SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መስከረም 2023)
    ናይ ሰኑይ 11 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ጽባሕ ብ ኣቆጻጽራ ግእዝ ሓድሽ ዓመት 2026 ከምኡ’ውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስ እዩ። ንኹሎም ተብዕሉ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ብሩኽ ኣውደኣመትን ንምነየልኩም። ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2016 ከምኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን መልእኽቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ ሂቦም ኣለዉ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ መበል ራብዓይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምዝዛሙ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ግብፂ ብወገና ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ በይናዊ ውሳኔ ደው ከተብል፤ ሊግ ዓረብ ጸቕጢ ክገብረላ ጸዊዓ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ሞሮኮ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣስሩ መሪሕነት 4 ውድባት ብዋሕስ ክፍትሑ ብቤት ፍርዲ ተፈቒዱ ግን ከም ዘይተፈትሑ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ፓስፖርት ጸገም ይፍታሕ ከም ዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እስራኤል ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይትሰጒግ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ዝተፈላለዩ ናይ ኣውደኣመት ዜማታትውን ክንጋብዝ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሞሮኮ ድሕሪ እቲ 6.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፡ ብደረጃ ሃገር ረድኤት ንምትእኽኻብ ጻዕሪ ትገብር ኣላ ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብቲ ናይ G20 ዋዕላ ነቲ ናይ መወዳእታ መደረኡ ተጠቒሙ ፡ ሃገራት ኣብ ዚ "ወሳኒ ኩነታት" ተኣኻኺበን ክሰርሓ ተማሕጺኑ ። ** ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 40 ሰባት ተቐቲሎም ብዙሓት ድማ ቆሲሎም ።
    50 min
  • ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣስሩ መሪሕነት 4 ውድባት ብዋሕስ ክፍትሑ ብቤት ፍርዲ ተፈቒዱ ግን ከም ዘይተፈትሑ ተገሊጹ።
    መበል ራብዓይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምዝዛሙ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ግብፂ ብወገና ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ በይናዊ ውሳኔ ደው ከተብል፤ ሊግ ዓረብ ጸቕጢ ክገብረላ ጸዊዓ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ሞሮኮ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣስሩ መሪሕነት 4 ውድባት ብዋሕስ ክፍትሑ ብቤት ፍርዲ ተፈቒዱ ግን ከም ዘይተፈትሑ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ፓስፖርት ጸገም ይፍታሕ ከም ዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እስራኤል ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይትሰጒግ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ።
    9 min
  • መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ካብ መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለማርያም ሃይሉ፡ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርስበን።
    ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2016 ከምኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን መልእኽቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ።
    11 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መስከረም 2023)
    ናይ ሎሚ 10 መስከረም 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ሞሮኮ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 2,012 ሰባት ሞይቶም 2,059 ድማ ጉድኣት ወሪድዎም ። ሰብመዚ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ተቓውሞ ክገብሩ ዝፈተኑ ሰልፈኛታት ማህረምቲን ማእሰርቲን ከም ዝፈጸሙ ዝገልጽ ጸብጻባት ከም ዘተሓሳሰቦ ኣምነስቲ ኢነትርናሽናል ገሊጹ። ሓደ ብግብረ-ሽበራ ክሲ ተኣሲሩ ዝነበረ ወተሃደር ብሪጣንያ ነበር ፡ ኣብ ለንደን ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምምላጡ ተታሒዙ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መስከረም 2023)
    ሓሙስ 7 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 14 ጥቅምቲ ኣብ ቅዋም ለውጢ ክግበር ድምጾም ክህቡ እዮም። ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ፓርላማ ድምጾም ዘስምዕሉ ኣካል ንክቐውም ህዝቢ "እወ" ይኹን ወይ "ኣይፋል" ኣየድልን ኢሎም ድምጾም ክህቡ እዮም። ኣብዚ ለውጢ ንጹር ዘይኮነ ንምንጻር ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ኣድልዎ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ብኣባላት ፀጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናት ጉዳያት ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብወተሃደራታ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበናት ዝምልከት መልሲ ሂባ። ኢብ ኢትዮጵያ፡ 35 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሃገራዊ መድረኽ ክዳሎ ፀዊዐን መንግስቲ እስራኤል ጅምላዊ ምጥራዝ ኤርትራዊያን ንከይትግብር ውድብ ሕቡራት ተማሕጺኑ። መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንለውጢ ነባሪ ኣየር ዝውዕል ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክተኣታተው ጸዊዖም። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ናይ ከተማ መናፈሻታትን ኣገባባት ኣጠቓቕማኦምን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ነገራት።፡ ዝሓዘ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ዋዕላ ክሊማ: መራሕቲ ዓለም ዝተፈላለዩ እማመታት ብምቕራብ ተዛዚሙ ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣውስትራልያ ምስታ ዝዓበየት ናይ ንግዲ መሻርኽታ ዘለዋ ቊጠባዊ ምትእስሳር ንምዕራይ ፡ ምስ ቻይናዊ ፕሪሜር ሊ ኪያንግ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ክዘራረብ እዩ ። ** ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሳን ጆሴ ዝጠፍአ ናይ ኔትፍሊክስ ሶፍትዌር መሃንዲስ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ትማሊ ረቡዕ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም። ** መንግስቲ እስራኤል ጅምላዊ ምጥራዝ ኤርትራዊያን ንከይትግብር ውድብ ሕቡራት ተማሕጺኑ።
    58 min
  • ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብወተሃደራታ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበናት ዝምልከት መልሲ ሂባ።
    ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ብኣባላት ፀጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናት ጉዳያት ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብወተሃደራታ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበናት ዝምልከት መልሲ ሂባ። ኢብ ኢትዮጵያ፡ 35 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሃገራዊ መድረኽ ክዳሎ ፀዊዐን መንግስቲ እስራኤል ጅምላዊ ምጥራዝ ኤርትራዊያን ንከይትግብር ውድብ ሕቡራት ተማሕጺኑ። መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንለውጢ ነባሪ ኣየር ዝውዕል ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክተኣታተው ጸዊዖም።
    10 min
  • ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ረፈረንደም ክግበር እዩ፡ ንምንታይ "እወ" ወይ "ኣይፋል" ንምድማጽ ጎስጓስ ዝካየድ ዘሎ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ
    ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 14 ጥቅምቲ ኣብ ቅዋም ለውጢ ክግበር ድምጾም ክህቡ እዮም። ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ፓርላማ ድምጾም ዘስምዕሉ ኣካል ንክቐውም ህዝቢ "እወ" ይኹን ወይ "ኣይፋል" ኣየድልን ኢሎም ድምጾም ክህቡ እዮም። ኣብዚ ለውጢ ንጹር ዘይኮነ ንምንጻር ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ኣድልዎ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ሂቡና ኣሎ።
    16 min
  • ተሓዳሲ ጸዓት ኣብ ኬንያ።
    ኬንያ ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ጸዓታ ካብ ተሓደስቲ ምንጭታት ከም ጂኦተርማል ፣ ሃይድሮ ፣ ንፋስን ጸሓያዊ ጸዓትን ትረክብ ። ጸሓያዊ ጸዓት ንኢንዱስትሪን ኣብ ገዛን ዝያዳ ሰሓቢ እናዀነ ምስ ከደ ፡ እታ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃገር ፡ ከም ጸሓያዊ ጸዓት ዜመንጭዋ መሳሪሒታትን ኢንቨርተራትን ዝኣመሰለ ፍርያት ካብ ደገ ናይ ምምጻእ ስራሕ ደው ኣቢላቶ እያ ። ናይ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ዋዕላ ክሊማ ኣብዚ ሰሙን [5 መስከረም] ካብ ናይሮቢ ጀሚሩ ፡ ናይ ኬንያ ፕረሲደንት ዊልያም ሩቶ ፡ እታ ኣህጉር ኩሉ ሓይላ ብተሓዳሲ ጸጋታት ከተሐይል ከም እትኽእል ተዛሪቡ ።
    6 min
  • ናይ ከተማ መናፈሻታትን ኣገባባት ኣጠቓቕማኦምን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ነገራት።
    ኣውስትራሊያውያን ንፓርክታቶም ይፈትውዎን ንዝተፈላለየ መዓላ ይጥቀሙሉን ። እዚ ሓምላይ ቦታታት እዚ ፡ ኸልቢ ንምዝዋር ፡ ንምዝናይ ፡ ፡ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባርን ፡ ምስ ፈተውቲ ኣብ ዝግበር ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ፡ ን ፒክኒክ ፡ ባርቢኲ ምግባር ንዚግበር ምትእኽኻብ ፡ ን ኣጋጣሚታት በዓል ንምትእንጋድ ፡ ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ንምግባር ኣጋጣሚ ዝኸፍት እዩ ። ኣዘውቲርካ ናብ መናፈሻ ትኸይድ ኩን ኣይትኹን ወይ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ህዝባዊ ሓምላይ ቦታታት ክትድህስስ ትደሊ እንተኾይንካ: ሕግታትን ገለ ካብቲ ልሙድ ናይ ስነ-ስርዓት ምኽርታት ምፍላጥ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ መናፈሻ ብግቡእ ንኽትጥቀመሉ ክሕግዘካ እዩ: እዚ ከኣ ሓጐስ ናይ ኵሉ እናኣረጋገጽካ: ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ መናፈሻ ብግቡእ ንኽትጥቀመሉ ክሕግዘካ እዩ ።
    10 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 መስከረም 2023)
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ዘቕርበልኩም በየነ ሰመረ ናይ ሎሚ 6 መስከረም ኣርእስታት ዜና እዞም ዝስዕቡዮም፡ ወተሃደራት ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ትግራይ ሰባት ብምቕታልን ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቢሩ። ሰብ መዚ ሩስያ ፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ሩስያ መጥቃዕቲ ንምፍናው ፡ ናይ ኣውስትራልያ ድሮን ትጥቀም ከም ዘላ ገሊጾም ። ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 6 ኣባላት ተቓዋሚ ውድባት ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners