SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • "ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደግ ክትውንን ናይ ህላዌኣ ሕቶ’ዩ።"ኣምባሳደራ ናይታ ሃገር ኣብ ቤልጁምን ትካላት ሕብረት ኤውሮጳን።
    ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዎ፡ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ስርሑ ጀሚሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ውፅኢት ምርመራ ከምዝረኽበ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቃሊዑ። ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደግ ክትውንን ናይ ህላዌኣ ሕቶ’ዩ ክብል ኣምባሳደራ ናይታ ሃገር ኣብ ቤልጁምን ትካላት ሕብረት ኤውሮጳን ምዝራቡ ተሰሚዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝኾኑ ኣደን ውላድን ዝተቐትሉሉ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ካብ ጥቅምቲ 3 ክሳብ 5 /2016 ዓ.ም ዝትግበር መምርሒ ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘንን ክብርን ስውኣት ትግራይ ዕላዊ ኾይኑ።
    9 min
  • ኩነታት እቶም ካብ ኢጣልያ ክሰግሩ ዝፍትኑ ፈረንሳ ተሳጉጎም ዘላ ስደተኛታት።
    ስደተኛታት ብጃላቡ ብብዝሒ ኣብ ዝ ኣትውሉ ዘለዉ መራሕቲ ኤውሮጳ ፡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ንምግታእ ሓድሽ ውጥን ከም ዝወጸ ክገልጹ ተዳልዮም ኣለዉ ። ጥልያንን ካልኦት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራትን ፡ ካልኦት ሃገራት ነቶም ንውሽጣዊ ዶባት ኅብረት ኤውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ንምዕጋት ኣብ ዝገብራኦ ዘለዋ ስጉምትታት ፡ ብዙሕ ጾር ይስከማ ከም ዘለዋ ይኣምና ። ብዙሓት ስደተኛታት ናብታ ኣብ ዶብ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ቨንቲሚሊያ እዮም ዝኸዱ ፡ ፈረንሳ ናይዚ ጉዕዞ ናይ መወዳእታ መዕረፊት እያ ። እንተኾነ ሰበስልጣን ፈረንሳ ነቶም ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ንምምላስ የፈራርህዎምን ይደፍእዎምን ኣለዉ ፡ እዚ ስጉምቲ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት የጨንቕ ኣሎ ።
    7 min
  • ኣብ ስራሕ ስራሕ ኣገልግሎት ኤን ዲ ኣይ ኤስ (NDIS) ዘሎ ዕድላትን ብድሆታትን፥ መብርሂ ኣቶ ኣማን መብራህቱ
    መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ንዝዋፈሩ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ምስዚ ስራሕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳያት ከብርሃልና ኣብ ፋይናንሲያዊ መዳይ እቲ ስራሕ ተዋፊሩ ነቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ክኢላዊ ምኽሪ ዝህብ ናይ ፋይናንስ ኪኢላ ኣማን መብራህቱ ብዛዕባኡ ገሊጹልና ኣሎ ።
    19 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (ዕለት 04 ጥቅምቲ 2023)
    ንሎሚ 4 ጥቅምቲ 2023 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ 368 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደጋ ጃልባ ዝሞቱሉ መበል 10 ዓመት ብሓዘን ይዝከር ኣሎ። ኣብ ደቡባዊ ገማግም ኒው ሳውዝ ዌልስ ሓያሎ ኣባይቲ ብሰንኪ ባርዕ ከም ዝነደደ ጸብጻባት ይውጽኡ ኣለዉ ። ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ወሪድዎ።
    6 min
  • ኣብ ስነ ህይወት ዘርኢ/ዓሌት ህይወታውያን ኣብ ምልላይን ምምዝጋብን (ባዮብልዝ) ምስታፍ ዝህቦ ጥቕሚ ።
    ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ሰፊሕ ምድረ በዳታትን ትሮፒካዊ ጫካታትን ውርጪ ዝበዝሖ ጫካን ናይ ዝናብ ጫካን ዝርከብዎም እተፈላለዩ ዓይነት ስርዓተ ህይወታዊ ብዝሑነት ኢኮሲስተም ይርከቡ ። እዚ ብዙሕ ዝዓይነቱ ህይወታዊ ፡ እተፈላለዩ ኣትክልትን እንስሳታትን ደቀቕቲ ተህዋ ስያንን ዝሓቘፈ እዩ ። ኣብ ሓደ ዞባ ብዛዕባ ዘለዉ እተፈልዩ ዓሌት ህይወት ብምምርማር ፡ ብዛዕባ ኣከባቢና ዝሓሸ ምርዳእ ክህልወና ይኽእል እዩ ፣ ብኸመይ ብዝበለጸ ኽንከናኸኖ ከም እንኽእል እውን ክንርኢ ንኽእል ኢና ። ብተወሳኺ ፡ እዚ ንጥፈት እዚ ፡ ሓደስቲ ናይ ኣትክልቲ ወይ እንስሳታት ዓሌት ንኺርከቡ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ናይ ህይወት ዓሌት ወይ ዘርኢ ኣብ ምልላይን ምምዝጋብን ዝግበር ሱታፌ ዜጋታት ኣብ ስነ ህይወት ወይ ኣብ ሳይንስ ባዮብልዝ ይበሃል ።
    10 min
  • ክትዕ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣውስትራሊያ (ቀዳማይ ክፋል)
    ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣብዚ ቅሩብ እዋን "ብርጌድ ንሓመዱ" ብዝብል ሓድሽ ኣወዳድባ ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፍ ፌስቲቫል ኤርትራውያን ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓዉሞታት ክገብሩ ተራእዮም። ነበርቲ ኣውስትራሊያ ዝኾኑ ነዚ ኣገባብ ተቓዉሞ ዝድግፉን ዝቃወሙን፡ ንምንታይ ክድገፍ ኣለዎ ዝብሉ በቲ ሓደ ወገን እዚ ኣገባብ እዚ ድጉፍ ኣይኮነን ዝብሉ በቲ ሓደ ወገን ካብ ሲድኒ ሃቱ፡ ካብ መልበርን ሃይለየሱስን መሓመድ ኢማምን ካብ ብርስቤን ዳዊት ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ። ካልኣይ ክፋል ኣብዝቕጽል።
    28 min
  • ኣብ ኣውስትራሊያ ዝግበር ዘሎ ረፈረንደም እንታይ እዩ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ዓብደራሒም ጅምዕ
    ዕለት 14 ጥቅምቲ 2023 ኣውስትራሊያዊያን ድምጾም ክህቡ ክውዕሉ እዮም። ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ ንኽህሉ ናይ ቅዋም ልወጢ ክግበር ንዝብል እወ ወይ ኣይፋል ብምባል ድምጾም ክህቡ እዮም። ነዚ ዝምልከት ተወሳኺ መብርሂ ዶ/ር ዓብደራሒም ጅምዕ መብርሂ ሂቡና ኣሎ፣
    17 min
  • ዲሪበ ወልተጂ ሓድሽ ክብረወሰን ሓደ ማይል ኣመዝጊባ፣ ቢንያም ግርማይ ሻምናይ ወጺኡ፣ ስዕረት ሊቨርፑል ይቕሬታ ደያኑ ኣገዲዱ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/10/2023) * ኢትዮጵያዊት ዲሪበ ወልተጂ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ርሕቀት ሓደ ማይል ክብረወሰን ብዝኾነ ግዜ ተዓዊታ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ሓደ ክላሲክ ቅድድም ብሽግለታ ዝድነቕ 8ይ ወጺኡ፣ * ኣልኣህሊ ኣብ ካልኣይ እግሪ መባእታዊ መጻረዪ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ንካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ ንቅዱስ ጊዮርጊስ 4-0 ስዒራታ፣ ብውህሉል 7-0 ብምዕዋት ከኣ ናብ ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ፣ * ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ/ኣፍኮን 2027 ኬንያ፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን ብሓባር ከአንግድኦ ምዃነን ተፈሊጡ፣ * ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ናይ ቪድዮ ተሓጋጋዚ ዳኛ ብዝፈጸሞ ጌጋ ብቶተንሃም ድሕሪ ምስዓራ ናይ’ዚ ሰሙን ዝዓበየ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ፣
    13 min
  • ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት ንምግታእን ናብ ዝመጽዎ ንምምላስን ዝተጋበአ ዋዕላ።
    ሓንቲ ናይ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ጃልባ ምስ ሓንቲ ከባቢ 50 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ንእሽቶ ጃልባ ተጋጭያ፡ ነታ ናይ ጎማ ጃልባ ከም እትጥሕል ብምግባር ነቶም ኣብ ዉሽጣ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ጥሒሎም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ። እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ዝሃለወሉ ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኤውሮጳ ሓድሽ ናይ ፍልሰትን ዑቕባን ስምምዕ ክግበርን፣ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንዚፍኖ ጕዕዞ ስደተኛታት ንምዕጋትን ጸቕጢ ይበዝሖ ኣሎ ።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners