሙኤል ፍሬውን ፍረወይኒ ሃይሉን ተዓዊቶም፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ድሕሪ ዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ቅድድም ኣቋሪጹ፣ መጉዳእቱ ግን ፈኲስ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ ግዜ ክምለስ ምዃኑን ገሊጹ፣ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ተሳትፎኦም ይቕጽሉ፣ * ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ኪልያን ምባፐ ኣብ ምዝዛም ናይ’ዚ ወቕቲ ካብ ጋንትኡ ፓሪስ ሰይንት ዠርማን ክለቅቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ንፉልሃም 4-0 ብቐሊሉ ድሕሪ ምስዓራ ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ ናይ ምዕታር ዕድላ ርግጽ እናኾነ ይኸይድ፣ መሪሕነት ግን ሕጂ’ውን ኣርሰናል ሒዛቶ፣
    11 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,866 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners