SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ብዛዕባ ንዝተጎድኡ እንስሳ ዘገዳም ምሕጋዝ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝተፈላለዩን ኣዝዮም መሰጥትን እንስሳ ዘገዳም ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ ፡ እዚ ዝኾነ ድማ ኣውስትራልያ ብደረጃ ኣህጉር ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ተነጺላ ብምህላዋ እቲ ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ዓመታት ዘጋጠመ ናይ ፍሉይ ታሪኽ ፍልቀት እዩ ። ናብ ኣውስትራሊያ ክትገይሽ ወይ ንዳህሳስ ኣብ ትመጻሉ ፤ ገለ ካብ ፍሉያት ዓሌት እንስሳ ዘገዳም ከጋጥሙኻ ይኽእሉ እዮም ። እቲ ዘሕዝን ግና ፡ ሓድሓደ ግዜ እንስሳ ዘገዳም ክሓሙ ይኽእሉ እዮም ፣ ወይ ከኣ ብመካይን ሓደጋ የጋጥሞም፡ ከም ሓዊ ወይ ዕልቕልቕ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓደጋታት ዝስዕብ ጸገም ክጕድኡ ይኽእሉ እዮም ፣ ስለዚ ፡ እተጐድኡ ወይ ዝሓመሙ እንስሳ ዘገዳም እንተ ኣጓኒፎምኻ ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ ?
    10 min
  • ኣማነ በሪሶን ጎትይቶም ገብረስላሰን ተመራሪሐን ብምእታው ንኢትዮጵያ ኣብ ማራቶን ዝለዓሉ መዳልያታት ኣምጺኤን፣ ቫን ዳይክ ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብምህራሙ ብቐይሕ ወጺኡ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/08/2023) * ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም 2023 ኣሜሪካ ብ12 ወርቂ፣ 8 ብሩርን 9 ነሓስን ቀዳመይቲ ወጺኣ፣ ኢትዮጵያ ብ 2 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 3 ነሓስን 6ይቲ ወዲኣ፣ * ኣብ ውድድር ማራቶን ደቀንስትዮ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም 2023 ኢትዮጵያውያን ኣማነ በሪሶን ጎትይቶም ገብረስላሰን ተመራሪሐን ብምእታው ወርቅን ብሩርን መዳልያታት ዓቲረን፣ ክልተ ኤርትራውያን ኣትሌታት ከኣ ኣብ ዝለዓሉ 10 ደረጃታት ወዲኤን፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኣ ኢስጳኛ ኤርትራዊን ኢትዮጵያዊን ተቐዳደምቲ ይሳተፉ’ለዉ፣ * ሎሚ ዓመት ኣብ ዕድጊ ተጻወቲ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝወጽእ ገንዘብ ልዕሊ 2 ቢልዮን ክሓልፍ ምዃኑ ተገሊጹ፣ * ማንቸስተር ሲቲ 100% መዝገብ ዓወት ብምዕቃብ ትቕጽል ዘላ በይና ጋንታ ኮይና መሪሕነት ሒዛ፣ * ንኮኾብ ተጻዋቲት ሃገሩ ብዘይፍቓዳ ኣብ ከንፈራ ብምስዓሙ ካብ መዝነቱ ክወርድ ሕቶታት ዝቐርበሉ ዘሎ ሓላፊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስፐይን እምቢታኡ ይቕጽል፣
    14 min
  • ላዕለዋይ መምርሒ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክልል ኣምሓራ ሰላም ናይቲ ክልል ዝምልከት ገምጋም ኣሳሊጡ።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣብ ካይሮ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝምልከት ድርድር ይካየድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ጎና ጎኒ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣኼባ ክልተኣዊ ርክባት ኣሳሊጡ ከም ዝተመልሰ ተገሊጹ። ሚኒስቴር ሕርሻ ንትግራይ ትራክተራትን ጀነረተራት ማይን ደገፍ ከመይ ዝገበረ ተሓቢሩ። ላዕለዋይ መምርሒ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክልል ኣምሓራ ሰላም ናይቲ ክልል ዝምልከት ገምጋም ኣሳሊጡ። ኣብ መቐለ ብነታጉ ሰባት ብምቕታል ዝተጠርጠረ ሰብ ከም ዝተትሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
    8 min
  • መራሕን ምክትልን ጉጅለ ዋግነር ኣብታ ዝወደቐት ነፋሪት ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ፡ ህዝቡ ሓዘኑ ይገልጸሎም።
    ናይ ሩስያ መርማሪ ኮሚተ ፡ሓላፊ ጉጅለ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ዝሓለፈ ሰሙን ብሓደጋ ነፋሪት ካብ ዝሞቱ ዓሰርተ ሰባት ሓደ ከም ዝዀነ ብመርመራ ዲ.ኤን.ኤ ከም ዘረጋገጸ ገሊጹ ። ሓያሎ ደገፍቲ ፕሪጎዚን ፡ ሞቱ ንምሕዛን ኣብ ሞስኮ ኣብ እተገብረ ሰፊሕ ናይ ዝኽሪ ምትእኽኻብ ተረኺቦም እዮም ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንወተሃደራት ዋግነር ንሩስያ እሙናት ከም ዝዀኑ ኺመባጽዑ እኳ እንተ ኣዘዞም ፡ መጻኢ እቲ ጕጅለ ግና ንጹር ከም ዘይኰነ እዩ ዝገልጽ ።
    7 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ነሓሰ 2023)
    ናይ 27 ነሓሰ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ: ኣርእስታቶም ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ወርቅን ብሩርን መዳልያታት ዓቲረን። ኣብ ጥቓ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ሓያል ነትጒ ኣጋጢሙ። ፊፋ ንሓለቓ ፈደረሽን ስጳኛ ልዊስ ሩቢለስ ብዘይ ፍቓዳ ን ተጻወቲት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ብምስዓሙ ካብ ስልጣኑ ክጥረዝ ጸዊዑ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ነሓሰ 2023)
    ሓሙስ 24 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ እብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያን ካልእ ከባቢታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኲናት ይሕመስ ኣሎ። ናይዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ኩነታት ካበይ ናበይ፧ ጽልዋ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ተዋሳእቲ እቲ ዞባን ነቲ ኩነታት ናበይ ከብጽሕዎ እዮም፧ ተራ ኤርትራ ኣብዚ ኩነታትን ኣብ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓሳትን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ክለዓል ዝኽእል ለውጢን ጽልዋኡን ዝምልከት ምስ ዶክተር ሞሓመድ ኬር ዘተ ገይርና ኣለና ቀዳማይ ክፋሉ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ዋዕላ "ብሪክስ" ኣብ ምብዛሕን ቅልጣፈ ምጽምባር ኣባል ሃገራትን ዝምልከት ዕንቅፋት ከም ዝገጠሞ ተገሊጹ። ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ናብ ምምላስ ከም ዝእቶ ኣፍሊጦም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕያሽ ጸጥታ ከም ዘሎ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ። ባንኪ ዓለም ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ተሓቲቱ* ብዘይካዚ ብርቱዕ ሙቐትን ደርቅን ዘስዓቦ ባርዕ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ከምዝህሉ ብምትንባይ ህዝቢ ክዳሎ ጻዊዒት ቀሪቡ። ከም ኡውን ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ጆሃንስበርግን ትጽቢታቱን ። ዝገልጹ ትሕዝቶታት ኣለዉና ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ዘጋጥም ሕማማት፡ ምኽሪ ንስደተኛታትን ሓደስቲ ወለዲን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ህንዲ ፡ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ፡ መንኰርኰር ጠፈር ብዓወት ዘዕለበት ናይ መጀመርታ ሃገር ኰይና ኣላ ። ** ሓለቓ ጉጅለ ዋግነር የቭገን ፕሪጎዚን ኣብታ ዝወደቐት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ካብዝነበሩ ምዃኑ ተፈሊጡ። ** ሰበ-ስልጣን ፡ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራሊያ፡ ኣብዚ ጽድያ እዚ ንባርዕ ብዝያዳ የቃላዕ ከም ዘሎ ፡ በዚ ከኣ ነቲ ናይ ሓደጋ እዋን ኣቐዲሙ ከም ዝጅምር ኣጠንቂቖም ።
    53 min
  • ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕያሽ ጸጥታ ከም ዘሎ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ።
    ዋዕላ "ብሪክስ" ኣብ ምብዛሕን ቅልጣፈ ምጽምባር ኣባል ሃገራትን ዝምልከት ዕንቅፋት ከም ዝገጠሞ ተገሊጹ። ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ናብ ምምላስ ከም ዝእቶ ኣፍሊጦም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕያሽ ጸጥታ ከም ዘሎ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ ባንኪ ዓለም ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ተሓቲቱ
    9 min
  • ብርቱዕ ሙቐትን ደርቅን ዘስዓቦ ባርዕ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ከምዝህሉ ብምትንባይ ህዝቢ ክዳሎ ጻዊዒት ቀሪቡ።
    ኣውስትራሊያውያን ካብቲ ኣብ ናይ 2019ን 2020ን በቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ጸሊም ክረምቲ ባርዕ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከይድገም ኣብ እዋን ሓጋይ ወቕቲ ባርዕ ዝኣትወሉ ኣቐዲሞም ክዳለዉ ምሕጽንታ ይቐርበሎም ኣሎ ። ሰፊሕ ከባቢታት እታ ሃገር ብሰንኪ ምንካይ መጠን ዝናም ፣ ልዕሊ ማእከላይ መጠን ሙቐት ከምኡ 'ውን ምቅይያር ኩነታት ኣየር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ ።
    5 min
  • ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ጆሃንስበርግን ትጽቢታቱን ።
    መራሕቲ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ጆሃንስበርግ መበል 15 ዓመታዊ ዋዕላኦም የካይዱ ኣለዉ ። እቲ ኣኼባ ብፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ተኣንጊዱ ፣ ንኣባልነት እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምስፋሕን ንምዕራባዊ ጽልዋ ንምምካትን ምሕያልን ዝዓለመ ዘተ ክግበር እዩ ።
    6 min
  • "ኣብ ዞባና ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝተሓላለኸን ዝተተሓሓዘን እዩ ኮይኑ ዘሎ።" ዶ/ር መሓመድ ኬር ዑመር
    እብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያን ካልእ ከባቢታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኲናት ይሕመስ ኣሎ። ናይዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ኩነታት ካበይ ናበይ፧ ጽልዋ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ተዋሳእቲ እቲ ዞባን ነቲ ኩነታት ናበይ ከብጽሕዎ እዮም፧ ተራ ኤርትራ ኣብዚ ኩነታትን ኣብ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓሳትን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ክለዓል ዝኽእል ለውጢን ጽልዋኡን ኣብዚ ምስ ዶክተር ሞሓመድ ኬር ተዘትይሉ ኣሎ።
    24 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners