SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ወጥሪ ኣብ መንጎ ካናዳን ህንዲን መስርሕ ቪዛ ደው ክብል ኣብግቢሩ፥ መበኣሲአን እንታይ እዩ፧
    ካብ ህንዲ ክፍለዩ ዝደልዩ ኣባል ሲክ ዝኾነ ሃርዲፕ ሲንግ ኒጃር ኣብ መሬት ካናዳ ምስ ተቐትለ ፡ ህንዲ ን ዜጋታት ካናዳ ቪዛ ምሃብ ኣቋሪጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ፡ ነቲ ብዛዕባ ሞት ነጃር ዝምልከት ኣብ ዝግበር መርመራ ህንዲ ኽትተሓባበር ጸዊዑ ኣሎ ።
    7 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መስከረም 2023)
    ንሎሚ 24 መስከረም 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፡ ኣመሪካ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ኣመሪካዊ ሰብ ምስ ስለያ ዝተሓሓዝ ክሳብ ብሞት ዘቕጽዕ ሰለስተ ክስታት ኣቕሪባትሉ። ቀ/ሚ ኣልባነዝ ንደገፍ እወ ድምጺ ደቀባ ኣብ ፓርላማ ምስ ዝጉስጉሱ ተሳቲፉ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ እስራኤላውያን ፡ ናይ ተቓዉሞ ሰልፎም ቀጺሎም ።
    5 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 መስከረም 2023)
    ሓሙስ 21 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝማዕበለ ናይ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ChatGPTብቋንቋ ትግርኛ ክትጥቀመሉ ከም ዝኽእል ማዕቢሉ ኣሎ። ኣብዚ ቅሩብ መዓልታት ድማ ህዝቢ ክጥቀመሉ ንክኽእል ብ ኣፕ ተዘርጊሑ ኣሎ። ብዛዕባዚ ተክኖሎጂን ብትግርኛ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝብዛዕባ ዘሎ ቻትጂቢቲ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ናይ መከላኸሊ መልሲ ክህሉ ምዃኖም ተገሊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ሶማልያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ዕድመ ስራሕ ኮሚሽን መፃረይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንክናዋሕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ካብ ተኻዕብቶ ሃብቲ ዝኽፈል ግብሪ ወይ ናይ ካፒታል ገይን ታክስ (CGT) እንታይ’ዩ፧ መን’ዩ ዝኸፍልከ፧ ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ታዝማኒያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ፡ ሰባት ኣብ ማካይኖም ክሓድሩ ተገዲዶም ** ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ኣብ ሊብያ ብዛዕባ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ኣጠንቂቑ ኣሎ ። ** ኢጣልያ፣ ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምትሕግጋዝን ዘድሃበ ዘተ ኣካዪዳ
    54 min
  • ብምቖት እናደደ ዝኸይድ ዘሎ ምድሪ፥ ዝገደደ ይመጽእ ከም ዘሎ መጠንቀቕታታት ይወሃብ
    ኣውስትራሊያ ዝለዓለ ናይ ወቕቲ ጽድያ (Spring) ሙቐት ተመዝግብ ኣላ ፡ ናይ ጥዕና ክኢላታት ድማ ነቲ ዘይተርፍ ዝመጽእ ዘሎ ኣዝዩ ብርቱዕ ሙቐት ሓጋይ ምድላው ክገብሩ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ ኣለው ። ቢሮ ሜትሮሎጂ ድማ ኣውስትራልያ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ክሊማ ኤል ኒኖ ኣትያ ከም ዘላ ኣዊጁ ኣሎ ።
    7 min
  • ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ናይ መከላኸሊ መልሲ ክህሉ ምዃኖም ተገሊጹ።
    ኣርእስታት ጸብጻብ: ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ሶማልያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ኢጣልያ፣ ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምትሕግጋዝን ዘድሃበ ዘተ ኣካዪዳ ዕድመ ስራሕ ኮሚሽን መፃረይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንክናዋሕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ።
    8 min
  • ካብ ተኻዕብቶ ሃብቲ ዝኽፈል ግብሪ ወይ ናይ ካፒታል ገይን ታክስ (CGT) እንታይ’ዩ፧ መን’ዩ ዝኸፍልከ፧
    ካብ ተኻዕብቶ ሃብቲ ዝኽፈል ግብሪ ወይ ናይ ካፒታል ገይን ታክስ (CGT) ንትውንኖ ገዛ ኣብ ትሸጠሉ ካብቲ ትረኽቦ መኽሰብ ዝኽፈል ግብሪ እዩ ። እዚ ግብሪ እዚ ኣብ ውሽጢ ናይ እቶትካ ተመላሲ / ግብሪ (income tax return)ይጠቓለል እዩ ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ኣብቲ ናይ ኣውስትራሊያ ፋይናንሲያዊ ዓመት ኣብ 30 ሰነ ምዝዛም ይቐርብ ። ከም ገዛ፡ ንብረት ወይ ብርኪ ዝኣመሰሉ ናይ ካፒታል ንብረት እንተሸይጥካ ፤ ንኸይትቕጻዕ ኣብቲ ግብሪ ኣብ ትመልሰሉ እዋን መኽሰብካን ክሳራኻን ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ ።
    11 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መስከረም 2023)
    ናይ ሎሚ 20 መስከረም 2023 ኣርእስታት ዜና ኤስ ቢ ኤስ፥ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓፈሻዊ ጉባኤ ንዩክረይን ናይ ደገፋ ቃል ኣስሚዓ ። ሓደ ዓመት ድሕሪ ምፍራም ዉዕል ፕሪቶሪያ ገበናት ኲናት ይቕጽል ከምዘሎ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ጣልያን ዳግማይ ብስደተኛታት ትዕለቕለቕ ኣላ ብምባል ኣማሪራ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2023)
    ናይ ሰኑይ 18 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ እታ ኣብ ደረቕ መሬት ምሉእ ዓመት ዉዕዉዕቲ ዝነበረት ከተማ ደርና ዋዲ ኣብ ከባቢኣ ብርቱዕ ዝናብ ብምዝናቡ ማያ ዓቂቡ ዝነበረ ዲጋ ፈሪሱ ኣብትሕቲ እቲ ዲጋ ዝነበረ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ብ 10 መስከረም ኣጥለቕለቖ ። ነቲ ኣብ ሊብያ ዝወረደ ጥፍ ኣት ዝምልከት ዘሎ ናይ ምድሓን ስርሒት ኩነታት ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣለና ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሃገራዊ ኮሚሽን ልዝብ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ንምዝርራብ ይሸባሸብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ክቕጽል ሓቲቱ። ወከልቲ ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ብዛዕባ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍቲን ሕማማት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ተሳቲፈን። ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ። ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ታሪኻዊ መስጅዲ ኣል ነጃሺ ተበጊሱ። ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሽቱትጋርት 32 ሰባት ቆሲሎም። ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን’ውን ከም ዝጥቀምሉ ዝንገር ቪዛ ፖላንድ ከቢድ ሕቶ ኣበጊሱ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ዜማታትውን ክንጋብዝ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ሰንበት (17 መስከረም) ኣብ መላእ ሃገር ናይ ደቀባት ድምጺ ኣብ ፓርላማ ብምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ። ** ጉጅለ ረድኤት Médecins Sans Frontières ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ንልዕሊ 20 ሰዓታት 471 ስደተኛታት ከምዘድሓነ ገሊጹ ። ** ልዕሊ26 ጎየይቲ ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወስድሉ ማራቶን ሲድኒ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያዊት ራሕማ ቱሳ ካልኣይቲ ወጺኣ፣
    44 min
  • ኣብ ደርና/ሊብያ ብውሕዱ 891 ህንጻታት ከም እተደምሰሰን፡ ከንቲባ እታ ከተማ ድማ 20,000 ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ ኢሉ ።
    እታ ኣብ ደረቕ መሬት ምሉእ ዓመት ዉዕዉዕቲ ዝነበረት ከተማ ደርና ዋዲ ኣብ ከባቢኣ ብርቱዕ ዝናብ ብምዝናቡ ማያ ዓቂቡ ዝነበረ ዲጋ ፈሪሱ ኣብትሕቲ እቲ ዲጋ ዝነበረ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ብ 10 መስከረም ኣጥለቕለቖ ። ኣብታ ዘዕለቕለቐት ከተማ ኣብ ኣድሕን ህይወት ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት ስርሖም ኣብዝጅመርሉ ፡ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ግሪኽን ሰለስተ ሊብያውያንን ተቐቲሎም ።
    7 min
  • ጉዳፍ ጸጋይ ሓድሽ ክብረወሰን 5000 ሜ ኣመዝጊባ፣ ኣብ ተርታ ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2 ኤርትራውያን ዝለዓለ ቦታ ሒዞም፣ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ቅልውላው
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (18/09/2023) * ጉዳፍ ጸጋይ ሓድሽ ክብረወሰን 5000 ሜ ኣመዝጊባ፣ * ልዕሊ26 ጎየይቲ ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወስድሉ ማራቶን ሲድኒ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያዊት ራሕማ ቱሳ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ * ኣልማዝ ኣያና ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኒው ደልሂ፣ ህንዲ፣ ኣብ ዝካየድ ማራቶን ክትሳተፍ’ያ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ላ ቩወልታ ኣ ኢስጳኛ ሰንበት ብዓወት ኣሜሪካዊ ሴፕ ከስ ተዛዚሙ፣ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄር ብሓፈሽኡ መበል 82 ተርታ ብምሓዝ ምሉእ ተሳትፎኡ ኣጠናቒቑ፣ * ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝለዓሉ 10 ብሉጻት ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ ተሰሪዖም፣ * ጋንታ ከተማ ባህር ዳር ኣብ መባእታዊ ቀዳማይ እግሪ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ካፍ ኮንፈደረሽንስ ካፕ ንቱኒዝያዊት ጋንታ ክለብ ኣፍሪከይን 2-0 ስዒራታ፣ * ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብብራይተን ኣብ ሜድኣ 3-1 ዝተሳዕረት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ቅልውላው ተሸሚማ፣
    13 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners