SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ነሓሰ 2023)
    ን ሰለስተ መዓልታት ዝግበር ዋዕላ ብሪክስ ኣብ ደቡብ አፍሪቃ ይካየድ ኣሎ። መዓልቲ ረፈረንደም ንምቕያር ቅዋም ኣውስትራሊያ ዝመጽእ ረቡዕ ክፍለጥ እዩ። "ሂዩማን ራይትስ ዎች"፡ ሓለውቲ ዶባት ስዑዲ ዓረብ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ክኣትዉ ዝፈተኑ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቀቲሎም ክብል ከሲሱ።ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ ዉግእ ቀጺሉ።
    6 min
  • #44 Small talk about extreme weather (Med) - ምስ ኤስ ቢ ኤስ ቋንቋ እንግልዝኛ ንመሃር፡ ዝርርብ ብዛዕባ ሕሉፍ ኩነታት ኣየር
    Learn how to start a conversation about extreme weather. Plus find out where you can find multilingual information about weather emergencies. - ብዛዕባ ክቱር ኵነታት ኣየር ብኸመይ ዝርርብ ከም እትጅምር ተምሃር ። ብተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ኩነታት ኣየር ህጹጽ ኩነታት ኣበይ ክትረኽቡ ከምእትኽእሉ ንምፍላጥ ብዙሕ ቋንቋታት ዝተጻሕፈ ሓበሬታ ርኸቡ ።
    12 min
  • ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ዘጋጥም ሕማማት፡ ምኽሪ ንስደተኛታትን ሓደስቲ ወለዲን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ። (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    ካብ ሕጻንነት ጀሚርካ ኣገልግሎት መውዓሊ ህጻናት ምጅማር ፡ ዕብየት ኣብ ሞያን ናይ ወላዲ ሓላፍነትን ሚዛኑ ዝሓለወ ጠቓሚ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ኰይኑ ግን ፡ እዚ ውሳነ እዚ ፡ ብፍላይ ንሓደስቲ ስደተኛታትን ነቶም ናይ ፈለማ ወለድን ፍሉይ ብድሆታት ኸምጽኣሎም ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ መውዓሊ ህጻናት ኣገባብ እናተጠቐምና ብዛዕባ ዝለዓል ናይ ጥዕና ጉዳያት ንዛረብ ኣለና ።
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ነሓሰ 2023)
    ናይ ሰኑይ 21 ነሓሰ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣብዚ ደቂ ሰባት ካብ ቀደም ንላዕሊ ናይ ተክኖሎጂ ዉሉፋት ኮይኖሙሉ ዘለዉ እዋን፡ ቆልዑ ካብ ብኢንተርኔት ክመጽእ ዝኽእል ዓመጽ ክድሕኑ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ጥቓ ደቆም ክህልዉ ኣድላዪ እዩ። ደቅኹም እወታዊ ተመኩሮ ኣብ ኦንላይን ክረኽቡ እንታይ ክግበር ከምዝግባእ ዝገልጽ ሓደ ትሕዝቶ ቀሪቡ ኣሎ። ቅነ ኣሸንዳ ብምዃኑ ነዚ ዘንጸባርቕ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ላዕለዋይ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ካብ ዳያስፓራ ተጋሩ ኣውስትራልያ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ተበርኪትሉ። ሰበስልጣን ኢማራት ዓረብ ኢትዮጵያ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝለኣኽ ሰደድ ከም ቀንዲ መእተዊ ነጥቢ ኮይና ክትሰርሕ ከም ዝደልዩ ኣፍሊጦም። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብወገኖም ኢማራት ኣብ ሃፍቲታት ማይን ኢነርጂን ሓገዝ ከም ዝደልዩ ሓቢሮም። ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ትስፉው መጻኢ ዝእምት ምዃኑ ተገሊጹ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብ ዝርእዮም ኣርእስታት ዜና ስፖርት፥ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት *ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ኣትለቲክስ 2023 ቡዳፐስት ተዓዊታ፣ ለተሰንበት ግደይን እጅጋየሁ ታየን ከኣ ካልኣይትን ሳልሰይትን ወጺኤን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኩሉ መዳልያት ወሲደንኦ፣ * ኣብ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ስፐይን ንእንግሊዝ ስዒረን ተዓወትቲ ኮይነን፣ * ኣውስትራልያ ብሽወደን ተሳዒረን ብዘይመዳልያ ራብዓይቲ ወጺኤን፣ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ኣብ 47 ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ናብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ከተዕልብ ዝገበረቶ ፈተነ በርዒንዋ። ** ኣውስትራሊያውያን ነዊሕ ዕድመ ኽነብሩን ዝያዳ ዓመታት ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ከምዝነብሩ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ሓድሽ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ። ** ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ልዕሊ 24 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።
    52 min
  • ሰበስልጣን ኢማራት ዓረብ ኢትዮጵያ ናብ ም/ኣፍሪቃ ንዝለኣኽ ሰደድ ከም ቀንዲ መእተዊ ነጥቢ ኮይና ክትሰርሕ ከም ዝደልዩ ኣፍሊጦም።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ላዕለዋይ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ካብ ዳያስፓራ ተጋሩ ኣውስትራልያ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ተበርኪትሉ። ሰበስልጣን ኢማራት ዓረብ ኢትዮጵያ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝለኣኽ ሰደድ ከም ቀንዲ መእተዊ ነጥቢ ኮይና ክትሰርሕ ከም ዝደልዩ ኣፍሊጦም። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብወገኖም ኢማራት ኣብ ሃፍቲታት ማይን ኢነርጂን ሓገዝ ከም ዝደልዩ ሓቢሮም። ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ትስፉው መጻኢ ዝእምት ምዃኑ ተገሊጹ።
    7 min
  • ጉዳፍ ጸጋይ ንለተሰንበት ግደይን እጅጋየሁ ታየን መሪሓ ሰለስቲኡ መዳልያታት ንኢትዮጵያ ኣዕቲራ፣ ስፐይን ሻምፒዮን ዓለም ኮይነን፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/08/2023) *ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ኣትለቲክስ 2023 ቡዳፐስት ተዓዊታ፣ ለተሰንበት ግደይን እጅጋየሁ ታየን ከኣ ካልኣይትን ሳልሰይትን ወጺኤን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኩሉ መዳልያት ወሲደንኦ፣ * ኣብ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ስፐይን ንእንግሊዝ ስዒረን ተዓወትቲ ኮይነን፣ * ኣውስትራልያ ብሽወደን ተሳዒረን ብዘይመዳልያ ራብዓይቲ ወጺኤን፣ እንተኾነ ግን ማቲልዳስ ስለ’ቲ ታሪኻዊ ጉዕዞአን ኣብ ዋንጫ ዓለም ሓወልቲ ክስራሓለን’ዩ፣ * ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ኣብ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዓጀብቲ ፖሊስ ክግበረሉ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ሕቶ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራልያን ተነጺጉ፣
    13 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ነሓሰ 2023)
    ንሎሚ 20 ነሓሰ 2023 ዘዳለናዮ ሓጸርቲ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ሪፖርተራት ብዘይ ዶብ፡ ዝተኣስሩ 11 ጋዜጠኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈትሕ ሓቲቱ። ጋንታ ማቲልዳስ ብጋንታ ሽወደን 2 ብባዶ ድሕሪ ምስዓራ ኣብ ዋንጫ ዓለም ጉዕዞኣ ኣብቂዑ። ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት ጀርመን ናብ ሃገራቶም ዝመለሰቶም ስደተኛታት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ27 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ነሓሰ 2023)
    ሓሙስ 17 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ምረሻ 'ማቲልዳስ' ኣውስትራልያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ 2023 ኣብቂዑ፣ እንግሊዝን ስፐይንን ኣብ ፍጻመ ግጥም ክራኸባ'የን፣ ናይዚ ትንተና ኢብራሂም ዓሊ ከቕርበልና’ዩ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ንሓድነትን ምትሕቚቛፍን ህዝቢ ወሳኒ ዕድል ምኽፋቱ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብደቀንስትዮ ብድሙቕ ዝጽምበል በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኣንፃራዊ ተስፋ ንምኽባር ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ኣስሚዖም። * ብጹእ ኣቡነ ኤፍሬም ናይ ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ጳጳስ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ቆይሙ ዘሎ ሓድሽ መንበረ ሰላማ ኣመሰራርታኡ፡ መጻኢ ግድላቱን ኣሰራርሓኡን ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ መሰልን ሓላፍነት ዉርሻ: ሕጊ ዉርሻ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝሓዘ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ማቲልዳስ ኣብ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ብ ጋንታ እንግሊዝ ሰለስተ-ብሓደ ተሳዒራ ። ** ናይ ናይጀርያ ሄሊኮፕተር ኣብ ግዝኣት ኒጀር ተሓምሺሻ። ** ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ኣብ ማይሎማ ዝበሃል መንሽሮ ደም ኣብ ዘካየዶ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዕዉት ምዃኑ ገሊጹ።
    54 min
  • ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
    ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ንሓድነትን ምትሕቚቛፍን ህዝቢ ወሳኒ ዕድል ምኽፋቱ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብደቀንስትዮ ብድሙቕ ዝጽምበል በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኣንፃራዊ ተስፋ ንምኽባር ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ኣስሚዖም።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners