SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ክፍሊ ሕጊ ፓርላማ ፃንሒት መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክናዋሕ ሓቲቱ።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኣሸማጋሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ወቒሱ. ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝውዕል 126 ሺሕ ኩንታል ሓገዝ ምግቢ ከም ዝቐረበ ተገሊጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ንፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ተገሊጹ። ማእኸላይ ኮሜቴ ውድብ ህወሓት ኣብ ስትራቴጂክ መሪሕነት ዝተርኣየ ድኽመትን ምግምጋሙ ገሊጹ። ክፍሊ ሕጊ ፓርላማ ፃንሒት መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክናዋሕ ሓቲቱ። ቁፅሪ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝሞቱ ስደተኛታት ብ3 ዕፅፊ ወሲኹ
    7 min
  • ሓጸርቲ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ጥቅምቲ 2023)
    ን ሎሚ 1 ጥቅምቲ 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፡ ሓደ ኤርትራዊ ብቐዳም ኣብ እስራኤል ኣብ ሓደ ናይ ሕድሕድ ዕግርግር ተወጊኡ ክመውት'ከሎ ፡ ካልኦት ሸሞንተ ኤርትራውያን ድማ ከምዝቈሰሉ ተፈሊኦጡ። ኣንስቲ መጠን መንሽሮ ጡብ ኣብዝውስኸሉ ዘሎ ንጥዕና ኣጥባተን ብዕቱብ ክከታተላ ምሕጽንታ ቀሪቡ ። ትማሊ ቀዳም ኣብ መልበርን ኣብ ዝተኻየደ ናብ መወዳእታ ግጥም ኤ ኤፍ ኤል ወይ ፉቲ ጋንታ ኮሊንግዉድ ፡ ን ብሪዝቤን ላየንስ ብኣርባዕተ ነጥቢ ብልጫ ስዒራ ዋንጫ ዓቲራ።
    7 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 መስከረም 2023)
    ሓሙስ 28 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ መንግስቲ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ንዝዋፈሩ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ምስዚ ስራሕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳያት ከብርሃልና ኣብ ፋይናንሲያዊ መዳይ እቲ ስራሕ ተዋፊሩ ነቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝሕግዝ ናይ ፋይናንስ ኪኢላ ኣማን መብራህቱ ብዛዕባኡ ገሊጹልና ኣሎ ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዑስማን ሳልሕ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምዝርራቡ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ፣ "ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ክእወጅ' ምዃኑ ተሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ክጽግኑ ዝኽእሉ ኮንትራክተራት ኣብ ምሕራይ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ ። ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተሰሚዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዜጋታት ብጥሜት ምሟት ከም ዝቐጸለ ተገሊጹ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ኣብ ኣውስትራሊያ መኪናኻ ምሻጥ፡ ጠቐምቲ መምዘኒታትን ምኽሪታትን ብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ጃሲንታ ኣላን ናይ ቪክቶሪያ ሓዳሽ ፕሪሜር ኮይና ተሸይማ። ** ኣብዚ ዓመት ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብሕማም ኮሌራ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝወሰኸ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ** ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተሰሚዑ።
    52 min
  • ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዜጋታት ብጥሜት ምሟት ከም ዝቐጸለ ተገሊጹ።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዑስማን ሳልሕ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምዝርራቡ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ፣ "ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ክእወጅ' ምዃኑ ተሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ክጽግኑ ዝኽእሉ ኮንትራክተራት ኣብ ምሕራይ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ ። ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተሰሚዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዜጋታት ብጥሜት ምሟት ከም ዝቐጸለ ተገሊጹ።
    6 min
  • "ብስደት ዝመጽእ ህዝቢ ኣዝዩ ብዙሕን ቅልጡፍንዩ ኮይኑ።" ብሪጣንያ ሕጊ ስደተኛታት ዓለም ክቕየር ትደሊ፡
    ናይ ብሪጣንያ ጸሓፊት ዉሽጢ ሃገር ሱኤላ ብራቨርማን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዘስምዓቶ መደረ ኣብ ዩ-ኬ ሕብረ ብዙሕ ባህልታት ፈሺሉ እዩ ኢላ። ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብስደት ዝመጽእ ህዝቢ ኣዝዩ ብዙሕን ቅልጡፍንዩ ነይሩ ድማ ኢላ። ንሳ ኣብ ዓለም ናይ ዑቕባ መስርሕ ለውጢ ክግበር ጸዊዓ ዝጸወዐት ኮይና ፡ እዚ ድማ ንፍልሰት ዘይምቁጽጻር ንሃገራት ምዕራብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ኢላ ። እንተኾነ ግን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ነቲ ዝሃበቶ ነቐፌታ ነጺግዎ ኣሎ ።
    6 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 መስከረም 2023)
    ንሎሚ 27 መስከረም 2023 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና: ቪክቶሪያ ሓድሽ ፕሪሜር ክትፈልጥ ትዳሎ፡ ማእከላይ ሽማግለ ህ ውሓት፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ክብል መግለጺ ኣውጺኡ። ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ዞባ ሓያል ንክትከውን ፣ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ዝህልዋ ጽልዋ ምስ ዝዓቢ ጥራይ ምዃኑ’ ተገሊጹ። ኣብ ሓደ ናይ ዒራቕ ጽምብል መርዓ ብዝተፈጥረ ባርዕ ልዕሊ 100 ዕዱማት ሞይቶም።
    6 min
  • ኣብ ኣውስትራሊያ መኪናኻ ምሻጥ፡ ጠቐምቲ መምዘኒታትን ምኽሪታትን
    ነታ ዘገልገለት ማኪናኻ ሸይጥካ እተፋንዋሉ እዋን ምስ ኣኸለ ፡ ጽቡቕ ገይርካ ምሕጻብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ሰርቪስ ከምተገብረላ ዝገልጽ መጽሓፍን ቅብሊት ክፍሊታትን ምድላው'ውን ኣገዳሲ እዩ። ኣበየናይ ከባቢ ናይ ኣውስትራሊያ ትነብርሉ ቦታ ብምምርኳስ ናይ ግሊ ማኪና ክትሸጡ ከለኹም መምዘኒታት ይፈላለዩ እዮም ። ኣብ ብምሉኡ እቲ መስርሕ ምሻጥ ኣድላዪ ስጕምትታትን ኣሰራርሓታትን ምርዳእ ፣ ማኪናኻ ነቲ መሸጣ ንምፍጻም ካብ ምድላው ግዜ ኣትሒዙ ፣ ዋንነት ብዘይ ሕርኽርኽንን ሕጋውን መገዲ ከም ዝመሓላለፍ ክግበር ይከኣል እዩ ።
    10 min
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መስከረም 2023)
    ናይ ሰኑይ 25 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ካብ ህንዲ ክፍለዩ ናይ ዝደልዩ ኣባል ሲክ ዝኾነ ሃርዲፕ ሲንግ ኒጃር ኣብ መሬት ካናዳ ምስ ተቐትለ ፡ ህንዲ ን ዜጋታት ካናዳ ቪዛ ምሃብ ኣቋሪጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ፡ ነቲ ብዛዕባ ሞት ነጃር ዝምልከት ኣብ ዝግበር መርመራ ህንዲ ኽትተሓባበር ጸዊዑ ኣሎ ።ነዚ ንካናዳን ህንድን ኣብ ዘይምስምማዕ ኣብጺሕወን ዘሎ ጉዳይ ዝድህስስ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐጸለ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ድርድር ብዘይ ፍረ ተዛዚሙ። ኣብ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ክረጋገጽ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ። ኣብ ኣስመራ “ሓያል ጻዕሪ ንምርግጋጽ ብቑዕን ውሑስን ቀረብ ዘርኢ ስርናይን ዕፉንን” ብዝብል ቴማ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ስርናይን ዕፉንን፡ ተሳሊጡ። ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ጁቡቲ ተመያይጡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝያዳ ተጻዋርነት ከርእያ ጸዊዖም። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብዝድህስሶም ዜናታት ስፖርት፥ * ትዕግስት ኣሰፋ ሓድሽ ክብረወሰን ማራቶን ደቀንስትዮ ዓለም ብምምዝጋብ ኣብ ከተማ በርሊን ተዓዊታ፣* ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ሾውኒ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝድነቕ 7ይ ወጺኡ፣* ኤርትራ ኣንጻር ሞሮኮ ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ክትራኸብ ኣብ ዝተመደበትሉ ንሓያሎ ዓመታት ኣህጉራውያን ግጥማታ ብዘይምክያዳ ኣብ ተርታ ሃገራት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ከይተኻተተት ተሪፋ፣* ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ክለባት ኣፍሪቃ 'ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ' ምስራዊት ጋንታ ኣልኣህሊ ንኢትዮጵያዊት ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ 3-0 ስዒራታ፣* ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዝርከቦም ሸሞንተ ተጻወታ ሽቶታት ኣመዝጊቦም ኒውካስትል ዩናይትድ ንሸፊልድ ዩናይትድ ብገፊሕ 8-0 ስዒራታ፣ ሎሚ ሰኑይ ብምዃኑ ጣዕመ ዜማታት ከነቕርብ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ርሑቕ ከባቢታት ናይ ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ ዝግበር ምድማጽ ጀሚሩ። ** ፈረንሳይ ኣምባሳደራ ካብ ኒጀር ስሒባ ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ክረጋገጽ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ።
    46 min
  • ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ።
    ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐጸለ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ድርድር ብዘይ ፍረ ተዛዚሙ። ኣብ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ክረጋገጽ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ። ኣብ ኣስመራ “ሓያል ጻዕሪ ንምርግጋጽ ብቑዕን ውሑስን ቀረብ ዘርኢ ስርናይን ዕፉንን” ብዝብል ቴማ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ስርናይን ዕፉንን፡ ተሳሊጡ። ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ጁቡቲ ተመያይጡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝያዳ ተጻዋርነት ከርእያ ጸዊዖም።
    8 min
  • ትዕግስት ኣሰፋ ሓድሽ ክብረወሰን ማራቶን ኣመዝጊባ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ፓሪስ 7ይ ወጺኡ፣ ግጥም ኣርሰናል-ቶተንሃም 2-2 ተዛዚሙ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/09/2023) * ትዕግስት ኣሰፋ ሓድሽ ክብረወሰን ማራቶን ደቀንስትዮ ዓለም ብምምዝጋብ ኣብ ከተማ በርሊን ተዓዊታ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ሾውኒ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝድነቕ 7ይ ወጺኡ፣ * ኤርትራ ኣንጻር ሞሮኮ ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ክትራኸብ ኣብ ዝተመደበትሉ ንሓያሎ ዓመታት ኣህጉራውያን ግጥማታ ብዘይምክያዳ ኣብ ተርታ ሃገራት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ከይተኻተተት ተሪፋ፣ * ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ክለባት ኣፍሪቃ 'ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ' ምስራዊት ጋንታ ኣልኣህሊ ንኢትዮጵያዊት ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ 3-0 ስዒራታ፣ * ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዝርከቦም ሸሞንተ ተጻወታ ሽቶታት ኣመዝጊቦም ኒውካስትል ዩናይትድ ንሸፊልድ ዩናይትድ ብገፊሕ 8-0 ስዒራታ፣
    12 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners